INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ሰርከስ ትግራይ ስራሕቲ መኸተ ኣጠናኺራ ከም እትቕፅል ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣፍሊጣ

ሰርከስ ትግራይ ኣብቶም ዝሓለፉ ዓሰርተ ወርሒ እናሳለጠቶም ዝፀንሐት ስራሕቲ መኸተ ኣጠናኺራ ከም እትቕፅል ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣፍሊጣ

ሰርከስ ትግራይ ህዝቢ ትግራይ ኣጋጢሙዎ ንዝሎ ኩለ መዳይ ተፃብኦ ንምምካት እትሰርሖም ዘላ ስራሕቲ ኣጠናኺራ ከም እትቕፅል እዋናዊ ቁመና ሰርከስ ትግራይ ንምፍላጥ ኣብ ዝተዳለወ ምርኢት ሰርከስ፣ ተዋስኦን ሙዚቃን ተገሊፁ።

ብሓልዮት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝተጣየሸ ሰርከስ ትግራይ ኣብቶም ዝሓለፉ 30 ዓመት፣ ትግራይ ኣብ ሰርከስ፣ ሙዚቃ፣ ተዋስኦ፣ ስእልን ቅርፃ ቅርፅን ልዑል ቆላሕታ ብምሃብ ኩለ መዳይ ስብእና መናእሰይ ኣብ ምቕራፅ እናሰርሐት ዝመፀት ሰርከስ ትግራይ ሐዚ‘ውን ሓለዋ መንነትን ክብርን ህዝቢ ትግራይ ንምሕላው ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ዝለዓለ እጃም ንክፃወት ትካላውን ታሪካውን ሓላፍነት ተዋሂቡዋ ትሰርሕ ምህላዋ ተወካሊ ፈፃሚ ዳይሬክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ተስፋይ ገብረእግዚኣብሄር ሓቢሮም።

ኣባላት ሰርከስ ትግራይ ብብርኪ ዓለም እናተዘዋወሩ ታሪክ፣ ክብርን ፀጋታትን ትግራይ ንዓለም ንምልላይ ዝገብሩዎም ዝነበሩ ዓበይቲ ምንቅስቓሳት ብምስታፍ ትግራይ ኣብ መድረኽ ዓለም ክትልለ ልዑል እጃም ተፃዊታ እያ ዝበሉ እቶም ተወካሊ ፈፃሚ ዳይሬክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ፤ ሎሚ ‘ውን ከም ትማሊ ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ እዋን ኣጋጢሙዎ ዘሎ ከቢድ ፈተና ንምምካት ኣብ ዝግበር ኩለ መዳይ መኸተ ብምስታፍ ብፅሒቶም ብምውፃእ በቲ ካልእ መዳይ ድማ ትግራይ ኣብ መድረኽ ዓለም ስማ ተኾሊዑ ንክወፅእ ኣብ ዝግበሩ ስራሕቲ ዝህልዋ ኣበርክቶ ልዑል ብምዃኑ ነቲ ኩነታት ዝምጥን ብቑዕ ምድላው ንክገብሩ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣድላይ ደገፍ መሪሕነት ክትገብረላ ምዃና ወሲኾም ገሊፆም።

ማሕበር ልምዓት ትግራይ፣ ሰርከስ ትግራይ ንዝተወሰኑ ዓመታት ዓርሳ ክኢላ ክትንቀሳቐስ ድሕሪ ምፅናሕ ብኣወዳድባ ናብ ዝተመስረተትሉ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብምምላስ ክትመሓደር ካብ ዝተወሰነሉን ናብ ግብራዊ ስራሕ ካብ ዝኣተወትሉን እዋን ንነዘ ዘተውሃባ ኣቃልቦን ደገፍን ዘመስገኑ መተሓባበሪ ኮሚቴ ሰርከስ ትግራይ ኣይተ ደሳለኝ ባራኺ ብግዲኦም፤ እቲ ዝተውሃባ ልኡኽ ንምዕዋት ዓበይቲ ፃዕርታት ብምክያድ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ሰርከስ፣ ሙዚቃን ተዋስኦን ተካይድ ምህላዋ ኣረዲኦም።

ኣብቲ መድረኽ ኣመራርሓ ስራሕ ቦርድ፣ ማነጅመንትን ሰራሕተኛታትን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ተረኺቦም፤ ኢላ ማልት ኣብ ፀብፃባ።

ሃለዋትናን ድሕንነትናን ብቕልፅምና !!

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ
05 ግንቦት 2014 ዓ/ም
መቐለ