INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ብኻራ የለን ፀወታ በለት ደርሆ" ይብሉ ወለደና

ብኻራ የለን ፀወታ በለት ደርሆ" ይብሉ ወለደና
============================

ኣለኹም ዶ ብፆት ወዲ ኣሸብር መን እዩ ?
***************////**************

ወዲ ኣሸብር ኣብታ ከም እኒ በዓል ኣዳነ ገብሩ (በረኸት)፣ ይግዛው ረታ (ወዲ ረታ) ዝበሉ ጀጋኑ ዝተደበዩላ። እኒ ሃይለየሱስ (ዳምቡሽ)፣ ኣብርሃ ወ/ማርያም (ኳርተር)፣ ገረንቸአል (ወዲ ሸውዓተ)፣ ይትባርኽ ተኹሉ (ዕዳጋ፣ ዓርቢ) ገብሩ ዋሲህን ወዘተ... ዝበሉ ጀጋኑ ዘበጀወት።

ክሳብ ሎሚ እውን ብሂወት ዝቃለሱ ዘለው እኒ በዓል ሃይለስላሰ ግርማይ (ወዲ እምበይተይ)፣ ወ/ጀወረግስ ተኽላይ (ሸሪፎ) ወዘተ ዝበሉ ጀጋኑ ዘፍረየት ወረዳ እንዳባፃሕማ ኣብ ጣብያ ማእኸላዊ ቁሸት ዓቀብ ፃዕዳ መንደር ኣፍድጉም ተወሊዱ ዝዓበየ በሊሕ መስተውዓላይ ተምሃራይ እዩ።

ተክለሃይማኖት ኣሸብር ገብራይ ብዝብል እናተፀወዐ ዝዓበየ ጎበዝ ተምሃራይ እዩ።

ወዲ አሸብር ካብቶም ወፅዓ ህዝቦም ቀልጢፉ ዝተረደኦም በላሕቲ ተምሃሮ ሓደ ስለ ዝነበረ ገና ኣብ ዕሸል ለግለግ ዕድሚኡ 9ይ-10ይ ክፍሊ ትምህርቱ ኣቋሪፁ ብ1971 ዓ/ም ምስ እኒ ኣብርሃ ኳርተር ናብ መይዳ ወረዱ ክሳብ ሐዚ ብጅግንነት እናተቃለሰ ዝርከብ ውፉይ ወዲ ህዝቢ እዩ።

ወዲ ኣሽብር ምስ ኣብርሃ ኳርተር ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ዝተጋደሉ ጀጋኑ ኮይኖም ተመሳሳሊ ባህርያት እውን ነይርዎም።

ኣብ ፅንኩር ኩነታት ከም እሙን ብዕራይ ሰነ ገባር ብማንን ፀጋምን እናጋላበጥካ ዝሕረስ ንሳቶም እውን ኣበቲ ቃልሲ ሓንሳ ኮሚሳራት ፖለቲካዊ መረሕቲ ሰራዊት ኮይኖም ኣብ ህንፀትን ምልዕዓልን ምወዳብን ሰራዊት እናተዋፈሩ እትሰርሑ።

ሓንሳብ ድማ ወታሃደራዊ መራሕቲ ኮማንደራት ኮይኖም ስልበናውን ኣካላውን ብቅዓት ሰራዊቶም ብምጠንኻር ድኹምን ብርቱዕን ጎኒታት ፀላኢ ብምፅናዕ ምስ መሬት ኣናቢቦም ውግእ መሪሖም ዘዕውቱ እዮም።

ወዲ ኣሸብር ኣብ ምግዳል ብሓደ ዓመት ዝቅድመኒ ኮይኑ ኣነ ተጋዲለ ናብ ሰራዊት ምስ ተሓወሰኩ ኣብ ሳሞራ የኑስ ዝመርሓ ኣሃዱ ስለ ዝረኸብኩዎ ንዊሕ ግዘ ብሓደ ፀኒሕና ኢና።

ብፍላይ ህዝቢ ኤርትራ ንምሕጋዝን ንናይ ሓባር ፀለኢ ምድኻምን ዓሊሙ ናብ ግንባር ናቅፋ ካብ ዝተዋፈረናሉ እዋን 1974 ዓ/ም ኣብ ምፍሻል ዘመቻ ቀይሕ ኮኾብ (6ይ ወራር) ጀሚሩ ክሳብ ከቢድ መውጋእቲ ገጢሙኒ 1978 ዓ/ም ካብ ሰራዊት ዝፍለ ኣብ ዝተፈላለዩ ፅንኩራት ውግኣት ሓባር ሓሊፍና ኢና።

