INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ናይቶም ገበነኛታት ገበን ብምህሳስ - ናይቲ ህዝቢ ተተኳባይነት ክጎልህ ይስራሕ ኣሎ!

ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ደንበርበር እትብሉ ሰባት ሐዚ ብዝኾነን ዘይኮነን ኝኝ ኣይትበሉ። ቅበፁዎም እንተበልናኩም "ከምኡ ኣይትበል" ትብሉና ኔርኩም። ሐዚ እውን ንነግረኩም ኣለና። ኤርትራ እትበሃል ዓዲ ቀታሊት ፣ ወራሪት ፣ ገበነኛ ዓዲ እያ። እዚ ክንብል ከለና ድማ ሽፍንፍን የብሉን - ህዝባ ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ተሓታቲ እዩ።

ተሓታትነት ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪብካ ብምፍራድ ጥራሕ ኣይትቑፀሩዎ። ህዝቢ ብዝወከሎ መንግስቲ ኣቢሉ ቤት ፍርዲ ይግተር እዩ። ህዝቢ ይቕፃዕ እዩ። ቁሩብ ኣዚርና ምርኣይ እናኣበየና እዩ እምበር - ሓንቲ ዓዲ ማዕቐብ ክግበረላ ከሎ ብዋናነት ህዝቢ እዩ ዝቕፃዕ (መንግስቲ ኣይኮነን)። ኣብ እዋን ማዕቐብ ዝጠሚ ዝፀምእ መንግስቲ የለን - ህዝቢ እዩ ዝሽገር። ማዕቐብ ክግበር ከሎ ህዝቢ ከም ዝሽገር ይፍለጥ እዩ። ግን ፍርዲ እዩ።

ኣራዊት ሰራዊት ኤርትራ ሱቕ ኢሉ ብራርያ ኣይኮነን። ናተይ ኢሉ ዝሓቑፎ ፣ ዝፈትዎን ዝድግፎን ህዝቢ ኣለዎ። ክቐትለናን ክሓርደናን ከሎ ዘለዎን ዘይብሉን ነጊፉ ዝቕልቦ ህዝቢ ኣለዎ። እቲ ዝኸፈአ ንገረና እንተይልኩም ድማ ድስትን ኩስኩስትን ሰሪቑ ክኸይድ ከሎ እውን ነውሪ ከይተፀየፈ ዝቕበል ህዝቢ ኣለዎ።

"ህዝብን መንግስትን ፈላሊኹም ርአዩልና" ይብሉኻ። ዋእ - ህዝብን መንግስትን ፈላሊኹም ዘይወቓዕኹምና🤔? . . . ከምኡ ኮይኑ እውን ህዝቢ ትግራይ ለቢሙ - ብዝተኸኣለ መጠን ስም ህዝቢ ኤርትራ ብሕማቕ ንዘይምልዓል ፈቲኑ። ግን ትነቓንቑዎ ኣለኹም - ምንም ስቕ ክተብሉዎ ኣይከኣልኩምን።

አብዚ ኩናት እዚ ኤርትራዊ ይኹን ኣም*ሓራይ - ደርጊ ይኹን ሻዕቢያ ዓዶምን ሰራዊቶምን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ማእለያ ዘይብሉ ገበን ዝፈፀሙ ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ብታሪኽ ፣ ብሕግን ብሕልናን ተሓተትቲ እዮም። ነብሶም ከንፅሁ ዘይኮነስ ገበኖም ኣሚኖም ክኽሕሱ ላዕልን ታሕትን እንተተዝብሉ - ተሓታትነቶም ዋላ ኣይትረፍ ከም ሰብ ግን ንፃዕርታቶም ኣብ ግምት መእተውና።

