INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ብምዕራባውያን ትድሕን ትግራይ ኣይነበረትን፣ የላን!

“ብመንግስቲ፣ ሰራዊትን ህዝቢ ትግራይን እምበር ብምዕራባውያን (ብዲፕሎማሲ) ትድሕን ትግራይ ኣይነበረትን፣ የላን!”

ቅድሚ ኹሉ ንህዝቢ ትግራይ ኢና ንውክል እንተይልና ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ነርእዮ ባህሪ፣ ስርዓትን ምክብባርን ኣብ ትግራይ ንዘሎ ህዝብና ክመስል ይግባእ ክንብል ንፈትው።

ዋና ሓሳብ ናይዚ ፅሑፍ "ብመንግስቲ፣ ሰራዊትን ህዝቢ ትግራይን እምበር ብ'ባይደን ትድሕን ትግራይ ከምዘየላ" ብተወሳኺ ድማ ከምቲ ብተደጋጋሚ ዝሓበርናዮ "ብቕልፅም ህዝብና እምበር ብዲፕሎማሲ ወይ ብለመና ምዕራባውያን ዝዕወት ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ከምዘየለ" ንምግላፅ እዩ። እዚ ማለት ዲፕሎማሲያዊ ቃልሲ ብፍፁም ኣየድልይን እንተይኮነስ፣ ብዋናነት ውሽጣዊ ቃልስና ከም ህዝቢ ንክንዕወት፣ ንክንግስግስ ይገብረና። ዝሓለፈ ሓደ ዓመትን ሓሙሽተ ወርሕን ድማ ዝበለፀ ምስክርና እዩ። ብዲፕሎማሲያዊ መንገዲ ዝመፅኡ ማዕቐባት ኮኑ ዝህልው ድርድራት ከከም ዓይነቶም ንቓልስና ደገፍትን ጎዳእትን ክኾኑ ይኽእሉ። ክሳብ ሎሚ ብሮጊድን ተሪርን በትሪ እምበር ብዲፕሎማሲያዊ ቃልሲ ዝተረኽበ ናፅነት ወይ ዝተዓወተ ቃልሲ ኣብ ታሪኽ ዓለምና ኣይረኣናን።

ቅድሚ 17 ኣዋርሕ ብፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ዝተጀመረ ወራር ማለት እውን ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ካልኦት ኣዕራብ ሃገራትን ብኹሉ ኣንፈት ወሪሮም ከፅንቱና ዝኽኣልዎ ኩሉ ገይሮም። እዚ ተግባሮም ብመልክዕ ዕፅዋ ቀፂሎምሉ፣ ሐዚ ድማ ንሓዱሽ ወራር ምድላዋቶም የጠናኽሩ ኣለው። ሓየት ሰራዊት ትግራይ እውን ምድልዋቱ የጠናኽር ኣሎ። ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ዝተሃነፀ፣ ዘርኢ ምፅናት ህዝቢ ትግራይ ዝፈፀመ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሙሉእ ብሙሉእ ብሓየት ሰራዊት ትግራይ ተደምሲሱ እዩ። ን2ይ እዋን ዝተደራጀወ ምልምል ሰራዊት ኢትዮጵያ እውን ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዓብይ ጉድኣት በፂሕዎ። ብሰንኪ ግዳማዊ ሓይልታትን ካልኦት ዘይተመላልኡ ነገራትን ምኽንያት ሰራዊት ኢትዮጵያ ሙሉእ ብሙሉእ ከይተደምሰሰ ጅግና ሰራዊት ትግራይ ካብ ጫፍ ደብረብርሃን ክምለስ ክኢሉ እዩ።

