INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ብሕልመይ ድዩ ብውነይ?

ሓውና ቢኒያም ምስ ኢትዮ 360 አብ ዝነበሮ ፃንሒት ዝሃቦ መግለፂ ሚዛኑ ዝሰሓተን አብዝሓለፉ ኽልተ ዓመታት ክጥጥዕ ጀሚሩ ዝነበረ ትግራዋይነት ብአሉታ ዝፀሉን ይመስል።

ህዝቢ ትግራይ አብዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ዝወረዶ ጆኖሳይድ/ፅንተት/ በታሪኻዊ ፀላእቱ ተሓሲቡሉ ዝተፈፀመ ምኻኑ እናተፈለጠ መበገሲኡ ናይ "ተጋሩ መራሕቲ ስምዒት እዩ " ፤ "ንቅሓት ስለዝጎደለ እዩ"፤ "ዓቅሚ ስለዘይነበረ እዩ " ወዘተ እናበልካ እቲ ወንጀል ናብ ክሳድካ ምጥምጣም ሕልሚ ዶ ጋህዲ?

ፈላስፋ ምምሳል፤ ፍሉይ ሓሳብ ምምፃእ፤ ሎሚ እየ ዓርሰይ ፈሊጠ፤ ቅድሚ 4 ዓመታት ቆልዓ ነይረ ፤ ወዘተ ምባል ፀገም የብሉን። ፍሉያትን ሓደሽትን ሓሳባት ምምፃእውን ሎሚ ዝተጀመረ አይኮነን፤ መድረኻት እንትቀያየር፤ ከባቢያዊን ዓለም-ለኻዊን ለውጥታት እንትመፁ ሕብረተሰብ ይቅበሎም ወይ ይነፅጎም እምበር ለጢ በባህሪዩ ጠጠው ኢሉ አይፈልጥን፤ እቲ ለውጢ ንቅድሚትዶ ? ንድሕሪት? እዩ እቱ ሕቶ፡ ለውጢ እንተኾይኑሞ አብ ኢትዮጵያውን ብአብይ አሕመድ ዝምራሕ ሽማዊ "ናይ ምድማር" ለውጢውን እኮ ለውጢ እዩ። አብ ዓለምና ናይ አኽሱማዊያን ስልጣነ ጥራሕ አይኮነን ቅሂሙ፤ ሮማዊያን እንትንዝክር ሎሚ ዘላ ጣሊያን፤ ፀሓይ ዘያዓርባ እትበሃል ዝነበረት ዓባይ ብሪጣኒያ እንትዝክር ናይ ሎሚ ካብ ሕብረት አውሮፓ ምውፃእ ዝኸበዳ ዓዲ እንግሊዝ ፤ ፈርኦን እናሓሰብካ ናይ ሎሚ ዓረብ ስፕሪንግ ዝተአናገደት ግብፂ ፤ ዓዲ ፈላስፋታት እትበሃል ሃገር አብ ምፅዋት ምዕራባዊያን እንትወድቅ ግሪኽ ወዘተ ናይ ምውዳቅን ምትሳእን ታሪኻት ኢና ንዕዘብ።

ብአንፃሩ ወዲቅካ ምትሳእ ይከአል እዩ ኢልካ ክትሓስብ ዝገብሩ ቀፀልቲ ስርዓታትን ሓደሽቲ ሃገራትን ህዝብታትንውን አለው ፤ ህዝበን ቀሊበን አብ ዓለም ሓያላት ዝኾና ሃገራት አለዋ፤ ከምዚ ንህዝብና ገጢምዎ ዘሎ ሓደጋ ወሪድወን ዝተልዓላ ከምኒ እስራኤል ዝበላ ሃገራትውን ንርኢ፤ ኮታስ ድሕሪ ቀዳማይ ኹናት ዓለም 9 ሃገራት ነፃነትን እንትእውጃ፤ ድሕሪ ካልአይ ዓለም ኹናት ጥራሕ 51 ሓደሽቲ ሃገራት ተፈጢረን እየን። ስለዚ ለውጢ ጠጠው ኢሉ አይፈልጥን፤ ለሚ ሓዱሽ ሓሳብ ዝብሃል ሓሳብ ንፅባሕ አረጊት እዩ ዝኸውን።

