INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ብዛዕባ ዴስኣ ትፈልጡ ዶ?

ቅድሚ ከባቢ 5 ዓመት ኣቢሉ (ብ 2009) ግዕዝ ሚድያ ብዛዕባ #ዴስኣ ካብ ዘውፅኦ ሓበሬታ

ብዛዕባ ዴስኣ ትፈልጡ ዶ?

ኣብ መንጎ ትግራይን ዓፋርን ክልል ዝዋሰን 120 ሽሕ ሄክታር ዝሸፈነ ኣግራብ ዴስኣ ካብ 300 ዓይነታት እፅዋት ከባቢ 128 ዝኮኑ እፅዋት ንመድሓኒትነት ክውዕሉ ዝኽእሉ እዮም።

ካብዞም እፅዋት ኣብ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዝርከብ (ሽዑ ትግራይ ናይ እ/ያ ግዝኣት ስለዝነበረት) ንመድሓኒትነት ዝውዕል ብሳይነሳዊ ኣፀዋውዓዑ “ደራሲንያ ኡንቤት” ዝብሃል ብልሙድ ሽሙ ድማ “ዕፀጳጦስ” እናተብሃለ ዝፅዋዕ እውን ኣብዚ ቦታ ይርከብ።

እዞም እፅዋት ንቆርበት ፣ ንከብድን ካልኦትን መድሓኒታት ክውዐሉ ከም ዝኽእሉ ተመራመርቲ ይገልፁ ።

ብተወሳኺ ኣብዚ ኣግራብ ኣብ ኢትዮጵያ ጥራሕ ትርከብ “ብላክ ዊንግ ላቭ በርድ” ዝተብሃለት ዒፍ እውን ኣብዚ ቦታ ትርከብ።

MyNoteHere: እቱ ዝተመረፀ መንግስትና መሬትና ብቑርምም ሽርምም ልጎረባብቲ ላዓደለ ኣብዚ ኣብፂሑና እዩ ፡ ሃፍትና ንፍለጥ፡ ግዝኣትና ኣይንሸንሽን።