INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ጨፍጫፍ ምዕራብ ትግራይ ሑመራ ብጨረፍታ

።።።።3ይ ክፋል ።።።።

ድሕሪ እዚ ኩሉ ካብ ዓዲ ሰለስተ ጎንደረቶት ምዕራብ ትግራይ ብግዝያዊ ምምሕዳር ከመሓድሩ ብኮረኔል ደመቀ ዘውዱን ብነጋ ባንቲሁን ዝምርሑ ተሸይሞም ንሑመራ ህዝቢ ሰቲት ሑመራ ካብ ዘፅነቱ። 👉ኮረኔል ደመቀ ዘውዱ
👉ነጋ ባንቲሁን
👉ዞባ ኣመሓዳሪ እሸቴ ደምለው
👉ወረዳ ኣመሓዳሪ ኣዲሱ ማለፍያ
👉ፀጥታ ኣመሓዳሪ ንጉስ ናይ ኣባል ምልሻ ናይ ሓይሊ ሓደ ጋንታ ሰለስተ መራሒ ጋንታ ዝነበረ
👉ሰላምና ደሕንነት ሓላፊ በላይ ኣያሌው

እዞም ግዝያዊ ኣመሓደርቲ ኮይኖም ብሽመት ዓዲ ሰለስተ ጎንደረቶት ብግዝያዊነት ንሑመራ ኣብ ዘመሓድርሉ ግዜ ካብ ጎንደርን ባህርዳርን ሓደሽቲ ኣቕሽትን ጳጳስን ብህዝቢ ኣቀባበል ተገይርሎም ናብ ሰቲት ሑመራ ማርያም ቤተ ክርስትያን ኣተው።እዞም ኣቕሽትን ጳጳስን ክመፁ ዝኸኣሉ ሑመራ ትግራዋይ ዝበሃል ፍጡር የለን ኣፅሪናዮ ኢና ተባሂሉ ስለ ዝተነገሮም እዩ።ኣብ ሓደ እንዳ ቡን ምስ ሓደ መሓዛይ ከፍ ኢልና ቡን እናሰተና ካብቶም ሓደሽቲ ዝኣተው ኣቕሽቲ ጎንደረቶት 3ተ ኮይኖም ቡን ክሰትዩ ናብቲ ዘለናዮ እንዳቡን መፅዮም ከፍ በሉ፤ኣነን እዚ መሓዛይን ድማ ብትግርኛ ኢና ነዕልል ነይርና ነዕልለሉ ቋንቋ ትግርኛ ምዃኑ ምስ ሰመዑ ሓውሲ ድንጋፀን ምግራምን ኮይኖም ክጥምቱና ጀመሩ።ኣነን እዚ መሓዛይን እውን ኩነታቶም ርኢና ምግራሞም ተረዲእና ብኣምሓርኛ ክነውግዕ ጀመርና።ሽዑ እዞም ኣቕሽቲ(ሑመራ ውስጥ ሳይባረር የቀረ ትግሬ ኣለ እንዴ)??ኢሎም ብዝተሓዋወሰ ስምዒት ሓተቱና፤(ኣዎ ኣለ የት ይሂድ ቤቱን ትቶ)??ኢለ መለስኩሎም እስቲ ይውፀሎም ኢለ ኣነ 'ውን፤(ሸውደውናል ማለት እኮ ነው እኛን እኮ በሑመራ ኣንድም ትግሬ የለም ሁሉንም ጠራርገን ኣባርረን ጨርሰናቸዋል ብለው እኮ ነው ያመጡን)ከዓ በሉና።እህህህ ሽዑ እዩ ኩሉ ነገር በሪህልና ለካ ፅልኢ Amሓሩ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ሲ ኣብ ውልቀ መረሕቲ ፖለቲካ ጥራይ ዘይኮነስ ጠቕላላ ኣብቲ ትግርኛ ተዛራባይ ምዃኑ ተገንዘብና።ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ሰላማዊ ህዝቢ ከምዚ ዓይነት ጫፍ ዝረገፀ ፅልኢ ኣለዎም እዩ ኢሉ ዝሓሰበ ሰብ ዋላ ሓደ እኳ ኣይነበረን።