INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ንትግራይ ብፍሉይ ዝገልፁ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተፈፀሙ ካልኦት ኣርባዕተ ገበናት

ውዱብ ሕቡራት መንግስታት፣ ኣብ "ሮም ስታት" (Rome Statute ማለት ዓለምለኸ ወንጀላት ዝህልዎም ብያነ መሰረት ገይሩ ዝተኸተመ ዓለም ለኸ ስምምዕ) ኣፍልጦ ዝሃቦም ኣርባዕተ ዓለም ለኸ ወንጀላት ኣለው። ንሳቶም እውን ገበን ምፅናት ህዝቢ (Genocide) ፣ገበን ኣንፃር ሰብኣውነት (Crime against humanity)፣ ገበን ኲናትን (War crime)፣ ገበን ወራር ምፍፃም (Crime of aggression) እዮም።

እዚኣቶም ኣርባዕቲኦም እርይ ብቑፅር (ምሉእ ብምሉእ) ኣብ ትግራይ ተፈፂሞም እዮም። በቢሓደ ንርአዮም።

#ገበን ምፅናት ህዝቢ (Genocide)
እዙይ ብግልፂ ዝረአ እዩ። ኣብ ትግራይ ክሳብ ሕጂ ዝተፀነዐ ጥራሕ ኣብ 202 ቦታታት እዩ ጅምላ ጨፍጫፍ ተኻይዱ። እሞ ኸኣ ካብ ህፃን ክሳብ ሽማግለ ዘይፈለየ ሰላሚዊ ትግራዋይ እዩ ትኹረት ተገይሩ። ካብ ጓል 10 ዓመት ህፃን ክሳብ ጓል 70 ዓመት ኣደታት እየን ተደፊረን። ኣብዙይ እቲ ናይ ምዕራብ ትግራይ ምቕታልን ምብራርን ጉዳይ፣ ኣብ መላእ ኢትዮተኣጵያ ዝእሰሩን ዝቕተሉን ዘለው ተጋሩ ከይሓወስና፣ ኣብ ትግራይ ገበን ምፅናት ህዝቢ (Genocide) ከምዝተፈፀመ ብግልፂ ዘርእየና ሓቂ እዩ።

#ካልኣይ ገበን ኣንፃር ሰብኣውነት(Crime against humanity)
እዙይ እውን ንርአ። "ንወድሰብ የድልይዎ እዮም" ዝበሃሉ መሰረታውያን ጠለባት ኣብ ትግራይ ብግልፂ ተገዲቦም እዮም። ኣብ ትግራይ ሰብ ከይበልዕ ኩሉ እኽሉን ሃፍቱን ተወሪሩ። ረድኤት ረኺቡ ይከዕንገል 360 ዲግሪ ተዓፅዩ። ዝርካበን እኽሉ ከርኪሩን ጥሒኑን ከይዕንገል መብራህትን ነዳድን ተኸልኪሉ። ገዚኡ ኳ ትንፋሱ ከየቐንይ መገዛ ገንዘቡ ኣብ ባንኪ ተዓፅዩ። ሓሚሙ ድጋፍ ከይረክብ እውን መድሓኒት ከይረክብ ተገይሩ። እዙይ ንዓለም ከየፍልጥ ስልክን ኢንተር_ኔትን ተሓዲጉ። እዙይ ኩሉ ዝግበር ምእንቲ ብሞት ክፀንት (ኮነ ተባሂሉ) እዩ።

#ሳልሳይ፡- ገበን ኲናት (War crime)
እውን ከምኡ። ኣብ ትግራይ ንፃዕዳ ፎስፈረስ ሓዊሱ ዘይፍቀዱን ኣብ ዓለም ለኸ ስምምዕ ዝተኸልከሉን ኣፅዋር ኩይናት ኣብ ጥቕሚ ውዒሎም እዮም። ከተማታት ተደብዲቦም፣ ገዛውቲ ዓንዮም - ተቓፂሎም፣ ምዕማፅ ደቂ ኣነስትዮን ጥምየትን ከም መሳርሒ ኩይናት ኣብ ተግባር ውዒሎም።

#ራብዓይ ገበን ምፍፃም ወራር (Crime of aggression) ፋሽስት ኣብዪ ኣሕመድ ዘዋፈሮ ሰራዊት ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ተስፋሕፈሕቲ ኣምሓራን ሰራዊት ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ንትግራይ ወሪሮም ተቐራሚቶሙዋ እዮም። ተስፋሕፈሕቲ ሓይልታት ኣምሓራ ክሳብ ሕጂ ምሉእ ምዕራብ ትግራይ ተቖፃፂሮሞ ኣለው። ዶባት ትግራይ (ካብ ዓዲ ፀፀር ክሳብ ባድመን ዓሊቴናን) እውን ኣብ ትሕቲ ወራሪ ሰራዊት ኢሳያስ እዮም ዘለዎው። እዞም ሓይልታት ነቲ መሬት ጥራሕ ኣይኮኑን ወሪሮም። ኣብቲ ዝሓለፈ 8 ወርሒ ኣብ መላእ ትግራይ እናሃለው ኾነ ኣብቲ ሕጂ ሒዘምዎ ዘለው መሬት ዝፈረየ ሃፍቲ ትግራዋይ ኩሉ ወሪሮም ኣግዒዞሞ እዮም። ሰብ ካብ መሬቱ ኣፈናቒልካ ንብረቱን ህይወቱን እንተደኣ ኣሕዲግካይዮ ብህይወት ናይ ምንባር መሰሉ መንዚዕኻዮ ኣለኻ ማለት እዩ። ነቲ ኣብ ሑመራን ከባቢኡን ዝግበር ዘሎ ጀኖሳይድ ሓዊሱ "ወራር ምፍፃም" (Crime of aggression) ከመይ ኣብ ትግራይ ንጀኖሳይድ ከምዝወዓለ ብግልፂ ዘርአየ እዩ።