ህዝቢ ትግራይውን ከም ዓለሙ ብዙሕ ላዕልን ታሕትን ገጢምዎ፤ ሎሚውን ይገጥሞ አሎ፤ እቲ ካልኦት ታሪኻት ገዲፍካ፤ ድሕሪ እዛ ናይ ክልተ ዓመታት መሪር ኹናትን ዕፅዋን ናብ ሰላማዊ ቃልሲ አብ ዘሰጋግር መድረኽ እዩ ዘሎ፡ እቲ ጋህዲ ፤ ህዝብና ሙሉእ ሰላም አይረኸበን፤ ናብ ንቡርውን አይተመለሰን፤ የግዳስ ነታ ኹናት ምቅፃል ንሃላዋት ህዝቢ ትግራይ ፈታኒት ብምኻና ዝኽፈል ከፊልካ በሰላማዊ መንገዲ ምፍታን ይሓይሽ፤ ናይ ኹናት መወዳእታውን ሰላም ስለዝኾነ ዝብል አመኽንዮ ምስ ጎደልኡ ቅቡል እዩ። አብ ጉዳይ ትግራይ ፍሉይ ዝገብሮ ግና በዝሒ ፃላእቲን ዘራያትን ጥራሕ ተይኮነስ ሕብረተሰብ ዓለምውን ስለተፀመመና እዩ፤ ዓለም ካብዛ ዝገበራ ንላዕሊ እንታይ ክገብር ነይርዎ ዝብል ሕቶ ንምምላስ እካ ኸቢድ እንተኾነ፤ ሓገራዊ ቁመና ዝነበራ ዓለም ዝሓገዛ ዩክሬንውን ክሳዕ ሕዚ ሰላም አይረኸበትን፤ ቅድሚ ትግራይ አብ ኹናት ዝአተዋ/ዝጀመራ ሶሪያ ትኹን የመን፤ አፍጋኒኒስታን ትኹን ሊቢያ ሙሉእ ዝበሃል ሰላም አይረኸባን። ስለዚ ዋጋ ሰላምውን ኽባር እዩ፡ ሎሚ ተፈራሪምካ ብፅባሒቱ ዝውዳእ አይኮነን፤ አብ ከምዚ ዝመሰለ ወሳኒ መድረኽ ወሳኒ ሓድነትን ናይ ሓሳብ ንፅረትን የድሊ። ሓዱሽ ሓሳብ ዝመፅእን ቅቡልነት ዝረክብን እንተኾይኑ ድማ አብቲ ነባር ወይ አረጊት አተሓሳስባ እኹል ገምጋምን ርድኢትን እንትህሉ ጥራሕ እዩ፡፡

ናብቲ ዘበገሰኒ ጋህድን ሕልሚን ክምለስሞ፤

እቲ ጋህዲ ፡ ብሓደ ገፅ ህዝቢ ትግራይ ሃላዋቱ ገና አይተረጋገፀን፤ ዕፅዋ ሙሉእ ብሙሉእ አይተኸፈተን፤ ወረርቲ ገና አይወፁን፤ ሞትን ጥቅዓትን ህዝቢ ይቅፅል አሎ፤ ብኻሊእ መዳይ እቲ ናይ ሰላም ውዕል ተግባራዊ ዝኾነሉ ጅማሮታት አሎ፤ ውግእ ጠጠው ኢሉ፤ ውሱን ሰብአዊ ሓገዝን ማሕበራዊ ግልጋሎትን ጀሚሩ አሎ፤ መዓልታዊ ናይ ህይወት መስዋእትነት ቀኒሱ አሎ፤ ካብዝነበረ ሙሉእ ፀልማት ናብ ተስፋን ስግአትን ተመሓይሹ አሎ፤ እዚ በመሰረቱ ብኸቢድ ቃልሲን መስዋእትን ዝተረኸበ እዩ እምበር ካብ ፀላእቲ ዝወረደ ውህብቶ አይኮነን።

ስለዚ ህዝብና አብ ውሽጢ ይኹን አብደገ ክገብሮ ዝግባእ ዝነበረ ነተን ዝተጀመራ እናዓቀበ ነተን ዝጎደላ ክምልአ ናብ ዝምልከቶ ኩሉ ከስምዕን አብ እዋን መኸተ ዘርአዮ ናይ ቃልሲ ሓድነት ብዝያዳ ከቅፅለሉን እዩ እቲ ትፅቢት ዝግበር ነይሩ።

