INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ዳህሰሳን ምልከታን ወድዓዊ ኩነታት ትግራይን ከባቢኣን (ካብ ኣሕፈሮም)

∗ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ይወፅእ ወይስ ይስርት ኣሎ?
∗ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዋሽ ኣርባ ዘርአዮ ምርኢት ውግእ ንምንታይ?
∗ ዝተወሰኑ ኣባላት ካቢነ ብልፅግና ካብ ስልጣን ምውራዶም?
∗ ሃንደበታዊ ዑደት ኣብይ ኣህመድ ናብ ሱዳን?
∗ ኩነታት ፀጥታ ኢትዮጵያ?
∗ ኩነታት ትግራይኸ?
∗ ንሕናኸ እንታይ ንግበር?

ከመይ ቀኒናኸ? ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ዘቕረብኩዎ ቀዳማይ ክፋል፤ ካብ መተባብዒ ክሳብ ስልጡን ዝኾነ ነቐፌታዊ ሪኢቶታት ንዝሃብኩም ኣሓትን ኣሕዋትን፤ ንህዝቢ ትግራይ ዘለኩም ወገናውነት ተገዳስነትን ጭንቅን ተዓዚበሉ፣ ተሓቢነልኩም ድማ፤ ኣብ ኩሉ መድረኻት እሂን ምሂን ክንብል ከምዘለና እኣምን፡፡

ወድዓዊ ኩነታት ትግራይን ከባቢኣን እንታይ ይመስል? ከመይከ ቀኒናን ፀኒሕናን? ኣሕፂርና ድሕሪ ምርኣይ ትርጉሞም ፈቲሽና፤ ፅባሕ ድማ ናብ'ቱ ቀንዲ ውራይና፤ «ንሕናኸ እንታይ ንግበር?» ናብ ዝብል ክንኣቱ ደልየ፡፡

∗ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ይወፅእ ወይስ ይስርት ኣሎ?

ሰራዊት ኤርትራ በዝሒ ሓይሎም ናብ ዶባት ትግራይ ክስሕብ እንተሎ፤ በዝሒ መካይናትን ጋዕገልጠምን ተጠቒሙ፤ ርኣዩለይ ዝበዝሖ እንተነበረ እኳ፤ ሐዚ እውን ኣብ ምዕራብ፣ ሰሜናዊ ምዕራብን ማእኻላይን ትግራይ ብጋህድን ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተመሳሲሉን ኣሎ፡፡ ኣብ እገላ ዛላምበሳን ኢሮብን ኣሎ፡፡ ወታደራዊ ስለያ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ካምቦ ሰራዊት ኢትዮጵያ፤ ኣብ ከተማ ዓዲግራት እንተይተረፈ ብሓባር ኣለዉ፡፡ ሰራዊት ኤርትራ «ይወፅእ ኣሎ ወፅዩ ኣሎ» ብዝብል ኩለን ሚድያታት ዓለም ኣጋዊሐነኦ፤ ብዘይካ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ክልተ ዜናን መግለፅን ሂቡ፡፡ «ሓይልታት ኣምሓራ ካብ ትግራይ ክወፁ መሰነይታ ተገይሩሎም» ዝብልን፤ ካልኣይ ድማ «ካብ መከላኸሊ ኢትዮጵያ ወፃኢ ኣብ ትግራይ ካሊእ ዕጡቕ ሓይሊ ከምዘየለ» መግለፂ ተዋሂቡ፡፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ወፅዩ ኢሉ ሹም ፀሪሑ ኣይገለፀን፣ ከመይ ከምዝወፀ ኣይሓበረን፣ ውፃእ ተባሂሉ ወይስ ባዕሉ ብድልየቱ? ኣብቱ መግለፂ ብግልፂ ዝተብሃለ ነገር የለን፡፡

ደሕንነት ፋሽስቲ ኢሳያስ ኣብ ኩሉ ከባቢ ሰባቱ መዲቡ ተመሳሲሎም ይሰርሑ ኣለው፡፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ግን ፍልይ ብዝበለ ኣብ ጎንደር፣ ሑመራ ዶባት ሱዳንን ካልኦት ከባብታት ምዕራብ ነቁጦም ኣብ ዕለታዊ ስራሕቲ ስለያ ተዋፊሮም ኣለዉ፡፡ ምስ መንግስቲ ኣምሓራ እናተመሳጠሩ ምዕራብ ትግራይ ንሓዋሩ ካብ ዓዱ ትግራይ በቲክኻ ከመይ ከምዝቕፀል ሸርሕታት ይፍሕሱ ኣለዉ፡፡

«ሓይሊ ኤርትራ ወፅዩ» እናበላ ዘጋውሓ ዝነበራ ሚድያታት፤ ሐዚ ድማ ሰበስልጣናት መንግስቲ ኣሜሪካ፤ «ሰራዊት ኤርትራ ሐዚ እውን ኣብ ውሽጢ ትግራይ ኣሎ» ዝብል መግለፂ ምስሃቡ ተመሊሰን፤ ሰራዊት ኤርትራ ከምዘይወፀ ምፅብፃብ ጀሚረን ኣለዋ፡፡ ወፅዩ ኣይወፀን እናተብሃለ ሰንፈላል ንምፍጣርን መከራ ህዝብና ንምንዋሕን ዝዓለመ ምዃኑ ንርዳእ፡፡ ፋሽስቲ ኢሳያስ ከምቱ ትማሊ ኣብ ናይሮቢ መስሐቒን ዓለም፤ «ሰራዊት ኤርትራ ኣተወ ወፀ፤ ምስ ከይዲ ሰላም ዳርጋ ርክብ የብሉን» ኢሉ ደንበርበር ዝበሎ እዩ፡፡

∗ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዋሽ ኣርባ ዘርአዮ ምርኢት ውግእ ንምንታይ?

