INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ዳህሰሳን ምልከታን ንስምምዕ ፕሪቶርያ ስዒቡ ንዘሎ ወድዓዊ ኩነታት

ብመሰረት ትማሊ ብዝኣተኹዎ ቃል፤ እዙ ካብ ሓውና 'ኣሕፈሮም' ዝተልኣኸ ፅሑፍ እንተቕርብ፤ ዋላ እኳ እንተነውሐ እውን፤ ግዘ ወሲድኩም ንኽተንብቡዎን «ንሕና ተጋሩኸ እንታይ ንብል? እንታይ ንግበር?» ንዝብል ሕቱኡ ኣብ ውሽጢ ገዛና እሂን ምሂን ንኽንብለሉ እናተላበኹ እዩ!

ዳህሰሳን ምልከታን ንስምምዕ ፕሪቶርያ ስዒቡ ንዘሎ ወድዓዊ ኩነታት

(ካብ ኣሕፈሮም)

• መንግስቲ ኣብይ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ፎትዩ ድዩ ተቐቢሉዎ?
• ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ኣተገባብራ ዝርአ ዘሎ ከይዲ?
• ስትራተጂታት ኣብይ ኣብ ኣተገባብራ ውዕል ፕሪቶርያን ናይሮቢን?
• ኣብይ ንዙ ስትራተጂታት ኣብ ባይታ ብኸመይ ይትግብሮ ኣሎ?

መንግስቲ ኢትዮጵያ ስምምዕ ፕሪቶርያን ናይሮቢን ዝተቐበለ ተገዲዱ እምበር፤ ሰናይ ድሌት ሰላም ስለዝነበሮን ስለዘለዎን ኣይነበረን፡፡ ውሽጣዊ ምኽንያታት መንግስቲ ኢትዮጵያን እታ ሃገርን፣ ፀቕጢ መንግስቲ ኣሜሪካን ኣውሮፓን እዮም ንመስርሕ ሰላም ፕሪቶርያ እንተይፈተወ ክቕበል ዘገደዱዎ፡፡

ዝወልዖ ወራር ምፅናት ዘርኢ ከቢድ ሰብኣዊ ንዋታውን ፋይናንሳውን ኪሳራ ክሽከም ዝገበሮ ኣብይ ኣሕመድ፤ መወዳእትኡ ናብ ዘይፈልጦ መስርሕ ቅልውላው ስለዘእተዎ፤ ከይዱ ከይዱ ንበትረ ስልጣኑ ዘናግዕ እናኾነ ምምፅኡ፤ ሓያል ሻቅሎት ክኣትዎን ተገዲዱ ናብ ድርድር ሰላም ክቐርብን ገይሩዎ እዩ፡፡ ኣብ ልዕሊኡ ሕድሕድ መሬት ትግራይ ክቆፃፀር ኣሽሓት እናኸፈለን፤ ሰራዊቱ ብጣዕሚ ተዳኺሙን ንማዕልትታት ዘይኮነስ ንኣዋርሕ ቀትሪ ምስ ለይቲ ክዋጋእ፤ እሞ ድማ ጥንካረን ተዋጋኣይነትን ሰራዊት ትግራይ እናረአየ ክቕፅል ስለዘይከኣለ እዩ፤ ሓሞቱ ፈሲሱ ሞራሉ ባይታ ዝዘበጠ፡፡ እዙይ ዝኸውን ዘሎ ድማ ምስ ዘራያቱ ሰራዊት መንግስቲ ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ኮይኑ ብምዃኑ፤ ረብሪቡ ስልታዊ ዓወት እንተረኸበ እውን ኣሽሓት ሬሳታቱ እናረገፀ ይስድር ስለዝነበረ፤ ዓርሰ-እምነቱ ተመናሚኑ ተገዲዱ እዩ መስርሕ ቶኽሲ ደው ምባል ዝተቐበለ፡፡

