INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ህዝቢ ትግራይ ናይ ባዕሉ ዕድል ባዕሉ ክውስን ዘለዎ

Source

ህዝቢ ትግራይ ናይ ባዕሉ ዕድል ባዕሉ ክውስን ዘለዎ ተፈጥሮኣዊን ብቓልሲ ነረጋግፆን መሰል (ቀያሕትን ፀለምትን ዕሸላት ሰዊእና ነረጋግፆ መሰል) ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዝቐርብ ኣይኮነን ኢሉ መንግስቲ ትግራይ ብተደጋጋሚ ገሊፁ እዩ:: ኣነ ኣብ ዝፈልጦ እውን ዲፕሎማሲ ክንሰርሕ ከለና እዙይ ኢና ንሰርሕ::

መንግስቲ ትግራይ ካብዚ ንላዕሊ ኸይዱ ንናይ ፌስቡክ ሓፋሽ ንምሑጋስ ክብል ስሕተት ክሰርሕ ኣለዎ ኢለ ኣይኣምንን:: "መፃኢ ትግራይ ብሪፈረንደም እዩ ዝውሰን ዝብል ነገር ንዋጋ ዕዳጋ ኣይነቕርቦን" ዝብል ፖሊሲ ኣይኣክልን እሞ ንግሆ ንግሆ ከም ኣክቲቪስት ብዛዕባ ሃገር ምኳን ተዛረብ ዝብሃል ነገር ወይ ዘይምፍላጥ እዩ ወይ ሸፈጥ እዩ:: ብስሩ እውን ወግሐ ፀብሐ ብዛዕባ እዚ ምዝራብ ንዚ ዓላማ የተዓናቕፍ እምበር ኣይድግፍን:: እዚ ንምንታይ ከምዝኾነ ብዝርዝር ምርዳእ ቀሊል እዩ:: ግን ድማ ዘይምዝራብ እዩ ዝሕሽ እናበልካ ንናይ ፌስቡክ ማሕበረሰብ ክተእምን ክትብል ምዝራብ ጉድኣት እምበር ጥቅሚ ኣይህልዎን::

መንግስቲ ከም መንግስቲ እዩ ክሰርሕ ዘለዎ:: መንግስቲ ከም ኣክቲቪስት ምስራሕ ተጀሚሩ እማ ነገር ተበላሽያ:: ብስሩ እውን ንሓደ መንግስቲ መንግስቲ ዝገብሮ ኩሉ ኣመዛዚኑ ምስራሕ ምኽኣሉ እዩ:: ከም ፀላእትና ኣብ 'ቀረርቶን ሽለላን' ጊዜ እናጥፋእና ፀላእትና ናብ ዝወጠኑልና 'trap’ ክንኣቱ የብልናን::

ቖቓሕ ምኳን ለባምን ጎራሕን ምስ ምኳን ብሓንሳብ ተዘይመፅዩ ኣዕናዊ እዩ:: ሃገር ዝምስረት ወግሐ ፀብሐ 'ሃገር እየ ዝደሊ' ኢልካ ብምድራፍ ኣይኮነን::

ድሕረ ፅሑፍ:

1:- ሃገር እየ ዝደሊ ዝብል ደርፊ ብጣዕሚ እየ ዝፈትዎ:: ሃገር ዘይብለይን ክህልወኒ ዝደልን ስለዝኾንኩ::

2:- እዚ ጉዳይ ንቲ ናይ ዲፕሎማሲ ስራሕና ይፀልው ስለዘሎ እምበር እንተዘይዛረበሉ እውን ደስ ምበለኒ:: ምዝራበይ ወይ ዘይምዝራበይ ለውጢ እኳ እንተዘይሃለዎ ተዛሪብካ ስለዝነፍሰልካ ምዝራብ ፅቡቕ እዩ:: መንግስቲ ግን ተዛሪቡ ክነፍሰሉ ዘለዎ ኣካል ዘይኮነስ ባህግና ከሳኽዕ ዝተመረፀ እዩ እሞ ክግበር ዘለዎ ጥራሕ እዩ ክገብር ዘለዎ::