ከም ህዝቢ ኣብ ሓፂር እዋን ብዙሕ ቅያታት ክንሰርሕ ዝኽኣልና ፓለቲካዊን ወታደራዊ ኣመራርሓታት ምስ መላእ ህዝብና ብምትእስሳር ተኣምራዊ እግረኛ ሰራዊት ስለዝሃነፁልና፣ ሙሉእ ዓወት ዋላ ኣይኹን እቲ ዝዓበየ ቅያ ክስራሕ ተኻኢሉ። ፓለቲካዊ ወይ ወታደራዊ ኣመራርሓ ህዝብና ነንበይኖም ዘምፅእዎ ንቐፃሊ እውን ዘመዝግብዎ ዓወት ወይ ውድቀት ኣይክህልውን እዩ። ናይ ሓባር ስርሖምን ተግባሮምን ንቕድሚት ንክንስጉም ወይ ንድሕሪት ክንምለስ ይገብረና። ብሓፂሩ ፓለቲካዊን ወታደራዊን ኣመራርሓታት ትግራይ ናይ ሓንቲ ሳንቲም ክልተ ገፅ እዮም ኢልካ ምግላፅ ይክኣል። እዚ ብኣግባቡ ንምግንዛብ ድማ ምስትውዓል ብዋንኡ ድማ ስለ ብረታዊ ቃልስና ዕሙቕ ዝበለ ርድኢት ምህላው የድሊ።

ዩክሬናውያን (ዋላ ተቓለስቲ ይኹኑ) ብፕሬዝዳንት ዜሌንስኪ እናተመርሑ ልዕሊ 40 ሚልዮን ህዝቢ ሒዞም፣ ብቡዙሓት ናይ ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ ወታደራዊን ኢኮነሚያዊን ሓገዛት እናተገበረሎም ዕላማ ሩስያ (ዶንባስ ምጥቕላል) ደው ከብሉ ዝኽእሉ ኣይመስሉን። ኣብ ክልተ ወርሒ ጥራሕ ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ዩክሬናውያን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ይስደዱ ኣለው፣ ደቒ ኣንስትዮ ፆታዊ ጥቅዓት ክበፅሐን፣ ሰላማውያን ህይወቶም ክስእኑ፣ ከተማታት ክዓንዋ... ወዘተ እዚ ኹሉ ግፍዕታት ኣብ ምብራቕ ኣውሮፓ ንርኢ ኣለና። በዚ ኣካይዳ ከም 2014 ኣቆፃፅራ ፈረንጂ ዶንባስ ልክዕ ከም ክሬምያ ናብ ራሽያ ኣብ ሓፂር እዋን ከምእትሕወስ ድማ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ካብዚ እንግንዘቦ ነገር ዝተወተፈ ይወተፈልካ፣ ዝደገፈ ሓያላት ሃገራት ይገድፍኻ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ተሪር በትሪን ብሉፃት ኣመራርሓን ብዝሓዘ እምበር ብዲፕሎማሲ ዝሳኻዕ ዕላማ ከምዘየለ፣ ፍትሒ ዝብሃል ዛዕባ እውን ሽም ጥራሕ ከምዝኾነ ምግንዛብ ይክኣል።