እዞም ኣርባዕተ ዓለም ለኸ ገበናት ከምዘለው ኮይኖም፣ ንትግራይ ብፍሉይ ዝገልፁ ካልኦት ኣርባዕተ ገበናት ኩይናት (ኣብ ዓለም ሓዱሽ ዝምዕብል ዘሎ መልክዕ ጀኖሳይድ) ኣብ ትግራይ ከም ዝተፈፀሙ ምውጋዕ እዩ ናይ ሎሚ ዛዕባና። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኤናዮ ትግራይ ኣርባዕቲኦም ዓለም ለኸ ገበናት ኩይናት ብግልፂ ዝተፈፀሙላ ኮይና እዞም ዝስዕቡ ኣርባዕተ ዓለም ለኸ ገበናት ከኣ ብፍሉይ ኣብ ልዕሊኣ ተፈፂሞም እዮም።

®ሓደ፣ "ኣዋጅ ህፁፅ እዋን" ከም መሳርሒ ኲናት ምጥቃም፥
#ኣብ ዝኾነ ዓለም ኮነ ኣብ ሃገርና ዝእወጅ እዋን "እቶ እቶ" ናይ ባዕሉ ፍሉጣት ዕላማታት ኣለውዎ። እዋን "እቶ እቶ" ምስተኣወጀ ዝትግበሩ ተግባራት ላዕሊ ላዕሎም እንትረአዩ እወንታ እዮም ዘመላኽቱ። ንኣብነት ብዘይቅድመ ኩነት ምእሳር፣ ምኽልካል፣ ምግዳድ ወዘተ (ብሓፂሩ "መሰለይ እዩ" ኢልካ "እምቢ 'ጠንጠነለይ" ክትብለሉ ዘይትኽእል) ተግባራት ብመንግስትን ናይ ፀጥታ ኣካላትን ክወርደካ ከም ዝኽእል ቅቡል ምግባር ማለት እዩ።

እዚኣቶም ናብ ኢትዮጵያ እንትመፁ ንምንታይ ኣሉታ-ኣዊ ቅርፂ ከምዝሓዙ መርአዪታት ክነቕርብ። እዋን "እቶ እቶ" ወይ "ግዜ ህፁፅ እዋን" ኣብ ዝኾነ ዓለም ኮነ ኣብ ሃገርና ክትግበሩ ዓለም ለኸ ሕጊ ስለዝፈቅድ ብጥሪኦም ነቶም ተግባራት ምቕራብ ዘረባና ተቐባልነት ዘይከውህቦ ይኽእል እዩ። ካብዙይ ተላዒልና እቶም ተግባራት ከመይ ኣብ ኢትዮጵያ ኣሉታ-ኣዊ ቅርፂ ክሕዙ ከምዝኸኣሉ ንዓለም ክነርእዮ ይግባእ።

ንኣብነት ኣብ ትግራይ ብምስምስ "እዋን እቶ እቶ" ኮነ ተባሂሉ ስነ ልቦናዊ ራዕዲ ንምፍጣር ዝተኸየደ መንገዲ ምምርማር ሓደ እዩ።

ኣብቲ ዝሓለፈ 8 ወርሒ ዝነበሩ መርአዪታት ከም መግሀዲ ክነቐምጥ። ንኣብነት ዝተፈላለዩ ስድራታት ትግራይ "ምስ ሰራዊት ትግራይ ርክብ ኣለኩም" እናተበሃሉ ይንገላትዑ ነይሮም። "ባንዴራ ትግራይ ሒዝኩም" ተባሂሎም ይንከላበቱ ነይሮም። "DW ወይ TMH_tv ርኢኹም" ተባሂሎም ይንገላትዑን ይግዘቱን ነይሮም። "ፎቶ ተጋደልቲ ወይ ስእሊ መራሕቲ ተረኺቡኩም" ተባሂሎም ክሽቑረሩ ጥራሕ ዘይኮነስ ክእሰሩን ክቕተሉን ይግበሩ ነይሮም።

"ክእሰሩን ክቕተሉን ይግበሩ ነይሮም" ኢና እንብል ለዘና። ስድራታት "ርክብ ኣለኩም"፣ "ባንዴራ ሒዝኩም"፣ "ፎቶ ተረኺቡኩም"፣ "Tv ርኢኹም" እንትበሃሉ ስነልበነኦም ንምህሳይን መንነቶም ከም ጎነፅ ክርእዩዎን ናይ ምግባር መንገዲ እዩ። ኣብ ልዕሊ እዙይ ፀለመ ተጋሩ ወፍሪ ብምፅዓቕ፣ ብምጥቃን፣ ብምንሻው፣ (ኣዛብእ ቀትሪ፣ መጠጥቲ ደም ኢትዮጶያ፣ ተለኣኣኽቲ ባዕዳውያን፣ መንሽሮ ወዘተ እናተባህሉ) ስነልቦናዊ ሃሰያ ክበፅሖም ምግባር እቲ ተረቋሒ መረአዪ እዚ ገበን እዩ።

ኣብዚ ክፍሊ ዝስራዕ ካልእ ገበን ኲናት እንትንፍትሽ ን "ማሕበረሰብ ከም ዕርቡን" ወይ "ከም ትሕጃ" ኣትሒዝካ መዋገዪ ገይርካ ምውሳድ ንረክብ። እዙይ ማሕበረሰብ ከም ዕርቡን (community hostages) ከም ማለት እዩ። እዚ ተግባር፣ ሰራዊት ፀላኢ ነቲ ሕብረተ-ሰብ መከላኸሊ ገይሩ "ደቅኹም ኣምፅእዎም: ወይ ምከዚኣ ክንገብር ኢና" እናበለ ከም "መትሐዚ" ገይሩ ክግልገለሎም ከሎ ዝረአ ጥሕሰት ገበን እዩ። ካብዙይ ሓሊፉ እቲ ገስጋሳይ ሓይሊ ከምዘጥቀዖ ዝገመተ ፀላኢ "ይየጥቃዕ" ንነትደሊ "ብደቅኹም ከምዚ ንነተደኣ ኮይንና፥ ከምዚ ክንገብረኩም ኢና" እናበለ ኣብቲ ሕ/ሰብ ፅዕንቶን ፀቕጥን ከሐይል ከሎ ዝመፅእ ባህሪ እዩ። እዙይ ሓዱሽ ዝረአ ዘሎ መልምክዕ ጀኖሳይድ ኮይኑ ስነ-ልቦናዊ ሃሰያ ካብ ምስዓብ ሓሊፉ፣ ብቕትለትን እሱርን ክዕጀብ ምግባር እውን ይሓውስ።

ኣብ ሓደ ዓዲ ኣብ እዋን ጎንፂ ኣብቲ ዝተደለየ ህዝቢ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ሃሰያ ንምብፃሕ ተባሂሉ ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ (እዋን "እቶእቶ") እንተተኣዊጁ እሞ ብሰንኪ እቲ ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ሰብ ስነ ኣእምርኡ እንተተሃስዩ፣ ምስ መንነቱ ክበኣስ ይግበር እንተደኣ ነይሩ፣ እዙይ ስለዘይተኣዘዘ ኸከ ይመውት እንተደኣ ነይሩ፣ እቲ "ብሽፋን ሕጊ" ዝተተኽለ ኣዋጅ ልክዕ ከም መድፍዕ ይሕሰብ። በዙይ እዩ እንበኣር ኣብ ትግራይ ዝነረበ ህፁፅ ግዜ (እዋን "እቶእቶ") መሳርሒ ጀኖሳይድ ነይሩ እንብሎ።

ክልተ፥ "ልኣላውነት ሃገር" ከም መሳርሒ ኲናት ምጥቃም
እዚ ሓሳብ ባዕሉ ልኣላውነት ዘይኮነስ ንመርሕ "ልኣላውነት" ኣብ ዘይመዓልኡ ምውዓል (abuse ክትገብሮ) ማለት እዩ። እዙይ ብኽልተ መልክዑ ምርከኣ ከድሊ እዩ። እቲ ቀዳማይ "ጉዳይ ልኣላውነት" ንውሽጢ ዝተወሃቦ ትርጉም እንትኸውን እቲ ካልኣይ ከኣ "ጉዳይ ልኣላውነት" ንደገ ዝተወሃቦ ትርጉም እዩ።

እቲ ቀዳማይ "ጉዳይ ልኣላውነት" ንውሽጢ ዝተወሃቦ ትርጉም ንርአ። ከምቲ ዝፍለጥ እዚ ፋሽስታዊ ስርዓት ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብሽም ልኣላውነት ኣታሊሉ "ጉዳይ ልኣላውነት" ንትግራይ መጥፍኢ ገይሩ ክጥቀመሉ ምኽኣሉ እቲ ቀንዲ መርአዪ እዚ ባህሪ ጀኖሳይድ እዩ። ከምቲ ዝሬአናዮ እዚ ስርዓት ሞቱ ምስ ቀረበት ወዮ "ሕጊ ምኽባር" ተረሲዑ ናብ "የህልውና ዘመቻ" እዩ ኣሰጋጊሩዎ። ተጋሩ ብጉዳይ "ልኣላውነት ኢትዮጵያ" ከምዝመፃእና ብምስባኽ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብኽተት "ሆ" ኣቢሉ ብሽም ልኣላውነት እዩ ሸቂጡ። ኤርትራ ልኣላውነት ኢትዮጵያ ጥሒሱ እናሃለወ ከምኡ ዘይተበሃለ፣ ተጋሩ ልኣላውነት ከምዝተፈታተኑ ተሰቢኹ። ኣብዙይ ምስባኹ ኣይኮን እቲ ፀገም። ጉዳይ ልኣላውነት ዘይተተንከፈ እናሃለወ፣ ብጉዳይ ልኣላውነት ዝኣከቦ ሓይሊ ኣብ ጥፍኣት ተጋሩ ከውዕሎ ከሎ እዩ ዝመፅእ እቲ ፀገም።

እቲ ካልኣይ "ጉዳይ ልኣላውነት" ንደገ ዝተወሃቦ ትርጉም እዩ። እዚ ፋሽስታዊ ስርዓት ጠገለ ኣልቦ ምፅናት ህዝቢ ወይ ከኣ ደኖሳይድ እንተካይድ ዓለማት "ኤእ" ምባለን ኣይተረፈን። ይኹን እምበር መልሲ እዚ ስርዓት "ልኣላውነተይ ኣይትተንክፉለይ" ዝብል እዩ ነይሩ። "ልኣላውነተይ ኣይትተንክፉለይ" እንትብል "ባዕለይ ዝውድኦ ነገር እዩ" ዝብል መልእኽቲ ዝሓዘለ ኣካይዳታት እዩ ተኸቲሉ። "ፀገማት ጠጠው ከብል" ኣኽእሎን ድሌትን ዘይብሉ እናሃለወ ንወፃእተኛታት ግን ከምዘለዎ ኾይኑ እዩ ቀሪቡ። ስለዙይ "ኣይትተንክፉኒ" ምባሉ በቲ ሓደ ነቲ ፅንተት ህዝቢ ትግራይ ክምልእ እንትጥቀመሉ፤ በቲ ኻልእ ኸኣ ማ/ሰብ ዓለም ነቲ ሓቂ ከይርዳእ (ብኸበባን ዕፅዋን) ተጠቒሙሉ። "ጉዳይ ልኣላውነተይ እዩ ኣይትተንክፉኒ" ዝብል ብህሎ ምእንቲ ፅንተት ህዝቢ ትግራይ ተባሂሉ ኣብ ተግባር ዝወዓለ ፍሉይ ባህሪ ጀኖሳይድ ይገብሮ። ኣብዙይ ፀዓዱ ከምዝተጋገዩን ሓቀይና ባህሪ እቲ ስርዓት ክርእዩዎ ምቅላዕ የድልየና።

ሰለስተ፥ ዜግነት ከም መሳርሒ ኲናት ምትቃም
ዜግነት ውዕሊ እዩ። ኣብ መንጎ ውልቀ ሰባትን መንግስትን ዝእቶ ውዑል። ኣብ ዝሓለፈ 8 ወርሒ (ሕጂ ኣብ ምዕሬብ ትግራይ እውን) እዛ ውዑል እዚኣ ናይ ምቕንጣጥ ስራሕ እያ ተሰሪሓ። እዚ ፋሽስታዊ ጉጅለ ናይ ዜግነት መሰላቱ ቀንጢጡ ዜግነት ኣልባ እዩ ገይሩዎ ንትግራዋይ። ሕጂ ብጭቡጥ ትግራዋይ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኾነ ዜግነታዊ ውክልና ዘይብሉ ሰብ እዩ ሾይኑ ዘሎ። ከም ኣገላልፃ መምህር መርሓጥበብ (ዩኒቨርስቲ መቐለ) "ሕጂ ትግራዋይ ብጭቡጥ ኣብ ኣለሻ ዜግነት ዘሎ ህዝቢ እዩ" ኣብዛ ሃገር።