እዙይ ኮይኑ'ውን፤ ዝተወደአ ተወዲኡ ብተነፃፃሪ ብዙሕ ቦታታት ትግራይ ብምቁፅፃሩ፤ ሓውሲ ልዕልነት ዘረጋገፀ ኣብ ዝመሰሎ እዋን ብምዃኑ፤ ንድርድር ኮፍ ክብል ተወሳኺ ደፋኢ ምኽንያት ኮይኑዎ እዩ፡፡ በይኑ ጥራሕ ግን ኣይነበረን ከቢድ ኪሳራ ዝገጠሞ፤ ፍሉይ ሓይሊ ፋኖን ሚሊሻን ኣምሓራ እናፈከረ፤ ቶኪሱ እንተይቐተለ ከም ቆፅሊ ኣብ ወሎ፣ ፀለምቲ፣ ተከዘ፣ ፀሊሞይ፣ ወዘተ… ረጊፉ እዩ፡፡ ሓይሊ ኤርትራ፤ ሓቂ ንምዝራብ ንናፅነት ምስ ደርጊ ካብ ዝገበርዎ ኵናትን ሃገር ምስኮኑ ወራር ኣንፃር ኢትዮጵያ ዝኸፈትዎ ኵናትን ዝዛየደ፤ ኣብዙ ናይ ሎሚ ኵናት፣ እሞ ብሓፂር ግዘ፣ እሞ ብናታቶም ኣባህላ «ኣፊሽ ኣባል ሰራዊት» ጥራሕ እንተይኮነስ፤ መራሕቲ ሓይሊ፣ መራሕቲ ቦጦሎኒ፣ መራሕቲ ክፍለ ሰራዊት፣ መራሕቲ ብርጌድ፣ ወዘተ.. ብበዝሒ ገዲም ተጋደልቲ ዝሞቱሉን ዝተሰንከሉሉን መሪር ከቢድን ደማዊን ኵናት እዩ ተኻዪዱ፡፡ ብጣዕሚ ዝመረሮምን ዕላምኡ ዘይርድኦምን ኵናት ዘሰክሖም ሰራዊት ኤርትራ እውን እዮም፤ ንድርድር ሰላም ፕሪቶርያ እዝኖም ኵር ኣቢሎም ብምህለላ ዝፅበይዎ ዝነበሩ፡፡ ብልፍንቲ ይኹን በብውልቆም ድርድር ተገይሩ ኵናት ደው ንኽብል ኩሎም ሓይልታት ፅንተት (ጆኖሳይደር) እንተይፈተው ኩነታት ውሽጦም ኣገዲዱዎም ዝፅበይዎ እዩ ነይሩ፡፡

ቀሊል ዘይበሃል ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ዝበፅሖም ዝነበረ ኩነነ፣ ፀቕጢ ዲፕሎማሲን ሚዲያን፣ ምስ ማዕቀብ ኢኮኖሚን ንግድን፤ ንቱ ዝሞሽሞሸ ውሽጦም ኣዳኺሙ፤ ረይ ረይ ኣቢሉ ወስ ክብሉ ኣይኻኣሉን ነይሮም፡፡ ስለዝኾነ ድማ ክደራደሩን ክፍርሙን ተገዲዶም እዮም፡፡ መንግስቲ ኣብይ እዩ ፈሪሙ ካልኦቶም ኣይተቐበልዎን ዝብል ዘረባ ኡሽ ኢልካ እዩ፡፡ ተማኺሮም ንድርድር ካብ ምቕባል ወፃኢ መማረፂ የብልናን ኢሎም ተሰማሚዖም ዝገበርዎ እዩ፡፡ እቱ ድራማ ንመንግስቲ ኣብይ ግዘ ክገዝእን መመኽነይታ ሽፋን ንምርካብን ኮነ ተባሂሉ ዝግበር ዘሎ እዩ፡፡ እዙይ ማለት ግን ኣብ ኩሉ ይሰማምዑን ሓደን እዮም ማለት ኣይኮነን፡፡ ኵናት ንዘይምውዳእ ተሓታቲ መን ኣብ ዝብል እቱ ሓደ ነቲ ሓደ ይኸስስ እዩ፡፡ «ሳላና መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሒኑ፤ ዓዲ ከይትብተን ገይርናያ» ይብሉ እንዳ ኢሳያስ፡፡ ሓይልታት ኣምሓራ ድማ «መከላከያ በይኑ ወስ ኣይምበለን ነይሩ፤ ፋኖ አገሪትዋን ታደጋት» ኢሎም ንቱ ምክልኻል ኢትዮጵያ የናሽውዎ፡፡

ምስ ሃገራት ምዕራብ ብፍላይ ድማ «ምስ ኣሜሪካ ከመይ ንቕረብ?» ኣብ ዝብል፤ ኣብ ሞንጎኦም ኣፈላላያትን ምጥርጣርን ኣሎ፡፡ ኣብ ህገ መንግስታዊ ስርዓትን ምዕራብ ትግራይን ኣብ ስልታዊ ኣፈታትሕኡን ኣካይዳን ኣፈላላይ ኣለዎም፡፡ እዙይ ኮይኑ እውን ውዕል ፕሪቶርያ ይቕበሉን፤ ብቱ ስምምዕ ኣቢሎም ንቱ ብኵናት ክፍፅምዎ ዝደለይዎ ግና ዝሰኣኑዎ ዕላማታት ከረጋግፁ ከምዘለዎም ሰለስቲኦም ሙሉእ ብሙሉእ ድሌት ኣለዎም፡፡ ካብ ደገ ዝመፅእ ፅዕንቶን ምስ'ቱ ባዕሉ እቱ ኵናት ዝበልዖ ውሽጣዊ ዓቅምታቶምን ተወሲኹ ወስ ምባል ስለዝኣበዮም፤ ንቱ ናይ ደገ ሓይሊ ኣምሲሎም ከሕጉሱ፤ ድርድር ሰላም ከምዝተቐበሉ ኮይኖም ክርአዩ ካብ ምግባር ወፃኢ መማረፂ ኣይነበሮምን፡፡ ብዝኾነ ንኽደራደር፣ ንተፃብኦ ደው ንኸብልን ተሰማሚዑ ንኽፍርምን፤ ድፍኢት ኣሜሪካን ኣውሮፓን ክሰግሮ ዘይኽእል ፅዕንቶ ፈጢሩሉ እዩ፡፡

ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ኣተገባብራ ዝርአ ዘሎ ከይዲ?

ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ሽዑ ንሽዑ ብቀጥታን ብተዘዋዋርን ገፊሕ ወፍሪ ሚድያ ዝነበሮ፤ «ብኵናትን ብድርድርን ተዓዊትና» ዝብል ፕሮፓጋንዳ እዩ ነይሩ፡፡ ሰለስቲኦም ሓይልታት ልፍንቲ ንሰላም ምፍራም እውን ተዓዋታይን ተሳዓራይን ፈጢሮም ተንቀሳቒሶም፡፡ ክንዲ ዝከኣሎም ድማ ገበርቲ ሰናይ ማሕበረሰብ ዓለም ንዝሃብዎ ሓገዝ ንሰሙናት ክዘናጋዕ ገይሮም፡፡ ኣብ ምስርሕ ስምምዕ ዘየለ፤ «ግልጋሎት ዝጅመር ሰራዊት ኣብይ መቐለ ምስ ኣተወ እዩ» ብምባል፤ ሰላም መፅዩ ኢሉ ንዝተሓጎሰ ህዝቢ ትግራይ ታሕጓሱ ሙሉእ ከይኸውን ገይሮምዎ፡፡ ማሕበረሰብ ዓለም ዋጭዋጭ ምስበለን፤ ብፍላይ ድማ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣምሪሮም ብመግለፅን ገፅ ንገፅ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ትርር ዝበለ መጠንቀቕታ ንባዕሉ ንኣብይ ምስሃቡን፤ ንኣዲስ ኣበባ ምስ ተመለሰ ሓዱሽ ድራማ ተጀሚሩ፡፡

ናይሮቢ ካልኣይ ኣኼባ ክግበር ጉያ ጉያ ኮነ፡፡ ንሰላም ብቑርፂ ቅሩባት ከምዝኾኑን ኩሉ ነገር ክጅመርን ሓቢሮም፡፡ ሞንጎኛታት ኣፍሪካ ንኻልኣይ ግዘ ምስ ብዙሓት ኣምባሳደራት ሃገራት ምዕራብ ኣውሮፓን ዝተፋላለዩ ዲፕሎማሰኛታት ማሕበረሰብ ኣፍሪካን «ንመቐለ ክንኸድ፤ ሓሙስ ከይድና ስምምዕ ሰላም ኣብ ባይታ ከመይ ከምዘሎ ክንዕዘብ» ምስ በሉ፤ ኣብይ ንኦኦም ክኸዱ ፈቒዱ ከብቅዕ፤ ካሊእ ተበግሶ ወሰደ፡፡ ንሶም ንሓሙስ ንክኸዱ ንሱ ሰንበት ንሚኒስተራቱ ኣኼባ ፀዊዑ፤ «ፅባሕ ሰኑይ መቐለ ትኸዱ ትኸዱ» ይብሎም፡፡ «ንሰላም ብጣዕሚ ቁሩብ እየ ኣይትጠርጥሩኒ፤ ኣፈጉባኤ ዝኣክል ብዘይ ሓላዊ ሰዲደ» ኢሉ ንቱ ብልሹው ምስሉ ንማሕበረሰብ ዓለም ክቕይር ሚድያታት ቀዲመን ክዳለዋ ገይሩ፤ ብሰበር ዜና ተዋሲኡ፡፡ ንምሒር ድልየት ሰላም ህዝቢ ትግራይ እናመዝመዘ፤ ብጎረሩኡ ንዝተትሓዞ ፋይናንሳውን ኢኮኖሚያውን ማዕቀብ ዝገበረ ገይሩ ከፍትሕ ተጓየዬ፡

ኣሜሪካ ይኹን ኣውሮፓ ንኣብይ ዘቕረቡሉ ጠለባት ብቕሉዕ ዝረኣዩ፤ በሸፍጢ ዘይስገሩ እዮም፡፡ ሓገዝን ማሕበረ-ኢኮኖሚያዊ ግልግሎታትን ትግራይ ብዘይዓንቀፍቀፍ ፍሰቱ ሓልዩ ክሳለጥ፤ ሓይልታት መንግስቲ ኣምሓራን ሰራዊት መንግስቲ ኤርትራን ቀልጢፎም ካብ ትግራይ ንኽወፁ ክገብር፤ ዝቕፅል ዘሎ ግፍዕታትን ወራር ንብረትን ሃፍቲ ህዝቢ ትግራይን ደው ንኸብልን ክከላኸልን ብምድግጋም ሓቲቶምን ኣጠንቂቖምን፡፡ ኮሚሽን መርመርቲ ሰብኣዊ ግህሰት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብቕልጡፍ ኣትዮም ብናፅነት ምርመርኦም ንኸካይዱን መረዳእታታት ክእክቡን ተማሕፂኖም፡፡ እቱ ስምምዕ ምእንታን ዘላቕነት ክህልዎ ፖለትካዊ ዘተ ዳይሎግ ቀልጢፉ ንኽጅመር ጠሊቦም፡፡ ዛጊድ ካብ እዚኣቶም ገሊኦም እተተጀመሩ ግና ዘይሙሉኣት እዮም፡፡ ዝበዝሑ ድማ ምንም ዘይተጀመሩን ንኽትግበሩ ካብ ዘይምድላይን፤ ምኽንያታት ብምብዛሕ ክጓተቱን ዕንፅልፅል ኣቢልካ ዘይንፁርነት ክህልዎም ምግባርን ይርአ ኣሎ፡፡

