INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ደቀቕቲ ግን ወሰንቲ ሓጓፋት!

ውድብ ናፅነት ትግራይ (ው.ና.ት) ሒዙዎ ካብ ዝነበረ "ሕጋዊ መንግስቲ የብልናን" ዝብል ግጉይ ኣካይዳ ተመሊሱ "ኣብ ጎኒ መንግስቲ ትግራይ" ጠጠው ከም ዝብል ብምግላፅ ኣብ ሕጋውነት ይኹን ህላወ መንግስቲ ትግራይ ዘለዎ ድጋፍ ኣርእዩ እዩ። እዚ ኣዐርዩ ዝነኣድን ናይ ለባም ፖለቲከኛታት ውሳነን እዩ።

ብኣንፃሩ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ (ሳ.ወ.ት) ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ሐዚ እውን ንመንግስቲ ትግራይ ኣፍልጦ ኣይሃበን። separatist ብዝኾነ መንገዲ (systematically) ነቲ ሰራዊት ነፂልካ ናይ ምኻድ (ናይ ምድጋፍ) ንፀላኢ ዝሙቹ ክፍተት ኣለዎ። እዚ ብኣጋ እንተዝእረም ደስ ይብለኒ። ሓደ ሓደ ሻዕ ዋላ ኣይጥዓምካ ህዝብኻ ዝፈተዎ ክትፎቱ ግድን እዩ (ከም ፖለቲከኛ)። ዴሞክራሲ ማለት እውን ንሱ እዩ። ህዝቢ ዝመረፆ ክትቅበል ኣለካ። ኣብ ልዕሊ ውሳነ ህዝቢ ኣይዕመፁዎን (ኣይሕንገዱዎን)።

ኣብዚ ሐዚ ሰዓት መንግስቲ ፣ ሰራዊት ፣ ህዝቢ ዝነፃፀሉ ኣይኮኑን። "ህዝቢ ዝመረፆ መንግስቲ -> መንግስቲ ዝመርሖ ሰራዊት" እዩ ዘሎ። ካብዚ ወፃኢ ዝሰነጣጠቕ ነገር የለን።ከምዚ ዓይነት ብፍላጥን ብዘይፍላጥን ዝፍጠሩ ደቀቕቲ ዝመስሉ ግን ድማ ወሰንቲ ሓጓፋት ብጥንቃቐ እናርአኻ ብጊዚኡ ክስተኻኸሉ ምፅዓር ወይ እውን ምቅላስ የድሊ።

በዚ ኣጋጣሚ እዚ ድልየት ህዝቢ ዘየኽብርን ህዝቢ ዝመረፆ ዘይቕበልን ኣካል ንዕቐቱ ነቲ ህዝቢ ምዃኑ ክርዳእ ይግባእ። ህዝቢ ንዒቕካ ድማ ኣብ ዝብፃሕ የለን። ከቢድ ዋጋ ዘኽፍል ፖለቲካዊ ውድቀት ምጉንፃፍ እዩ ትርፉ።

መኽረሪ ኮይነ ኣይኮንኩን። It's just because I know the intention!