እወ! ብቕርፂ ይኹን ብትሕዝቶ ኣብ ፖለቲካዊ ትካላት ኢትዮጵያ የለን ትግራዋይ። ኣብ ክልቲኡ ቤት ምኽሪ (ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ይኹን ኣብ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን) ትግራዋይ የልቦን። ኣብ ፈፃሚ ሚኒስትራት፣ ኣብ ድሕንነትን ሚሊተርን፣ ትግራዋይ የለን። ኣብ ውሳነታትን ሕግታትን የለን። እንትንእስ ኣብ ጠቕላላ ዘሎ ናይ ማሕበረ ኢኮኖሚ ተሳትፎ የለን። ዋላ ኣብ ካልእ ከባብታት ኢትዮጵያ ዘለው ተጋሩ እውን። ኣብ ባህላዊ ህይወትና (ኣብ ሃይማኖት፣ ኣብ ስፖርት ወዘተ) የለን ተገሊሉ እዩ ትግራዋይ።

ጫፍ መግለፂታ እዚ "ምሕዳግ ዜግነት" ግን ትግራዋይ ቪዛን ፓስፖርትን ዝተኸልከለ ምኽዋኑ እዩ። እቲ ዓብዪ በደል "ትግራዋይ ኣብ መላእ ዓለም ውክልናን ተሳትፎን ኣልባ ክኸውን (ብግልባጡ እቲ ዝቐንጠጠና ቪዛን ፓስፖርትን ዝዓገተና መንግስቲ ክውክለና) ምኽኣሉ እዩ። እዙይ እምበኣር "ዜግነት ከም መጥቀሚ ጀኖሳይድ" ተባሂሉ ክንቃለሰሉ ዝግባእ ነጥቢ ይገብሮ።

ኣርባዕተ፥ "ቶኹሲ ደው ምባል" ከመሳርሒ ኲናት
ፀላኢ ካብ ዝበዝሕ ከባብታት ትግራይ ተደኲዑ ምስ ወፀ ፀቕጢ ዓለም ክቕንስ ስለዝደለየ "በይናዊ ተኹሲ ጠጠው ናይ ምባል" ስጉምቲ ከምዝወሰደ እዩ ገሊፁ። እዚኣ ንሰለስተ ረብሓታት ዝገበራ እያ። ቀዳማይ "ፀቕጢ ዓለም ናብ ትግራይ እውን ከዝውር" ስለዝደለየ እዩ። ዓለም ናብ ኣምሓራን ዓፋርን ንዝኣቱ ሰራዊት ትግራይ "ተኹሲ ጠጠው እንተደኣ ኢሉ ናበይ ኢኻ፣ ውፃእ" ዝብል ፀቕጢ ምእንቲ ክትፈጥር ኢሉ ዝገበሮ እዩ። ካልኣይ ኸኣ ንምድላው፣ (ግዜንምሽማት) ወትሃደራዊ ክተትን ምምዕርራይን ክገብር ኢሉ ዝወሰዶ ስልቲ እዩ። ሳልሳይ ካብ ወትሃደራዊ ወፍሪ ወፃእ ንትግራይ ኣብ ምሉእ ኸበባ ኣእቲኻ ህዝቢ ብጥምየትን ሕማምን ፀኒቱ ክመውት (እቲ ሰራዊት ትግራይ ከኣ ደጀን ስኢኑ ክጠፍእ) ናይ ምግባር ከይዲ እዩ ነይሩ።

ንትግራይ ብፍሉይ ዝገልፁ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተፈፀሙ ካልኦት ኣርባዕተ ገበናት
ውዱብ ሕቡራት መንግስታት፣ ኣብ "ሮም ስታት" (Rome Statute ማለት ዓለምለኸ ወንጀላት ዝህልዎም ብያነ መሰረት ገይሩ ዝተኸተመ ዓለም ለኸ ስምምዕ) ኣፍልጦ ዝሃቦም ኣርባዕተ ዓለም ለኸ ወንጀላት ኣለው። ንሳቶም እውን ገበን ምፅናት ህዝቢ (Genocide) ፣ገበን ኣንፃር ሰብኣውነት (Crime against humanity)፣ ገበን ኲናትን (War crime)፣ ገበን ወራር ምፍፃም (Crime of aggression) እዮም።

እዚኣቶም ኣርባዕቲኦም እርይ ብቑፅር (ምሉእ ብምሉእ) ኣብ ትግራይ ተፈፂሞም እዮም። በቢሓደ ንርአዮም።

#ገበን ምፅናት ህዝቢ (Genocide)
እዙይ ብግልፂ ዝረአ እዩ። ኣብ ትግራይ ክሳብ ሕጂ ዝተፀነዐ ጥራሕ ኣብ 202 ቦታታት እዩ ጅምላ ጨፍጫፍ ተኻይዱ። እሞ ኸኣ ካብ ህፃን ክሳብ ሽማግለ ዘይፈለየ ሰላሚዊ ትግራዋይ እዩ ትኹረት ተገይሩ። ካብ ጓል 10 ዓመት ህፃን ክሳብ ጓል 70 ዓመት ኣደታት እየን ተደፊረን። ኣብዙይ እቲ ናይ ምዕራብ ትግራይ ምቕታልን ምብራርን ጉዳይ፣ ኣብ መላእ ኢትዮተኣጵያ ዝእሰሩን ዝቕተሉን ዘለው ተጋሩ ከይሓወስና፣ ኣብ ትግራይ ገበን ምፅናት ህዝቢ (Genocide) ከምዝተፈፀመ ብግልፂ ዘርእየና ሓቂ እዩ።