ድሕሪኡ ቤተ ክርስትያናት ሑመራ ስብከተን ኮነ ትምህርተን ናብ ፅልኢ ተጋሩን ፖለቲካን ተቐየረ ኩነታት ህልውና ትግራዋይ ነባሪ ሑመራ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ኣብ ሓደጋ እናኣተወ ከደ።ዘረፍቲ ግዝያዊ ኣመሓደርቲ Amሓራ ዝዝረፍ ዘሪፎም ምስ ወድኡ ናይ ከይተዘረፈ ዝተረፈ ካብ ገዝኡ ከይተፈናቐለ ዝተረፈ ህዝቢ ሓድሽ ናይ ኣዘራርፋ ስልቲ ቀየሱ።ንሱ እውን ብኮሚቴ ተጣይሾም ካብ ፌደራል፣መከላከያ፣ልዩ ሃይል፣ፖሊስ፣ነበርቲ ህዝቢ፣ፋኖን ዝተውፃእፀኡ ኣካላት ሕድ ሕድ መኖርያ ገዛውትን ሆቴላትን ነበርቲ እናበርበሩ እዚ ዘይበሃል ካብ ድስቲ ከይተረፈ ክሳብ ዝዓበየ ንብረት ህዝቢ ብመኪና እናፀዓኑ ናብ በብቀበሌኡ ዝርከብ መኻዝናት ከዘንዎ።

ደሓር ኣብ ዝተገበረ ስብሰባ ተጋሩ ነበርቲ ምዕራብ ትግራይ ክወፁ ኣወጁ ብዙሓት ተጋሩ ካብ ገዝኡ እናተገፈፈ መእሰርትን መርሸንትን ተፈረዶ።ንካልኣይ ግዘ ኣብ ዝተፈላለየ ወረዳታት ወልቃይትን ፀገዴን ጣብያታት ቃፍታ ሑመራን ዝነበረ ነባሪ ሰላማዊ ህዝቢ እውን ተመሳሳሊ ኩሉ ካብ ገዝኡ እናተገፈፈ ዝባረር ክባረርን ዝእሰር ክእሰርን ዝርሸን ክርሸንን ተገበረ።ወረርቲ ሓይልታት ኩሉ ዝዝረፍ ዘሪፎም ናብ ጎንደርን ባህርዳርን ኣግዒዞም ምስ ወድኡ፤ናብ መሰረተ ልምዓት ከም ናይ ወሃልማት ተቐቢሩ ዝነበረ ዓበይቲ ትቦታት ጀሚርካ ክሳ ናይ መብራህቲ ሓይሊ ትራንስፎርመራትን ናይ ሆስፒታል ካሕሳይ ኣበራ ግልጋሎት ዝህብ ዝነበረ ዓበይትን ኣናእሽተይን ናይ ህዝቢ ግልጋሎት ዝህቡ ኩሉ እናፀዓኑ ምግዓዝ ጀመሩ።ብዙሓት መናእሰይ ኣሕዋትናን ዓበይቲ ዓዲ ኣቦታትናን ነበርቲ ሰቲት ሑመራ በብገዝኡ እናተኣረዩ ኣብ ከተማ ፖሊስ ጣብያ፣ገጠር ፖሊስ ጣብያን ኣብ ሓድሽ ቤት ህንፀትን ክእሰሩ ተገበረ።ንገለገሊኦም ኣቦታትናን መናእሰይ ኣሕዋትናን ነበርቲ ሰቲት ሑመራ እውን ኣብዚኣ ኣትዮም ከይተበሃሉ ሃላዋቶም ክጠፍኡ ተገበረ።ኣለው ኢልካ ተስፋ ከይትገብር እንታይ ርኢኻ ሞይቶም ኢልካ ተስፋ ከይትቆርፅ እውን እንታይ ርኢኻ ደሃዮም ከም ጨው ሓቒቖም ጠፊኦም ዝተረፉ ውሑዳት ኣይኮኑን።ብተወሳኺ ንብዝሓት ዘለዎም ነበርቲ ሰቲት ሑመራን ካብ ዝተፈላለየ ወረዳታትን ጣብያታትን ምዕራብ ትግራይ ተገፊፎም ዝመፁ ተጋሩ ሰብ ኣብ ዘይኸዶን ዘይፈልጦን ጠያቒ ዘመድ ኣብ ዘይርእየሎምን ስውር እስር ቤት ኣብ ናይ ቀደም 06 እናተበሃለ ዝፅዋዕ ቤት ህንፀት ተኣሰሩ።