የመናውያን (ተቓለስቲ ሑዚ) ን7 ዓመታት ዝኣክል ኣንፃር ብሳዑዲን ዓረብ ኢምሬትስን ዝምራሕ፣ ዳርጋ ኩለን ናይ GCC ሃገራትን ዝሳተፋሉ ፤ ብወታደራዊ መሳርሒ ደገፍ ድማ ኣሜሪካ፣ እንግሊዝን ፈረንሳይን ዘለውዎ ሓያል ኩናት የካይዱ ኣለው። ባርያ ናይ ዓረብ ሃገራት ዝኾነ ሰራዊት ኤርትራ እውን ኣፍቲ ኩናት ከምዝተሳተፈን ብደቒ የመን ከምዝተደምሰሰን ይፍለጥ። ተቓለስቲ ሑዚ ሙሉእ ዋላ ኣይኹን እምበር መብዛሕቲኡ ክፋላት ሃገሮም እውን ሳላ መሪር ቃልሶም ሓራ ኣውፂኦም እዮም። ልክዕ ከም ናህትና፣ ብዘሕዝን መልክዑ ወራር የመን ብትካላትን ሃገራትን ዓለም civil war (ናይ ሕድሕድ ኩናት) እናተብሃለ ክሳብ ሎሚ ይግለፅ። የመናውያን ንዓመታት ኣብ ከቢድ ዕፅዋን ክባን ይርከቡ። ጥሜት፣ ብፍላይ ድማ ሕማምን ሞትን ናይ ህፃናት ዝያዳ እንተሃለወ፣ ዓለም ካብ ዘረባ ሓሊፋ ከምዘይተድሕኖም ስለዝፈልጡ ቀስ እናበሉ መሓዙትን ዓቕሚን እናፈጠሩ ፀላእቶም ኣብ ዘንቀጥቅጥሉ ብርኪ በፂሖም ኣለው። ንኣብነት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ድሕሪ ኣብ ሳኡዲ ኣራምኮ ናይ ነዳዲ ፋሲሊቲ ኣብ ዝፈፀምዎ መጥቓዕቲ "ዕፅዋ ይከፈት፣ ደብዳብ ነፈርትን ድሮናትን ደው ይበል፣ ሰራዊት ሳዑዲን ካልኦትን ካብ መሬትና ይውፅኡን… ወዘተ" ዝብሉ ሕቶታቶም ዕላዊ ከምዝገበሩ ይፍለጥ። እዚ ማለት ብተሪር በትሪ እምበር ብዲፕሎማሲ ዝሳኻዕ ቃልሲ ከምዘየለ እውን ተቓለስቲ ሑዚ ካልኦት ዝዓበዩ ምስክርና እዮም።

ህዝቢ ትግራይ እዚ ኹሉ ዓወት ዘመዝገቦን ኣብዚ ደረጃ ዝበፅሐን 101% ብናይ ባዕሉ ውሽጣዊ ቃልስን ብቕልፅሙን እዩ። ብኣሜሪካ፣ ምዕራባውያን ወይከዓ ብዲፕሎማሲ ዝረኸብናዮ ዓወት የለን ፤ ንቐፃሊ እውን ኣይክህልውን። ክሳብ ሐዚ ዋላ ሓንቲ ፍረ ጥይት ዘቐበለትና ወይድማ ኩናት ደው ዘበለትልና ሃገር የላን። ብመሪር ቃልሲ እምበር ብዲፕሎማሲ ናፅነታ ዝረኸበት ሃገር እውን ኣይንፈልጥን። እዚ እነካይዶ ዘለና ቃልሲ ድማ ንናይ ሎሚ ጥራሕ እንተይኮነስ ንመፃኢ ወለዶታት ትግራይ ብሩህ ተስፋ ዝግበር ዘሎ ሓያል ቃልሲ እዩ። ውድብ ህወሓት ሓደ ሽሕን ሓደ ሚእቲን ጌጋታት ሰሪሓ እያ። እንተኾነ ግን ምስ ውድብ ህወሓት ሒሳብ ንወራረደሉ ሰዓት ሐዚ ኣይኮነን። ብተወሳኺ ህወሓት ብህዝቢ ትግራይ ዝተመረፀት፣ ብፀላእቲ ካብ መቐለ ተሰጊጏ ብደም ህዝቢ ትግራይ ናብ ቦትኣ ዝተመለሰት ውድብ እያ። ስለዚ ኣብዚ ሐዚ እዋን ንህዝቢ ትግራይ እየ ዝቃለስ ዝብል ኣካል ኩሉ ድሌትን ምርጫን ህዝቢ ትግራይ ናይ ምሕላው ግቡእ ይህልዎ።