እቲ ዘይተፈትሐ ሕልሚ

ዝተወሰኑ ምሁራትን ነጠፍትን ተጋሩ አብ ሚዲያ ወፂዖም ቀዳማይ ፀላኢና መንግስትና እዩ ፤ ነዚኹሉ ዘብፅሐልና እቲ መንግስቲ ዝመርሕ ዘሎ ውድብ እዩ፤ ነዚ መንግስቲ ዝገብሮ ፃውዓኢት ምላሽ ከይትህቡ፤ ሓገዝውን ብውልቅኹም እምበር ብዝነበረ ውዳበታት ከይትቅፅሉ፤ አብዚ ናይ ሰላም ወዕል መሰጋገሪ መንግስቲ ይበሃል ስለዘሎ ነቲ ዝፈረመ ውድብ ደብሪና ናይባዕልና ንግበር፤ ወዘተ ዝብሉ ምልዕዓላትን አብ ውሽጥን ዳያስፖራን ዲስኩራትን አብ ሚዲያ ይኹን አብ ትዊት ለይትን ቀትርን ይዝረብ አሎ። እስኪ እዘን ዝስዕባ ሕቶታት ብምምላስ አቢልኩም ሕልመይ ፍትሑለይ?

1. ቀዳማይ ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ ባዕሉ ዝመረፆ ውድብ እዩ ንዝብሉ ሐደ ዝይተፈትሐ ሕልሚ አሎ፤ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ (ብልፅግና፤ ሻዕብያን መራሕቲ አምሓራን) ናይ ዘርኢ ምፅናት ኹናት ጀማሪኡ ሕወሓት ሰሜን እዝ ስለዝወቅዐ እዩ ስለዚ ነዚ ውድብ ኢልና ኢና ሕጊ ምኽባር ስጉምቲ ወሲድና ዝብል ተቀቢለምዎ ማለት ድዩ? ወይስ ናይ ፀላእቲ ኽሲ መሰኻኽር ኢዮም ዝኾኑ ዘለው?

2. ብልፅግና ህዝቢ ትግራይ ዘካዮዶ መረፃ አይቅበሎን ኢሉ፤ እቲ መንግስቲ ክመርሕ ዝተመረፀ ውድብ መንግስቲ ኾይኑ እናመርሐ እናሃለው፤ መንግስቲና ይመለስ ኢሉ ዝቃለስ ዝነብረ ህዝቢ ተጋግዩ ማለት ድዩ? ምእንተ ሰላም "ህወሓት እየ ኢልኩም ፈርሙ" ዝተብሃሉ ልኡኻት መንግስቲ ጠንጠነልና ኢሎም ክምለሱ እሞ እቲ ኹናት ክቅፅል ነይርዎ ማለት ድዩ? ሰላም ስለተፈረመ ህዝቢ ትግራይ ናይ ምምራፅ መሰሉ ተሓዲጉ ማለት ድዩ? ናይ ህወሓት ጉዳይ እንተኾይኑ ድአ ንምንታይ TDF ዕጥቂ የውርድ አሎ?

3. ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ በመደብ ካብዝንቀሳቀስሉ ሓደ ክፋል ናይ ስነልቡና ኹናት እዩ፤ ነቲ ናይ ሰላም ጉዕዞ አዛቢዕካ ብምቅራብ አብ መንጎ ተጋሩ አፈላላይ ብምፍጣር አቢልካ ህዝቢ ዝረኸቦ ዓወት "ኸሲረ" ኢሉ ክሓስብን ተስፋ ክቆርፅን ምግባር እዩ፤ ሎሚ ናይ ቀትርን ለይትን ውራይና እንታይ ክኸውን ነይሩዎ? ንምንታይ ድአ አብ ዓለም ተወዳዳሪ ዘይብሉ ታሪኽ ሰሪሕና ንብል አለና? ጀመርቱን መበላሽውትን መራሕቲ እንተኾይኖም እቲ ቃልሲ ብዕሙትና አካይድናዮ ማለት ድዩ?

