INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ወተሃደራውን ዲፕሎማሲያውን ብራኸ ተመዝጊቡ ኣሎ!

ባይታ ረጊፅና ኢና ንኸይድ ዘለና! ኣብዙ ሰሙን ዝተርኣየ ፍፁም ዝኾነ ወተሃደራውን ዲፕሎማሲያውን ላዕለዋይነት ዝያዳ ተጠናኺሩ ክስጉም፤ ከም ህዝቢ ትግራይ ብኹሉ ዝተዋፈርናዮ መዳይ ተሰጣጢምና አእጃምና ነፅፍፍ ንተዓፃፀፍ! ሰራዊት ትግራይ ሓዱሽ ዓመት እውን እንተይበለ፤ ትማሊ ኮነ ሎማዕልቲ ብዘይምቁራፅ ኣብ ዝተፋላለየ ዓበይቲ ግንባራት፤ ንልፍንታውያን ወረርቲ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን እናድዓኸ ድሙቕ ዓወታት እናመዝገበ ቀፂሉ ኣሎ::

ኣብ ዙሪያ ምላሽ ዓውደ ውግኣት ኣብ ሓደ ግዘ ከባቢ ሓደ ሚልየን ሰራዊታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ምስ ፍሉይ ሓይልን ሚሊሽያታትን ክልላት፤ ከምኡ እውን ፋኖ ዝተብሃለ ሓይሊ ኣምሓራን ካልኦት ዘይስሩዕ ዕጡቓትን፣ ገጢምና ሓይሊ ፀላእትና ብኣብዝሓ ተሰይሩ እናተስዓረ እዩ፡፡

ንመቐለ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ማዕልትታት ክቆፃር፤ ኣብ መላእ ትግራይ ንሰራዊትናን መራሕትናን ዝኸውን ስድሪ መሬት እውን ኣይገድፍን፤ ኢሉ ንዲፕሎማሰኛታት እንተይተረፈ ተጃሂሩ ዝተሃንደደ ልፍንታዊ ፋሽስታዊ ሓይሊ፤ ኣብ ኩለን ዓውደ ውግኣት፤ ኣይኮነንዶ ካብቱ ዝነበሮ ዱፋዕ ንቕድሚት ክደፍእስ፤ ተሰይሩ ተወሳኺ መሬታት ገዲፉ ሬስኡን ንብረቱን ዘራጊፉ ዝድሃለሉ ኩነታት እዩ ዝምዝገብ ዘሎ፡፡

ብዙ ክፃወሮ ዘይኸኣለ በትሪ ወያነ ትግራይ ዝተዘበጠ ፋሽስታዊ ሓይሊ፤ ብሽፋን ሓዱሽ ዓመት ተፃብኦታት ጠጠው ንኸብል ድልየት ዘርአየ ባዕሉ እዩ ነይሩ፡፡ ባዕሉ ዙሪያ ምላሽ ኵናት ጀሚሩ እንተብቅዕ፤ ኣነ ኣይኮንኩን ጀሚረዮ ሐዚ እውን ንባሕቲ ሓዱሽ ዓመት ኵናት ጠጠው ንኽብል ኣብ ልዕሊ ትግራይ ፀቕጢ ፍጠሩለይ ኢሉ፤ ኣቐዲሙ ፎቕድኡ ኣፍደገ ዲፕሎማሰኛታት ዝተማሕፀነ ባዕሉ እዩ ነይሩ፡፡

መንግስትን ህዝብን ትግራይ ካብ መፈለምትኡ ምእንተ ሰላም እናበለ እንተሎ እዩ፤ እዙ ፋሽስታዊ ወራር ምፅናት ዘርኢ ኣብ ልዕሊኡ ዝተኸፈተሉ፡፡ ኣብ ከይዲ እዙ ወራር እውን እንተየብደየ ምእንተ ሰላም እናበለ፤ እዙ ደማዊ ፋሽስታዊ ወራር ምፅናት ዘርኢ ጠጠው ንኽብል እናተማሕፀነ እዩ ፀኒሑ፡፡ እዙ ናይ ሐዚ ዙሪያ ምላሽ ልፍንታዊ ኵናት እውን ኣብ ልዕሊኡ እዩ ዝተኸፈተን ብኣልማሚት በምድርን ሰማይን ዝተተኮሰን፡፡

