INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ብሕራነ እምበር ዳስ ሓዘን ተኺልካ ዶ ወራሪ ይሰዓር !!

Read More እቲ ኩናት ጥቅምቲ 24 ክጅመር ከሎ ብድሕሪኡ ምስተጎሃሃረ ፡ሸዓብያ ትግራይ ኣትዩ ፈብሪካታትና ክዘርፍ ከሎ ከዕኒ ከሎ ፍኖ ዝተበሃለ እንስሳ ዘገዳም ምዕራብ ትግራይ ከብርስ ከሎ ሽዑ መብዛሕቲኡ ሰብ ፦

_ብ ሰንኪ ሕወሓት ፡ብሰንኮም ዞም ሩጉማት ወዘተ ዝብል መርገም በቲ ሓደገፅ፡

_በቲ ካልእ ገፅ ካብ ትግራይ ሃዲሞም ፍቃድኦ መኸል ሃገርን ደቡብ ሱዳንን ኬንያን ኡጓንዳን ከምኡ ውን ስዑድን የመንን መቋረፂ ዘይብሉ ህድማ እንተካይዱ ፡ ጉዶም ንምሽፍን ብዘለዎም በዝሒ ተኻታሊ ማሕበራዊ ሚድያ ብምጥቃም ሓደ ተስፍ ዘቁርፅ ገዚፍ ናይ ሓዘን ዳስ ተኺሎም ናይ ቁዘማን መልቅስን ኣጀንዳ ከፊቶም ኣብ ደገን ውሽጥን ዘሎ ህዝብና ሞራል ከይህልዎ ሓቦ ከይብል ናይ ተሰዓራይ መንፈስ ኣጀንዳ ከፈቱልና፡ >p> [ ኣብቲ እዋን እዚ ንባዕሉ ሓደ ቃልሲ የድልዮ ነበረ ]

ሓቦን ንሒን ዝ ስንቆም ብጣዕሚ ብኣፃብዕቲ ዝቁፀሩ ኣዝዮም ውሑዳት ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ፡ሽዑ ዝገብሩዎ ናይ ህዝቢ መንቃሕትን ናይ ንሓርን ከይንበኪ ከይንሓዝን ፡ብዝብል ጎስጓስ ንፀላእትና ኣብ ትግራይ ዋላ ሓደ ስብ ክሳብ ዝቀሪ ንመረበትናን ክብርናን ኣሕሊፍና ንዘይምሃብ ክንቃለሶም ኣለና ብምባል ብዝተገበረ ናይ ወገሐን ፀበሐን ጎስጓስ እቲ ህዝቢ ብፍላይ እቲ ተጠቃሚ ማሕበራዊ ሚድያ ናብ ምሕራን ናብ ኣይንምብርከኽን መንፈስ መፅዩ ህዝቡን ሰራዊቱን ንምሕጋዝ ተለዓዓለ ፅቡቅ ውፅኢት ድማ ተመዝገበ።

[ከይንረስዕ]

ከምኡ ውን ጎቦታት ግራካሕሱ ዓሪዶም ዝነበሩ ሰራዊትና ን ጀጋኑ ወጆሮቶት ብውሕድ ሓይሊ መእለያ ዘይብሉ ሽሾ ሰራዊት ፀላኢ ዓዶም ንዘይምድፍር ጀግና ሰራዊትና ዝገብሮ ዝነበረ ህልኽ ዘወድእ ኲናት ፡ንኽብርኻን መረበትካን ዘበሳብስ ወራሪ ብኸመይ ዓይነት ሕራነ ክትቃለሶ ከምዘለካ ዘርኢ ፎቶ ሕራነ ሓደ #ጅግናተጋዳላይን ናይ ኣቦና ጀግና #በርሀጉማ ድሕሪ መውጋእቱ እምቢ ኣይግዛእን እምቢ ንወራሪ ኣብዝበሎ ናይ ቪድዮ መልእኽቱ ህዝብና ወሲኹ ክሕርን ገበሮ።እቶም ዳስ ሓዘን ተኺሎም ዘልቅሱ ፣ዝነበሩ ከይቀረየ ናብ ሕራነ ኣተው ፡መላእ ህዝብና ከም ቆፎ ዝተነኸኦ ንህቢ ሓረነ ፡ተቃለሰ ኣብዚ በፀሐ።

[ ሐዝውን ቃልሲ ኣይተዛዘመን ]

ኣብ ቃልሲ ኣለና ተወሪርና ኣለና እንደገና ክወሩና ኣሰፍሲፍም ዘለው ፀላእቲ ከምዘለው ኣይንረስዕ።ንዝተፈለየ ዓወት ዝተፈለየ ቃልሲ ከምዘድሊ ኣይረሳዕኹን።

ገለሰባት ሐዝ ውን ከም ኣመሎም ዳስ ሓዘን ተኺሎም ሞራል ህዝብና ክጎስዩ ፍቃደኦ ዩትዩብን fbን ክግዕሩ ይረኣዩ።ጥሜትን ፀገምን ህዝቢ ትግራይ ከም ልሙዕ ሓመድ ተጠቂሞም ንላዕሊ ክወፁ ያኢ ክፀድቁ ፡ መዋፅኢ ዝኸሓነ ቂሞም ንምግባርን ነቲ ዘይትግራዋይ መግለፂ ዝሞተ ሞራሎም ሓላያት መሲሎም ኣብ ዕዳጋ ዘርጊሖም ይረኣዩ።

ነዚኦም ክንቃለሶም ኢና፡ደጋጊምና ክንቃለሶም።ትግራዋይ መዓንጥኡ ኣሲሩ ካብ ምቅላስ ወፃኢ ብኽያትን መረረትን መድሕኑ ከምዘይኸውን ድማ ደጋጊምና ክነርእዮም ኢና።

ሕሉፉ ሓሊፉ ድሮ ንዓረር ኣይተፈጠርናን ዝብል ዜማ ሰሪሖም ንወራሪ እድካን እግርኻን ኣሲርካ ተፀበዮ ዝብል ኣምር ሒዞም ዘይትግራዋይነት መንፈሶም ንትግራወት ያ ከእምኑስ ይግዕሩ ኣለው።

[ ሓደ ነገር ኢለ ክዛዝም ]

እዞም ባርነት ከም ነፃነት ዝቆፅሩ ወይድማ ንኽብርኻ ን መንነትካን ምስዋእ ከምነውሪ ቆፂሮም ከምህሩና ዝፅዕሩ ናይ ዩትዩብን fb ሃርበኛታት ገለ ደረፍቲ በሃልትን !

እቲ ዓወት ምስ መፀ ቅድሚ ኹሉ ንሶም ባንዴራ ሒዞም ተሰሊፎም" ብቅልፅምና ዝረኸብናዮ ዓወት"እናበሉ ክጭርሑ ዝርከቡ ንሶም እዮም ክኾኑ ከይንርስዕ !!