ስትራተጂታት ኣብይ ኣብ ኣተገባብራ ውዕል ፕሪቶርያን ናይሮቢን?

1ይ. ስትራተጂ፤ ብመሰረት እቱ ስምምዕ ብወገን ትግራይ ክፍፀሙ ዝተብሃሉ ሓደ ብሓደ ክፍፀሙ ብምግባር፤ ንሱ ብኵናት ዘይረኸቦ ዓወታት ብስም ሰላም ክረክብ ዝዓለመ እዩ፡፡ ንዙይ ድማ ንሱ ብቱ ስምምዕ መሰረት ክትግብሮም ዝግባእ ኣየሕውይ ኣይቐትል ብዝኾነን፤ ህዝቢ ትግራይ ይኹን መንግስቲ ትግራይ ዓቕሙ ከይመልስ፤ የግዳስ መንሚኑ ብተስፋን ትኳቦት ተፀባዪ ክኸውን ናይ ምግባር ስትራተጂ እዩ፡፡ ሓይሊ መኸተ ትግራይ ሰራዊት ክስእን፣ ብመረፃ ዝተኸሎ መንግስቲ ክፈርስን፣ ትግራይ ወታደራዊ መዓስከር ንምግባር ዝዓለመ ስትራተጂ እዩ፡፡

2ይ. ስትራተጂ፤ ብስም ሰላም መቐፀልታ ዕላማታት ምፅናት ዘርኢ ዝትግብረሉ፣ ብኸይዲ ትግራይ ንምዕራብ ትግራይ ክትስእን ምግባር፣ ምስ ዓፋር ኣምሓራን ኤርትራን ስኒት ዘይብላ ዕፅውቲ ኮይና ክትቅፅልን፣ ዝለመሰ ዓቕሚ ሒዛ ሕልሚ ኣልቦ ክትኸውን ዝገብር ስትራተጂ እዩ፡፡ ነጋዶ ትግራይ ድኹማትን፣ ብሰናይ ድልየት መንግስቲ ኣብይ ዝንቀሳቐሱን፣ ብናፃ ተወዳዲሮም ዓቕሞም ከዕብዩ ዘይፈቅድን፣ ኣብ ትሕቲ ስውር ቁፅፅርን ልጓምን ንኽነብሩ ዝገብርን፣ ድምፂ ኣልቦ ስትራተጂ ጆኖሳይድ እዩ፡፡ ንዙይ ንምፍፃም ድማ በጀት ዘይብሉ መንግስቲ ትግራይ ክዳኸምን ከይትስእን ብምግባር፣ ንህዝቢ ሰናይ ምምሕዳር ክህብ ዘይኽእል ደሞዝ ኣልባ ሲቪል ሰርቪስ ከህሉ ብምግባር፣ መንግስትን መራሕትን ክፅልኡ ክንፀሉ ዝዓለመ እዩ፡፡ ኣብ ውሽጢ መንግስትን ህዝብን ትግራይ ብገንዘብን ብሶሻል ሚድያን ሰፊሕ ወፈራ ብምክያድ፤ ሓድነት ተጋሩ ክበታተንን ውዳበታቶም ካብቱ ዕፅዋን ጉድለታት መሪሕነቱን ዘዳኸሞ ንላዕሊ ኣዳኺምካ፤ ብዘይካ መሪሕነትን ውዳበን ኣትሪፍካ፤ ንዝኾነ ሓደጋ ቅሉዕ ክኸውን ንምግባር ዝዓለመ ሓደገኛ ስትራተጂ እዩ፡፡ ብዙይ ድማ መንግስቲ ትግራይ ይኹን ህወሓት ኣንፀርፂሮም ወይ ተኾሊፎም ናብ ኵናት ንኽኣትዉ እሞ፤ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ከፍርሱን፤ ኣፍሪሶም ኢልካ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ክንፀሉን፤ ብሓይሊ ወቒዕካ መዕለቢ ክገብሩ ዝኣንፈተ ስትራተጂ እዩ፡፡ እዙይ እንተዘይኮይኑ ድማ ካብቱ ሰላም ከይተጠቐሙ ተንበርኪኾም ዝግዝእሉ ኣብ ነዊሕ መስርሕ ምፅናት ህዝቢ ትግራይ ክረጋገፅ ዘኽእል ሓደገኛ ስትራተጂ እዩ፡፡

