INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

55 ዓመት ዘቑፀረ መሪር ዛንታ ጭቆና ቢያፍራ

(ክስቶ ቁ 32 ብዝብል ተፃሒፉ ካብ ገፅ Gebre Selassie ዝተወስደ ንትግራይ ኣዝዩ ኣገዳሲ ፍፃመ ዝሓዘ ታሪኽ - ተመሓይሹ ዝቐረበ)

#መእተዊ

ዓሚ ከምዚ ወርሒ ትዊተር፣ ፕረዝደንት ናይጄርያ መሓመድ ቡሃሪ ንዝለጠፍዎ መልእኽቲ ኣጥፊእሎም፡፡ በዚ ስጉምቲ ዝተቖጠዐ መንግስቲ ናይጄርያ ድማ ኣብታ ሃገር ግልጋሎት ትዊተር ካብ 28 ጉንበት 2013 ዓ/ም ክሳብ 5 ጥሪ 2014 ዓ/ም ኣጊድዎ፡፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፣ ዲፕሎማት እንግሊዝ፣ ካናዳን ስዊድንን ከምኡ እውን ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ብሓባር ብምዃን ነቲ ኣብ ልዕሊ ትዊተር ዝተገበረ እገዳ ኮኒነንኦ።

እዚ ንትዊተርን መንግስቲ ናይጄርያን ናብ ውጥጥ ዘእተወ መልእኽቲ ፕረዝደንት ቡሃሪ ነቲ ቅድሚ 50 ዓመት ዝነበረ ኩናት ሕድሕድ እታ ሃገር ዘዘኻኽር እዩ፡፡ መልእኽቶም ድማ "ነዞም ዓመፅቲ ብዝግበኦም ቋንቋ ክነዛርቦም ኢና" ይብል፡፡

እዞም ዓመፅቲ ዝብሉዎም ሓይልታት ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ናይጄርያ ነበርቲ ክልል ቢያፍራ ዝኾኑ ተወለድቲ ብሄረሰብ ኢግቦ እዮም፡፡ ቅድሚ 50 ዓመት ክልል ቢያፍራ ምስ መንግስቲ ናይጄሪያ ኩናት ናፅነት ኣካይዳ ነይራ፡፡ በቲ ንሰለስተ ዓመት ዝፀነሐ ደማዊ ኩናት ሓደ ሚሊዮን ዝኾኑ ነበርታ ብጥይትን ብጥሜትን ተወዲኦም እዮም፡፡ ካልኦት ሚሊዮናት ድማ በቢ ኣንፈቱ ተሰዲዶም፣ ፋሕ-ጭንግራሕ ኢሎም፡፡

ድሕሪ ሰለስተ ዓመት እቲ ውግእ ብስዕረት ሓይልታት ቢያፍራ፣ ብዓወት መንግስቲ ናይጄሪያ ተዛዚሙ፡፡ ሃገረ ናይጄሪያ ሕዚ እቲ ሚሊዮናት ዝተሰውኡሉ ደማዊ ኩናት ክዝከር ኣይትደልዮን፡፡ ብዙሓት ነበርታ ውን እቲ ተጓንፎ ክርሳዕ እዮም ዝደልዩዎ፡፡ እታ ሃገር በቲ ኩናት ሕድሕድ ሰዓራይን ተስዓራይን ኣይነበረን ኢላ ብዕርቂ ክዕፆ ገይራ ነይራ፡፡ ዝሰዓረን ዝተስዓረን የለን ዝብል ዕላዊ ፖሊሲ መንግስቲ ናይጄሪያ ኮይኑ ን50 ዓመት ዘሊቑ እዩ፡፡ እቶም ስዕረቶም ውሒጦም ዝነብሩ ዘለው ተቓለስቲ ቢያፍራን ብሓፈሻ ህዝቢ ኢግቦን ግና ነቲ መስተንክራዊ ዝብሉዎ ታሪኽ ቃልሶም ክርስዕዎ ኣይኽእሉን፡፡ ወለዶታት ቢያፍራ ካብ ኣንደበት ኣያታቶም እናሰምዑዎ ዝዓበዩ ዛንታ ቃልሲ ናፅነት ኣብ ልቦም ተፃሒፉ ኣሎ፡፡