#ካልኣይ ገበን ኣንፃር ሰብኣውነት(Crime against humanity)
እዙይ እውን ንርአ። "ንወድሰብ የድልይዎ እዮም" ዝበሃሉ መሰረታውያን ጠለባት ኣብ ትግራይ ብግልፂ ተገዲቦም እዮም። ኣብ ትግራይ ሰብ ከይበልዕ ኩሉ እኽሉን ሃፍቱን ተወሪሩ። ረድኤት ረኺቡ ይከዕንገል 360 ዲግሪ ተዓፅዩ። ዝርካበን እኽሉ ከርኪሩን ጥሒኑን ከይዕንገል መብራህትን ነዳድን ተኸልኪሉ። ገዚኡ ኳ ትንፋሱ ከየቐንይ መገዛ ገንዘቡ ኣብ ባንኪ ተዓፅዩ። ሓሚሙ ድጋፍ ከይረክብ እውን መድሓኒት ከይረክብ ተገይሩ። እዙይ ንዓለም ከየፍልጥ ስልክን ኢንተር_ኔትን ተሓዲጉ። እዙይ ኩሉ ዝግበር ምእንቲ ብሞት ክፀንት (ኮነ ተባሂሉ) እዩ።

#ሳልሳይ፡- ገበን ኲናት (War crime)
እውን ከምኡ። ኣብ ትግራይ ንፃዕዳ ፎስፈረስ ሓዊሱ ዘይፍቀዱን ኣብ ዓለም ለኸ ስምምዕ ዝተኸልከሉን ኣፅዋር ኩይናት ኣብ ጥቕሚ ውዒሎም እዮም። ከተማታት ተደብዲቦም፣ ገዛውቲ ዓንዮም - ተቓፂሎም፣ ምዕማፅ ደቂ ኣነስትዮን ጥምየትን ከም መሳርሒ ኩይናት ኣብ ተግባር ውዒሎም።

#ራብዓይ ገበን ምፍፃም ወራር (Crime of aggression)
ፋሽስት ኣብዪ ኣሕመድ ዘዋፈሮ ሰራዊት ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ተስፋሕፈሕቲ ኣምሓራን ሰራዊት ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ንትግራይ ወሪሮም ተቐራሚቶሙዋ እዮም። ተስፋሕፈሕቲ ሓይልታት ኣምሓራ ክሳብ ሕጂ ምሉእ ምዕራብ ትግራይ ተቖፃፂሮሞ ኣለው። ዶባት ትግራይ (ካብ ዓዲ ፀፀር ክሳብ ባድመን ዓሊቴናን) እውን ኣብ ትሕቲ ወራሪ ሰራዊት ኢሳያስ እዮም ዘለዎው። እዞም ሓይልታት ነቲ መሬት ጥራሕ ኣይኮኑን ወሪሮም። ኣብቲ ዝሓለፈ 8 ወርሒ ኣብ መላእ ትግራይ እናሃለው ኾነ ኣብቲ ሕጂ ሒዘምዎ ዘለው መሬት ዝፈረየ ሃፍቲ ትግራዋይ ኩሉ ወሪሮም ኣግዒዞሞ እዮም። ሰብ ካብ መሬቱ ኣፈናቒልካ ንብረቱን ህይወቱን እንተደኣ ኣሕዲግካይዮ ብህይወት ናይ ምንባር መሰሉ መንዚዕኻዮ ኣለኻ ማለት እዩ። ነቲ ኣብ ሑመራን ከባቢኡን ዝግበር ዘሎ ጀኖሳይድ ሓዊሱ "ወራር ምፍፃም" (Crime of aggression) ከመይ ኣብ ትግራይ ንጀኖሳይድ ከምዝወዓለ ብግልፂ ዘርአየ እዩ።

እዞም ኣርባዕተ ዓለም ለኸ ገበናት ከምዘለው ኮይኖም፣ ንትግራይ ብፍሉይ ዝገልፁ ካልኦት ኣርባዕተ ገበናት ኩይናት (ኣብ ዓለም ሓዱሽ ዝምዕብል ዘሎ መልክዕ ጀኖሳይድ) ኣብ ትግራይ ከም ዝተፈፀሙ ምውጋዕ እዩ ናይ ሎሚ ዛዕባና። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኤናዮ ትግራይ ኣርባዕቲኦም ዓለም ለኸ ገበናት ኩይናት ብግልፂ ዝተፈፀሙላ ኮይና እዞም ዝስዕቡ ኣርባዕተ ዓለም ለኸ ገበናት ከኣ ብፍሉይ ኣብ ልዕሊኣ ተፈፂሞም እዮም።

®ሓደ፣ "ኣዋጅ ህፁፅ እዋን" ከም መሳርሒ ኲናት ምጥቃም፥

#ኣብ ዝኾነ ዓለም ኮነ ኣብ ሃገርና ዝእወጅ እዋን "እቶ እቶ" ናይ ባዕሉ ፍሉጣት ዕላማታት ኣለውዎ። እዋን "እቶ እቶ" ምስተኣወጀ ዝትግበሩ ተግባራት ላዕሊ ላዕሎም እንትረአዩ እወንታ እዮም ዘመላኽቱ። ንኣብነት ብዘይቅድመ ኩነት ምእሳር፣ ምኽልካል፣ ምግዳድ ወዘተ (ብሓፂሩ "መሰለይ እዩ" ኢልካ "እምቢ 'ጠንጠነለይ" ክትብለሉ ዘይትኽእል) ተግባራት ብመንግስትን ናይ ፀጥታ ኣካላትን ክወርደካ ከም ዝኽእል ቅቡል ምግባር ማለት እዩ።

እዚኣቶም ናብ ኢትዮጵያ እንትመፁ ንምንታይ ኣሉታ-ኣዊ ቅርፂ ከምዝሓዙ መርአዪታት ክነቕርብ። እዋን "እቶ እቶ" ወይ "ግዜ ህፁፅ እዋን" ኣብ ዝኾነ ዓለም ኮነ ኣብ ሃገርና ክትግበሩ ዓለም ለኸ ሕጊ ስለዝፈቅድ ብጥሪኦም ነቶም ተግባራት ምቕራብ ዘረባና ተቐባልነት ዘይከውህቦ ይኽእል እዩ። ካብዙይ ተላዒልና እቶም ተግባራት ከመይ ኣብ ኢትዮጵያ ኣሉታ-ኣዊ ቅርፂ ክሕዙ ከምዝኸኣሉ ንዓለም ክነርእዮ ይግባእ።

ንኣብነት ኣብ ትግራይ ብምስምስ "እዋን እቶ እቶ" ኮነ ተባሂሉ ስነ ልቦናዊ ራዕዲ ንምፍጣር ዝተኸየደ መንገዲ ምምርማር ሓደ እዩ።