3ይ. ስትራተጂ፤ ኣብይ ሓይሊ ሰላም ኮይኑ ከርአ ክንዲ ዝኸኣሎ ኩሉ ገይሩ፤ እተን ብማሕበረሰብ ዓለም ዝተኸልከለን ማዕቀብ ዘተገብረሉን ገንዘብን ንግዳዊ ርክብን ዳግም ክጥጥዕ ብምግባር፤ ባዕሉ ብዝወልዖ ኵናትን ብፅዕንቶ ማሕበረሰብ ዓለምን ካብ ዝበፅሖ ማሕሰይቲ ሓውዩ፤ ጉልበቱ ክጠናኸርን ስልጣኑ ከናውሕን ዘኽእሎ ካልኦት ፖለቲካዊ ኢኮኖሚያዊ ዲፕሎማሳዊ ለውጢ ምግባር እዩ፡፡ ድሕሪ ትግራይ ምድኻምን ምጥፋእን ናይዙ ዞባ ጎብለል ኮይንኻ ንምውፃእ ዝዓለመ ዓቕሚ ናይ ምፍጣር ስትራተጂ እዩ፡፡

4ይ. ስትራተጂ፤ «ባለውለታችንን ኣናስቀይምም» ብዝብል መንግስቲ ኤርትራን ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ክሳብ ዝጠናኸርን ባዕሉ ዝኽእልን ቀፃሊ ኣብ ጎኑ ክህልዉን ክስለፉን ምግባር ዝብል እዩ፡፡ እዚ ብጣዕሚ ተኳሳሒ ርክብ ምስ ኢሳያስን ገዛእቲ ኣምሓራን ምዃኑ ተረዲኡ ክኽተሎ ዝደሊ ስትራተጂ እዩ፡፡ ኢሳያስ ንኣብይ ይንዕቆን ኣብ ዝበፅሖ የለን ይብል እንተነበረን እኳ፤ ሐዚ ሐዚ ይጠራጠሮን ክጠልሞ ከምዝኽእል ብምግማት፤ ቅድም ብምባል ኣብ ዓፋርን ኣምሓራን ከምኡ እውን ኣብ ማዕኸል ዓዲ ናይ ባዕሉ ምስለኔታት በምቕማጥን ብገንዘብ ብምዕዳግን ኣብ መሓውራት ፀጥታ ኢዱ ከምዘንውሐን መንፀፍ ከምዘንፀፈን ኣብይ ተረዲኡ ስግኣታት ከምዘለዎ ዝፍለጥ ጉዳይ እዩ፡፡ ኣብ መሓውራቱ ዓሰርተ ሻብ ለውጥታት ዝገብር ዘሎ እዚ መረዳእታ ድቃስ ስለዘስአኖ እዩ፡፡ ምስ ናይ ኣምሓራን ዓፋርን ኣብዘይ ግዚኡ ተባኢሱ ክቕርቀር ከምዘይብሉ ኣብ ግምት ዘእተወ ስትራተጂ ክኽተል እዩ መሪፁ ዘሎ፡፡ በዙይ ምኽንያት፤ «መንግስቲ ኤርትራ ዝበዝሕ ሓይሉ ኣብ ዶባት ገይሩ ወፅዩ» ዝብል ሸርሒ ፍሒሶም፤ ኣብ ቁልፊ ስትራተጂክ ዝበሉወን ቦታታት ውሽጢ ትግራይን ኢትዮጵያን ተመሳሲሉ ክፀንሕ ዘኽእሎ ምትዕርራይ ክገብሩ ብዕሊ ነፂሮም ኣለው፡፡ ሓይልታት ኣምሓራ እውን ወፅዩ ዘብል ስራሕ ብምስራሕ፣ ዋዕዋዕ ኣቢልካ፣ ኣብ ባይታ ዘየለ ስእሊ ንምቕያር ዝዓለመ ኣንፈት ኣቐሚጡ ኣሎ፡፡

ኣብይ ንዙ ስትራተጂታት ኣብ ባይታ ብኸመይ ይትግብሮ ኣሎ?

ሰብኣዊ ሓገዝን መሰረታዊ ግልጋሎትን ከምቱ ዝተዘረበሉን ተስፋ ዝተገበረሉን ዘይኮነስ፤ ዕንፀልፅል ዝበዝሖ እዩ፡፡ ሐዚ እውን ዝበዝሕ ህዝቢ ትግራይ ሓገዝ እኽሊ ይኹን ሓገዝ መድሓኒት ኣይረኸበን፡፡እቱ ተረኺቡ ዝበሃል እውን ብጣዕሚ ውሑድ ኪሎታትን ሓንቲ ሻብ ጥራሕ ተሰፊሩሉ ሐዚ እውን ትፅቢት ዝገብር ዘሎን ዘይተዓንገለን እዩ፡፡ እዙይ እውን እኽሊ እምበር መድሓኒት ዝበሃል የለን፡፡ ብሰንኪ ብሰናይ ግዘ ጠፊኦም ዝነበሩ ዓሶን ካልኦት ተላበድቲ ሕማማት፤ ብቐሊሉ ዝመውት ዘሎ ህዝቢ ቀሊል ኣይኮነን፡፡ ኣፋፍኖት ሰላም ምምፅኡ ዘሐጎሶ ህዝቢ፤ ብሰማይን ብምድሪን ይትኮስ ብዝነበረ ጥይት ካብምሟት እንተተረፈ እውን፤ ብጥምየትን ብሕማምን ይመውት ኣሎ፡፡ ብሚልየናት ዝቑፀሩ ተመዛበልቲ ንምዕራብን ንደቡብን ትግራይ ጥራሕ እንተይኮነስ፤ ንኣድያቦ ንኣኽሱም ንዓድዋ ንገጠራት ኣሕስኣ እገላ ንኢሮብ ንቦራ ኣበርገለ ግጀት ወዘተ… ኣይተመለሱን፡፡ ባዕሉ ዝተመለሰ ድማ ገዝኡ ተዘሪፉን ዓንዩን ስለዝረኽቦ፤ እግሪ ክተክል ዘኽእሎ ዕድል ስኢኑ ተስፋ ቆሪፁ መሬት ፀልሚትዎ ይርከብ፡፡

መሰረታዊ ግልጋሎት መብራህቲ ስልክን ኢንተርኔትን ተጀሚሩ ኣሎ፡፡ ትራንስፖርት ኣየር ኣዲስ ኣበባ-መቐለ-ኣዲስ ኣበባ-ሽረ-ኣዲስ ኣበባ ተጀማሚሩ ኣሎ፡፡ ኮይኑ ግን ክባርን ውሕድ ግልጋሎት ዘለዎ ብሰብን ብጉቦን ዝርከብ እዩ፡፡ እዛ እንኮ ዝተፈቀደት ግልጋሎት ትራንስፖርት ኣየር ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተመሊሳ ዓንቀፍቀፍ ይበዝሓ ኣሎ፡፡ ትራንስፖርት ምድሪ ኣይተጀመረን፤ ዝሕሰበሉ ዘሎ እውን ኣይመስልን፡፡ ግልጋሎት ባንኪ ብመሰረቱ ኣይተኸፈተን፡፡ ማዕፆ ባንኪ ተኸፊቱ እምበር ባንክታት ገንዘብ ረኺበን ዓማዊለን ገንዘቦም ከንቀሳቕሱ ኣይከኣሉን፡፡ ብዙ ምኽንያትን ናይ ንግዲ ትራንስፖርት ብዘይምጅማሩን ንግዳዊ ምንቅስቃሰ ከይህሉ ተገይሩ እዩ፡፡ ትካላት ፌደራል ዝባሃሉ ኣብ ትግራይ ዝርከባ ዩኒቨርስታት መቐለ፣ ዓድግራት፣ ኣኽሱም፣ ማይጨው ኣሽሓት ደሞዝተኛታት ንዓመታት መሃያ ከይተኸፈሎም ብዘይስራሕ ኮፍ ኢሎም፤ ከምቱ ንመንግስቲ ትግራይ በጀት ዘይተሰደደሉ እተን ዩንቨርስቲታት እውን ኮነ ተባሂሉ ከይዝከራ ተገይሩ ይቕፅል ኣሎ፡፡ ካሊእ ተሪፉስ ሃገሮም ዘገልገሉ ኣረጋውያን ጡረተኛታት እኳ መሰል ኣበሎም ክፈቕደሎም ኣይደለየን፡፡

ትግራይ ኣብ ሰለሰተ ተመቓቒላ ኣላ፡፡ ደቡብን ምዕራብን ትግራይ ብጎባጢ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራን ሓይሊ ኤርትራን ተታሒዙ ኣሎ፡፡ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ኣድያቦ ፀለምትን ሽረን፤ ማዕኸላይ ትግራይ ኣኽሱም፣ ዓድዋን ብርክት ዝበላ ወረዳታትን፤ ኣብ ምብራቕ ከተማታት ዛላምበሳ ፋፂ ሶበያ ዓሊተና ዝበዝሕ መሬት ኢሮብ፤ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይሊ ኤርትራን ኣሎ፡፡ ዝመረፆም መመሓደርትን መሓውራት ፀጥታን ኣይተመለሱሉን፡፡ ሳልሳይ ክፋል ኣብ ትሕቲ ብመንግስቲ ትግራይ ኮይኑ ሐዚ እውን በጀት ዘይብሉ ሲቭል ሰራሕተኛታት ብዘይመሃያ ክሰርሑ ተባሂሎም እዙይ ዝበሃል ምምሕዳር ኣሎ ትብሎ ኣይኮነን፡፡ ብዙ ምኽንያት ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ሐዚ እውን ካብ ዕፅዋን ክባን ኣይወፁን፡፡

ተፃብኦ ደው ምባል ብዝብል ሚድያታት ብፍላይ ናይ መንግስቲ ሚድያታትን ክልቲኦም ዝተፈራረሙ ሰበ ስልጣናትን ንሰላም ዝዘርግን ነቲ ስምምዕ ዘፍርስ ዘረባታት ከይገብሩን፤ ንሰላም ክሰብኩን እንተተቐመጠ እኳ፤ ብተግባር ግን ኣይተፈፀመን፡፡ ካብ ፅባሕ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣትሒዙ መራሕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተጠሊዖም «ስዒርናዮም» ኢሎም ብሚድያታቶም ዓብለቕለቕ ኣቢሎምዎ፡፡ «ስምምዕ ፕሪቶርያ ንሰላም ይጠቅም ኢዪ ንቕበሎ ኢና» ንዝብል መግለፂ መንግስቲ ትግራይን ህወሓትን ንጎኒ ገዲፎም፤ «ፖለቲካዊ መራሕትን መራሕቲ ሰራዊትን ትግራይ ሰላም ዝደልዩን ዘይደልዩን ተኸፋፊሎም» በምባል ተጠሊዖም ኣብ ሚድያታቶምን ብሶሻል ሚድያን ንቱ ዕሸል ሃዋህው ሰላም ክዘርጉ ተዋፊሮም፤ ሐዚ እውን ቀፂሎምሉ ኣለዉ፡፡ ከም'ቱ ኣብ ኵናት ብልፍንቲ ዝተዛረዩና ኣብ ፕሮፓጋንዳ እውን በብናቶም ዕላማ ተዋፊሮም ኣለዉ፡፡ ካልእ ተሪፉስ በዓል ስዩም መስፍን ኣባይ ፀሃየን ኣባይ ነፍሶን ንኵናት ምውላዕ ጠንቂ ከምዝነበሩ፤ ሐዚ ዘለዉ መራሕቲ ትግራይ ግና ደለይቲ ሰላም ከምዝነበሩ ገይሩ ምስ ስውኣትና ከይተረፈ ክፈላሊ ፈቲኑ፡፡ ምዃን ምስ ኣበዮ፤ «ኔትወርክ ዘለዎ ፍሉይ ጉጅለ ኣብ ውሽጢ ህወሓትን ሰራዊት ትግራይን ተፈጢሩ፤ ፀረ ሰላም ኮይኑ ነቲ መስርሕ ሰላም ይዘርግ ኣሎ፤ ንቶም ሰላም ዝደልዩ ከዳዓት እናበለ ምስራሕ ከሊእዎም» ይብል ኣሎ፡፡ ስለዝኾነ ድማ፤ «ተባሊዖም ክሳብ ዝዳኸሙ፤ ፖለቲካዊ እሱራት ምፍታሕ፣ ክሲ ምልዓል፣ ካብ መዝገብ ግብረሽበራ ንህወሓት ምስራዝ ኮነ ፖለቲካዊ ዳይሎግ ምግባር ነናውሐዮ» ብዝብል ኣዳናጉይዎ ኣሎ፡፡

ሰብኣዊ ግህሰት ዘፃርይ ኮሚሽን መርመርቲ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዛጊድ ኣይኣተወን፡፡ ምርመራ ገበን ኵናት ብናፃን ዘይሻራውን ወገን ክፃረ ፍቃደኛ ከይኮነ ብእምብለይ መርገፂኡ ቀፂሉሉ ኣሎ፡፡ ነፃ ዓለምለኸ ጋዜጠኛታት ኣብ ትግራይ ክኣትው ኣይፈቐደን፡፡ በዙይ ምኽንያት መንግስቲ ትግራይ ኣብ ዘይቆፃፀሮ ከባቢታት ይኹን ኣብ ዝቆፃፀሮ ዘሎ ኩነታት ህዝብን ተግባራዊነት እቱ ስምምዕን ነፃ ዝኾነ መረዳእታ ከይህሉ ገይሩ ኣሎ፡፡ ብቱ ኵናት ዝበፅሑ ግፍዕታትን ሐዚ እውን ዝበፅሑ ዘለው መከራታትን፤ ብዘይሻራዊ ሚድያ ከይፅብፀብ ገይሩ ይርከብ፡፡ ምውፃእ ሓይልታት መንግስቲ ኣምሓራን ኤርትራን ብመርበብ ማሕበራዊ መራኸቢ ሓፋሽ ብበለካ ለኽዐካ ዜና ይውረ ኣሎ እምበር ብዘይሻራዊ ወገን ኮነ ብቱ ተኸታቲሉ ከረጋግፅ ዝግብኦ ኮሚቴ ክትትል ኣፍሪካ ኣይተረጋገፀን፡፡