4. ትማሊ ብአመራርሓ ሊሂቃንን ነጠፍትን አምሓራ ብሽም ለውጢ አሸሓት ተጋሩ ካብ ዓዲ አምሓራ ናብ ሱዳን እንትባረሩ፤ እንትቅተሉ፤ እንትውረሩ፤ መንገዲ እንተዕፆ፤ ሬሳታት ተምሃሮ ተጋሩ እንትልዓኽ፤ ካብ ቤተመንግስቲ ክሳዕ ተቃወምቲ " ታሪኽ ተጋሩ ካብ አእምሮ ደቂ ሰባት ክስረዝ" ወዘተ ኢሎም ሎሚውን ብሰራዊቶም አቢሎም አብ ህዝብና ጆኖሳይድ ይፍፅሙ አለው። አብዛ ሰላምውን ምስ ስርዓት ኢሳያስ ወጊኖም ህዝብና አብ ምፅናት አለው፤ ናይዚኦም መጋባእያ ዝኾነ ኢትዮ 360 ከመይ ከተዓሻሽወና ወይ ማኖ ከንከአና ይፍትን አሎ? አብ ትግራይ ዝተፈፀመ ጆኖሳይድ ምስ አብ አምሓራን ዓፋርን ዘጋጠመ ናይ እግረመንገዲ ሓደጋ (collateral damage) ምስ ናይ ትግራይ Genocide ከመይ ገይሩ ብሓደ ይስራዕ?

5. ልደቱ አያሌው ይኹን ጆዋር መሓመድ አብዛ ናይ ጆኖሳይድ ትግራይ ቅዋም ምውሳድ አብይዎም ዕንክሊል እንትብሉ፤ ነታ ሰላም ኤርትራን ሓይልታት አምሓራን ዘይተሓወሱ ሙሉእ ሰላም የለን ዝብሉ ዘለው ናይ ጥዕና ዶ ይመስለኩም? እታ እንብላ ዘለና ነታ ናይ ትግራይ ጆኖሳይድ አናኢስካ ምስ ኩሉ ሓደ እዩ፤ ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈለየ ፍትሒ አየድልዮን ንምባልዶ አይኮነ? ናይ ቢኒያም ኢንተርቪው ካብዚኦም ብምንታይ ትፍለ?

5. አብ ትግራይ ዝለዓሉ ዘለው ሓደሽቲ ሓሳባት ባህሪያዊ እዮም፤ ካብ ውልቀ ርእይቶ ክሳዕ ውድባትን ማሕበራትን ከምውሕጅ ይፈስስ አሎ፤ ድሕሪ እዋን እናፀረየን እናተወደበን ናብ ዝሓሸ ብራኸ ከብፀሐና ተስፋ ገብር፤ ይኹን እምበር ናብ ፍታሕ ተይኮነስ ናብ ምክሳስ እንተዘንቢሉ፤ አብመንጎ ምግምማዕ፤ ምክፍፋል፤ እቲ ዝኽሰሰውን ዓርሱ ክከላኸል፤ እቲ ከሳሲውን ክረትዕ ዝግበር ቃልሲ መዓዝ እዩ ክኸውን ዘለዎ? ሃላዋት ህዝብና ተረጋጊፁ፤ ዝብላዕ ተረኺቡ ድዩ ዲሞክራሲያዊ ሕቶ ቀዳምነት ዝውሃቦ ዘሎ? ህዝቢ ብካርዱ ዝውስን እንተኾይኑ አብዛ ሕዚ እዋን ናይ አብዝሓ ህዝቢ ድልየት እንታይ እዩ?

6. መንግስቲ ዝመርሕ ዘሎ ውድብውን አስቂጡ ይመስል፤ እቲ ናይ ሰላም ቃልሲ ፈታኒን ከም ድልየትና እትዛረበሉን እካ አይኹን እምበር፤ በቢደረጅኡ ብዘሎ አመራርሓን መሓውራትን አቢልካ ክሓልፉ ዝግብኦም ሰሩዕ መግለፅታት ዘይምሃብ ዘተሓትት ዶ አይኮነን? "ሓባእያ ሕማሙስ ሓባኢ መድሓኒቱ" ከይኸውን ዘዝቀደመ እቲ ከይዲ ሰላም ዘለሉ ኩነታት ዘይግለፅ እንታይ ይበሃል? ጠለብ ህዝቢ ንምምላስ ዘኽእል በጀትን መንግስታዊ መሓውርን ከምዘየለ እካ ዝፍለጥ እንተኾነ ህዝቢ አብ መኸተ ዝፈጠሮ ዓቅሚ ምጥቃም ዘፀግም ነገር እንታይ እዩ? እቲ ናይ ሰላም ውዕል ናብ ወፃኢ ብቀጥታ ምርኻብ አይፈቅድን ይኸውን ነቲ አብውሽጢ ዘሎኸ?