ቅድሚ 50 ዓመት ናይ ናፅነት ተጋደልቲ ዝነበሩ ደቂ ቢያፍራ፣ ሎሚ ዓበይቲ ዓዲ ኾይኖም፣ ደርፍታት ተጋድሎ ቢያፍራ እናዜሙ፣ ብሓሳብ ጥሒሎም ብሕርቃን እናነብዑ፣ ነቲ ኣብ ልቦም ዘሎ በሰላን፣ ኣብ ኣካሎም ዘሎ ዘይሓወየ ቁስልን እናዘከሩ፣ ሕሉፍ ታሪኽ ህዝቦምን ስዕረቶምን ንደቆም የዘንትዉሎም፡፡ በዚ ድማ ንወለዶታት ቢያፍራ ዕድልኩም ኣብ ኢድኩም እዩ ዝብል ተቐዲሑ ዘይውዳእ ኒሕን ሕራነን ዘዕጥቕ ዛንታ የሕልፉሎም፡፡ ቅድሚ 50 ዓመት እንታይ እዩ ተፈጢሩ፣ ቢያፍራ ንምንታይ ስለናፅነት ትቃለስ ነይራ፣ በቲ ቓልሲ እንታይ ኣዐዊታ፣ ኣብ መወዳእታ ኸ ብኸመይን ንምንታይን ተሳዒራ፣ ድሕሪ ስዕረት ከ ተወለድቲ ኢግቦ፣ ከምኡ ድማ ክልል ቢያፍራ እንታይ ዓይነት ፀገም ኣጋጠሞም፡፡ እቶም ተጋደልቲ ንደቆም ብእሩይ ቁፅር ይነግሩዎም፣ ፅሒፎም የምህሩዎም፡፡

እቲ ዛንታ ቃልሲ ነቲ ዝተደጎለ ጓህሪ ናፅነት ባያፍራ ኣብ ልቢ እቲ ሓዱሽ ወለዶ መመሊሱ ክጥጥዕ ገይሩ ኣሎ፡፡ ስምዒት ስዕረቶም ድማ ነዳዲ ኾይኑ የባርዖ ኣሎ፡፡ ስለምንታይ እንቴልና ህዝባዊ ስዕረት ክፉእ እዩ፡፡ መዋእልካ ኣምኪኑ፣ ርእስኻ ኣድኒንካ ክትነብር ይገብረካ፡፡ ዝንተኣለም ቑስሊ ስነልቦና ኮይኑ ይገርር፡፡ እቶም ዛንታ ወለዶም እናሰምዑ ዝዓበዩ ተወለድቲ ባያፍራ ሎሚ ንባዕልቶም ከም ዜጋታት ናይጄሪያ ገይሮም ኣይቖፅሩን፡፡ ዓደይን ዓውደይን ዝብሉዋ ሃገረ-ባያፍራ ኣብ ልቦም ተቐሪፃ ኣላ፡፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ በደል መንግስቲ ናይጄሪያ ተወሲኹዎ፣ እምነቶምን ሕልሞምን ዘግህድሉ ሜላ ይእልሹ ኣለው፡፡

ድሕሪ እቲ ኲናት ኣብ ክልል ቢያፍራ እዚ ዝበሃል ልምዓት ኣይተሳለጠን፡፡ ህዝቢ ኢግቦ ናይ ነዳዲ ሃፍቱ ካብ ጥሜትን ድሕረትን ከናግፎ ኣይከኣለን፡፡ ሸቕሊ ኣልቦነት ዝወለዶ ገበን መለለዪ ቢያፍራ ኮይኑ ኣሎ፡፡ ስርዓት ዲሞክራሲ ናይጄርያ ንኣስታት 30 ዓመታት ካብ ቢያፍራ መራሒ ሃገር ከምፅእ ኣይከኣለን፡፡ ፖለቲካዊ ስርዓት ናይጄሪያ ንክልል ቢያፍራን ህዝባን ኣግሊሉ ካብ መሰልን ተጠቃምነትን ወፃኢ ገይሩዎም ኣሎ፡፡ በታ ሃገር ከም ተነፀልቲ ተገይሮም ድማ ይሰኣሉ፡፡ ናብረኦም እዚ ዝኾኖም ነበርቲ ቢያፍራ፣ ናይጄሪያ ከም ባሮት እያ ትሪአና ይብሉ፡፡ መፍትሒኡ ድማ ናፅነት ከምዝኾነ ይዛረቡ፡፡