ኣብቲ ዝሓለፈ 8 ወርሒ ዝነበሩ መርአዪታት ከም መግሀዲ ክነቐምጥ። ንኣብነት ዝተፈላለዩ ስድራታት ትግራይ "ምስ ሰራዊት ትግራይ ርክብ ኣለኩም" እናተበሃሉ ይንገላትዑ ነይሮም። "ባንዴራ ትግራይ ሒዝኩም" ተባሂሎም ይንከላበቱ ነይሮም። "DW ወይ TMH_tv ርኢኹም" ተባሂሎም ይንገላትዑን ይግዘቱን ነይሮም። "ፎቶ ተጋደልቲ ወይ ስእሊ መራሕቲ ተረኺቡኩም" ተባሂሎም ክሽቑረሩ ጥራሕ ዘይኮነስ ክእሰሩን ክቕተሉን ይግበሩ ነይሮም።

"ክእሰሩን ክቕተሉን ይግበሩ ነይሮም" ኢና እንብል ለዘና። ስድራታት "ርክብ ኣለኩም"፣ "ባንዴራ ሒዝኩም"፣ "ፎቶ ተረኺቡኩም"፣ "Tv ርኢኹም" እንትበሃሉ ስነልበነኦም ንምህሳይን መንነቶም ከም ጎነፅ ክርእዩዎን ናይ ምግባር መንገዲ እዩ። ኣብ ልዕሊ እዙይ ፀለመ ተጋሩ ወፍሪ ብምፅዓቕ፣ ብምጥቃን፣ ብምንሻው፣ (ኣዛብእ ቀትሪ፣ መጠጥቲ ደም ኢትዮጶያ፣ ተለኣኣኽቲ ባዕዳውያን፣ መንሽሮ ወዘተ እናተባህሉ) ስነልቦናዊ ሃሰያ ክበፅሖም ምግባር እቲ ተረቋሒ መረአዪ እዚ ገበን እዩ።

ኣብዚ ክፍሊ ዝስራዕ ካልእ ገበን ኲናት እንትንፍትሽ ን "ማሕበረሰብ ከም ዕርቡን" ወይ "ከም ትሕጃ" ኣትሒዝካ መዋገዪ ገይርካ ምውሳድ ንረክብ። እዙይ ማሕበረሰብ ከም ዕርቡን (community hostages) ከም ማለት እዩ። እዚ ተግባር፣ ሰራዊት ፀላኢ ነቲ ሕብረተ-ሰብ መከላኸሊ ገይሩ "ደቅኹም ኣምፅእዎም: ወይ ምከዚኣ ክንገብር ኢና" እናበለ ከም "መትሐዚ" ገይሩ ክግልገለሎም ከሎ ዝረአ ጥሕሰት ገበን እዩ። ካብዙይ ሓሊፉ እቲ ገስጋሳይ ሓይሊ ከምዘጥቀዖ ዝገመተ ፀላኢ "ይየጥቃዕ" ንነትደሊ "ብደቅኹም ከምዚ ንነተደኣ ኮይንና፥ ከምዚ ክንገብረኩም ኢና" እናበለ ኣብቲ ሕ/ሰብ ፅዕንቶን ፀቕጥን ከሐይል ከሎ ዝመፅእ ባህሪ እዩ። እዙይ ሓዱሽ ዝረአ ዘሎ መልምክዕ ጀኖሳይድ ኮይኑ ስነ-ልቦናዊ ሃሰያ ካብ ምስዓብ ሓሊፉ፣ ብቕትለትን እሱርን ክዕጀብ ምግባር እውን ይሓውስ።

ኣብ ሓደ ዓዲ ኣብ እዋን ጎንፂ ኣብቲ ዝተደለየ ህዝቢ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ሃሰያ ንምብፃሕ ተባሂሉ ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ (እዋን "እቶእቶ") እንተተኣዊጁ እሞ ብሰንኪ እቲ ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ሰብ ስነ ኣእምርኡ እንተተሃስዩ፣ ምስ መንነቱ ክበኣስ ይግበር እንተደኣ ነይሩ፣ እዙይ ስለዘይተኣዘዘ ኸከ ይመውት እንተደኣ ነይሩ፣ እቲ "ብሽፋን ሕጊ" ዝተተኽለ ኣዋጅ ልክዕ ከም መድፍዕ ይሕሰብ። በዙይ እዩ እንበኣር ኣብ ትግራይ ዝነረበ ህፁፅ ግዜ (እዋን "እቶእቶ") መሳርሒ ጀኖሳይድ ነይሩ እንብሎ።

ክልተ፥ "ልኣላውነት ሃገር" ከም መሳርሒ ኲናት ምጥቃም
እዚ ሓሳብ ባዕሉ ልኣላውነት ዘይኮነስ ንመርሕ "ልኣላውነት" ኣብ ዘይመዓልኡ ምውዓል (abuse ክትገብሮ) ማለት እዩ። እዙይ ብኽልተ መልክዑ ምርከኣ ከድሊ እዩ። እቲ ቀዳማይ "ጉዳይ ልኣላውነት" ንውሽጢ ዝተወሃቦ ትርጉም እንትኸውን እቲ ካልኣይ ከኣ "ጉዳይ ልኣላውነት" ንደገ ዝተወሃቦ ትርጉም እዩ።

እቲ ቀዳማይ "ጉዳይ ልኣላውነት" ንውሽጢ ዝተወሃቦ ትርጉም ንርአ። ከምቲ ዝፍለጥ እዚ ፋሽስታዊ ስርዓት ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብሽም ልኣላውነት ኣታሊሉ "ጉዳይ ልኣላውነት" ንትግራይ መጥፍኢ ገይሩ ክጥቀመሉ ምኽኣሉ እቲ ቀንዲ መርአዪ እዚ ባህሪ ጀኖሳይድ እዩ። ከምቲ ዝሬአናዮ እዚ ስርዓት ሞቱ ምስ ቀረበት ወዮ "ሕጊ ምኽባር" ተረሲዑ ናብ "የህልውና ዘመቻ" እዩ ኣሰጋጊሩዎ። ተጋሩ ብጉዳይ "ልኣላውነት ኢትዮጵያ" ከምዝመፃእና ብምስባኽ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብኽተት "ሆ" ኣቢሉ ብሽም ልኣላውነት እዩ ሸቂጡ። ኤርትራ ልኣላውነት ኢትዮጵያ ጥሒሱ እናሃለወ ከምኡ ዘይተበሃለ፣ ተጋሩ ልኣላውነት ከምዝተፈታተኑ ተሰቢኹ። ኣብዙይ ምስባኹ ኣይኮን እቲ ፀገም። ጉዳይ ልኣላውነት ዘይተተንከፈ እናሃለወ፣ ብጉዳይ ልኣላውነት ዝኣከቦ ሓይሊ ኣብ ጥፍኣት ተጋሩ ከውዕሎ ከሎ እዩ ዝመፅእ እቲ ፀገም።

