INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ዶር ደ/ፅዮን፡ ንመላእ ህዝቢ ትግራይን ንስድራ ግዳያትን ፅንዓት ተመንዮም።

እቲ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝተፈፀመ ንምግላፁ ዘፀግም ግፍዒ ዝፍፅሙን ዘፈፅሙን ዘለዉ ልሂቃንን መራሕትን ተስፋሕፋሕቲ ኣምሓራ ምዃኖም ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ዶር. ደ/ፅዮን ገ/ሚካኤል ገሊፆም።

ዝምድና ህዝብታት በጣጢሶም፡ ህዝቢ ትግራይ ናብ ሲኦል ክኣቱ ኣለዎ እናበሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጄኖሳይድ ዝኣወጁ ኩሎም ኣካላት ስርዓቱ ብዝሓለወ መንገዲ ክህደኑ ምዃኖም ዝሓበሩ ዶር ደ/ፅዮን፡ ንመላእ ህዝቢ ትግራይን ንስድራ ግዳያትን ፅንዓት ተመንዮም።

ዋሺንግተን ዲሲ: 07 መጋቢት 2014 ዓ/ም (TMH)

ነቲ ኣብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ መተከል ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝተፈፀመ መስካሕክሕን ኣረመኔኣውን ቅተልት ተጋሩ ኣመልኪቶም መግለፂ ዝሃቡ ዶር. ደ/ፅዮን ገሚካኤል ዝተሰመዖም ሓዘን ምስ ገለፁ፡ መንግስቲ ትግራይ ነቲ ብቪድዮ ዝተቓለሐ ይኹን ካልኦት ኣብቲ ከባቢ ዝፍፀሙ ዝቐነይዩ ተመሳሳሊ ግፍዕታት ክከታተሎ ከም ዝፀንሐ ዝሓበሩ ኮይንም፣ እቶም ግዳያት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ፀኒሖም ቤት ፍርዲ ነፃ ኢሉ እንተሰደዶም እኳ፣ እቶ ደም ተጋሩ ምስታይ ዝለመዱ ሓይልታት ትምክሕትን ተስፋሕፋሕትን ኣብ መንገዲ ፀኒሖም ብመንነቶም ጥራይ ፈልዮም ሸሞንተ ተጋሩ ሽዑንሽዑ ተረሽኖም እንትቃፀሉ ነቲ ታሽዓይ ብሂወቱ እናሃለወ ናብ ሓዊ ብምቅፃል ንምግላፁ ዝኸብድ ጭካነ ከም ዝተፈፀመ ሓቢሮም።

ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ባምዛ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ጥቃ ህዳሰ ግድብ ክልተ ተጋሩ ብኻራ ብግፍዒ እንትቕተሉ ኮይኖም፣ መንቁሽ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ እውን 19 ተጋሩ ብሓፈሻ ሰላሳ ዝኾኑ ተጋሩ ብመንነቶም ጥራይ ብዕጡቓት ኣምሓራን ሰራዊት ኢትዮጵያን ብግፍዒ ምቕታሎም ገሊፆም ኣለዉ።

እዚ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ናይ ዝተኣወጀ ጄኖሳይድ መቐጸልታ ምዃኑ ዝሓበሩ ዶር. ደ/ጽዮን ገ/ሚካኤል፣ ነዚ እኩይ ተግባር መሪሖም ዘፈፅሙ ዘለዉ ተስፋሕፋሕትን ልሂቃንን ኣምሓራ ምዃኖምን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ የብፅሕዎ ብለዉ መጠነሰፊሕ ግፍዕታት ክሻብ መወዳእታ ህዝቢ ትግራይ ከም ዝፋረዶምን ሓቢሮም ኣለዉ።።

ህዝቢ ትግራይ ኣሽምባን ንሲቪል ንምሩዃት ዝገብሮ ኣታሕዛ ዓለም ለኻዊ ሕጊ ዘማልአን ስልጡንነቱን ክብሩን ዝገልፅ እዩ ምስበሉ፣ ንተግባር እቶም ጨካናት፡ ኣረመኔታትን ባንዳታት ሸተጥቲ ዓድን ማሕበረሰብ ዓለም ክኹንኖምን፣ ናብ ፍርዲ ዝቐርቡሉ ድፍኢት ክፈጥርን ፀዊዖም።

Read More