ነዞም ደለይቲ ናፅነት እዚኦም እዮም እምበኣር ፕረዝደንት ናይጄሪያ "እዞም ዘረግቲ ዓዲ፣ በቲ ዝርደኦም ቋንቋ ክነዛርቦም ኢና" ኢሎም ዝተሓነዩሎም፡፡ ከምቲ ቅድሚ 50 ዓመት ዝገበርናዮም ብኩናት ክነዕንዎም ኢና ማለቶም እዩ፡፡ ትዊተር ድማ እዚ መልእኽቲ ነቲ ክርሳዕ ዘለዎ ደማዊ ኩናት ናይጄሪያ ዘዘኻኽር፣ ንሕግና ድማ ዝጥሕስ እዩ ኢሉ ዘጥፈኦ፡፡

ቢያፍራ_ብከመይ_ተሳዒራ?

ብ 1966 ዓ.ም.ፈ ብሓይልታት ኢግቦ (ካብ ክልል ቢያፍራ) እዮም ብዝተብሃሉ ወታደራት ኣብ ናይጄሪያ ዕልዋ መንግስቲ ይፍፀም፡፡ ከምቲ ካብ ትግራይ ዝወፀ ህወሓት ንደርጊ ዝደምሰሶ ማለት እዩ፡፡ ብድሕሪኡ ኮሎኔል ኦጁክዉ መራሒ ግዝኣት ምብራቓዊ ናይጄሪያ (ክልል ቢያፍራ) ኮይኖም ተሾሙ፡፡ ኣብቲ ተመሳሳሊ ዓመት ኣብ ሻድሻይ ወርሒ ካልኣይ ዕልዋ መንግስቲ ይግበር እሞ ያኩቡ ጎዎን መራሒ ሃገር ይኾኑ (ካብ ካሊእ ግዝኣት ናይጄሪያ እዮም)፡፡

እቲ ሓዱሽ መራሒ ናብ ስልጣን ምስ መፀ ፣ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ኢግቦ መጥቃዕቲ ይጅምር፡፡ ኣብ ሰሜን ናይጄርያ ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ተወለድቲ ኢግቦ መጥቃዕቲ ክፍፀም ጀመረ፡፡ በዚ ድማ ብዙሓት ተቐቲሎም፣ ልዕሊ ሓደ ሚሊየን ዝኾኑ ድማ ካብ መንበሪኦም ተሰዲዶም ናብ ክልሎም ባያፍራ ይኸዱ፡፡ ከምቲ ኣብይ ኣሕመድ ምስመፀ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ትግራይ ወፃኢ ኣብ ኦሮሚያ፣ ኣምሓራን ካልኦት ክልላትን ዝነብሩ ተጋሩ ዝተጠቕዑ ማለት እዩ፡፡ በቲ ወፍሪ መጥቃዕቲ ልዕሊ 100 ሽሕ ዝኾኑ ተጋሩ ካብ ኣምሓራን ኦሮሚያን ተመዛቢሎም ናብ ዓዶም ምእታዎም ይዝከር፡፡

ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢግቦ ዝተወለዐ መጥቃዕቲ ስዒቡ ኣመሓዳሪ ቢያፍራ ዝነበሩ ኮሎኔል ኦጁክዉ ብ1967 ዓ.ም.ፈ ንክልሎም ካብ ናይጄሪያ ብምንፃል ናፅነት ይእውጁ፡፡ ቢያፍራ ናፅነታ ምስኣወጀት ድሕሪ ክልተ ወርሒ መንግስቲ ናይጄርያ ኣብ ልዕሊ ቢያፍራ ኩናት ይእውጅ፡፡ (ከምቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኩናት ኣዉጁ ዘሎ ማለት እዩ፡፡) እቲ ኩናት ምስተወለዐ ሓይልታት ቢያፍራ በርቲዖም ዋላ እንተተዋግኡ ሚዛን ሓይሊ ናይጄርያ ብምምዛኑ ዋና ከተማ ቢያፍራ ኢኑጉ ትተሓዝ፡፡ (ከምቲ መቐለ ብሓይልታት ኢትዮጵያን መሻርኽቶምን ዝተተሓዘት)። ካብኡ ድማ እታ ብሃፍቲ ነዳዲ ትፍለጥ ግዝኣት ቢያፍራ ፖርት ሃሪኮት ብወታደራት ናይጄርያ ትተሓዝ፡፡

መብዛሕቱ ከባብታት ቢያፍራ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ወታደራት ናይጄርያ ብምእታዉ ቀረብ ምግቢ ይቋረፅ፣ ልዕሊ 13 ሚሊዮን ህዝቢ ዝሓዘት ባያፍራ ኣብ ዕፅዋን ክባት ትኣቱ። ህዝቢ ብጥሜት ይውዳእ፡፡ ሰራዊት ናይጄሪያ ክሳብ መራሒ ቢያፍራ ኦጁክዉ ኢዱ ዝህብ ናብቲ ክልል ዝኾነ ይኹን ቀረብ ምግቢ ከይኣቱ ብምኽልካል፣ እቲ ካብ ጥይት ዝተረፈ ህዝቢ ብጥሜት ክረግፍ ይፈርድ፡፡ በዚ ድማ ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ተወለድቲ ኢግቦ ይሞቱ፡፡ ካብቶም ብጥይትን ቁምቡላን ዝተቐተሉ፣ ብጥሜት ዝሃለቑ ከምዝበዝሑ ይዝረብ፡፡

ኲናት ኣብ ዝለዓለ ጠርዚ ኣብዝበፀሐሉ እዋን ኣብ ቢያፍራ 6,000 ህፃናት ዝርከብዎም ልዕሊ 10,000 ሰባት ብመዓልቲ ይሞቱ ነይሮም። ኣብ ሰለስተ ዓመት 15% ህዝቢ ኢግቦ (ልዕሊ 2ሚሊዮን) ብጥሜት ረጊፉ።

ህዝቢ ቢያፍራ ንሰለስተ ዓመታት ምስተዋግአ መወዳእታ ይሰዓር፡፡ መራሒ ቢያፍራ ዝነበሩ ኮሎኔል ኦጁክዉ ድማ ብውልቀ ነፋሪት ካብ ቢያፍራ ወፂኦም ኣብ ኣይቮሪኮስት ዑቕባ ይሓቱ፡፡ በዚ ከይዲ ክልል ቢያፍራ ተመሊሳ ግዝኣት ናይጄርያ ኮነት፡፡ ሎሚ ነበርታ ምስ ባርነት ዝዳረግ ናብራ ይመርሑ፡፡ ነዚ ምፅዋር ዘይከኣሉ ደለይቲ ሓርነት ተወለድቲ ኢግቦ ካብዛ ጨቋኒት ሃገረ-ናይጄርያ ናፃ ንምውፃእ ዳግም ምንቅስቓስ ጀሚሮም ኣለው፡፡