ካብ ደገ ብኽባር ዝተሸመተ ዘበናዊ ቴክኖሎጂ ኣፅዋራት ውግእ ኣለኒ ወይለኹም ዝብል መልእኽቲ ንምሕላፍ ዝዓለመ፤ ምርኢት ሓይለይ ረአዩለይ፤ ዝምልከቶምን ዘይምልከቶምን ኣብ ዝተረኸቡሉ ብምድሪን ብኣየርን ተሰንዩ ዓብይ ሽፋን ሚድያታት ኢትዮጵያ ተዋሂብዎ፡፡

ንመን ኢዩ ሓይሉ ከርእይ ደልዩ? ልዕሊ ኩሉ ንህዝብታት ኢትዮጵያ ይመስል፡፡ «ኣለኹ እየ ኣይተዳኸምኩን፤ ምስ ዓቕመይ እየ» ንምባልን፤ «ትም ኢልካ ተገዛእ» ዝብል መልኽቲ ይመስል፡፡ ካብኡ ሓሊፉ ንመንግስቲ ሱዳንን ኢሳያስ እውን «ጠፋሕፋሕ እንተይልኩም ከም'ዙይ ዓይነት ዓቕምን ምድላውን ኣለኒ» ኢልካ ክልተሻብ ክሓስቡ ምእንታን ይመስል፡፡ ንትግራይ ኣይመስለንን፤ ውሽጥና ስለ እንፋለጥ፡፡

ከምቱ «መፅናዕትን ስነዳን ስትራተጅክ ደሕንነት» ዝገብር እየ ኢሉ ዘህተፍትፍ ተዋሳኣይ ማሕበራዊ ሚድያ ኢሳያስ/ህግደፍ ዝበሎ፤ «ንግብፅን ኣሜሪካን ኣብ ግምት ዘእተወ» ክኸውንዶ ይኽእል እንተይልና፤ ባጫ እዩ ዝመስል፤ ካብ ምባል ወፃኢ ካሊእ ሪኢቶ የብለይን፡፡

ኣብ መወዳእታ ክስመረሉ ዘለዎ ሕቶ፤ እዙ ዘበናዊ ኣፅዋራት ልዕሊ ኹሉ ሰብዶ ኣለዎ? እቲ ሰብኸ ክጥቀመሉ ዘኽእሎ ዝኣምነሉ ዕላማን ዶክትሪንን ኣለዎዶ? ወዘተ... ብዙሕ ሕቶታት ኣልዒልካ፤ ዓቕሚዶ ወይስ ዕዳ እዩ ወሲኹ? ኢልካ ንቕድሚት ኣብ ተወሳኺ ናይ ውሽጢ ሓበሬታ ተደሪኽካ ብዝርዝር ምትንታን ዘድሊ እዩ፡፡

∗ ዝተወሰኑ ኣባላት ካቢነ ብልፅግና ካብ ስልጣን ምውራድ

ዳግማዊት ሞገስ፣ ታከለ ኡማ፣ ዑመር ሑሴንን ተፈሪ ፍቅሬን ከምዝተልዓሉን ንኽብሮም ተባሂሉ ድማ ኣብይ ምስ ኣባላት ካቢኔቱ ኣብ ዝተረኸበሉ ተዋስኦ ሚዲያ ተሰሪሑ፡፡ ኣብዙይ ብዙሕ ሰብ ጠመተ ዝገበረሉ «ንምንታይ ሎሚ?» ዝብል እዩ፡፡ ኣብ ኣርባዕቲኦም እንተይኮነስ ብፍላይ ኣብ ምልዓል ታከለ ኡማን ዑመር ሑሴንን ዝተፈላለየ ምኽንያት ይስማዕ ኣሎ፡፡

ታከለ ኡማ ስርሑ ውፅኢታዊ ኣይነበረን ጥራሕ እንተይኮንስ፤ ኣዝዩ ብግዕዝይና ዝጨቀየ (ዘይሕመ ኣመራርሓ ብልፅግና ኣሎ ኾይኑ ድዩ ከምእትብሉ ይኣምን) ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፤ ኣብ ውሽጢ ኣመራርሓ ብልፅግና ኦሮሚያ ዘሎ ንሕንሕ ተወሳኺ ከምዝኾነ ይዝረብ፡፡ እዙ ግስርጥና ታከለ እውን ብትእዛዝ ኣብይ ኣሕመድ ኮነ ኢሉ ብገፊሑ እናተዘረበሉ እዩ ፀኒሑ፡፡