እዞም ኣብዚ እስርቤት ዝተኣሰሩ ተጋሩ ናይቶም ፀረ ሽምቅ እናተበሃሉ ዝፅውዑ ካምፖም ኣብኡ ስለ ዝነበረ ዝሕለው እውን በቶም ፀረ ሽምቅ እዩ ነይሩ፤ብፀልማት ኣውፂኦም ድማ ናብ ከባቢ መዋልድ መቓብር እስላም እናወሰዱ ምርሻን ዕለታዊ ስርሖም ገይሮም ተተሓሓዝዎ።ኣብታ 06 ተኣሲሮም ዝነበሩ ልዕሊ 400 ተጋሩ እሱራት እቲ ነባሪ ህዝቢ ኣብኡ ዝተኣሰሩ ተጋሩ ከምዘለው ፍፁም ዝፈልጥ ኣይነበረን ብጥብቅን ብጥንቃቐ እዮም ዝሕለው ነይሮም።እዞም ኣብ 06 ብትግራውይነቶም ጥራይ ተኣሲሮም ዝነበሩ ተጋሩ ማንም ምግቢ ኮነ ዝስተ ማይ ዘቕብሎም ኣብ ርእሲ ዘይምንባሩ ዕለታዊ ብዱላን ሓውን ኣብ ብልዕቶም ሃይላንድ ብምንጥልጣልን ኮታስ ኣሎ ብዝበሃል ጫፍ ጭካነ ብዝተመለኦ ስቅያት ከሳቕይዎም እዮም ዝሓድሩን ዝውዕሉን ነይሮም።እዞም ናይ 06 እሱራት ብሰንኪ ስእነት መግብን መድሓኒትን ካብ ብጥይት ብከቢድ ጥምየትን ፅምእን ምስ ከቢድ ሕማምን መዓልታዊ ዝሞቱ እዮም ዝበዝሑ ነይሮም።ብኸምዚ ዓይነት መልክዕ ዘይብሉ ጫፍ ዝረገፀ መእለያ ዘይብሉ ንሰይጣን ዘቕነአ ጭካነ ልዕሊ 400 እሱር 06 ክቅተል ተገበረ።እቲ ኣብ በብ መኻዚኖን ገጠር ፖሊስ ጣብያን ከተማ ፖሊስ ጣብያን ሓድሽ ቤት ህንፀትን ተኣሲሮም ካብ ዝነበሩ ገሊኦም ኣብ እሱር ተሪፎም ገሊኦም ድማ ካብ Amሓራን ወልቃይትን ዝውለዱ እናተበሃለ 50ብ50 እናተበሃሉ ኣብ ቀበሌ እናመሳኸሩ ካብ እሱር ክፍትሑ ተገበረ።እዚ ኩሉ መእለያ ዘይብሉ ጭካነ ዝተመለኦ ግፍዕታት ኣብ ልዕሊ ጎረቤቱን መተዓብይቱን የዋህ ህዝቢ ሑመራ እንትፍፀም እናረኣየ እቲ ካብ ሑመራ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ክወፅእ ዘይከኣለ መንእሰይ ሑመራ ውዕልኡን ሓዳሩን ብከቢድ ፍርሕን ራዕድን ኮነ።ድሕሪኡ መንእሰይ ሰቲት ሑመራ ዋላ እኳ ካብ ሑመራ ናብ ሱዳን ክወፅእ እንተደለየ እቲ መውፅኢ ከባብታት ብዕጡቓት ልዩ ሃይል ኣምሓራን ኣራዊት ሻዕብያን ስለ ዝተሓፀረን ቀይሕ መስመር ስለ ዝተበሃለን ካብ ሑመራ ክወፀሉ ዝኽእል ዝነበረ ዕድል እናፀበበ ብምምፅኡ ዕጭኡ ምፅባይ ጥራይ ኮነ።ሓድ ሓደ መናእሰይን ኣዋልድ ኣሓትናን እናሸሎኹ ናብ ሓምዳይት ክኣትው ኣብ ዝፍትንሉ ግዜ ኣብ ኢድ ልዩ ሃይል ኣምሓራ ዝኣተው ቀጥታ መርሸንቲ እዩ ዕጭኦም ነይሩ።ገንዘብ ሃልይካ እኳ ናብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከተማታት ከይኸይድ እውን ብናይ ትግራይ መታወቅያ ክትንቀሳቐስ ፍፁም ዘይሕሰብ ኮነ።
ይቕፅል.... ባህጊ ሑመራውያን