INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

የለናን ፣ ብውነና የለናን!

ስምምዕ ሰላም ካብ ዝፍፀም

* ሰራዊት ኤርትራ ካብ 10 ክሻብ 17 ሕዳር 2015 ዓ/ም
* 111 ሰባት ቀቲሉ
* 103 ኣካል ጉድኣት ገይሩ [ደብዳብን ጨፍጫፍን]
* 241 ገዛውቲ ኣቃፂሉ።

ኣብዚ እቲ ዝበዝሕ ሰብና ዝተቐተለ ኣብ ከባቢ ዓድዋ እዩ።

* ካብ 19 ክሻብ 21 ሕዳር 2015 ዓ/ም ድማ [መቐፀልታ ምዃኑ እዩ]
* ኣብ ማእኸል ኣድያቦ 1300
* ኣብ ኣስገደ ፅምብላ 1000
* ኣብ ማይ ኣባያ 600
* ኣብ ኣክሱም 19 ሰባት ተቐቲሎም።

እዚ ካብቲ ገዛ ንገዛ እናዞርካ ወርቂ ፣ ክባራት ንብረት ፣ ክዳውንቲ ፣ ኣቑሑ ገዛ [ቆርቆሮ ከይተረፈ] ካብ ዝግበር ስርቂ ወፃኢ ፣ ኣብ ንፁሃት ወገናት ዝካየድ ዘሎ ጨፍጫፍ እዩ።

ብድማር ክልተ ቕነ ኣብ ዘይመልአ እዋን 3 ሽሕን 20 ሰብ ተቐቲሉ ኣሎ። [ሐዚ ሐዚ ምስ ሞት ተላሚድና ቁፅሪ ዝሞተ ሰብ ክንፅውዕ ስክፍታ ኣይሓድረናን ዘሎ]

ካብዚ ብተወሳኺ ሰራዊት ኤርትራ ኣይኮነን ዶ ካብ ትግራይ ክወፅእ ኣብ መሬት ትግራይ ድፋዕ ይሃንፅ ፣ ነታጉ ይቐብር ፣ ሰባት ይጨዊ ፣ መሬት ትግራይ ካብ ሰብ ናፃ ይገብራ ኣሎ።

ኣብ ዞባ ማእኸል ድማ ከባቢ ኣድያቦ ትግራዋይ ዘበለ ፍጡር ብጅምላ ይቐትልን ይጭፍጭፍን ፣ ነቲ ከርክበሉ ዘይክኣለ ድማ ከቢድ ብረት ይድብድብ ኣሎ። [እዚ ደብዳብ ብረት ሐዚ ይፍፀም ዘሎ እዩ]

ምስ እዚ ብዝተሓሓዘ ሰራዊት ትግራይ ሒዝዎ ካብ ዝፀንሐ ውግእ መስመራት ለቂቑ ምውፃእ ጀሚሩ ኣሎ።

ሰራዊት ትግራይ ዝለቀለን ዘሎ ግምባራት ደቡብ፣ ማይቅነጣል፣ ዛላምበሳ፣ ነበለት፣ ጨርጨር፣ ኩኩፍቶ፣ ሕጉምብርዳ፣ በሪ ተኸላይን ኣበርገለን ግምባራት እየን።

ብ #kibrom_mulugeta Digital Weyane ዲጂታል ወያነ