ንዙ ዙሪያ ምላሽ ወራር ብፀብለልታ ይዕወት ኣብ ዘለወሉ ኣብዙ ሐዚ እዋን እውን፤ መንግስቲ ትግራይ ካብ መፈለምትኡ ኣብ ዝተሓንገጦ ቅዋም ሰላም ፀኒዑ፤ ናይ መወዳእታ መፍትሒ እዙ ፋሽስታዊ ወራር ምፅናት ዘርኢ መዕለቢኡ ሰላማዊ ፍታሕ እዩ ብዝብል ፅኑዕ መርገፂኡ እዩ፤ ብመሰረት ምስተወከልቲ ማሕበረሰብ ዓለም ብዝገበሮ ፅዑቕ ውሽጣዊ ዝርርብ ናብ ዋዕላ ጅቡቲ ተወከልቱ ዝለኣኸ፡፡

ኣብ ዋዕላ ጅቡቲ ድማ ወተሃደራዊ ላዕለዋይነት ሰራዊት ትግራይ ምርግጋፁ ጥራሕ እንተይኮነስ፤ ተወከልቲ ትግራይን ኣባላት ማሕበረሰብ ዓለምን ሓደን ሓደን ቅዋም እንትሕዙ፤ ተወከልቲ ኢትዮጵያ ግና «ንምውሳን ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ስለዝኾነ ንመንግስትና ኣማኺርና መልስ ክንህብ» ኢሎም እዮም ተመሊሶም፡፡

እቱ ብዘይካ ተወከልቲ ኢትዮጵያ፤ ብተወከልቲ ትግራይን ኣብቱ ኣኼባ ብዝነበሩ መዘራረብቲ ኣካላት ኣብ ስምምዕ ዝተበፅሐሉ፤ ቅፅበታዊ ክልቴና ወገን ዝተሰማማዕናሉ ሰነድ ምቁራፅ ተፃብኦታት ምፍርራም (an immediate and mutually agreed cessation of hostilities) ዝብል እዩ ነይሩ፡፡

ብክልቲኡ ወገን ክንሰማምዐሉ ኣለና፤ ንፅባሕ ዘይብሃል ጉዳይ እዩ ዝተብሃለ እዙ ዝተቐረበ ውዕል ምቁራፅ ተፃብኦ፤ ከምቱ ናይ ቕድሚ ሐዚ ዝነበረ ስምምዕ ምቁራፅ ተፃብኦታት ብቃል እንተይኾነ፤ ተዓዘብቲ ኣብ ዘለዉዎ ኣብ ሰነድ ተፈሪሙ ብግልፂ ማሕበረሰብ ዓለም ፈሊጡዎ ተፈፃሚ ንክኸውን ዝኣስር እዩ፡፡

ምቁራፅ ተፃብኦታት (cessation of hostilities) ማለት ቶክሲ ጠጠው ምባል (ceasefire) ኣይኮነን፤ ንምዝርራብን ክሳብ ቶክሲ ጠጠው ዘብል ዘተ ሰላም ንምክያድ ዘኽእል ጥጡዕ ባይታ (conducive environment) ንምፍጣር ዘኽእል ስምምዕ ምግባር ማለት እዩ:: ዝርዝር ትሕዝቶ እዙ ዝተቐረበ ነጥቢ ስምምዕ ምቁራፅ ተፃብኦ ድማ፤

• ዘይተገደበ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ትግራይ ክኣቱ (unfettered humanitarian access)
• ንባንክ ንቴሌ ሃይሊ መብራሕቲ ሓዊሱ ኩሎም ማሕበረ-ኢኮኖሚያዊ ግልጋሎታት ብዘይወዓል ሕደር ኣብ ትግራይ ግልጋሎት ክጅምሩ፤
• ሰራዊት ኤርትራ ብዘይምንም ቅድመ ኩነት ካብ ኢትዮጵያ ንኽወፅእ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዕሊ ንኽእዝዝ፤
• ኩሎም ሓይልታት 24 ጥቅምቲ 2013 ናብ ዝነበረ ዶብ ትግራይ ንኽምለሱ፡፡ ሰራዊት ትግራይ 24 ጥቅምቲ 2013 ካብ ዝነበረ ዶብ ትግራይ ወፃኢ ዝሰፈረ እንተልዩ ናብ ዶብ ትግራይ ንኽምለስ፤ ሰራዊታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኮነ ሓይሊ ኣምሓራን ካልኦት ዕጡቓትን እውን 24 ጥቅምቲ 2013 ካብ ዝነበረ ዶብ ትግራይ ጠቕሊሎም ንኽወፁ ምግባር፤ ዝብል እዩ ነይሩ፡፡

