INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ብብልሒ ዝተመርሐ ዓቕሊ ፍሪኡ ምቁር እንተኾነ

ብብልሒ ዝተመርሐ ዓቕሊ ፍሪኡ ምቁር እንተኾነ እኳ፤ ሸኽሚ ዓቕሊ ግና ኣዐርዩ ከቢድን መድከምን እዩ! ብፍላይ ድማ ከም ገዛና ንዝበሉ ኣያ ኾነ ዝምክሑሉ ንዘይብሎም ስድራ፤ ምስ ፀቕጢ ፖለቲካዊ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ቅልውላዋት ተኣሳሲሩ፤ ተስፋ ክሳብ እትቖርፅን ስድራ ነንሕድሕድካ ክሳብ ትናቖትን ትናቖርን እዩ ዝገብረካ፡፡

እንትርፊ ባዕልና ንገዛና ርእሳ ክነቕንዓ፤ እገለ ኮነ፣ እዙይ ኣለና እንብሎ እንምክሐሉ ኣያ ዘይብልና ኢና፡፡ ካብ ብጉሓቱ ፈሊጥና ዝሰደርናሉ እውን፤ ግዳማውያን ጓኖት ምስረብሖኦም እምበር ሰብኣውነት ዝብሃል የብሎምን፡፡ ምስረብሖም ሰሚርና ክንኸይድ ድማ፤ ምስኦም ዘቀራርበና ምስ'ቱ ድሩት ዓቕምና ካብ ገዛና ክነቕርቦ እንኽእል ክህልወና ኣለዎ፤ ርክብ ቀራብን ሸማትን እምበር ሰብኣውነት ቦታ ስለዘይብሉ፡:

ኣብ ከይዲ ጀኖሳይድ ትግራይ ብዛ ዓቕምና ፈተውቲ ክነጥሪ ኣብ ኩሉ ዘይርና ዘይኩሕኳሕ ማዕፆታት እንተይተረፈ ኳሕኩሕና ኢና፡፡ ግና ጓኖት ምእንተ ረብሖኦም ይመርፁና ይቀራረቡና እንተኾነ እምበር፤ ፈተውቲ ኮነ ፀላእቲ ገዛና ክንመርፅ ዘኽእለና ዓቕሚ የብልናን፡፡ ፈተውቲ ኮነ ፀላእቲ ገዛና ንሶም መሪፆምና ብዝመፁዎ ኣንፈት ድማ ክነተኣናግዶም ጥራሕ እዩ ናትና ምርጫ!

ክነተኣናግዶም እንተለና ግና፤ ስልታውን ስትራተጂካውን ረብሓታት ገዛና ብዘሰስን ኣተሓሕዛን ኣፈፃፅማን ኣብ ምዃኑ እዩ እቱ ቀንዲ ብልሒ፡፡ ኣብ'ዙ ኣተሓሕዛ ፈተውትን ፀላእትን እንኸደሉ ክያዶ ድማ ዕድል ገዛናን ዕድል ስድራናን ይውስን፡፡

ኣብ'ዙይ እንኸዶ ክያዶ ከም ስድራ መሰስ ኢልና ክንልዓል ይገብረና፤ ወይ ድማ ካብ መረባና ሓሊፉ ውሻጠ ገዛና ረሲሑ በኪቱ፤ መላገፂ ጓኖት ሓለፍቲ መንገዲ ይገብረና፡፡ እዙይ ዝፈጥሮ ጠቐር ድማ ክንገፍ ኣይኮነን ፍሒርካ እውን ዝኸይድ ኣይኸውንን፤ ይምርት ስለዝኾነ፡፡ የመና ካብ ምምራቱ ዝተልዓለ ድማ ኣፍደገ ገዛና እኳ ምልላይ ይኸልአና፤ ኣንፈትና እውን በበይ ከምዝኾነ መቋመቲ የስእነና፡፡

ኣብ'ቱ ዝመረረ ጥንኩር ኩነታት ፅንተት ኮይንና፤ መፃኢ ኣንፈት ገዛና እንትንእምት፤ ዳርጋ ኩልና ስድራ ብሓደ ድምፂ፤ ገዛና ስድራና ሓራ ምውፃእ ኢልና ሰሚርና ኢና ነይርና፡፡ ማንታ ልቢ ኮነ ማንታ መንገዲ ኣይነበረናን፤ ካብ ሜዳ ትግራይ እስካብ ጫፍ ዲያስፖራ ስድራና ብሓደ ልቢ ኣብ ገዛና ሸኺልና ብስምረት ረቢብና ነይርና፡:

