INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ዕጡቓት ሰምበት ከም ሓደ ‘ኣርሚ’

ብሄረሰብ ኢሮብ ካብ ቀደሙ ብኽብሪ ዓዱን መንነቱን ንዝመፆ ልክዕ ከም ኩሎም ተጋሩ ልዑል ዋጋ እናኸፈለ ሃለዋቱን ድሕንነቱን እናረጋገፀ ዝመፀን ዘሎን ህዝቢ እዩ፡፡ እዚ ህዝቢ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ብሕግን ስርዓትን ዝምራሕ ስልጡን ኣተሓሳስባ ዘለዎ ብኽብሪ ዓዱን መንነቱን ንፃት እውን እንተኾነ ዘይደራደር ህዝቢ እዩ፡፡ “ብቑፅሪ ዉሑድ ስለዝኾንኩ” ኢሉ ንፀላእቱ ኢዱ ዘይህብን ዘይምብርከኽን የግዳስ ብቓልሱ ሃለዋቱ እናረጋገፀ ዝመፀ ምዃኑ ብዙሓት መረዳእታታት ኣለዉ፡፡ ንኣብነት፣ ኣብ 1990 ዓ/ም ሃንደበታዊ ወራር ሻዕብያ እንተጋጥም ክሳብ ሎሚ “ዕጡቕ ሰንበት” እናበልና እንፅዉዖ ሰንበት ዓጢቑ ሰንበት ተዋጊኡ ኣብ ልዕሊ ወራሪ ፀብለልታ ዓወት ዘመዝገበ ምዃኑ ብቐረባ እንዝክሮን ታሪኽ ዝኸተቦን ሓቂ እዩ፡፡ ሐዚ እውን ውልቀ መላኺ ሰራዊት ኢሳያስ ምስ ኣብይ ኣሕመድን ተስፋሕፋሕቲ ኣምሓራን ተሻሪኹ ዳግማይ ወራር እንትፍፅም ህዝቢ ኢሮብ “እሺ” ኢሉ ኣይተቐበሎን፡፡ እኳ ደኣስ ጊዜ ከይሃበ ምስካልኦት ከባብታት ኮይኑ ነቶም ወረርቲ ንምክልኻል ዝከኣሎ እናገበረ እዩ መፂኡ፡፡ ንሎሚ እምበኣር ነዚ ኣመልኪትና ምስመተሓባበሪ ደጀን ግምባር ፀጥታን ፍትሕን ዞባ ምብራቕ ተጋዳላይ ገብረ ካሕሳይ (ገብረ ኢሮብ) ዝገበርናዮ ፃንሒት ከምዝስዕ ኣዋዲድና ኣቕሪብናልኩም ኣለና፡፡

ብመሰረቱ ኣፈላላይ ቋንቋ እንተዘይኮይኑ ህዝቢ ኢሮብ ብትግራዋይነቱ ዝኾርዕ ትግራዋይ እዩ ዝበለ ተጋዳላይ ገብረ “ኢሮብ ኤርትራ እያ!” ዝብል ናይ ሻዕብያ ዘረባ ካብ ቀደሙ እውን ህዝቢ ኢሮብ ከምዘይተቐበሎ ይገልፅ። ህዝቢ ኢሮብ “ከምብሄረሰብ ኣብ ክልተ ኣብ ሰለስተ ክንምቀል ኣይንኽእልን፤ ኣብ ርእሲ ምውሓድና ክንምቀል የብልናን” ዝብል መትከል ከምዘለዎ ተጋዳላይ ገብረ የረድእ። ከምኣገላልፃ ተጋዳላይ ገብረ፣ ሻዕብያ ምስኣብይ ኣሕመድን ተስፋሕፋሕቲ ኣምሓራን ተሻሪኹ “ሕፅቦ” ኢሉ ካብ ዝብገስ ጀሚሩ ህዝቢ ኢሮብ ነቲ ኩነታት ኣዐርዩ እናተኸታተሎ እዩ ፀኒሑ፡፡ ስለዝኾነ ድማ እቲ ወራር ምስተጀመረ እቲ ህዝብን ዕጡቕን ብዘይፈሊ ሓቢሩ እዩ ነቲ መኸተ ጀሚርዎ። ኣብዚ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ይኹን ሻዕብያን ተስፋሕፋሕቲ ኣምሓራን ዘለዎም ሓይሊ ተጠቒሞም ናብ ትግራይ ብሰማይን ብመሬትን ፈሲሶም እንትመፁ ምስናቶም ዝመጣጠን ዓቕሚ ኣይነበረናን። እቲ ህዝቢ ግን “ዓቕሚ ስለዘይብለይ” ኢሉ ስቕ ኣይበለን። “ንሕና ኣይንጠፍእን” ኢሉ እዩ ነቲ መኸተ ፀረ-ወራር ጀሚሩዎ። ስለዚ እቲ ወራር ኣብ መንጎ “ክነጥፈአኩም ኢና” ዝብል ሓይልን “ኣይንጠፍእን” ዝብል ህዝብን እዩ ነይሩ። ህዝቢ ኢሮብ እውን ነዚ “ኣይንጠፍእን” ኢሉ ዝወሰኖ ውሳነ ብልቢ ተቐቢሉ ተወዲቡ እዩ መኸተኡ ቀፂሉ፡፡ “ፈለማ መከላከያ፣ ምልሻ፣ ነባር ተጋዳላይ፣ ዴምህት ዝነበረ ኩሉ ‘ንሃለዋትካን ድሕንነትካን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ኩነታት ስለዝተፈጠረ ተሰለፍ’ ዝብል ፃውዒት ቀሪቡ ነይሩ። ብመንፅር እዚ እቲ ዕጡቕ እናተኣከበን እናበዝሐን እዩ ከይዱ። እቲ ህዝቢ እውን “ኣጀኹም እዩ!” ዝብል ነይሩ። መራሕቲ ሃይማኖት ከይተረፈ እዮም ኣብዚ ነይሮም። ስለዚ ከምህዝቢ “ሓደ ኮይንና ንመክት!” ይብል ስለዝነበረ ዕጡቕና እውን ነዚኣ ተጠቒሙ ተመዓራርዩ” ብምባል ተጋዳላይ ገብረ የረድእ።

እቲ ፈለማ ዝነበረ ውግእ ምስፈረሰ እቲ ናይ ኢሮብ ዕጡቕ ኮነ መሪሕነት ወረዳ ከምዘለዎ ተወዲቡ እዩ ቀፂሉ። ብመሰረት እዚ ንከተማ ደውሃን ንድሕሪት ብምግባር ምክልኻል ጀሚሩ። ቀፂሉ ምስ ናይ ጉሎ መኸዳ ዕጡቓት እውን ተኣሳሲሩ። ብተመሳሳሊ ምስ ናይ ሰውሓ ሳዕሲዕ ብሬድዮ ርክብ ምትእስሳር ነይርዎም። ስለዚ ኣብቶም ናይ መጀመርታ ሰለስተ ኣዋርሕ ነዚ ዝድግፍ ኣሃዱ ኣብ ከባብታት ኢሮብ ኣይነበረን። ናይ ስንቂ ፀገም እውን ነይሩ። ኣብዛ እዋን እዚኣ ባዕሉ ተመዓራርዩ ሰለስተ ወርሒ ከም ሓደ መዓልቲ ተዋጊኡ ምባል ይከኣል። ኣብ ሕድሕድ መዓልቲ ውግእ ነይሩ። ናይ ሻዕብያ ኣሃዱ ይመፁ ይውቅዑ፤ ይመፁ ይውቅዑ ከምኡ እናበለ እናተኸላኸለ ፀኒሑ።

ብፍሉይ ክጥቀሳ ዘለወን ስርሒታት ግን ኣለዋ። ሻዕብያ ካብ ኣብያተ ክርስትያን፣ ትካላት መንግስትን ህዝብን ዘሪፉ ዝኣከቦ ንብረት ሰለስተ መኪና መሊኡ ኣብ ከባቢ ከረዳ ናይ ኣንጋለ ከባቢ ናብ ሰበያ እንትወርድ ነታ ሓንቲ ኣቃፂሎም ነተን ክልተ መኪና ድማ ምስዝፀዓንኦ ንብረት ማሪኾምወን እዮም። ኣብዚ ዝተዋፈሩ ናይ ፀላኢ ሰለልቲ ሓዊሱ ልዕሊ ሸውዓተ ዝኾኑ ወታደራት ሻዕብያ እውን ማሪኹ። ብዕለት 22 ታሕሳስ 2013 ዓ/ም ድማ ሓደ ክፍለ ሰራዊት ምስደጋፊ መካናይዝድ ኣሃዱ ዲሽካ፣ ሞርታር ሓዊሱ ምሉእ ሓይሉን ኣፅዋሩን ፅዒኑ ብኣሰፈ ገይሩ ኣብ ደውሃን ውግእ ንምጅማር ገና ድሽካን ሞርታርን ንምትካል እንትፍትን ቦንብ ጥራሕ ሒዞም ኣትዮም ልዕሊ 63 ወታደራት ሻዕብያ ቀቲሎም ሰለስተ ዕጥቅን ስንቅን ዝፀዓና መኻይን ማሪኾም እዮም። ኣብዚ 14 ሞርታር 5 ዲሽካ፣ ብርክት ዝበለ ስናይፐር፣ ከላሽን ክሻፋን ሬድዮ ርክብን ሓዊሱ ዶክመንትታት ፀላኢ መንዚዖም እዮም። ካብኡ ሃዲሞም ንከለዓሳ ዝኸዱ ወታደራት ሻዕብያ እውን “ተመለሱ!፤ ኣይንምለስን” ብዝብል ነንባዕሎም ተዋጊኦም ዝተበታተንሉ እዋን ነይሩ።

እቲ ናትና ዕጡቕ ብውሑድ ሓይልን ብውሑድ ኪሳራን እዩ ዝዋጋእ ነይሩ። በዚ መልክዕ ንሰለስተ ወርሒ ዝኣክል ሰለልቲ ይሰድድ ይማረኹ፣ ዕጥቅን ስንቅን ፅዒኑ መኻይን ይሰድድ ይቃፀላ ወይ ይማረኻ፡፡ ካብዚ ዝብገስ ፀላኢ ኣብ ውሽጡ ፍርሕን ራዕድን እናፈጠረ እቲ ዕጡቕ ሓይልና ድማ ሞራል እናፈጠረ ከምዝኸደ ተጋዳላይ ገብረ ካሕሳይ የረድእ። ካሊእ ንሓደሽቲ መናእሰይ ስልጠና ይወሃብ ነይሩ። እቲ ብጣዕሚ ዝገርም እቶም ሸውዓተ መዓልቲ ዝሰልጠኑ መናእሰይ ኣብተን ውግኣት ልዑል ተራ ነይሩዎም። ስለዚ ብዙሕ ጅግንነት ዝተርኣየሉ ነይሩ ምባል ይከኣል። ብፍላይ ኣብ ኢሮብ ዝነበረ ዕጡቕ ኣብቲ ከባቢ ዝረድእ ደጋፊ ኣሃዱ ኣብ ዘይነበረሉ ብቐጥታ ንባዕሉ እዩ ወዲቡ፡፡ ካብኡ ቀፂሉ ምስ ጎሎ መኸዳ፣ ሰበያ፣ ዓራዕሮ፣ ብድሕሪት ድማ ምስ ናይ ሰውሓ ሳዕሲዕ ክተኣሳሰር ክኢሉ። ካብዚ ወፃእ ብመስመር ፀሊም ፅርግያ ተፈልዩ እዩ ነይሩ። ኣብዚ ልዕሊ ኩሉ እቲ ምልሻ እዩ መሪሕ እጃም ነይርዎ። ደሓር ሕፅረት ስንቂ ምስኣጋጠመ እውን እቲ ዕጡቕ ንባዕሉ “ኣብ ቅድሚት ዝስለፍን ብድሕሪት ደጀን ኮይኑ ዝድግፍን” ኢሉ መደብ ስራሕ ተኸፋፊሉ እዩ። ብፍላይ ዕድመ ዝደፍኡ ወየንቲ ናብቲ ሕብረተሰብ ምልስ ኢሎም ምምሕዳር ክድግፉ ተገይሩ። እዚኦም ድማ ዝዓጥቁ መናእሰይ ይውድቡን የስልፉን ነይሮም። እቲ ሕብረተሰብ ኣብ ሕድሕድ ውግእ ተሳቲፉ እዩ። ምስቲ ሕብረተሰብ ዝትኩስን ስንቂ ዘቕርብን እዩ ኣፈላላዩ እምበር ኩሉ ኣብቲ ኲናት ይሳተፍ ከምዝነበረ ካብ መብርሂ ተጋዳላይ ገብረ ምርዳእ ይከኣል፡፡

ተጋዳላይ ገብረ፣ “መናእሰይ እናተሰለፉ ሓይልና እናወሰኸ ብዝኸደ ቑፅሪ እቲ ናይ ስንቂ ዓቕምና እናተፀንቀቐ ከይዱ ዓብይ ፈተና ኮይኑ። ናይ ሕክምና መድሓኒት እውን ከምኡ ብምባል ይልፅ። ብዘይካ እዚ እናተወርወሩ ንዝመፁ ፀላእትን ባንዳታትን ዝወቅዕ፣ ዕድመ ድፍእ ዘበሉ ድማ ናብቲ ