INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ልኡኽ ፕሬዝደንት ባይደን ጄፍሪ ፌልት ማን ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝርከብ NPR ሬድዮ

ፍሉይ ልኡኽ ፕሬዝደንት ባይደን ንቐርኒ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ጄፍሪ ፌልት ማን ሎማዕልቲ ንጉሆ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝርከብ NPR ሬድዮ ቀሪቡ ንቱ ሓቂ ተዛሪቡዎ ኣሎ::

* ኢትዮጵያ ኣብ ዝኸፍአ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ጥሒላ ስለዘላ እዩ ካብ ኣጎዋ ተሰጉጋ

* ሰራዊት ትግራይ ናብ ዋና ከተማ ንኣዲስ ኣበባ ክኣቱ 200 ኪሜ ምስተረፎ ከይኣቱ ዝሓተትና ንሕና መንግስቲ ኣሜሪካን ኢትዮጵያን ኢና

* ብዙይ መሰረት ድማ ሰራዊት ትግራይ ምእንተ ኩናት ብሰላም ክውዳእ ክብል ናብ መረበቱ ናብ ትግራይ ተመሊሱ ኣሎ::

* ናይ ሰራዊት ትግራይ ዝተሓተቶ ኩሉ ምምላእ ንሰላም ኩሉ ዘማቻቸየ ስለዝኾነ ኵናት ጠጠው ክብል ዘተ ክካየድ ኣለዎ ንዙይ ኢና ንሰርሕ ዘለና

* ሚልየናት ህዝቢ ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት መድሓኒት ገንዘብ ነዳዲ ኮነ ካልእ ግልጋሎት ኩሉ ክረኽቡ ኣለዎም ... ኣዳምፁዎ

ክብል ገሊፁዎ ኣሎ:: ምስ ማሕበረሰብ ዓለም ተደማሚፅካ ተኣሳሲርካ ምስራሕ ማለት እዙይ እዩ! ትግራይ ትስዕር ኣላ! ካሳ ሃይለማርያም

Read More