ታከለ ካብ'ቶም ቲም ለማ ዝበሃሉ ውሽጣዊ ቀለበት ኣብይን፤ «ተቓሊስና ኣብ ኢትዮጵያ ሪፎርም ለውጢ ኣምፂኢና» ዝብሉን ሓደ ፈካሪ እዩ ነይሩ፡፡ «ኣፍቃሪ ኦነግ» ገይሮም ዘቕርቡዎ ኣለዉ፤ «ስርዓት ፌደራል ኢትዮጵያ ክቕፅል ፅኑዕ እምነት ዘለዎን፤ ካብ ናይ ብኣዴን ብልፅግና ንህወሓት ዘቕድም» ገይሮም ዝስእሉዎ እውን ኣለዉ፡፡ ብፈትለወርቅ ኣብ ዝተኸፈተ ናይ መወዳእታ ፅምብል 11 ላካቲት ኣዲስ ኣበባ ዝተረኸበ ናይ ሽዑ ከንቲባ ታከለ፤ ንህወሓትን ንህዝቢ ትግራይን ዘለዎ ክብርን ናእዳን ገሊፁ ነይሩ፡፡ ወራር ምፅናት ዘርኢ ምስከፈቱ ድማ፤ ከም ኩሎም ላዕለዎት ኣመራርሓ ብልፅግና ኣንፃር ህዝቢ ትግራይ ኣፉ ኸፊቱ እዩ፡፡ ከም ኩሎም ላዕለዎት ሰበስልጣን ብልፅግና ድማ ብገበን ምፅናት ዘርኢ ተሓታቲ እዩ፡፡

ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ግና ከም ሚኒስተር ማዕድንን ነዳዲን፤ ፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦ ብኵናት ዝዓነወን ዝተዘርፈን ኣቕሑቱ ተኪኡ ክሰርሕ ምእንታን፤ ዝተውሃቦ ዝርዝር ኣቕሑት ቀልጢፉ ክማልአሉ ምስገበረን እቱ ፋብሪካ ስራሕ ምስጀመረን፤ ታከለ ብኣጋጣሚ ድዩ ካብ ስልጣኑ ተላዒሉ? እንድዒ! ዑመር ሑሴን «ኣብ ልዕሊ ትግራይን ህወሓትን ዝበፅሐ ነገር ኩሉ ዘይዋሓጠሉ» ተባሂሉ ብባዕሉ ብብልፅግና ኦሮሚያ ዝሕመን ዝውቀስን ከምዝኾነ፤ ባዕሎም ኦሮሞ ይዛረቡ እዮም፡፡ ካብዙይ ብምብጋስ ብፍላይ ንክልቲኦም ኣባላት ብልፅግና ኦሮሞ ዝጠመተ እዙ ለውጢ ኣባላት ካቢኔ ሎሚ ምግባሩ፤ ኣጋጣሚን ልሙድን እዩ ኢልካ ምሕላፍ ይከኣልዶ?

∗ ሃንደበታዊ መገሻ ኣብይ ኣህመድ ናብ ሱዳን?

ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብይ ኣብ ዓረብ ኤሜሬት፣ ሱዳንን ሞቃዲሾን ዑደታት ገይሩ ኣሎ፡፡ ኩለን ዑደታት ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ንትግራይ ትርጉም ኣለወን ነይሩወን፡፡ ናብ ኤርትራ ብሕቡእ ይኹን ብጋህዲ ዘይምኻዱ እውን ትርጉም ኣለዎ፡፡

መገሻ ሱዳን ኣብይ ብዙሕ ምድላው ዘይነበሮን ንባዕሎም ንሱዳን እውን ሃንደበት ከምዝነበረ ተፈሊጡ ኣሎ፡፡ «ክመፅእ እሞ ጥቕልል ኣብ ዝበለ ኣጀንዳታት ክንዘራረብ ደልየ» ኢሉ ሓቲትዎም፤ ሕራይ ክትመፅእ ትኽእል ኢኻ ኢሎም ከምዝተቐበሉዎ ኣብ ዲፕሎማቲክ ማሕበረሰብ ይውረ፡፡ ኢሳያስ ናብ ናይሮቢ ዝገበሮ መገሻ እውን ብዝገደደ ሃንደበት ምዃኑ እዩ ዝግለፅ ዘሎ፡፡ ብኸምዙይ ንካርቱም ዝኸደ ኣብይ ኣቐዲሙ ንኣቦ ወምበር ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ጀ/ል ኣብደል ፋታሕ ዓልቡርሃን፤ ቀፂሉ ምስ ምኽትል ኣቦ ወምበር ሙሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ብሳጓ ስሙ ሓሚቲ እዩ ተራኺቡ፡፡

አጀንድኡ ዝምልከት ክልተ ዘይጠለለ ዘረባ ኣሎ፡፡ ገሊኦም፤ «ብዛዕባ ዝፀንሐ ፀገም ዘይምርድዳእ ኢትዮ-ሱዳን ክዛተን ክፈትሕን ደልዩ» ይብሉ፡፡ ገሊኦም ድማ፤ «ኣብ ውሽጢ ሱዳን ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው፤ ተሸላሚ ኖቤል ሰላም ዝኾነ ኣብይ፤ ሸምጊሉ ንምፍታሕ» ከምዝኾነ ይገልፁን ይሕጭጩን፡፡