ብተወሳኺ ድማ ሚልዮናት ኣቕራሽ ናብ ትግራይ ውሽጣ ውሽጢ ብምስዳድን ብጠለፋ ስልክን ብወፍሪ መርበብ ማሕበራዊ መራኸቢ ሓፋሽ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ብምዝራግ ብስም ሰላም ህዝቢ ትግራይ ከምበርክኽ ብኣምሓርኛን ትግርኛን ሰፊሕ ምንቅስቃስ ሚዲያ ይገብር ኣሎ፡፡ ደብረፅዮን ካብ ስልጣኑ ወሪዱ፣ ኩሎም ስራሕ ፈፀምቲ ተኣጊዶም፣ ወዘተ… ዝብል ወፍሪ ተገይሩን ይገበርን ኣሎ፡፡ ማእኸላይ ኮሚቴ ተመቓቒሉ ካብ ዝብል ክሳብ ብኣውራጃ ብኸባቢ ብሃይማኖት ሓድነትና ንምዝራግ፤ ሕዱር ቂምን ቅሬታን ዘለዎምን ድጉል ናይ ስልጣን ፅምኢ ዘለዎምን ተጠቒሙ፤ ፅዑቕ ወፍሪ የካይድ ኣሎ፡፡ ትግራዋይ ነንባዕሉ ክናኸስን ክካሰስን ንምግባር፤ ካብቱ ኣብ ኵናት ካብ ዝነበሮ ህልኽ ንላዕሊ ሃሊኹ፤ እታ ናይ መወዳእታ ዝበላ ዕድል ከይተምልጦ ፀላኢ ብዕቱብ ይጓየ ኣሎ፡፡ እዙይ እውን ሰላም መፅዩ ኢሉ ተሓጕሱ ንዝነበረ ህዝብና ኣብ ሻቅሎትን ምድንጋርን ከእትዎ ጀሚሩ ኣሎ፡፡ ካብ ዕሸላት መናእሰይ ጀሚሩ ነባራት መራሕትን ተጋደልትን ዝተሰውእሉ ቃልሲ ንበለል ንኸይተርፍ፤ ህዝብና ኣብ ስግኣት ወዲቑ፤ «ሕድሪ ሓድነትኩም ከይትንከፍ» እናበለ ንመራሕቱ ንደቁ ይምሕፀን ኣሎ፡፡ ናይ 1993 ዓ.ም ከይድገም ብስውኣት ኢሉ ይልምን ኣሎ፡፡

ምሽጥር ተዋጋኣይነት ህዝቢ ትግራይ ናይ ምውዳብ ዓቕምና እዩ፤ ናይ ምውዳብ ዓቕምና ድማ ኣብ ስነልቦናዊ ሓድነትናን ማሕበረሰባዊ ስብእናናን ፀጋታትናን ስለዝድረኽ እዩ፡፡ ኩሎም ብሰሜንን ደቡብን ዘለዉ ደቂሕድርትና ብኣውርኡ ዝጠብኑና ብዙ ናይ ምውጋእን ናይ ምውዳብን ሓድነትን ዓቕምና እዩ፤ ታሪኽና ቅርስና ባህልና ስልጣነና ማሕበረሰባዊ ብራኸና ከምዘሎ ኮይኑ፡፡ ንመዋእሎም ከማና ክውደቡ፣ ከማና ክስለፉ፣ ከማና ክኽደኑ፣ ከማና ክኾኑ እውን ሒግ ይብሉ! ስለዘይኮነሎም ድማ ብጥብኒ ናብ ኵናት ፅንተት ይኣትዉ! ዓይቦና ዘለዎም ካልኦት ወገናት ድማ፤ «ኣንታ ተጋሩ ከይትጋገዩ፤ ሳላ ዝተወደብኩም ኢኹም ንዝኹሉ ዕስለ ፀላእቲ መኪትኩም ኣብ ኣደባባይ ዓለም ትደራደሩ ዘለኹም፡፡ ንሕና ስለዘይተወደብና ዝመርሕ ውድብ ስለዘይብልና ፎቖድኡ ተበቲንና ዝመፀ ኩሉ የላግፀልና ኣሎ፡፡ ይኸፋፍሉናን በታቲኖም ይወቅዑናን የምበርክኹናን ኣለዉ፡፡ ብኣኹም ብሓድነትኩም በውዳበኹም ከምንቐንእ ትፈልጡዶ?» ዝብሉ ኣለዉ፡፡

ንሕና ተጋሩኸ እንታይ ንብል? እንታይ ንግበር?

ማእኸል ሽኻልና ሃለዋትን ደሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ይኹን! ብመሰረት እዙይ ብዝሰልጠነ መንገዲ ኣብ ዘለና ንሃሊ ኣብ ውሽጢ ገዛና እሂን ምሂን ክንብል እናተላበኹ፤ ኣነ እውን ዝመሰለኒ ሪኢቶን ምልከታን ክቅፅል ምዃነይ እሕብር፡፡ ፈጣሪ ፍቓዱ ኮይኑ ብኻሊእ ፅሑፍ የራኽበና! ክብርን ሞገስን ንኹሎም ብኽብሪ ዝሓለፉ ስውኣት ትግራይ!

ሓውኩም ኣሕፈሮም