ብተወሳኺ ድማ ፤ ኣብ ትግራይ ስልጣን ብመረፃ ጥራሕ ይትሓዝ። ኣብ ኣሜሪካን ኣውሮፓን ዘየለ ዴሞክራሲ ኣብ ትግራይ ኣይክህልውን። ከምዝፍለጥ ሓደ ሓደ ውድባት ናይ ስግግር መንግስቲ ዝብል ሓሳብ ዘልዐሉ እንትኾኑ፣ ከምዘለና መረዳእታ እዚ ሓሳብ ኣብ ህዝብና ብፍፁም ተቐባልነት የብሉን። ህዝቢ ትግራይ ን5 ዓመት ዝመርሖ ውድብ ኣንዳዕዲዑ ብድምፁ መሪፁ እዩ። እዚ ኣይቕበልን ዝብል ወይ ፀላኢ እዩ ወይድማ ናይ ፀላኢ ተልኣኣኺ ጥራሕ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ልዕሊ ማንም በሳል ህዝቢ፣ ዝጠቕሞን ዝጎድኦን ብኣግባቡ ዝፈልጥ ህዝቢ እዩ። ነዚ ህዝቢ እዚ ኣነ እየ ዝፈልጠልኻ ክብሎ ዝኽእል ውድብ ወይድማ ኣካል ክህልው ኣይኽእልን።

ካሊእ ፤ ትግራይ ኣካል ዓለም እያ። ምስ ናይ ካልኦት ናይ ህዝብታት ዓለም ማለት እውን ተሰሪሖም ዝሓለፉን ሐዚ ዝካየዱ ዘለውን ኩናታት ኣነፃፂርና ድማ ኣብ ሓፂር እዋን እቲ ዝበለፀ ቅያ ዝሰርሐ "ሰራዊትን ህዝብን ትግራይ" ምስ መሪሕነቱ እሞ ድማ ብዘይ ናይ ግዳማዊ ሓይልታት ድጋፍ እዩ። ጉብዝናን ስንፍናን መንግስቲ ትግራይ ብጠቐነን ሕሶትን ወይ ብዕውር ድጋፍ እንተይኮነስ ምስ ካልኦት ቃልስታት ብንፅፅርን ብሓቀኛ መርትዖ ክልካዕ ይግባእ። ናይ ኩላትና ዕላማን ተግባርናን ድማ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓፂር እዋን ንክዛዘም፣ ሓራ ዘይወፁ ግዝኣት ትግራይ ሓራ ንክወፁ ሞራል ንሰራዊትናን መንግስትናን ምሃብ፣ ጥሜትን ፋይናንሻል ፀገም ህዝብና ንክፍታሕ እጃምና ምውፃእ፣ ናፅነት ትግራይ ምርግጋፅ ክኸውን ይግባእ። ሓየት ሰራዊት ትግራይ ናይ ቴክኖሎጂ መሳርሒ ፀገም ኣለዎ፣ ንሳ እውን ዝምልከቶ ኣካል ክፈትሓ ቀትርን ለይትን ይሰርሕ ኣሎ ኢልና ንኣምን። እዚ እንትንብል መሓዙት ፈጢርካ ትደልዮም ጉዳያት ንምስራሕን በዓል ሞያታት ንምስልጣን ኣዋርሕ ጊዜታት ይወስድ። ስለዚ ኩሉ ኣብ እዋኑ ክሳብ ዝሳኻዕ ግን ብብልሒ፣ ጥበብን ፅንዓትን ምቅላስ የድሊ።

ኣብ መወዳእታ ብዲፕሎማሲ እንተይኮነስ ተሪር በትሪ ኣብ ልዕሊ ናዚ'ያዊት ኤርትራን የድሊ። ልክዕ ከምቲ ንትግራይ ወሪሩ ዘርኢ ምፅናት ህዝቢ ትግራይ ፈፂሙ ዝተደምሰሰ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፤ ዓምቧኽ፣ ፈራሕን ፅግዕተኛን ሰራዊት ኤርትራ እውን ምድምሳስ ይግባኦ። ናፅነት ትግራይ ድማ ኣብ ልዕሊ መቓብር ስርዓት ህግደፍ ይረጋገፅ።

#NB ፤ እዚ ፅሑፍ ንዝኾነ ይኹን ውድብ ወይድማ ህዝቢ ትግራይ ኣይውክልን፣ ንTTi ጥራሕ ይውክል።

ዓወት ንህዝቢ ትግራይ!

ትግራይ ትስዕር!