INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ድሕረ-ጄኖሳይድ ዝህልይ ማሕበረሰብ:-

ብዛዕባ ድሕረ-ጄኖሳይድ ንምውራይ ገና ዘይተዓደልና ህዝቢ ኢና እምበር ብዙሕ እሂን ምሂን ክንብለሎም ዝግብአናን ድሕሪ ጄኖሳይድ ዝርአዩ ሳይኮ-ሶሻል ፀገማት ምህላዮም ኩሉ ዝግንዘቦ ጉዳይ ይመስለኒ::

ድሕሪ ጄኖሳይድ ዝህልይ ሓደ ማሕበረሰብ ብዙሓት ሕቶታት ምልዓሉ ግድን እዩ:: እቲ ናይ መጀመርያ ሕቶ እዚ እዩ: "ኣሕዋተይን መሓዙተይን ሞይቶምስ ኣነ ንክነብር ንምንታይ ተረጊመ?! ንዚ ክርእይ ንምንታይ ዓቁይርካኒ?" ዝብል ህዝባዊ ቁጥዐ!

ብካልኣይ ደረጃ ድማ "እዚ ኩሉ ክሳብ ዝፍፀመና ከመይ ኢልና ኮፍ ኢልና ተፀቢናዮም?" ዝብል ዓርሰ ወቀሳን ፅልኣትን ዝተመልኦ ሕቶን ጣዕሳን እዩ:: እዚ ድማ "መን ሓላፊነት ክወስድ ኣለዎ?" ኣብ ዝብል ክትዕን ምውንጅጃልን የእትይ:: እዙይ ንቲ ማሕበበሰባዊ ሓድነትን ፋብሪክን ናብ ሓደጋ ከውድቅ ዝክእል ሕቶ እዩ... ብፍላይ ኣብ ማእከል ጄኖሳይድ እንትልዓል::

ብሳልሳይ ደረጃ ድማ ንሕና ኣብዚ ፅንተት ከም ህዝቢ ዘበርከትናዮ እንታይ እዩ ዝብል ጉዳይ እዩ:: እዚ ክልተ ፀግዒ ክሕዝ ዝክእል እዩ:: እቲ ሓደ ኣብቲ ከይዲ ፅንተት ንሕና ከይፈለጥናዮ ብዕሽነትናን ብገርህናን ኣብ ምንታይ ተሓባቢርና ዝብል ጉዳይ እዩ:: እቲ ካልኣይ ድማ ብስሩ እዚ ፅንተት ዝግብአና እውን ድዩ ዝብልን ንሕና ብስሩ ገበነኛታት ኢና ዝብልን እዩ::

ብራብዓይ ደረጃ ድማ ኣብቲ እዋን ፅንተት ዘይነበሩ ውላዳት ዝሓትዎ ይመስለኒ: ከም በጊዕ ወሲዶም ንኣሕዋትኩም እንትሓርድዎም ንስካትኩም እንታይ ትገብሩ ነይርኩም? ንምንታይ ኣሕዋትኩም እንትሞቱ ንስካትኩም ነቢርኩም? ሞት ዶ ኣይምሓሸኩምን? ዝብሉ ሕቶታትን ወቀሳታትን::

ወዘተ ወዘተ....

እዚኦምን ካልኦትን ሕቶታት ኣብ ድሕረ-ጄኖሳይድ ማሕበረሰብ ዘይተርፉ ጉዳያት እዮም- ዋላ እቲ ቓልሲ ብዓወት ተዛዚሙ እንተዝኸውን:: ንዞም ሕቶታት ንህቦም መልሲታትን ኣብዚ እዋን ክትዕ ንንባዕልና ዝህልየና ምክብባርን ሓልዮትን ድማ ንወትሩ ዝህልየና ሕውየትን መፍትሒን ወሳኒ እዩ::

ኣይሁዳውያን ዋላ ድሕሪ ምስረታ ሃገረ እስራኤል እዞም ጉዳያት እናሓመስዎም እዮም ነቢሮም:: ንሕና እውን ካብኣቶም እንተገደድና እምበር ክንሕሽ ኣይንኽእል::

እቶም ሕቶታት ክቐርዩ ኣይክእሉን:: ክነቅርዮ እንኽእል ኣብ እዋን ምይይጥን ክትዕን ዝህልይ ምፅልላምን ጎንፅን እዩ- እንተኽኢልና::

ንዞም ሕቶታት ንህቦ መልሲ ንዳግመ ሕውየት ኮነ እቲ ፅንተት ከይድገም ብመሰረታዊነት ዝውስኑ ስለዝኾኑ ብጥንቃቐ እንተዝገበሩ ፅቡቕ ይመስለኒ:: እቲ ዋና ፈተና ዝኾን ኩላትና ተራእዩ ዘይፈልጥ መከራ ዝረአና ብምኳንና ብብጊዚኡ ከይተፈለጠና 'ንዓብድ' ምኳኑ እዩ:: እቲ ሓደ ሓው እንትዓብድ እቲ ካሊእ ሓው እንተተፃዊርዎ እዙይ ምዕራፍ ክንሓልፎ ኢና:: እዙይ ንምግባር ክልተ ነገራት ከም ኮምፖስ ክመርሑና ዝክእሉ ይመስለኒ:: ሓደ ኩሉ ጉዳይ (ኩሉ ንገብሮን ንብሎን) ሐዚ እውን ማእኸሉ ትግራይ ክትከውን ምግባር እዩ:: It’s not about me; it’s about us collectively! Always remember that. ምስዚ ተተሓሒዙ ብካልኣይ ደረጃ ዘድልየና ናይ ተጋደልቲ ኣሕዋትና ስምዒት ሕውነትን ብፃይነትን እዩ:: ኩሉ ክትዕናን ባእስናን ኣብ ትሕቲ ሕውነትን ብፃይነትን ዝግበር እንተኾይኑ ዘይሕለፍ መከራ የለን::

ዘይንቡር (uncommon) ጉድን መከራን ኢና ኣሕሊፍና (ሓሊፍና እንተተባሂሉስ):: ዘይንቡር ሕውነትን ብፃይነትን ከድሕነና ይኽእል ይኾን እሞ እስኪ ንፈትኖ!

#ብፃይነትንሕውነትን