INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ደቂኣንስትዮ ትግራይ፤

ደቂኣንስትዮ ትግራይ፤ ወዲሰብ ክፃወሮ ይኽእል እዩ ኢልካ ዘይትግምቶ፤ ኩሉ ዓይነት ከቢድ ፀውራ ማሕበረሰብና እየን ፀይረን! ካብ ሜዳ ትግራይ ክሳብ ኣደባባያት ዓለም ዓንዲሕቖ ህዝብና ደቂኣንስትዮ ትግራይ ስለዝኾና! ኩሉ መጥቃዕቲ ስነኣእምሮኣዊን ኣካላውን ማህሰይቲ እውን ወሪዱወን! እናጠመያ ደቀን ኣሕዋተን ኣሓተን ሰብኡተን ወለደን እናቐበራ፤ መቐነተን ኣስጢመን ንብዓተን እናትእቖፃፀራ፤ ንዙ ፅሙዋ ፀበባ ይሰግርኦ ኣለዋ!

ፅባሕ ማዕልቲ ኣደታት እዩ! ንኣደታት ትግራይ የቐንየልና እንብለሉ! ንሎማዕልቲ ናይዛ መርኣያ ክልተ ሰለስተ ምዕራፍ ዝኾነት፤ ናይ ተጋዳሊት ዘነቡ ዝስዕብ መልእኽቲ፤ ንኣብ መላእ ዓለም ዘለኹም ተወለድትን ፈተውትን ደቂኣንስትዮ ትግራይ ኣቕርበልኩም! ኣብ ጎኒ በሪ ማይዳ ጠጠው ኢልና ንኣዋልድ ትግራይ ኣብ ምሕዋይ ከምእንነጥፍ ድማ ተስፋይ ልዑል እዩ!

በሪ ማይዳ

በሪ ማይዳ መዕረፍን ማእኸል ትምህርትን ኣዋልድ ትግራይ፤ ማዕልቲ ኣዶታት ኣመልኪቱ ናይ እንኳዕ ኣብፅሐክን ኣብፅሐና ሰላምታ የቕርብ::

በሪ ማይዳ መዕረፍን ማእኸል ትምህርትን ኣዋልድ ትግራይ መዘከርትኡ፤ ንተን ምእንተ ሰላም እናተቓለሳ ዝሓለፋ ደቂኣንስትዮ ትግራይ ኮይኑ፤ ብምኽንያት ርሕቐት ቦታ ብሩህ ኣእምሮ እናሃለወን ክምሃራ ንዘይክኣላ ንዝተፀገማ ኣዋልድ ትግራይ ኣተኣኻኺቡ ከምህር ዝቖመ ማሕበረሰባዊ ትካል እዩ::

ዛጊድ ካብ ዝተፋላለየ ፍልፍላት ብዘተኣኻኸቦ እቶት፤ ኣብ ሳምረ ንኣርባዕተ ዓመት ብኽራይ፤ ንክልተ ዓመት ድማ ባዕሉ ኣብ ዘስረሖም ህንፃታት፤ ንተኸታታሊ ዓመታት ኣዋልድ ተምሃሮ እናተቐበለ እናሓገዘን እናምሃረን ፀኒሑ እዩ። ብዙይ ድማ ካብ ቀዳሞት ዙር ክሳብ ካልኣይ ዓመት ዩኒቨርስቲ ኣብፂሑ ፅቡቕ ኣብ ምስጓም እናሃለወ እዩ እዙ ብልፍንቲ ዝተኻየደ ወራር ዝተወልዐ::

ካልኣይ ጨንፈር በሪ ማይዳ ኣብ ደጉዓ ተምቤን (ሃገረሰላም) ዩኒሴፍ ኣብ ዘስርሖ ህንፃ፤ በሪ ማይዳ ምስ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይን ወረዳ ዶግዓ ተምቤንን ንከመሓድሮ ውዕሊ ኣሲሩ፤ ርኽክብ ተኻዪዱ ሰራሕተኛታት ተቖፂሮም፤ ተምሃሮ ኣዋልድ ምልመላ ምስተጀመረ፤ ብሰንኪ እዙ ወራር ተኾሊፉ።

