INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

እወ! ብሳላኻትኩም ርእስና ኣቕኒዕና!

እወ! ብሳላኻትኩም ርእስና ኣቕኒዕና! "መን ኢኹም? ካብ ኢትዮጵያ ዲኹም ኤርትራ፣ ካበይ ኢኹም?" እንትብሉና፤ ንሕና ካብ ትግራይ ኢና ንብሎም፤ Oh the Tigrayans! ክብሉና ጀሚሮም! ዋላ እኳ ዝተኸፈለ ዋጋ መሪርን ከቢድን እንተኾነ፤ ኣብ 2022 ትግራይ ማዕረን ልዕልን እዛ ጠላም ሃገር ኣብ መዝገብ ዓለም ስማ ሰፊሩ መመያየጢ ኮይኑ እዩ:: ካብ ንኡሳን ክሳብ ሓያላን መንግስትታትን ዓለምለኸ ትካላትን፤ ከምኡ እውን ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት፤ ትግራይ ከም ትግራይ ተፈሊጣ መዘራረቢ ኣጀንዳ ኮይና ትርከብ::

ፀላእቲ ምስ በዝሖምን ጋዕ-ገልጠሞምን ኣነፃፂሮም ከምዘናኣሱና እንተይኮነስ፤ ብኣንፃሩ ብሳላ ሓድነትናን ፅንዓትን መሪር መስዋእትን ህዝቢ ትግራይ፤ ንዓለም ብዘስደመመ ሓድነት፣ ወተሃደራዊ ብቕዓትን ውፉይ ተዋጋኣይነትን፤ ምእንተ ሃለዋትና፣ ደሕንነትናን መሰልናን ዘይንንብርከኽ ህዝቢ ከምዝኾንና ኣረጋጊፅና ኣለና!

ኣብ ዝተፋላለየ ዘፈር ዘለዉ ተመራመርቲ ንድሕሪት ከይዶም፤ መን እዮም እዞም ህዝቢ? ኢሎም ዝሓቱሉን ዝመራመሩሉን፤ ገሊኦም እውን ንፀጋታትን ተስፋታትን ትግራይ ዝድህስሱሉ ኩነታት ይጥጥዕ ኣሎ:: ኣብ ተስፋታት ትግራይ ምትዕፅፃፍ ድማ ናትና ግደ እዩ::

እዙ ክሳብ መዛዘሚ 2022 ኣኻዕቢትናዮ ዘለና ኣፋፍኖት ሰላም፣ ክብርን ዲፕሎማሲያዊ ብራኸን ትግራይ ድማ ኣብ 2023 ዝያዳ ኣማዕቢልና፤ ብኹሉመዳይ ብውሽጥን ብደገን ተመዓራሪና፣ ኣብ መድረኽ ማሕበረሰብ ዓለም ፍትሒ ረኺብና፣ ከም ትግራይ ዝግብአና ቦታ እንዓትረሉ ዓመት ክንገብሮ ይግባእ!

ንዙይ ድማ ኩልና ንብራኸ ትግራይ እንቋመት ዲያስፖራ ትግራይ፤ ርኡይን ዕዙዝን ግደ ስለዘለና፤ ኣብ ህዝቢ ትግራይን ትግራይን ሸኺልና፣ ኣብ ዘለና ንሃሉ ማሕበረሰባውን ሙያውን ውዳበታትና ኣደልዲልና፣ ተሰጣጢምና ብፅንዓት ንተዓፃፀፍ!

ክብርን ሞገስን ህይወቶምን ኣካሎምን ከፊሎም ከም ህዝቢ ንኽንነብርን ርእስና ንኽነቕንዕን ንዘብቅዑና ኩሎም ጀጋኑን ዋዕሮታትን ትግራይ!

ካሳ ሃይለማርያም
ቴሌግራም: https://t.me/+HdnQzJcDXXJlMzBh