INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ኣብ ኣዋን ደብዳብ ነፍርቲ(ኣየር) ዝግበር ጥንቃቐ እንታይ እዩ

ደብዳብ #ነፈርቲ / #ደብዳብ #ኣየር

ኣብ ኣዋን ደብዳብ ነፍርቲ(ኣየር) ዝግበር ጥንቃቐ እንታይ እዩ ❓️

ካብ ጥዕና ዓለም ብዝወፀ መስርሕ መሰረት

እተዕቑቡሉ ቦታ ድለዩ

ክተዕቑቡሎም እትኽእሉ ዝተወሰኑ ቦታታት ኣለው፡-
ንኣብነት፡-
ትሕቲ ምድሪ ዝተሃነፁ ህንፃታት፣
ክፍሊታትወይ ናይ ትሕቲ ምድሪ መንገድታት፡፡ እንተኾነ ግን ኣይትጎዝጎዙዎም/ኣይትደገፉዎም! ምስቲ ደረቕ መንደቕ ኣይትተናኸፉ ምኽንያቱ እቲ ተሪር ግጭት/ርፅም ወይ ምንቅጥቃጥ መሬት ክጎድኣኩም ይኽእል እዩ፡፡

ኣብ ደገ እንተድኣ ሃሊኹም፣ ናብቲ ኣብ ጥቓኹም ዘሎ ህንፃ ቀልጢፍኩም ኪዱ፡፡

ናይ ትሕቲ ምድሪ መዕቖቢ እንተስኢንኩም፣ ኣብቲ ታሕተዋይ ክፋል ናይቲ ህንፃ ኣዕቑቡ፡፡

ካብ ፊሊስትራ/መሳኹቲ ርሓቑ፡፡ እንተተኻኢሉ ነቶም ፊሊስትራ/መሳኹቲ ብመሸፈኒ ላስቲኽን መጣበቒ ፕላስተርን ገይርኩም ሸፍኑዎም፡፡

ኣብ ክፍቲ ቦታ(መፅለሊ ኣብ ዘይብሉ) ክንግብሮም ዘለና ጥንቓቐታት

ምንም ዓይነት ህንፃ(መፅለሊ) ኣብ ዘይብሉ ቦታ እንተኾይኑ ኣብ ቐረባና ናብ ዝረኽብናዮ ዕሙቕ ዝበለ ቦታ (ንኣብነት
ከም ጉድጓድ ዝበሉ) ኣሊሽካ ምግዳም(ምድቓስ)። ካብቶም ነቶግቲ ቑምቡላታት በላሕቲ ሓፃዊን ንላዕሊ ስለዝፈናጠሩ፣ ናብቲ ዝዓሞቐ(ጉድጓድ) ምሕባእ ዝሓሸ ውሕስና ኣለዎ።

ምሉእ ብሙሉእ ብኽብድና ብምድቓስ፣ ርእስና ድማ ብኣእዳውና ኽንድግፎ ይግባእ።

ካልኦት ክግበሩ ዘለዎም ጥንቓቐታት

ኣብ እዋን እቲ ደብዳብ እንተዳኣ ተረኺቡ ሙሉእ ኣካል ሰውነት ክሽፍን ዝኽእል ዘይተባራዓይ(ዘይቓፀል) ክዳን ምኽዳን። ከምኡ ዓይነት ክዳን ምስ ዘይንረክብ ካልኦት ኣብ ቀረባ ክንረኽቦም ንኽእል ከም ካፖርት፣ ጃኬትን ጋዜጣን ዝበሉ ቆርበትና ካብ ባርዕ ሓዊ ክካላኸሉልና ዝኽእሉ ኣልባሳት ምግባር።

ዓይንና ምዕማት - ዓይንኻ ምዕማት ዶሮና ናብ ዓይኒ ከይኣቱ ይከላኸለልና።

ኣፍና ብመጠኑ ብምኸፋት ሳምባና ካብቲ ናይ ኖታጊ ማህረምቲ ምክልኻል።

ክትግበር ዘለዎ
ካብ ገዛኹም ነቲ ውሑስ ዝበሃል ክፍሊ ኣለለዩ፡፡ ንኣብነት፡- ናይ ትሕቲ መሬት ክፍሊ (ቤዝመንት) እንተዘይሃልዩ ሽቓቕ ይምረፅ ምኽንያቱ መብዛሕትኡ ግዜ ጥንኩር ስለዝኾነን ውሑድ ፊሊስትራ ስለዘለዎን፡፡

ኣብቲ ፊሊስትራ ዝጥቃዕ መሸፈኒ ላስቲኽን መጣበቒ ፕላስተርን (ወይ ድማ ካልእ ነውፂ ክፃወር ዝኽእል መጣበቒ) ኣዳልው፡፡ እዚ ኣብ ግዜ ግጭት/ነትጕ እቲ ቤትሮ ወይ ፊሊስትራ ከይሰባበርን ከይጎድኣናን ይከላኸሎ፡፡

ጣውላ፣ ፍርናሽን መፅሓፍቲን ተጠቒምኩም ግዜያዊ መፅለሊ/መዕረፊ ኣዳልው፡፡

ኢድኩም ኣብ ርእስኹም ኣንቢርኩም ኣፍኩም ቁሩብ ብምኽፋት፣ ኣብ ባይታ ብኸብድኹም በጥ በሉ/ደቅሱ፡፡ ክትግበር ዘይብሉ

ነቲ ደብዳብ ነፈርቲ ደገ ወፂካ ምዕዛብ
ነቲ ደብዳብ ነፈርቲ ደገ ወፂካ ስእሊ(ፍቶ) ምልዓል ኣብ መንደቕ(ግድግዳ) ምድጋፍ
ኣብ ሓደ ቦታ ብበዝሒ ምእካብ፣ ብፍላይ ከዓ ኣብ ክፉት ቦታ

ምንጪ፥ ውድብ ጥዕና ዓለም

ናብ ኩሉ ክበፅሕ ግበርዎ።