ከምኡ'ውን ሳልሳይ ጨንፈር በሪ ማይዳ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ኩናማ ንምጅማር ምስ ተወከልቲ ህዝቢ እቱ ከባቢ ብምዝርራብ ፕሮጀከት ተቀሪፁ፤ ክሕግዝ ናብ ዝኽእል ትካል ኣእትዩ፤ ኣብ ከይዲ እናሃለወ እዩ እዙ ወራር መፂኡ::

ብሰንኪ እዙ ልፍንታዊ ወራር፤ ኣዋልድ ተምሃሮ በሪ ማይዳ ተበቲነን፤ ዘርኣውን ፆታውን ጥቕዓትን ኣካላዊን መንፈሳዊን ማህሰይቲ በፂሑወን! ህዝቢ ትግራይ ዘጓነፎ ኹሉ ኣጓኒፉወን ኣብ ብርቱዕ ፀገም ይርከባ:: ንብረት እቱ ትካል'ውን ሙሉእ ብሙሉእ ዓንዩን ተጓሒሉን::

በሪ ማይዳ መዕረፍን ማእኸል ትምህርትን ኣዋልድ ንዙ ሐዚ ገጢሙና ዘሎ ከቢድ ፀገም ኣብ ግምት ዘእተወ፤ ዳግም እግሪ ክተክል ዘኽእሎ ሓዱሽ ዕማም ሒዙ ተበጊሱ ኣሎ::

ልፍንቲ ፀላእቲ ኣፅኒቶምና እዮም! ንዙ በፂሑና ዘሎ በሰላ ኣብ ምሕዋይ ድማ ከም ህዝቢ ትግራይ ክግበሩ ካብ ዝግባእ ስራሕቲ እቱ ሓደ፤ ደቂ ኣንስቲዮ ትግራይ ካብዙ በፂሕወን ዘሎ ማህሰይትን በሰላን ንምሕዋይ ክግበር ዘለዎ ስራሕ እዩ!

በሪ ማይዳ ከምትካል ብዓቕሙ እናሰርሖ ዝመፀ እዚ ኮይኑ፤ ሐዚ ድማ ኣብ ኣሜሪካ ከምትካል ተመዝጊቡ፤ ዝያዳ ኣብዙ ዝተጣየሸሉ ቀንዲ ዕማም ስነኣእምሮኣውን ኣካላውን ምሕዋይ ደቂኣንስትዮ ትግራይ ክተዓፃፀፍ ተዳልዩ ኣሎ!

ንምድሓን ህዝብናን ንዳግመ ህንፀት ዓድናን ብዝበለፀ ሕራነን ወነን ድጋፍ ኩሉ ተስፋ ገይሩ እዩ ተበጊሱ ዘሎ። ንዙይ ድማ ኩሉ ፈታዊ ደቂኣንስትዮ ትግራይ ኣብ ጎኑ ጠጠው ከምዝብልን፤ ዝዓነወን ዝተጉሓለን ትካላት በሪ ማይዳ ብዝበለፀ ዳግም ከምዝቐውም ኣይንጠራጠርን::

በሪ ማይዳ መዕረፍን ማእኸል ትምህርትን ኣዋልድ ትግራይ ንማዕልቲ ኣዶታት ምኽንያት ብምግባር፤ ኣብ ጎኒ እቱ ሓንፂፁዎ ዘሎ ዕላማ ጠጠው ንኽንብል እናዓደመ፤ ደጊሙ እንኳዕ ንማዕልቲ ኣዶታት ኣብፅሐክን ኣብፅሐና ይብል!

ዘነቡ መስራቲትን ኣካያዲት ስራሕን በሪ ማይዳ

ምስልታት ትካል በሪ ማይዳ ቅድምን ድሕርን ወራር

Website: berrimaida.org
Email: info@berrimaida.org
YouTube: https://www.youtube.com/channel/UCmTO_aZfX_M9ezSaeNobdtw
Twitter: https://twitter.com/berri_maida @berri_maida
Facebook: https://www.facebook.com/BerriMaida @BerriMaida
Instagram: https://www.instagram.com/berrimaida @berrimaida