ብዝኾነ ኣብይ ክልቲኡ ሓሟዚቑ ኣጀንዳ ገይሩዎ ኢሎም ዝገልፁ ኣይተስኣኑን፡፡ ኣብይ ንዓልቡርሃን ጉዳይ ኣልፈሸጋን ግድብ ኣባይን፣ ከምኡ'ውን፤ «ንሕና ተሃላሊኽና ንተቓወምቲ ሱዳን እንተሓጊዝና ንዙ ዞባ ክሕምሶ ስለዝኸውን፤ ንኦነግ ትገብሩዎ ሓገዝ ጠጠው ኣብሉ» ዝብል ለበዋ ከምዝኾነ እዩ፡፡ «ምስ ህወሓት ኩሉ ነገር ብድርድርን ብሰላምን ወዲኢና፤ ብሓይሊ ኣብ ዝብፃሕ ቦታ ከምዘየለ ለውጢ ምምፃእ ከምዘይከኣል ኣረጋጊፅና ኢና» ብዝብል ንባዕሉ ኣቦ ሰላም ገይሩ እዩ ተጃሂሩ፡፡

ዓልቡርሃን፤ «ኣብ ዋንነት ኣልፈሸጋ ድርድር ከምዘይህሉ ግን ንዙ ዋንነትና ዘረጋግፅን ቀፃሊ ዘድሊ ስራሕ ዝምልከትን ንምዝርራብ ከምዝከኣል፤ ግድብ ኣባይ ዝምልከት ግን ምዝርራብ ይከኣል እዩ» ከምዝበሎ እምበር ዝተበፅሐ ሓዱሽ ስምምዕ የለን፡፡ ምስ ሓሚቲ ቀፂሉ ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት፤ ግብፂ ዝምልከት ኣልዒሎም፤ ግዳማዊ ሓይልታት ኣብ ውሸጣዊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ክኣትዉ ከምዘይብሎም ዘትዮም፡፡ ሓሚቲ ምስ ራሽያ ዋግነር ፍሉይ ርክብ ኣለዎ፤ «ቆልዓ ኣልበሽር» ብዝብል ብግብፂ ይኹን ብምዕራብ ሃገራት ዝፅላእን ታርጌት ዝተገበረን እዩ፡፡ ምስ ኣብይ ኣህመድ ግን ጠስምን ድልኽን እዮም፡፡

ኣብይ ንተቃወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት ሱዳን ክረክብ ሓሚቲ ኣማቻችዩሉ፤ ተራኺቡ እዩ፡፡ ብናይ ሚልየናት ደም ዝጨቀየ ገበነኛ ኵናት ምፅናት ዘርኢ፤ ንባዕሉ ሓዋርያ ሰላም ገይሩ ብምቕራብ፤ «ምስ መንግስቲ ኣደራድረና ኢልኩም ሕተቱ እሞ፤ ከደራድረኩም እኽእል እየ» ኢልዎም፡፡ ንሳቶም ግና፤ «ኢድ ኣታውነት ግብፂ ኣውገዝልና እምበር፤ ካሊእስ ባዕልና ኣለናሉ» ኢሎምዎ፡፡ ከምኡ ምስበሉዎ እዩ፤ «ኣሜሪካ ኮነት ካሊእ ግዳማዊ ሓይሊ ኢዱ ከእትዉ ሱዳን ክትፈቅድ የብላን» ኢሉ ተጠሊዑ መግለፂ ዝሃበ (ጎይትኡ ኢሳያስ ኣይስማዕ)፡፡ ኣብይ ንቶም ተቓውምቲ መንግስቲ ሱዳን ንኣዲስ ኣበባ ቀልጢፎም ክመፁ ዓዲምዎም፡፡ እዙ ርክቡ ብመንግስቲ ሱዳን ከምፅቡቕ ኣይተረአየን፤ ሱዳን ፍቃደኛ ከምዘይኮነት እዩ ፍልፍላት ዝሕብሩ፡፡ መገሻ ሱዳን ንኣብይ እዚ ዝበሃል ረብሓ ዝረኸበሉ ኣይነበረን፤ ኣብ ዝፀንሐ ቅዋም ሱዳን እውን ዝተለወጠ ነገር የለን፡፡

∗ ኩነታት ፀጥታ ኢትዮጵያ?

ኩነታት ፀጥታ ኢትዮጵያ እናገደዶ እምበር ምምሕያሽ የለን፡፡ ድርቂ፣ ኵናት፣ መፍትሒ ዝሰኣነ ኢኮኖሚያዊ ቅልውላው፣ ሰፍ ዘይብል ናህሪ ወሰኽ ዋጋን ምኽባር መነባብሮን ተደራሪቡዎ፤ ብገበንን ስርቅን ብሻቅሎት ፍርሕን ዘይምርግጋእን ዝተወረረ እዩ፡፡ ንኢሱና ህውከት ከምዝበሉ ቆፂሩ ኣብይ ኮነ ኢሉ ዝፈጥሮም ቅልውላዋት ነዛ ሃገር ይሕምሳ ኣሎ፡፡