እቲ ካልኣይ "ጉዳይ ልኣላውነት" ንደገ ዝተወሃቦ ትርጉም እዩ። እዚ ፋሽስታዊ ስርዓት ጠገለ ኣልቦ ምፅናት ህዝቢ ወይ ከኣ ደኖሳይድ እንተካይድ ዓለማት "ኤእ" ምባለን ኣይተረፈን። ይኹን እምበር መልሲ እዚ ስርዓት "ልኣላውነተይ ኣይትተንክፉለይ" ዝብል እዩ ነይሩ። "ልኣላውነተይ ኣይትተንክፉለይ" እንትብል "ባዕለይ ዝውድኦ ነገር እዩ" ዝብል መልእኽቲ ዝሓዘለ ኣካይዳታት እዩ ተኸቲሉ። "ፀገማት ጠጠው ከብል" ኣኽእሎን ድሌትን ዘይብሉ እናሃለወ ንወፃእተኛታት ግን ከምዘለዎ ኾይኑ እዩ ቀሪቡ። ስለዙይ "ኣይትተንክፉኒ" ምባሉ በቲ ሓደ ነቲ ፅንተት ህዝቢ ትግራይ ክምልእ እንትጥቀመሉ፤ በቲ ኻልእ ኸኣ ማ/ሰብ ዓለም ነቲ ሓቂ ከይርዳእ (ብኸበባን ዕፅዋን) ተጠቒሙሉ። "ጉዳይ ልኣላውነተይ እዩ ኣይትተንክፉኒ" ዝብል ብህሎ ምእንቲ ፅንተት ህዝቢ ትግራይ ተባሂሉ ኣብ ተግባር ዝወዓለ ፍሉይ ባህሪ ጀኖሳይድ ይገብሮ። ኣብዙይ ፀዓዱ ከምዝተጋገዩን ሓቀይና ባህሪ እቲ ስርዓት ክርእዩዎ ምቅላዕ የድልየና።

ሰለስተ፥ ዜግነት ከም መሳርሒ ኲናት ምትቃም
ዜግነት ውዕሊ እዩ። ኣብ መንጎ ውልቀ ሰባትን መንግስትን ዝእቶ ውዑል። ኣብ ዝሓለፈ 8 ወርሒ (ሕጂ ኣብ ምዕሬብ ትግራይ እውን) እዛ ውዑል እዚኣ ናይ ምቕንጣጥ ስራሕ እያ ተሰሪሓ። እዚ ፋሽስታዊ ጉጅለ ናይ ዜግነት መሰላቱ ቀንጢጡ ዜግነት ኣልባ እዩ ገይሩዎ ንትግራዋይ። ሕጂ ብጭቡጥ ትግራዋይ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኾነ ዜግነታዊ ውክልና ዘይብሉ ሰብ እዩ ሾይኑ ዘሎ። ከም ኣገላልፃ መምህር መርሓጥበብ (ዩኒቨርስቲ መቐለ) "ሕጂ ትግራዋይ ብጭቡጥ ኣብ ኣለሻ ዜግነት ዘሎ ህዝቢ እዩ" ኣብዛ ሃገር።

እወ! ብቕርፂ ይኹን ብትሕዝቶ ኣብ ፖለቲካዊ ትካላት ኢትዮጵያ የለን ትግራዋይ። ኣብ ክልቲኡ ቤት ምኽሪ (ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ይኹን ኣብ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን) ትግራዋይ የልቦን። ኣብ ፈፃሚ ሚኒስትራት፣ ኣብ ድሕንነትን ሚሊተርን፣ ትግራዋይ የለን። ኣብ ውሳነታትን ሕግታትን የለን። እንትንእስ ኣብ ጠቕላላ ዘሎ ናይ ማሕበረ ኢኮኖሚ ተሳትፎ የለን። ዋላ ኣብ ካልእ ከባብታት ኢትዮጵያ ዘለው ተጋሩ እውን። ኣብ ባህላዊ ህይወትና (ኣብ ሃይማኖት፣ ኣብ ስፖርት ወዘተ) የለን ተገሊሉ እዩ ትግራዋይ።

ጫፍ መግለፂታ እዚ "ምሕዳግ ዜግነት" ግን ትግራዋይ ቪዛን ፓስፖርትን ዝተኸልከለ ምኽዋኑ እዩ። እቲ ዓብዪ በደል "ትግራዋይ ኣብ መላእ ዓለም ውክልናን ተሳትፎን ኣልባ ክኸውን (ብግልባጡ እቲ ዝቐንጠጠና ቪዛን ፓስፖርትን ዝዓገተና መንግስቲ ክውክለና) ምኽኣሉ እዩ። እዙይ እምበኣር "ዜግነት ከም መጥቀሚ ጀኖሳይድ" ተባሂሉ ክንቃለሰሉ ዝግባእ ነጥቢ ይገብሮ።

ኣርባዕተ፥ "ቶኹሲ ደው ምባል" ከመሳርሒ ኲናት
ፀላኢ ካብ ዝበዝሕ ከባብታት ትግራይ ተደኲዑ ምስ ወፀ ፀቕጢ ዓለም ክቕንስ ስለዝደለየ "በይናዊ ተኹሲ ጠጠው ናይ ምባል" ስጉምቲ ከምዝወሰደ እዩ ገሊፁ። እዚኣ ንሰለስተ ረብሓታት ዝገበራ እያ። ቀዳማይ "ፀቕጢ ዓለም ናብ ትግራይ እውን ከዝውር" ስለዝደለየ እዩ። ዓለም ናብ ኣምሓራን ዓፋርን ንዝኣቱ ሰራዊት ትግራይ "ተኹሲ ጠጠው እንተደኣ ኢሉ ናበይ ኢኻ፣ ውፃእ" ዝብል ፀቕጢ ምእንቲ ክትፈጥር ኢሉ ዝገበሮ እዩ። ካልኣይ ኸኣ ንምድላው፣ (ግዜንምሽማት) ወትሃደራዊ ክተትን ምምዕርራይን ክገብር ኢሉ ዝወሰዶ ስልቲ እዩ። ሳልሳይ ካብ ወትሃደራዊ ወፍሪ ወፃእ ንትግራይ ኣብ ምሉእ ኸበባ ኣእቲኻ ህዝቢ ብጥምየትን ሕማምን ፀኒቱ ክመውት (እቲ ሰራዊት ትግራይ ከኣ ደጀን ስኢኑ ክጠፍእ) ናይ ምግባር ከይዲ እዩ ነይሩ።

እዙይ ኣብቲ ዝሓለፈ 8 ወርሒ ጥራሕ ዘይኮነስ ሕጂ እውን "ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ከይኣቱን" ዝብል መግለፂ ኣውፂኡ ከብቅዕ ኣብ ትግራይ ንፁሃት እናዘልዐፈ ይውዕል ኣሎ። እዚ "ቶኽሲ ደው ከምዘበልካ መሲልካ ጀኖሳይድ ኣጠናኺርካ ናይ ምቕፃል ስልቲ እምበኣር ሕጂ እውን የቐፅሎ እዩ ዘሎ።

#እዞም ኣብ ትኣግራይ ብፍሉይ ተፈፂሞም እንብሎም ለዘና ኣባዕተ ገበናት (ብርግፅ) ብሕጊ ኣብ ስምምዕ ዘይተበፀሐሎም ገበናት እዮም። እዞም ገበናት ብኹሎም ሕግታት (ሃገራዊ፣ ኣህጉራውን ዓለምለኻውን ሕግታት) ናይ ሕጊ ትርጉም ኮነ ኣፍልጦ ዘይተወሃቦም ገበናት እዮም። "ዓለምለኸ ናይ ሕጊ ትርጉም ኮነ ኣፍልጦ ዘይተወሃቦምን" ማለት ግን ናይ ፖለቲካ፣ ናይ ዲፕሎማስን ናይ ሞራልን ኣፍልጦ ኣይተወሃቦምን ማለት ከምዘይኮነ እዮም ሰብ ሞያ ሕጊ ዝዛረቡ። ስለዚ ዋላ ናይ ሕጊ ትርጉም ኮነ ኣፍልጦ ኣይወሃቦም ኣብዚ ዝምዕብል ዘሎ ዓለማዊ መድረኽን ኩነታትን ትኹረት ይረኽቡ ስለዘለው ከም ተጋሩ ክነጎልብቶም፣ ክንነኽሰሎም፣ ክንቃለሰሎም ይግባእ።

#እዙይ እንገብር እንተገደደ ናይ ፖለቲካ፣ ናይ ዲፕሎማስን ናይ ሞራልን ድጋፍ ክንረክብ ይሕግዘና ስለዝኾነ እዩ። ቀፃሊ ኸኣ እቶም ገበናት "ሕጊ" ኮይኖም ካሕሳ ክንረክብን ባህግታትና ክነዐውት ደገፍ ክንከስበሎምን ይድግፉና።

ብኹሉ ኣብ ኩሉ ንቃለስ!
ክብርን ምገስን ንሰማእታትና!
#ገሬዘር_ኣሮናይ Digital Weyane ዲጂታል ወያነ
Verzonden vanaf mijn Huawei-telefoon እዙይ ኣብቲ ዝሓለፈ 8 ወርሒ ጥራሕ ዘይኮነስ ሕጂ እውን "ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ከይኣቱን" ዝብል መግለፂ ኣውፂኡ ከብቅዕ ኣብ ትግራይ ንፁሃት እናዘልዐፈ ይውዕል ኣሎ። እዚ "ቶኽሲ ደው ከምዘበልካ መሲልካ ጀኖሳይድ ኣጠናኺርካ ናይ ምቕፃል ስልቲ እምበኣር ሕጂ እውን የቐፅሎ እዩ ዘሎ።

#እዞም ኣብ ትኣግራይ ብፍሉይ ተፈፂሞም እንብሎም ለዘና ኣባዕተ ገበናት (ብርግፅ) ብሕጊ ኣብ ስምምዕ ዘይተበፀሐሎም ገበናት እዮም። እዞም ገበናት ብኹሎም ሕግታት (ሃገራዊ፣ ኣህጉራውን ዓለምለኻውን ሕግታት) ናይ ሕጊ ትርጉም ኮነ ኣፍልጦ ዘይተወሃቦም ገበናት እዮም። "ዓለምለኸ ናይ ሕጊ ትርጉም ኮነ ኣፍልጦ ዘይተወሃቦምን" ማለት ግን ናይ ፖለቲካ፣ ናይ ዲፕሎማስን ናይ ሞራልን ኣፍልጦ ኣይተወሃቦምን ማለት ከምዘይኮነ እዮም ሰብ ሞያ ሕጊ ዝዛረቡ። ስለዚ ዋላ ናይ ሕጊ ትርጉም ኮነ ኣፍልጦ ኣይወሃቦም ኣብዚ ዝምዕብል ዘሎ ዓለማዊ መድረኽን ኩነታትን ትኹረት ይረኽቡ ስለዘለው ከም ተጋሩ ክነጎልብቶም፣ ክንነኽሰሎም፣ ክንቃለሰሎም ይግባእ።

#እዙይ እንገብር እንተገደደ ናይ ፖለቲካ፣ ናይ ዲፕሎማስን ናይ ሞራልን ድጋፍ ክንረክብ ይሕግዘና ስለዝኾነ እዩ። ቀፃሊ ኸኣ እቶም ገበናት "ሕጊ" ኮይኖም ካሕሳ ክንረክብን ባህግታትና ክነዐውት ደገፍ ክንከስበሎምን ይድግፉና።

ብኹሉ ኣብ ኩሉ ንቃለስ!
ክብርን ምገስን ንሰማእታትና!
#ገሬዘር_ኣሮናይ Digital Weyane ዲጂታል ወያነ
Verzonden vanaf mijn Huawei-telefoon

Read More