"ይሕግዙና ስለ ዘለዉ ሱቕ በል" እትብሉ ሰባት ተጋሩ ምዃንኩም ይጠራጠር እየ። እዚ ሞቱን ስቓይ ምጉርጓር ማህፀን ኣዴታቱን ረሲዑ ብሕፍኒ ስርናይ ዝዕደግ ድሁል ስነ ልቦና ካበይ ከም ዘምፃእኹሞ ኣይርደአንን። እቶም ዝሕግዙ "ሰብ ሕልና ስለ ዝኾኑ እምበር - ኤርትራውያን ስለ ዝኾኑ ኣይኮነን" ኢልና "ናይ ሕልና ተቓለስቲ" ዝብል ክቡር መዓርግ ሃብና ኣፍልጦ ሂብናዮም ኢና። ነዚኣ ተጎዛጊዞም ገበን ኤርትራት እትበሃል ሃገር ከረሳስዑና ሰለይ ይብሉ እንተሃልዮም ዓሽኦም ይኣልሹ - መስምዒ የብልናን።

ብስሩ ድሕሪ ሐዚ ዝኾነ ሳናቲም ልኢኹ ዝተሸገራ ኣዴታትና ብቪዲዮ እናቐረፀ ዘለፋልፍ ዝኾነ ይኹን ኤርትራዊ ዋላ ቻይናዊ ኣይንደልን። ንዘበርከቶ ሓገዝ ምስክርነት እንተደልዩ ካብ መንግስቲ ይኹን በቢ ብርኩ ካብ ዘለዉ መሓውራት መንግስቲ ምስክር ወረቐት (ሰርተፊኬት) ክሓትት ይኽእል እዩ። ንዝሃብካዮ ነገር ቅብሊት ወረቐት (ደረሰይ) ምሕታት ነውሪ የብሉን። ካብዚ ወፃኢ ሞራል ኣዴታትና ንምስክርነት ተባሂሉ ንዕዳጋ ዝቐርበሉ ኩነታት ክፍቀድ የብሉን - ብወገነይ እዚ ንኽቋረፅ ብግልፂ ክቃለስ እየ።

እዘን ብሓንቲ ባኒ ዘለፋልፉወን ኣዴታትና ፅባሕ ነዚ ዝርኢ ውሉድ ኣለወን። እዚ ውሉድ ነዚ ምስልታት ሪኡ ናይ ለማናይን ተተኳባይን ስነ ልቦና ክዓስሎ ኣይንደልን። ህዝብና ለማናይ ይኹን ተተኳባይ ኣይነበረን። ገበነኛታት እዮም ከምኡ ገይረሞ። እቲ ብጣዕሚ ዝገርም "ናይቶም ገበነኛታት ገበን እናሃሰሰ - ናይቲ ህዝቢ ተተኳባይነት ክጎልህ" ይስራሕ ኣሎ። ነዚ ዘይርዳእ ትግራዋይ ምህላዉ ክትርኢ ከለኻ ትሓዝን። እቶም ዝሕግዙ ኤርትራውያን ዝሃብናዮም "ናይ ሕልና ተቓለስቲ" ዝብል ክቡር ሽም ሒዞም ንረኣዩለይ እንተዘይሰርሑን - ጎኒ ጎኒ ዝገብሩዎ ሓገዝ ብቀጦታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ገበንን ተሓታትነትን ኤርትራ ንኸህስሱ እንተዘይንቀሳቐሱን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልቡ መንገሶም ነይሩ።

ኤርትራ . . .
መንግስታ ፣ ሰራዊታን ህዝባን ገሊኦም ብታሪኽን ሕልናን ገሊኦም ብሕጊ - በቢደረጅኦም ተሓተትቲ እዮም። "ሕውነትን ርክብ ክልቲኡ ህዝብን" ዝብል ብሂል ተሓታትነት ኣረሲዑ ነቲ ዝተፈፀመን ዝፍፀም ዘሎን ገበን ከረስዕ ዝኽእል ሞራላዊ ዓቕሚ የብሉን። ተሓታትነት ድማ ፀረ ሕውነት ኣይኮነን - እኳ ደኣስ ሕውነት ንኸይተስጉም ዝነበረካ ሰኸፈት ቀንጢጡ ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፈት በሪ እዩ። ስለዚ ካብ ተሓታትነት እትሃድሙ ሰባት ኢኹም ካብ ሕውነት ትሃድሙ ዘለኹም። ሃዲምኩም ግን ኣይተምልጡን - ክትሕተቱ ኢኹም። . . . ካብኡ ኸዓ ተሓታትነት ካልእ public diplomacy ካልእ!

ኣብዚ ደንበርበር እትብሉ ተጋሩ ዓይኒ ይምሓር