ድሕሪ ፕሪቶርያ ኩሉ ነገር ክዕረ፤ ዓነውነው ዝበለ ኢኮኖሚ ብዝተፈጠረ ኣፋፍኖት ሰላም ክንቀሳቐስ ይኾን ኢሉ ኣተስፍዩ ዝነበረ ህዝቢ፤ መሊሱ ኣብ ቅልውላው ክኣቱ ተገይሩ፡፡ ቀልቡን ሕቶታቱን ናብ መንግስቲ ኣብይ ከይገብር ምእንታን፤ ኣብ ውሽጢ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ ሕንፍሽፍሽ ንምፍጣር ዝተሓሰበ ውዲት፤ ነታ ሃገር ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ የናውፃ ኣሎ፡፡ ብልፅግና ከም ፖሊሲ ዝትግብሮ ልሙድ ኣካይዳ ባዕሉ ዝጥጅዎም ዝቆፃፀሮምን ኣብ መወዳእታ ባዕሉ ጠጠው ዘብሎምን ጎንፅታት ብምጭጫሕ ህዝቢ ኣብ ስግኣትን ሰንፈላልን ኣትዩ ፅግእተኛ መንግስቲ ኮይኑ ክነብር ምግባር እዩ፡፡ሃይማኖታዊ ጎንፂ ኣብ ዓለምና ኩሉሻብ ብጣዕሚ ተኳሳሓይ ስለዝኾነ፤ ንኹሉ ኣሳቲፉ ዝኾነ ምፍሳስ ደም ክቕፅል ተኽእሎ ኣለዎ፡፡

ኣብ ዓለም ዘሎ ተወላዲ ኣምሓራ ሰዓባይ ኦርቶዶክስ ብሰንኪ እዙ ተርእዮ፤ ኣንፃር ፈታዊኡን ነብይ ዝብሎ ዝነበረን ኣብይ፤ ኣበየዝነብረሉ ከተማታት ኣደባባይ ወፅዩ ይቃወሞን ይኸሶን ኣሎ፡፡ ኣብ ውሽጢ ጉዳይ ኦርቶዶክስ እናሓምዞቐ ዝፀንሐ ኣብይ፤ ንዙ ሲኖዶስ ናብ ቅልውላው ኣእትዩ ይሕምሶ ኣሎ፡፡ ካልኦት ከም ተወሳኺ ምኽንያታት ዝቐርቡ ኣለዉ፡፡ ኣብዙ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዓቕሚ ምፅላው ፕሮቴስታንት ምዕባይን፣ ንኣብይን ግዳማውያን ሓይልታትን ከም ኣያን ዘራይን ተጠቒሙ ተነሓናሓይ ኮይኑ ምውፃእን፤ ንሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ኣብ ስግኣት ኣውዲቑዎ እዩ፡፡ እዙይ ንዝበዝሑ መራሕቲ ኦርቶዶክስ ዘሻቅሎም ጉዳይ ኮይኑ ፀኒሑ እዩ፡፡

ቁፅሪ ሰዓብቲ እስልምና ኣብ ኢትዮጵያ ብቕልጡፍ ይዓቢ እንተሃለወ'ኳ፤ ኣብ ፖለቲካ ፅልውኦም ኣዕርዩ ትሑት እዩ፤ እታ ብኢህወዴግ ዝነበረቶም ምንቅስቓስ'ውን ብብልፅግና ፕሮቴስታንት ብጥበብ ክትዝሓሓል ተገይራ እያ፡፡ ኮይኑ ግን ቁፅሪ ሙስሊም እናበዝሐ ምስ ምምፅኡ፤ ንኦርቶዶክስን ንካልኦት ሰዓብቲ ክርስትናን ስግኣት ካብ ዝኾን ፀኒሑ እዩ፡፡ ብዙ ምኽንያት ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ናብ መንግስቲ ተፀጊዑን ሓቢሩን ክከላኸል ደልዩ፤ ፅግዕተኛን ነፃነት ዘይብሉን ኮይኑ እዩ ፀኒሑ፡፡ ካብ ጥንተ መሰረቱ እውን ከምኡ እዩ፤ ኣብቱ ዝፀንሐ ፖለቲካ ኢትዮጵያ፤ «አንድ ሃገር አንድ ሃይማኖት አንድ ቋንቋ አንድ ልብ» ፍልስፍና ኦርቶዶክስ ቁልፊ ተራ እናተፃወተ ፀኒሑ እዩ፡፡ ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ኣብ ኵናት ትግራይ ዓጢቑ ኣብ ጆኖሳይድ ብደም ዝተማራስሐ፤ ካብ ጉዳይ መንግስትን ፖለቲካን ኢዱ ስለዘየርሐቐ እዩ፡፡

ካሊእ መግለፂኡ ምፍኽኻር ኦሮሞን ኣምሓራን እዩ፡፡ ዋላ'ኳ ዝበዝሕ ኦሮሞታይ ሙስሊም እንተኾነ፤ ኣብ ኣምሓራ ድማ ንኦርቶዶክስ ሃይማኖት ዱልዱል ደጀን ማእኸል ኢና ዝብል ማሕበረሰብ እንተኾነ እውን፤ ሐዚ ኣብ'ዛ ሃገር ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኮነ ኣብ ፌዴራል ኣብ ፖለቲካ ስልጣን ከም ዲፋክቶ ሃይማኖት ዘሎ ፕሮቴስታንት እዩ፡፡ ኣብ ሞንጎ ኦሮሞን ኣምሓራን ሐዚ ዝርአ ዘሎ ጎንፂ፤ ፍሕፍሕ ፖለቲካዊ ስልጣን፣ ምስፍሕፋሕ መሬትን፣ ምምንጣል ስልጣንን ሃፍትን ቤተክርስትያንን እዩ፡፡