ካብቶም ዝዝክሮም ዝተወሰኑ ንምጥቃስ ኣብ ግምባር ናቅፋ ዝተካየደ ደማዊ ኩናት ኣብ ብርጌድ 43፣ ቦጦሎኒ 45፣ ሓይሊ 92 ንሱ መራሒ ሓይሊ ኣነ መራሒ ጋንታ እናሃለኹ ዝህቦ ዝነበረ ብቁዕ ወታሃደራዊ ኣመራርሓን ፅንዓትን ጅግንነትን ኩሉሻብ ዘይርሳዕኒ እዩ።

ብ1975 ዓ/ም ኣብ ትግራይ ኣንፃር መጠነ ሰፊሕ 7ይ ወራርን ደርጊ ዝተኻየደ ህልኽካ ዘውድኡ ውገኣት እውን ብፉሉይ ፅንዓት ጅገንነትን መሪሑ ዘዋገአ ዝተዋገአን ጅግና እዩ።

ከምኡ እውን ኣብ ረጅን ሰለሰተ (ክልል ዓፋርን ራያን) ዝካየዱ ዝነበሩ ዕረፍቲ ዘይነበሮም ውግኣትን ኣብ ምፍሻል 8ይ ወራር ዝህቦም ዝነበረ ልበ መሉኡ ብቁዕ ኣመራርሓ ከይጠቀስክዎ ክሐልፍ ኣይከኣልን።

ኣብ ሰማንያታት ብዝተገበረ ምምዕርራይ ድማ ወዲ ኣሸብር ላዕለዋይ ወታሃደራዊ ስትራተጂ መራሒ ኮይኑ ከም እኒ ክፍለ ሰራዊት የካቲትን ከልኦትን መሪሑ መስተንክራዊ ዓወታት ሓፊሱ ኣብ ምድምሳስ ስርዓት ደርጊ ታሪኻዊ ጅግንነት ዝሰርሐ ፅኑዕ ሰብ እዩ።

ወዲ ኣሸብር ትኩር፣ በሊሕ፣ ወታሃደራውን ፖለቲካውን መራሒ ሰለ ዝኾነ ኣብ ዝኸፈአ ኩነታት ተዋፊሩ ብዓርሰ እምነት መደባቱ ኣዕዊቱ ዝምለስ ናይ ዘመኑ ጅግና ትግራዋይ መራሒ እዩ።

ትዕቢተኛ ሸዓብያ ብትዕቢት ንኢትዮጵያ ኣብ ዝወረረሉ እዋን እውን ምስ ብፆቱ ተሰሊፉ ንሰራዊ ሸዓብያ ደራዒሙ የሻል ክብል ካብ ዝገበሩ ሓደ ጅግና መራሒ እዩ።

ድሕሪ ፍሽለት ወራር ሸዓብያ ሰላም ኮይኑ ኣብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብሳሞራ የኑስ እናተመርሐ ዝተረኣ ጨብረቅረቅን ንዘይግበኦም ሰባት ዘይዓቅሞም መዓርግ ምሽካምን ንተጋሩ ምግላልን ዝተዓዘበ ወዲ ኣሸብር እቲ ወታሃደራዊ ስልጣንን መዓርጋትን ንሙሩኽ ባጫ ደበሌን ትምክሕተኛ ኣበባው ታደሰን ይግፈሐልኩም ኢሉ ራሕሪሕሎም ወፂኡ እዩ።

ወዲ ኣሸብር ካብ 1995 ዓ/ም ጀሚሩ ውልቁ ናብራ ምምራሕ ጀሚሩ። ትምህርቱ እውን ዝቀፀለ እንትኾን ኣብ ፅቡቅ መነባብሮ ካብ ዝበፅሑ ትግራዎት ሓደ እዩ።

ድሕሪ ካብ ሰራዊት ምስንባቱ ንሓንቲ መዓልቲ እውን ትኹን ካብ ህዝቡን ብፆቱን ድሕር ከይበለ ውልቀ ሰሚዕት ከየሕደረ ኣነፃር ኩሎም ፀረ ህዝቢ ትግራይ ዝኾኑ ድሕረታት ብትረት እናተቃለሰ ዝፀንሐ ጅግና ሓፁር ህዝቢ ትግራይ እዩ።