ብዘይካ እቶም ዝተጠቀሱ ሕልምታት፤ ሓውና ቢኒያም ምስ ኢትዮ 360 ዝገበሮ ፃንሒት ሕልሚ ዝመስሉ ብዙሓት ነገራት አልዓኢሉ፤ ትንተና ብሄተኝነት፤ ጀመርቲ ኹናት፤ ስምዒታት፤ ዘይምብሳል፤ ዓርስኻ ዘይምፍላጥ ወዘተ ዝብሉ ትንተናታት ምስ ደረጃን ፍልጠትን ህዝቢ ትግራይ ክገጥመለይ አይከአለን፤ ነዛ ናይ ሰላም ውዕል ክትዕወት ኢሉ ብእንካ ሃባ ይኸይድ እንተሊዩውን ሚዛና አይሓለወትን። ህዝቢ ትግራይ ዝሓሸ ናይ አመራርሓ ዓቅሚ ዘለዎ፤ ዝሓስብን ዘስተወዕልን ህዝቢ ምኻኑ፤ መርአያ ዝኾኑ ምሁርን ዳያስፖራን ዘለዎ ፤ ርህሩህን ሕያዋይነቱን ዘመስከረ፤ ሓዳግን ይቅር በሃላይን ዝኾነ ፤ ለጋስን ንኻልኦት ሕማቅ ዘይምነን ምኻኑ፤ ብብድዐ ንዝመፅዎ ዝይምብርከኽን ሰዓራይን ህዝቢ እዩ አብዝብል ዝተረዳዳእና ይመስለኒ፤ ትንተና ቢኒያም ምስዚ ዝስማማዕ እንተኾይኑ ነቲ ኢንተርቪው ሰሚዕኩም ፍትሑላተይ።

እንተ ኸማይ፤ ሎሚውን ማእኸልና ህዝቢ ትግራይ ገይርና ታሪኽን ጀግንነትን ህዝብን ሰራዊትን ትግራይ ከም መንጠሪ እንተዘይተጠቂምናሉ መመሊስና መላገፂ ፀላእትና ምኻና አይተርፍን። ብፍልጠት፤ ብጅግንነትን ብሓድነትን እምበር ብምቅብጣር ዝመፅእ ሓድነት ዝጠቅም አይመስለንን፡ ናይ ሎሚ ጆኖሳይድ ዓለም-ለኻዊ ተቀባልነት ረኺቡ ህዝብና ፍትሕን ካሕሳን ክረክብ፤ ድሕሪ ሕዚ ናብ ከምዚ ዝበለ ሽግር ከይንምለስ አብ ምግባር አብ ውሽጥን ደገን ዘለና ተጋሩ ናብ ውዕውዕ ቃልስና ክንምለስ ይግባእ። ውሽጥኻ ምፅራይ ማለት ዝደኸመ ምድጋፍ፤ ዘገልገለ ብኽብሪ ምስናይ፤ ዝተጋገየ ብምድሃል ተይኮነስ ብውሕልና ብምእራም፤ ልዕሊ ኹሉ ረብሓ ህዝብኻ ምቅዳምን ሓላፊነት ምውሳድን እዩ።

ምርምርን ፍልጠትን፤ ሓሳባትን ክትዓትን ናብ ባይታ ወሪዶም ፤ ተቀባልነት ረኺቦም ናብ ናይ ህዝቢ ረብሓ ክሳዕ ዝቅየሩ፤ ዘይተግሃዱ ሕልምታት ምኻኖም አይተርፍን። ሕልሚ ከምፈታሒኡ ስለዝኾነ አብ ናይ ቢኒያም ዘርባ ዝተፈለየ አፈታታሓ ንምስማዕ ቅሩብ እየ።

ሙሉእ ሰላም ንህዝቢ ትግራይ!