ኣብ ኦሮሚያ ቁፅሪ ምእመናን ኦርቶዶክስ ይትረፍ ቁፅሪ ካህናትን መገልገልትን ብጣዕሚ ውሑድ እዩ፤ ኣብተን ቀንዲ ከባቢታት ኦሮሚያ ከመሓድርን ብሰፈራን ዝኸደ ነተን ኣብያተ ክርስትያናት ዘሃነፀን ኣብዝሓ ኣምሓራይ እዩ፡፡ ኦሮሞቶት ንኦርቶዶክስ ተቐቢሎም ሰዓብቲ ኦርቶዶክስ በዚሖም ኢሉ ክሕጎስ ዝነበሮ ኣምሓራይ ድኣ ስለምንታይ ይጓነፅ ኣሎ? እቱ ፀወታ ካሊእ ስለዝኾነ እዩ፡፡ እቱ ጎንፂ ኣብሞንጎ ፕሮተስታንትን ኦርቶዶክስን፤ ኣብኡ እናሃለወ ኣሞንጎ ኦሮሞን ኣምሓራን ዘሎ ብሄራዊ ጎንፂ ስለዝኾነ፡፡

ኣብ መወዳእታ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኻየደ ኵናት ተሰለፉ ኢሉ መበራበሪን ኣታሓባባርን፤ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ካሕናትን መገልገልትን ክቕተሉን ክሕረዱን፣ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ብዕስለ ሃይማኖቶም ብዘይፍለጡ ክዕመፃን ክድፈራን ክራኸሳን ገይሩ፣ ነባራትን ታሪኻዊ ኣብያተክርስትያናት ገዳማት ትግራይ ብመዳፍዕን ነፈርትን ክፈርስን ክዓንውን፣ ንዋየ ቅዱሳት ቅርስታት ንኤርትራን ኣምሓራን ተዘሪፎም ክግዕዙ ገይሩ እዩ፡፡

እዚ ከይኣክል ስሚ ዝኾነ ዘረባታት ብኣደባባይ ብቴሌቭዥንን ኣብ ሃይማኖታዊ በዓላትን ንህዝቢ ትግራይ ከናሽውን ከዋርድን ተንቀሳቒሱ፡፡ ብዙ ተግባሩ እውን ሰረት ዓንዲ ኦርቶዶክስ ካብ ውሽጡ ክናጋዕ ገይሩዎ፡፡ ንቱ ዝተፈፀመ ጀኖሳይድ ከምትካል ዝነበሮ ብፅሒት ኮኒኑን ተሓተቲ ክሕተቱ ገይሩን፤ ንህዝቢ ትግራይ ይቕሬታ ክገብረሉ ደፊሩ ክወፅእ ኣይከኣለን፡፡ እዙ ኣብ ዘይገበረ ካብ ውሽጣዊ ሕምስምስ ክወፅእ ኣይኽእልን፡፡ ብናይ'ዙ ሲኖዶስ ጳጳሳትን ካህናትን ኢና ዝብሉ ኣምሓሩ ቡራኬ ዝወረሩዎ ምዕራብ ትግራይ ክምለስ፣ በሰላም ክፍታሕ ብኣደባባይ ክእውጅ ነይሩዎ፡፡

ብሓፈሻ ውሽጣዊ ፀጥታ ኢትዮጵያ ክንሪኢ እንተለና፤ ሐዚ እውን ቀፃሊ ኵናት ይካየድ ኣሎ፡፡ ኵናት ትግራይ ደው ምስበለ ኣብ ኦሮምያ፣ ኣብ ኣምሓራ ፍሉይ ዞን ኦሮሞ ከባቢ ኣጣየ፤ ብዙሓት ክፍለ ሰራዊታት ፌደራል ዝተሳተፍሉ ውግእ ይቕፅል ኣሎ፡፡ ኣብ ወለጋን ኣብ ጉጂ ቦረና ሞያሌ ከባቢታት ኣብ'ዙ እዋን ሰፊሕን ከም'ቱ ኩሉሻብ «ለአንዴና ለመጨረሻ» ዝብሃለሉ ብነፈርቲ ውግእ፣ ድሮን፣ መካናይዝድ፣ ኮማንዶ፣ ኣጋር ክፍለሰራዊታት፤ ፍሉይ ሓይልታትን ፖሊስን ኦሮሚያ፣ ኣምሓራ፣ ደቡብ፣ ቤንሻንጉልን ጋምቤላን ዝተሳተፉሉ፤ ብዙሕ ዋዕዋዕ ዘይብሉ ወተሃደራዊ ወፍሪ ቀፂሉ ኣሎ፡፡