ካብ ውድቀት ቃልሲ ቢያፍራ #እንታይ_ንመሃር? ሰለስተ ነገር እነግረኩም፡፡

እቲ ሓደ ነገር ቀረብ ምግብን ኣፅዋር እዩ፡፡ ሓይልታት ቢያፍራ እኹል ኣፅዋር፣ ዕጥቅን ስንቅን ኣይነበሮምን፡፡ ሽዑ ዝነበሩ ተጋደልቲ እንትዛረቡ፣ ገሊየና ጩኻሮን ገዘሞን፣ ገሊየና ድማ በትሪ ሒዝና ኢና ንዋጋእ ነይርና፣ ሰራዊት ናይጄርያ ግና መሉእ ዕጥቂ ዘማልአ እዩ ነይሩ ይብሉ፡፡ ወታደራዊ ስልጠና ቢያፍራ ውን እኹል ኣይነበረን፡፡ ተምሃሮ ዩኒቨርስቲን ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርትን ናይ ክልተ ወርሒ ስልጠና ጥራሕ እናወሰዱ ናብ ዓውደ ግንባር ይፅንበሩ ከምዝነበሩ ይገልፁ፡፡ እቲ ዋና ምንጪ ስዕረቶም ግን ቀረብ ምግቢ ምቁራፁ እዩ፡፡ ሰራዊት ቢያፍራን ህዝቦምን ዝጠዓም ዝለሓስ ስኢኑ ብጥሜት ይሃልቕ ነይሩ፡፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ንጨቆንቱ ኢዱ ሂቡ፡፡

እቲ ካልኣይ ካብ ውሉድወለዶ ዝመሓላልፍ ዕላማ/ሕልሚ ምህላው ዩ። ህዝቢ ከምህዝቢ እንተተሳዒሩ ከቢድ ዩ። ተሳዒሩ ኣይተርፍን - ግን ንግዚኡ እውን እንተኾነ ከቢድ ዩ። ክመ ህዝብን ከም መሪሕነትን ሓደ ዕላማ ዘለዋ ዓዲ ርእሳ ኣድኒና ኣይተድንንን። ረሳዕትን ይቕረ በሃልትን ከይንኾን።

እቲ ሳልሳይ ጨቆንቲ ፀገምና ክፈትሑልና ኣይንፀበ። ኦባሳንጆ ንሕቶ ናፅነት ቢያፍራ ኣይቕበልን። 'ሓድነት ናይጀርያ ተሓልዩ ክነብር ዩ' በሃላይ ወተሃደር ዩ። ኣብ ሃገሩ ዘሎ ጭቆና ናይ ምዕምፃፅ እምበር ናይ ምፍታሕ ልምዲ የብሉን። ካብ ኦባሳንጆን ካብ ጫቋኒት ሃገረ-ኢትዮጵያን መፍትሒ ክንፅበ የብልናን።

እቲ ናትናን ናይ ቢያፍራን ነባራዊ ኩነታት ከምዝፈላለ ይርደአኒ እዩ፡፡ እንተኾነ ግን ካብ ውድቀቶም ንመሃረሉ ዕድል ውን ኣሎ፡፡ ሰራዊት ትግራይ ብወታደራዊ ስልጠና፣ ብልምዲ ውግእን፣ ብዕጥቅን ብጅግንነትን መዳርግቲ የብሉን፡፡ ብቀረብ ስንቅን መድሓኒትን፣ ከምኡ ውን ኣብልዕሊ እቲ መድሕኑን ፍልፍል ሓይሉን ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሕ ዘሎ ግፍዕን ብጥሜት ናይ ምውዳእ ትልምን ዕንቅፋት ከይኾነና ግና ንሕሰበሉ፡፡ ንሰራዊትናን ንህዝብናን ካብ ጥሜት ነናግፈሉ መንገዲ ነናዲ፡፡

ንናፅነትና ክንብል፣ ጭንቅን መከራን ህዝብና ንክሓፅር፣ ንሰራዊት ትግራይ ብዕጥቅን ስንቅን ንደግፍ፣ ሕክምናን መድሓኒትን ዝረኽበሉ መንገዲ ይተኣለሽ፣ ብገንዘብ ነጠናኽሮ፡፡ ዕላማ ደማ ይሃልወና። ካብ ትማሊ ንመሃር። ትማሊ ብዝወደቕናሉ መንገዲ ክንትስእ ኣይንኽእልን። ሰብ ካብ እንስሳ ዝፈልዮ ካብ ስሕተቱ ክመሃር እንተኽኢሉ ጥራሕ ዩ። ካብ ስሕተትና ንመሃር። ሎሚ እንስሳታት እውን ይመሃራ እየን።

ዓወት ንትግራይ!

ብAndom Gebreyessus