INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ድሕሪ ደጊም ኣጀንዳ ትግራይ ኮንፌዴሬሽን ወይ ባዕልኻ ክኢልኻ ሃገር ናይ ምምስራት ጉዕዞ እዩ

Read from source

ብል#ግና ዝወስዶ ዘሎ ኣንፃር ተጋሩ ዘቕንዐ ዘርኣዊ ስጉምቲ ብዙይ ጠጠው ዝብል ኣይኮነን! ሕጊ ሃገር ጥሒሱ ዝመርሖ ዘሎ ዘይሕጋዊ ውዳበን መንግስትን ምእንቲ ኣብ ስልጣኑ ክፀንሕ፤ ተመሳሳሊ ዘይሕጋዊ ስጉምታት ከምዝወስድ ርግፅ እዩ! ንዙይ እዩ ካብ ተሸወምቲ ተጋሩ ኣትሒዙ ንስቪል ሰራሕተኛታትን ኣብ ፖሊስን ምክልኻል ሃገርን ንዘገልግሉ ዘለዉን ተጋሩ ብመንነቶም እናፈለየ ምምዝጋብን ምፅራይን እናካየደ ቀንዩ ዘሎ!

ንኣና ከምተጋሩ ከገድሰና ዘለዎ ቀንዲ ውራይ ግና፤ ገዛኢ ውድብ ትግራይ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ዓድናን ንዘነፃፀሩ ውዲታትን ሸርሕታትን ኣብ ምፍሻል፤ ሰናይ ምምሕድዳርን ማሕበራዊ ፍትሕን ኣብ ምርግጋፅ፤ ልምዓትን ዕብየትን ኣብ ምምፃእ እተርእዮ ምትዕፅፃፍን ስዳሮን እዩ!

* ህፁፅ ጉብኤ ህወሓት ኣብ ውሳነታቱ እዙ ብል#ግና ዝብሃል ውዳበ ዝመርሖ መንግስቲ ዘይሕጋዊ እዩ ካብበለ፤ ህወሓት መንግስቲ ሽግግር ንኽምስረት ፃውዒት ትግበር!

* እንተዘይኮይኑ ብዛዕባ ምርጫ ጅኒ ጃንካ እናበልናን፤ ንግጉይ ዘይሕጋዊ ኣካይዳ መንግስቲ ብል#ና እናነቐፍናን ግዘና ኣይነባኽን! መንግስቲ ብል#ግና ቀንዲ ዛዕባና ተዘይኸውን! ምስእዚኦም ተቆራቑስና ኣየጥዕመልናን! ዓቐንና እውን ኣይኾኑን! መግለፂ ወዲ መግለፂ ምብዛሕ ዳርጋ ብኽያት ኮይኑኒ ተሰሚዑኒ! ይኣክል!

* ሕጋዊ ኣይኮነን ኢልና ኣብ ጉባኤ ካብ ወሰንና፤ ኣብ'ዙ መንግስቲ ዘለዉ ስልጣናት ፌደራል እንተዝተርፉና! ንኣብነት ኣካዳሚ መለስ ኣብ ዝብሃል ትካል ፌደራል ስለምንታይ እዩ ኣባል ኣፈፃሚ ስራሕ (ፖሊት ቢሮ) ተቐሚጡ ዘሎ? ክሳብ ዝባረር? እንታይከ ክዓብሰልና? ስለዙይ ኩሎም ተጋሩ ሰበስልጣናት ፌደራል ቅድሚ ምብራሮም ምስ ክብሮምን ምእንተ ክብሪ ህዝቦምን ብናይ ባዕሎም ውሳነ ናብ ዓዶም እንተዝምለሱ!

* ድሕሪ ደጊም ኣጀንዳ ትግራይ ኮንፌዴሬሽን ወይ ባዕልኻ ክኢልኻ ሃገር ናይ ምምስራት ጉዕዞ እዩ! ህወሓት እውን ኣብ'ዙ ወሳኒ ምዕራፍን ዛዕባን ዝህልዋ ቅዋም ክተነፅር ትግደድ!

* ኣጀንዳና ብዛዕባ ትግራይን ትግራይን ጥራሕ ገይርና ንስራሕ! መንግስቲ ትግራይ ንባዕሉ ክኢሉ ትግራይ ማእኸሉ ገይሩ ይውፈር የዋፍር! ብዛዕባ ዘየላ ሃገር ንበይንትና ዓገግ ኣይንበል! ክልላት ድማ ሰብ ዋና ኣለዉወን!

* መሰልናን ክብርናን ከይትንከፍ ብግልፂ ቋንቋ ይነገር!

* ቀይሕ መስመር ይሃልወና!!!!

#ካሳ ሃይለማርያም