ወዲ ኣሸብር ካብ ወታሃደራዊ ዓለም ን18 ዓመት ተፈልዩ ድሕሪ ምፅናሕ 2013 ዓ/ም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ልፍንታዊ ናይ ፅንተት ወራር ንምምካት ብህዝብን መንግስትን ትግራይ ዝቀረበሉ ፃዊዒት ኩሉ ይትረፍ ኢሉ ቀዳማይ ተቀባሊ እቲ ፃዊዒት ኮይኑ ዝተሰለፈ መራሒ እዩ።

ወዲ ኣሸብር መጀመርያ ኣብ 2013 ዓ/ም ዝተኻየዱ ናይ ምክልኻል ውግኣት ኣብ ደቡባዊ ግምባር ተመዲቡ ነቲ ብትምከሕተኛ ዮውሃንሰ መንጋግ እናተመርሐ ዝመፀአ ፈሽሽታዊ ሓይሊ ብቡሱል ኣመራርሓ ደኻዕኻዕ ኣቢሉ ዓለሽ ኢሉ ክሓልፍ ኣይከእልን ክብል ዝገበረ ጅግና መራሒ እቲ ግምባር ከም ዝነበረ ኩሉ ዝፈልጦ ናይ ክልተ ዓመት ተዘክሮ እዩ።

ኩነታት ተቀይሩ ኣንሳሕብ ምስተብሃለ እውን እዚ ናይ ደቡብ ግምባር እዚ ድሓር ኣርሚ ኣርባዕተ እናተብሃለ ዝፅዋዕ ሰራዊት እናመርሐ ኣብ ማእኸላይ ትግራይ እንትንቀሳቀስ ድማ አጋጣሚ ኣብቲ ከባቢ ስለ ዝነበርኩ ዋላ እኳ ከም ዕድል ኮይኑ ከምቲ ቀደም ምስኡ እንተዘይተራመድኩ ስርሒታቱ ግን ብቀረባ ይካታተሎ ነይረ እየ።

ኣብቲ እዋን ወዲ ኣሸብር ካብ ዝሰርሖም ታምራዊ ናይ ጅግንነት ስራሕቲ ዝተወሰኑ ንምግላፅ ታሕሳስ ዕለት 19/2013 ዓ/ም ካብ ጎንደር ሃኒኑ ዝመፀአ መካናዚድ ብርጌድ ኣብ ከባቢ ዕዳጋ ዓርቢ በዘይሰዳዲ ወረ መሪሑ ዝደመሰሰሉ ፍሉይ ስርሒት ነይሩ።

ከምኡ እውን ካብ ጥሪ ዕለት 3/2013-ዕለት 7/05/2013 ዓ/ም ኣብ ፈላፍል (ምፍልላይ) ኣንፃር ወረርቲ ዝተገበረ ደማዊ ውግእ ብዝሃቦ ብቁዕ ወታሃደራዊ ኣመራርሓ ብዙሕ ወራሪ ሓይሊ ተሐምሹ 'ዩ።

ካብ ዕለት 28/05/2013 -30/05/2013 ዓ/ም ኣብ ማእኸል ሰግለ ዘጋጠመ ክባ ምስ ክፍለ ጦራት ፓራ ኮማንዶ ሸዓብያ ዝተገበረ ውግእ ብዝሃቦ ብቁዕ ወታሃደራዊ ኣመራርሐን ጥበብን ክዝፍዘፉ ገይሩ እዩ እዚ ብቀረባ ዝተዓዘብኩዎ ጅገንነታቱ እዩ።

ድሐር እቲ ናይ መወዳእታ ክባ ፀላእቲ ኣብ ደቡባዊ ግምባር አውን ኣብ ወርቂ ዲኖ ምስ ዕሱብ ሰራዊት ሸዓብያ ዝተኻየደ ኢድ ብኢድ ውግእ ብተኣምራዊ ፅንዓት ንራዊት ሸዓብያ ተሰፋ ዘቁረፀ መተነክራዊ ሰርሒት ወታሃደራዊ ኣመርሓን ጥብበን ጅግንነት ወዲ አሸብር ጎሊሁ ዝተረተመስከረሉ እዋን እዩ።

ድሓር ልዕልነት ወያናይ ሓይሊ ተረጋጊፁ ብተበግሶ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ዝተኻየዱ ውግኣት እውን ከም አኒ ወፍሪ ኣዶትት ወፍሪ ፀሓይ ብራቅ ዝበሉ ስርሒታት ወዲ ኣሸብር በቶም አፀገምቲ ቦታት ዓፋር ተሰሊፉ ከም እኒ ዞብል፣ ኦባ፣ ሐራን፣ ዝበሉ ኣፀገምቲ ቦታት ሓሊፉ እኒ ጨፍራ፣ ባቲ፣ ካሳጊታ ዝበሉ ወሰንቲ ቦታት ኣብ ምቁፅፃር መሪሕነትን ጥብብ መስተውዓላይነቱን ልዑል ነይሩ።