ሎሚ ካብ'ቱ ኩሉ ከቢድን መሪርን ፅንተትን ብርሰትን ገና እንተይተናገፍና፤ ናብ ማንታን ሞንጎ ሞንጎን መንገዲታት ወዲቕና፤ ናበይ ከምእነብል ምስማር ኣብዩና፤ ደቂእኖ ዓቕሊ ሰነያን ቅሳነትን ስኢና ንናቖት ኣለና፡፡ ገዛና ኣየፅረና ንሕና ኣይተሳነና፤ መበቆል መሬትና ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ባዕዳውያን ወዲቑ ስድራና ንተወሳኺ ፅንተት ኣሳጢሕና ንዝገደደ ዝኸፍአ ንቋመት ኣለና፡፡

ኣብ ከይዲ መሪር ፅንተት ብሳላ ስድራ ሰሚርና ረቢብና ዘይድፈር ማዕፆታት ኳሕኩሕና ዘጥረናዮም ፈተውቲ፤ ሰኣን ብልሒ ኣተሓሕዛን ሰነያ ውሻጠናን ገፆም ከይመልሱ የስግእ፡፡ ዋላ እኳ ቀደሙ እውን ካብ መበገሲኦም ቀንዲ ውራዮም እታ ዓባይ ቀላይ ከይትፈስስ ከይትነቅፅ ንምድሓን እዩ ነይሩ፡፡ እምበር ንስድራና ከድሕኑ ክንዲ ፍረ ጣፍ እትኸውን ሰብኣውነት ኣይነበሮምን፡፡ ሐዚ እውን እታ ዓባይ ቀላይ ትነቅፅ ስለዘላ፤ ንኣኣ ከድሕኑ እዮም ኣሜሪካ ተበግሶ ወደሲዶም ኣውሮፓ ዝስዕቡዎም ዘለዉ፡፡

ስለምንታይ ሐዚ ንዙ ጀኖሳይደር ክተድሕኑዎ ተላዒልኩም? ንዝብል ሕቶ ዝህቡና ዘለዉ ምላሽ፤ «…ንመንግስቲ እዙ ገበነኛ ኵናት ክነድሕን እንተይኮነስ፤ ንዛ እትፈርስ ዘላ ዓባይ ቀላይ ክነድሕን፤ ምእንተ ሰላምን ምርግጋእን ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪካን ቀይሕ ባሕርን እዩ…» ይብሉ ኣለዉ፡፡

ኣዕሚቖም እንትገልፁዎ እውን፤ «…እዙ ውሳነ ኣሜሪካ ልዕሊ ኩሉ ንቱ ብኵናት ሰንሰን ኢሉ በሪሱ ዘሎ ህዝቢ ትግራይን ትግራይን እዩ ዘርብሕ፡፡ እዙ ገበነኛ እንተኾነ እታ ቀላይ መሊኣ እንተነቐፀት እውን ኣይግዱን፤ እንታይከ ተሪፉዋ፡፡ እዙ ማዕቐባት ቀፂሉ ብዙ ሐዚ ትኸዶ ዘላ ኣካይዳ ፀድፊ ቐፂላ ናብ ዝገደደ ቅልውላው እንተወዲቓ ድማ፤ ባዕልና ተሓተቲ ንኸውን፣ ልዕሊ ኩሉ ህዝቢ እቱ ኸባቢ ዝጉዳእ ድማ እቱ ኣብ ከቢድ ጥንኩር ኩነታት ዘሎ ህዝቢ ትግራይ እዩ፡፡ ብኣውርኡ ንቱ ህልው ኩነታት እዙ ዞባ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ምስ'ቱ ኣብ ሱዳን ዘሎ ኩነታት ተኣሳሲሩ እዛ ዓባይ ቀላይ እውን እንተፈሪሳ፤ ካብ'ቱ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪካን ቀይሕ ባሕርን ሓሊፉ ክሳብ ኣውሮፓ እንታይ ዓይነት ቅልውላው ክፈጥር ከምዝኽእል ኣብ ግምት ብምእታዉ እዩ፤ ናብ'ዙ ውሳነ ተበፂሑ…» ይብሉ ኣለዉ፡፡

