INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ቢራን ሳዕስዒትን ዕጽዋን

Read from source

በርበረን ኻልኦት ሸቐጣሸቐጣትን ናብ ትግራይ ከይሓልፍ ትኽልክል ወይ ማሕለኻታት ተብዝሕ ንስኽራንን ብኽነትን ዘገልግል ቢራ ግና ሰተት ኢሉ ክኣቱ ትፈቅድ ሃገር እያ ዘላትና። ቕንይ ኢላውን መንእሰይና ክተምክኖ ሓሺሽህን ጫትን ጽዒና ክተምፅእ ትኸውን። ንምዃኑ እንታይ ዝተሰመየ ቢራ እዩ ብ150 ብር ንጥርሙዝ ዝሸየጥ ዘሎ?

ንምዝኽኻር ዝኣክል ኩሎም ፋብሪካታት፡ ባንኪታት፡ ዩኒቨርሲታት፡ ቤተ እምነታት ወዘተ ህዝቢ ትግራይ ንምፅናትን ትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ንምዕናውን ኣብ ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ብሚሊዮናት ዝግመት ብር ኣወፊዮም እዮም። እሞ ካብዚኦም ዝመጽእ ምህርቲ ዓዳጋይ ኮይንካ ክትርከብ ናይ ጥዕና ክኸውን ኣይኽእልን። እንተኾነ ኣብ ዘለኻዮ ከተማ ብጥሜት ተፋሒሶም ዝሞቱ ህፃናት እንዳሃለዉ፡ ንዓኻን ንህዝቦምን ክብሉ ኣካሎም ዝሰኣኑ መናእሰይ ምህላዎም ብዓይንኻ ናራኣኻ፡ ብደም፡ ብባህሊ፡ ብታሪኽ፡ ብሕብሪ፡ ብፖለቲ ዝየዛመድኻ ምዕራባውያን ናይ ሓገዝ እኽሊ ክሰዱልካ ናራኣኻ 1 ጠርሙዝ ቢራ 150 ብር ከፊልካ ክትስዕስዕ ዝፈቅድ ሕሊና ካበይ ኣምጺእኻዮ?

ንድሕሪት ምልስ ኢልካ ንምዝኽኻር፡ ዋንነቱ ናይ ጥረት- ብኣዴን ዝኾነ ዳሽን ቢራ ካብ 2007 ዓ•ም•ግ ጀሚሩ ናይ ወልቃይት መንነት ዝብል ዝተወደበ ምንቅስቓስ ፋይናንስ ክገብር ብበኣዴን ተወሲኑ ይስራሕ ከምዝነበረ መረዳእታ ገይርና ብምቅላዕ ህዝቢ ትግራይ ዳሽን ቢራ ብዘይምዕዳግ ተቓውሞኻ ግለፅ ኢልና ብተኸታታሊ ጎስጓስ ኣካይድና ኢና። ገለ የዋሃት ግና "ኣይትፅበቡ" ዝብል ግብረ መልሲ ይህቡ ነይሮም።

ንሱ ሰማዒ ስኢኑ ሓሊፉስ ኣምሓራ ናብ ትግራይ ዝሓልፍ ሸቐጥ፡ እኽሊን መኪናታትን ምኽታርን ምዝራፍን ኣሐይሎም እንትሰርሑ ዳሽን ቢራ ጥራይ ካብ ኣምሓራ ከምድሌቶም ናምጽኡ ይሸጡ ነይሮም። ቅድሚ እቲ ወራር ምጅማሩ ሰባት ሓሚሞምስ ዳሽን ዝተመረዘ ምህርቲ ከምተረኸቦ ጥዕና ቢሮ ትግራይ ኣረጋጊጹዎ ነይሩ። መንግስቲ ትግራይ ዳሽን ከይኣቱ ይኸልክል ኢልና ፃዊዒት ገይርና። ይኹን እምበር ከምቲ ኣብዚ ትሪኡዎ ዘለኹም ናይ መንግስቲ መልሲ ዝተበላሸወ ቢራ ንበይንና የኾነይ ተላኢኹልና ብዝብል እዩ ቕቡል ገይሩዎ ሓሊፉ። ዳሽን ቢራ እቲ ዝዓበየ መሸጣ ዝገብሩሉ ዕዳግኦም እቲ ክፅንት ዝደሊዩዎን ዝተቓለሱዎን ህዝቢ ትግራይ ምንባሩ ይፍለጥ። እዙ ዕሽነት መን ጠጠው የብሎ?

እዚኣ ክፅሕፍ ዘገደደትኒ እዛ ብፀጋም ተሓሒዛ ዘላ Desta Haileselassie ዝለጠፋ ምስ ኣንበብኩ እዩ። ዝርዝሩ እብ መንደቑ ኣለኩም።