ኦነግ ምስ ህዝቡ ኮይኑ ይኳሻሕ ኣሎ፤ ሰራዊት ኣብይ ምስ ፍሉይ ሓይልን ፋኖን ክልላት ከም'ቱ ኣብ ኵናት ትግራይ ዘጋጠሞ ከም ቆፅሊ ይረግፍ ኣሎ፡፡ ኦነግ ኣብ ቦረና ኣብ ዝተገበረ ሓንቲ ውግእ ክፍለሰራዊት ፒፒ ደምሲሱ ክሳብ 200 ከምዝማረኸ ካብ ውሽጢ ዝመፀ ሓበሬታ ኣሎ፡፡ ናይ'ዙ ከባቢ ህዝቢ ድማ ብድርቅን ብኵናትን ይጋፋዕ ይመዛበልን ይስደድን ኣሎ፡፡

መንግስቲ ኣብይ ኣጀንዳ ኦርቶዶክስ ፍሒሱን፣ ምስ ትግራይ ሰላም ንገብር ኣለና ብዝብልን፤ ንዙ ኣብ ውሽጢ ኦሮሚያ ዘሎ ኩነታት ካብ ሚዲያ ዓቢጡ ከይወፅእ ገይሩዎ ኣሎ፡፡ ውግእ ኣጣየ ብፍሉይ ብቶም ወቂዖም ዘእውዩ ወረርቲ ኣምሓራ ክጋዋሕ ክኢሉ፡፡ ክፍለሰራዊታት ፌደራልን ፍሉይ ሓይሊ ፋኖን ሚሊሻን ኣምሓራ ብኣሽሓት ወፊሮም ምስ ኣብኡ ዝርከብ ኦነግ ጥራሕ እንተይኮነስ ምስዕጡቓት እቱ ከባቢ ይዋግኡ ኣለዉ፡፡ ህወሓት ሰሜን ሽዋ በፂሑ እናሃለወ ክሳብ ስኖም ኣዕጢቅዎም እዩ ንዝብል ሕምየት፤ ምኽንያት ገይሮም ፌደራልን ሓይልታት ኣምሓራን ተዛርዮም ብምሒር ዝመረረ ፅልኣቶም ይጭፍጭፉዎ፤ ከተማታትን ዓድታትን ይበርሳ ይባድማ ኣለዋ፡፡

ኣብ ክልል ኣምሓራ ነንባዕሎም ምቅትታል ልሙድ ተርእዮ ካብ ዝኸውን ፀኒሑ፡፡ ኣብ ጎጃም ጎንደር ብመንን ንምንታይን ከምዝተቐተሉ ዘይፍለጡ ኣመራርሓን ነበርትን ተቐቲሎም ይርከቡ፡፡ ስእሊ እታ ዓዲ ኣብ ሚድያ ብልፅግናን ብጭቡጥ ኣብ ባይታ ዘሎን ነንበይኑ ኮይኑ ዓዲ ውሽጣ ይሕመስ ኣሎ፡፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ዝተወደበን ዘስካክኽ ገበናት ፀዊኻ ኣይውዳእን፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዙ እዋን ኮንትሮባንድ፣ ግዕዝይና፣ ምጭብርባር ግሁድን ሕጋውን ክሳብ ዝመስል ተሳፋፊሑ ኣሎ፡፡

∗ ኩነታት ትግራይኸ?

ኣብ ሓገዝ ለውጢ የለን፡፡ ጠብ-ጠብ እንዳበለ እዩ ዝመፅእ ዘሎ፡፡ ሰኣን ሓገዝ ብጥምየት ዝሳቐ፣ ተመዛቢሉ ኣብ ለመናን ትፅቢትን ኮይኑ ከርፋሕ ናብራ ዝነብር ህዝቢ ቁፅሩ ሚልዮናት እዩ፡፡ትራንስፓርት ካብ መቐለ ኣድዋ ኣኽሱም ሽረ ተጀማሚሩ፤ ንምዕራብ ትግራይ ግና ወረ እውን የለን፡፡ስሩዕ ንግዲ ኣይተጀመረን፤ ብሰንኪ ብበዝሒ ብዝተተኸላ ኬላታት ዓፋር እናተቐረፀ ዝመፅእ ሸቀጥ፤ ትግራይ ምስበፅሐ ዋግኡ ኣዕርዩ ኽባር ይኸውን፡፡ ብኣምሓራ ዝመፅእ ሸቀጥ ክልተ ኬላ ጥራሕ ዝሓልፍን፤ ዝተተመነ ዘይሕጋዊ ቀረፅ ዝኽፈሎ ምስ ናይ ዓፋር እንትነፃፀር ውሕድ ከፊልካ ዝሓልፍ ብምዃኑ ተመራፂ እንተኾነ'ኳ፤ ፋኖ ክኹሪ እንተሎ በትሪ ምንግልታዕ ምዕጋትን ተመለሱን ዘለዎን ዘይተረጋገአን ምዃኑ ከቢድ ፀገም ኣለዎ፡፡