ካብዙ ብተወሳኺ፤ እዙ ዝተቐረበ ተፃብኦታት ናይ ምቁራፅ ሰነድ ተፈሪሙ ናብ ተግባር እንትእተ ኣብ ዝካየድ ዘተ፤ ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪካ ብዝጣየሽ ብክልቲኡ ወገን ተቐባልነት ብዘለዎም ሞንጎኛታት ንኽካየድ፣ ሕድሕዳዊ ምትእምማን ክህሉን ትግበራ ውዕላት ንምዕዛብ ንምርግጋፅን ንምሕጋዝን ዓለምለኸ ተዓዘብቲ ዘለውዎ፣ ከምኡ እውን ኣብ መስርሕ ዘተ ሰላም ኣድላዪ ሙያዊ ምኽርን መምርሕን ክህቡ ዝኽእሉ ዓለምለኸ ክኢላታት (experts) ክሕወሱዎን፤ ብዝብል ስምምዕ ክግበር እዩ፤ ኣብቱ ዋዕላ ዝነበሩ ተወከልቲ ትግራይን ኣዘራረብቲ ማሕበረሰብ ዓለምን መርገፂ ዝሓዙ፡፡ እዙ ድማ ንቱ ሕብረት ኣፍሪካ ከም እኒ ኦባሳንጆ ዓይነት ብውልቁ መዲቡ ዝውንኖ ዝነበረ ድሌት ነፂጉ፤ ትግራይ ሒዛቶ ንዝፀንሐት ቅዋም ዘነፀረ እዩ፡፡

ኣብ ዋዕላ ጅቡቲ ክስመረሉ ዘለዎ ገዚፍ ዲፕሎማሲያዊ ዓወት፤ እዙ ቅዋም ነጥቢ ስምምዕ ምቁራፅ ተፀብኦታት እዙይ፤ ቅዋም መንግስቲ ትግራይ ጥራሕ እንተይኮነስ፤ ናይቶም ኣብዙ ዋዕላ ኣዘራረብቲ ኮይኖም ዝቐረቡ ተወከልቲ ማሕበረሰብ ዓለም እውን መርገፂ እዩ ኾይኑ፡፡

ተወከልቲ ኣብይ ኣሕመድ ግና፤ ከምቱ ናይ ቅድሚ ሐዚ ብዘይ ናይ ስምምዕ ነጥብታትን ሰነዳዊ ምፍርራምን፤ መተንፈሲ ግዘ መዐደጊ ቶክሲ ጠጠው ንኽብለሎም ጥራሕ ነይሩ ዝተማህፀኑ:: እቱ ቅድሚ እዙ ናይ ሐዚ ኵናት ምጅማሩ ዝነበሮም ቅዋም እኳ ለውጢ እንተይገበሩ እዮም ናብዙ ዋዕላ መፂኦም፡፡ ሓንቲ ድሌቶም እቱ ጨረውረው ኣቢሉዎም ቀፂሉ ዘሎ ቶክሲ ዕውት ውግእ፤ ጠጠው ንኽብለሎም ጥራሕ እዩ ነይሩ፡፡

ተለኣኣኽቲ ኣብይ ብባዕሎም ናይ ምውሳን ዓቕሚ ከምዘይብሎም ሓቢሮም፤ ንዝለኣኾም ኣካል ኣፍሊጦም መልስ ንምሃብ እዮም ተመሊሶም፡፡ ሰለስተ ማዕልትታት ሓሊፉ ክሳብ እዙ ሰዓት ዕላዊ መልሲ ዘይምሃቦም ጥራሕ እንተይኮነስ፤ ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ዓለም መርገሞም እናውረዱ ይርከቡ፡፡ ኣብ ልዕሊኡ ንሰዓብቶም ንምድንጋር ናይ ብዕራይ ወለደ ፕሮፓጋንድኦም ብፅዑቕ ተዋፊሮምሉ ኣለዉ፡፡ እግርእግሮም ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኸደ ልኡኽ ኣሜሪካ እውን ኣንፀርፅሮት ብኽያትን ፕሮፓጋንዳ ሓሶትን ገዲፎም መልሲ ንክህቡዎ ይፅበ ኣሎ:: እቶም ናይና ወርቅታት እውን ብሰላም ንገዛና ተመሊሶም::

ትግራይ ዓደይ፤ ብማሕበረሰብ ዓለም ሙሉእ ተቐባልነትን ደገፍን ዝተውሃቦ፤ ኣብ ንፁር ንህዝብና ዘርብሕ መትከልና ኢና ዘለና፡፡ እዙይ ኣብ ዋዕላ ጅቡቲ ዝነፀረን ብዘይካ ተወከልቲ ኣብይ ብኹሉ ወገን ተቐባልነት ዝረኸበን ቅዋምና እዩ ትማሊ ብመንግስቲ ትግራይ ብዕሊ ዝተገለፀ፡፡