ኣብ ነሐሰ 2014 ዓ/ም ምጅማር 2015 ዓ/ም ሐደ ተጋዳላይ ንሽሕ ዕሱብ ወታሃደር ብዝኾነ ረሾ ዝተኻየዱ ውገኣት እውን ወዲ ኣሸብር ኣብ ብዙሓት ግምባራት ተሳቲፉ ዓወታት ኣመዝጊቡ እዩ።

ብፍሉይ እቲ ንሱ ክመርሖ ዝተሰለፈሉ ሰሜናዊ ምብራቅ ግምባር ዝተብሃለ ድማ ተደጋጋሚ ሰራዊት ሸዓብያ ሰይሩ ክሓልፍ ዝመኮሮም መጥቃዕትታት ዴስኣ፣ ዛላምበሳ ኣብዓላ ሕፍረት እናተኸደኑ ክምለሱን ብኣማኢት ከማረኹን ብቁዕ ወታሃደራዊ ኣመራርሓ ሳይንስን ጥበብን ጅግንነትን ወዲ ኣሸብር ዝተመዘነሉ ነይሩ።

እምበኣር ከስ ወዲ ኣሸብርን ካልኦት ወተሃደራዊ መራሕትን ሰራዊት ትግራይ ንህዝቢ ትግራይ ካብ ማንም ፖለቲካዊ ውድብ ንላዕሊ ዝተበጀውን ንረብሓ ህዝቢ ትግራይ ዝፃረር ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ዘይቀበሉ መራሕቲ ህዝባዊ ሓይሊ እዮም።

ሰለዚ ኣብ ልዕሊ እዚኦም ዝግበር ወፍሪ ዘመተን ፀለመን ከም ደጎል ህዝቢ ትግራይ ኣፍሪስካ ንበላዒ ምሃብ እዩ ዝቁፀር። ንፁኑዕ ሓፁር ህዝቢ ትግራይ ከፍርስ ዝመፀአ ሓይሊ እማ "ዋ" "ዋ" ዓገብ ንበሎም በሃሊ እየ።

#በካራ የለን ፀወታ በለት ደርሆ" ዘበለኒ እውን እዚ እዩ።

እዚ ሕሉፍ ታሪኽን ሎምን ወዲ ኣሸብር ጥረ ሓቂ እዩ ዝቀነሰኩዎ እምበር ዝወሰክዎ የለን። ብዝበለፀ ሓቅነቱ መረጋገፂ ተወሳኺ መረዳእታ (reference) እንተደሊኹም ?

ካብ ናይቲ ቀደም ወዮ ሎሚ ደኣ መልሓሶም ጨጉሪ ኣውቂላ ሓቂ ምውፃእ ከይኣብያ እምበአር፣

1. ሳሞራ የኑስ
2. ዮውሃንስ መንጋግ አዝዮም ስለ ዝፈልጡዎ።

ካብ ቀደም ክሳብ ናይ ሎሚ ዘረጋግፁልኩም ድማ፣
1. ተጋ. ፃድቃን ገ/ትንሳኤ
2. ተጋ. ታደሰ ወረደ
3. ተጋ. ኣበበ ተክለሃይማኖት (ጆቤ) እዮም።

እዚኦም ኮስኪሶም ሲሒሎም ዘዕበዩዎን ፍርያቶም ዝርእዩ ዘለው እዮም። ዝተረፉ ኩሎም መሳርሕቱን ኣዕርኽቱን ከምኡ እውን ኩሎም ኣባላት ኣርሚ 4ተ ሰራዊት ትግራይ ዘረጋግፅዎ ሓቂ እዩ።

#እዚ ሓቃዊ ምስክርነት ብተጋ. ተክለሚካኤል ሃይሉ (ቀሺ ሓጎስ) ዝቀረበ እዩ።

ኩሉኹም ናይ ፌስ ቡክ ኣዕርኽተይ ሼር ብምግባር ናብ ኩሉ ክበፅሕ ተሓባበሩኒ ናብ ባዕሉ እውን ትብፃሕ ጌጋ እንተገሊፀ ንክእርመኒ።

#ሼር ከይተውሕዱ ተሓባበሩኒ፣

መዐገሲ እንተኾነት ነቶም ዘሕሩርኒ፣

#ሓቂ ድርጉሕ ኣቢለ ድቃስ ክወስደኒ።