ንዝተመረፁ ሸቀጣት ንኣብነት ወኪላት ቢራ ብኹሉ ኣንፈት ክኣትዉ ጀሚሮም ኣለዉ፡፡ መድሓኒትን ሸቐጣት መግብን ግና ጠብ-ጠብ እናበሉን ብዙሕ መሐነኮላት ዝገጥሞምን እዮም፡፡ ነዳዲ ካብ መዐደሊታት ምክፍፋል ተጀሚሩ፤ ርኡይ ምንቅስቃስ መኻይን ኣሎ፤ ኣብ ውሽጢ ከተማታት ዝነበረ ፀገም ገልጋሎት ትራንስፖርት ይፍታሕ ኣሎ ይመስል፡፡ ስልኪ ኢንተርኔት መብራህቲ ዝሐሸ ግልጋሎት ኣሎ፡፡ ትራንስፖርት ኣየር ምስ ኩሎም ፀገማቱ፤ ሕፅረትን ግዕዝይናን ሓዊሱ ዘይተፈተሐ ጠዘይ ይብል ኣሎ፡፡ ምኽንያቱ ብዘይፍለጥ ምስ ማእኸል ሃገርን ክልላትን ትራንስፖርት መንገዲ ኣይተጀመረን፡፡ ትምህርቲ ክጅመር ሓሳብ እውን የለን፡፡ ባጀት ኣይተለቐቐን ገና እዩ፡፡ ባንክታት ክሳብ እዙ ዝሓለፈ ሰሙን ሰኣን ቅርሺ ግልጋሎት ከይሃባ ፀኒሐን፡፡ ሆስፒታላት ብሕፅረት ኣፋውስ ዘድሊ ግልጋሎት ኣይህባን፤ ዝበዝሓ ትካላት ጥዕና ትግራይ ዓንየን ናውተን ተዘሪፉን ዓንዩን እዩ ዘሎ፡፡ ብሓፈሻ ብመንግስቲ ፌደራል ክግበሩ ዝግብኦም ብዙሓት ነገራት ገና እግሪ ምጉታት ዝረአየሎምን፤ ስውር ምሕምታል ዘለዎምን ምዃኑ ግልፂ እዩ፡፡ ሰላም ግን መማረፂ ዘይብሉን፤ ዝተረፈ ኩሉ ንምምላእ ብልዝብን ብሰላማዊ ቓልስን ምፅዓር ግድን እዩ፡፡

ብመሰረት ተፃብኦ ደው ምባል ስምምዕ ፕሪቶርያ፤ ቤት ምኽሪ ትግራይ ኣብ መንግስቲ ትግራይ ክግበሩ ኣብ ዘለዎም ለውጥታት ዘትዩ፤ ኣብ ኣፈፃሚ ኣካል መንግስቲ ትግራይ ዘድሊ ሪፎርም ክካየድ ወሲኑ ምንቅሰቓስ ተጀሚሩ ኣሎ፡፡ ንኹሉ ዓቕሚ ዘለዎ ትግራዋይ ሓቛፋይ ዝኾነ መንግስቲ ከምዘሳግረና ምርድዳእ ተበፂሑ ናብ ምጥያሽ ተኣትዩ ኣሎ፡፡ ምምሕዳርን መሓውር ፀጥታን ትግራይ ካብ ሓይልታት ኤርትራን ኣምሓራን ሓራ ኣብ ዝኾኑ ከተማታትን ከባቢታትን ትግራይ ምምላሶም ዓብይ ፍፃመ እዩ፡፡

ልኡኻት መንግስቲ ትግራይ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሃገር ምርኻቦም እዩ እቱ ካሊእ ፍፃመ፡፡ ዕላማታት እዙ ርክብ ክልተ እዮም፤ ስምምዕ ፕሪቶርያን ናይሮብን ውፅኢታዊ ክኸውን ምእንታን ኣብ ሞንጎኦም ምትእምማን ምፍጣርን፤ ብመሰረት እዙ ስምምዕ ህዝቢ ትግራይ ክረኽቦም ዝግባእ ረብሓታት ቀልጢፉ ክረክብ ምርድዳእ ገይርካ ምርግጋፅ እዩ ነይሩ፡፡ ክልቲኡ ዕላማታት ኣብ ባይታ ተሸሪፉ ብተግባር ክንሪኦ እምበር፤ ዝተዓወተ ይመስል፡፡

ዝሐሸ ምቅርራብን ምርድዳእን ተፈጢሩ ይመስል፤ ዝተዛናግዑ ክሰልጡ፣ ዘይተጀመሩን ዕንቅፋታት ዝገጥሞምን ክጅመሩን ዝነበሩ ዕንቅፋታት ክፍትሑን ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ ኣሎ፡፡ ባንክታት ስራሕ ንምጅማር ዘኽእለን ሓሙሽተ ቢልዮን ቅርሺ ናብ መቐለ ኣትዩ፤ ጥዑይ ዝብሃል ምንቅስቓስ ጀሚረን ኣለዋ፡፡ ኣብ መዕረፎ ነፈርቲ ራእሲ ኣሉላ ኣባነጋ ዝነበረ ሕፅረትን ገልጠምጠምን ምልክታት ፍታሕ ጀማሚሩ ኣሎ፡፡ ካልኦት ናይ ፌደራል ግልጋሎታት፤ ከም ኣበል ተጠወርቲ ወዘተ ግልጋሎት ንምሃብ ምልክታት ትሑት ምንቅሰቓስ ኣሎ…

ሓፈሻዊ ወድዓዊ ኩነታት ትግራይን ከባቢኣን እዙይ ካብ ኮነ፤ ፅባሕ ድማ «ንሕናኸ እንታይ ንግበር?» ብዝብል ኣርእስቲ ፅሑፉ ''ኣሕፈሮም'' ክቕፅል እዩ፡፡

Telegram: https://t.me/+HdnQzJcDXXJlMzBh