ትንታነኦም ሓቅኹም ዘብል ኣለዎ፤ ምኽንያቱ ድማ እዛ ዓባይ ቀላይ ብዙ ሐዚ እትኸዶ ዘላ ናህሪ እንተፈሪሳ፤ ምስ'ቱ ዘለናሉ ዝኸፍአ ኩለመዳያዊ ኩነታትን ፅግእተኛ እዛ ሃገር ምዃንን ተኣሳሲሩ፤ ልዕሊ ኩሉ ንትግራይ እዩ ዝጎድእ፡፡ ኮይኑ ግና ቀዳምነት ምእንተ ኣብ'ዙ ከባቢ ዘለዎም ረብሓ እምበር «ሓሊናልኩም እዩ» ዝብሉዎ ሸፍጢ እዩ፡፡

ቅድሚ ዓሚ እቱ ቀንዲ ምፅናት ዘርኢ ኣብ ልዕሊ ሚልየናት ኣዐርዩ ብዘስካሕክሕ መልክኡ እንትወርድ እኳ፤ ሓልዮቶም ኣይረአናን፡፡ ሽዑ እውን ንጀኖሳይደር እናጠበሩ፤ «…ብጥንቃቐ ንሓዞ እምበር … እዛ ናይ ልዕሊ ሚኢቲ ሚልየን ሃገር ከይትፈርስ እሞ፤ ካብ'ዙ ዞባ ኣትሒዙ ክሳብ ኣውሮፓን ኤሽያን ቅልውላው ከይትፈጥረልና፣ መስመር ባሕሪ ሜዲትራንያን-ቀይሕ ባሕሪ-ውቕያኖስ ህንዲ ብቅልውላው ብዝጭጭሑ ጉጅለታት ራዕዲ ዓብለቕለቕ ከይብል…» እዮም ዝበሉና፡፡ እቱ ኩነታት ኣዐርዩ እናመረረ ምስከደ፤ ዲያስፖራ ትግራይ ብዘካየዶ መሪር ተጋድሎን ዓለምለኸ ሚዲያታት እውን ብዕምቆት ከቃልዑዎ ምስጀመሩን እዩ፤ ካብ concerned ሰጊሮም ንኣጎዋ ሓዊሱ ወሰንቲ ዝኾና ማዕቐብ ዓለምለኸ ፋይናንስ ዘንበሩሉ፡፡

ስለ'ዙይ ትግራይ ዓደይ፤ ግድን ብህድኣት ብስኒት ክንእምት እሂን ምሂን ክንብል ኣለና! ብፍላይ ኣብ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ውዳበ ዘለኹም ፖለቲካዊ ልሂቃን ትግራይ፤ ካብ ኣነነትን እምባይ እምባኻን ካብ ዝብል ኣብ ገዛናን ስድራናን ዘይሸኸለ ድሕረት ንነብስኹም ኣናጊፍኩም፤ ገዚፍ ወፍሪ ፅሬት ገዛና ክነካይድን ኣፍደገና ኣፅሪና ኣንፈትና ክነግህድን፤ መማረፂ እንተይኮነስ እንኮ መፍትሒ ገዛናን ስድራናን ስለዝኾነ!

ልዕሊ ኩሉ ዓቕምና ንፍለጥ፤ ምእንተ መፃኢና እቱ ቀንዲ ክንፈልጦን ብውነ ክንስድረሉን ዝግብአና ንሱ ስለዝኾነ! … ከም ህዝቢ ትግራይ ዓቐንን ኩነታትን ዓቕምና ምፍላጥ፤ ምስ ድሌት ዓለማዊ ፖለቲካን ኣብ ረብሓኻ ዝተደረኸ ሸርሕን ተኣሳሲርና ክንኸይድን፤ ብዓቐን ዓቕምናን ዘለናነሉ ኩነታትን ቅደም ስዓብ ኣካይዳና ክነነፅርን ስለዝሕግዘና! ንዙ ዓቕምና እዙይ ኣነፂርና እንተፈሊጥና እዩ፤ ምስ መን ግዳማዊ ሓይሊ ብኸመይ ተኣሳሲርና ስልታውን ስትራተጂካውን ረብሓታት ህዝቢ ትግራይን ትግራይን ኣረጋጊፅና ኣካይዳ ቆቓሕ ክንስድር እንኽእል!
ቴሌግራም: https://t.me/+HdnQzJcDXXJlMzBh