እዙ ብኹሉ ወገን ሙሉእ ተቐባልነት ዘለዎ ቅዋምና ተቐሊዑ ብዕሊ ብምውፅኡን፤ ካብ ውድብ ሕብረት ኣፍሪካ ክሳብ ሕብረት ኤውሮፓ፣ ካብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ክሳብ መንግሰቲ ኣሜሪካን ካልኦት ከም እኒ ጀርመን ዝኣመሰላ ዓበይቲ ሃገራትን ብዕሊ ደገፎም ምግላፆምን እዩ፤ ኣራት ኪሎን ዓዲሃሎን ካብቱ ዝወርዶም ዘሎ ዘየብረየ ወተሃደራዊ ስምብራት ብዘይንኣሰ ፀላዕላዕ ዓወፅወፅ ኣቢሉዎም ዘሎ፡፡

እዞም ርሙሳት ኣረመነታት ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ፤ ካሊእ ተሪፉስ በመሰረት ሕገመንግስቲ ኢትዮጵያ 'መንግስቲ ትግራይ' ክንብሃል ስለዘለና፤ መንግስትታት፣ ኣህጉራውያንን ዓለምለኸ ትካላትን፤ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ከየኾርዩ ክንደይ ለመፅመፅ እናበሉ ፀኒሖም፤ ሐዚ ብሳላ እነመዝግቦ ዘለና ዕውት ወተሃደራዊ ስርሒት ጠጠው ኢሎም ምሕሳብን ሃገር ዘፍርሳ ዘሎ እዙ ፋሽስታዊ ጉጅለ ከምዝኾነን ዓይኖም ቁሊሕ ከብሉ ስለዝገበርናዮም፤ መንግስቲ ትግራይ ኢሎም ስለዝፀውዑና፤ እንዳ ፀላእትና ኣውያትን ሓሶትን ነጊሱ ኣብ መንቀራቕኦ ተቐርቂሮም ኣለዉ፡፡

ፀላእትና ይቀርቀሩዋ፤ ሓንትን ሓንትን መማረፂት እያ ተቐሪባትሎም፤ እዛ ብኣሳሪ ስምምዓት ዝተቐለመት ውዕል ምቁራፅ ተፃብኦታት ምፍራምን ምትግባርን! ወይ ድማ ምሳና ጥራሕ እንተይኾነ ምስ ማሕበረሰብ ዓለም እውን ተናቑሩ፤ ንቱ ብዓቕምን ስነልቦናን ለሚሱ ዘሎ ሰራዊቱ ኣተኣኻኺቡ ኣብ ርእሲ ርእሲ እናዳጎነ ንዙ መጥፊኡ ኵናት ምቕፃል! ኩለን ተሪፈንኦ ዘለዋ የማን ፀጋም መንገድታት፤ ንሞቱ ዘሳልጣ ኮይነን ተቐርቂሩ ኣሎ! ብሳላ በሊሕ ህዝብና መሪሕነትን ሰራዊትን ትግራይ፤ እዙይ እዩ ናብ ብራኸ ምድያብ ማለት!

ስለዙይ ትግራይ ዓደይ፤ እቱ ጉዳይ ከምዙይ እዩ ዘሎ እሞ፤ ኣብ ፓብሊክ ዲፕሎማሲ ኮነ ኣብ መኸተ ሰለስተ ኣብ መላእ ዓለም እንትግብሮም ኣብ ዘለና ሕድሕድ መደባትና ንዕመም ነፅፍፍ ንተዓፃፀፍ! ንሕና ትግራይ ኢና! እነመዝግቦም ዘለና ዓወታትና ክነፅዕቖምን ናብቱ እነተስፍዎ ብራኸ ክንምርሽን እምበር፤ ብህዝቢ መንግስትን ሰራዊትን ትግራይ ንተኣማመን፤ ድሕሪ ሐዚ ንድሕሪት ዘምልስ የብልናን! ክብርን ሞገስን፤ ህይወትን ኣካልን ከፊሎም፤ ከምዙይ ርእስና ክነቕንዕ ንዘብቁዕና፤ ሰብ ወርቃዊ ቅያ ጀጋኑና!

ትግራይ ትስዕር ኣላ! ካሳ ሃይለማርያም
ቴሌግራም: https://t.me/+HdnQzJcDXXJlMzBh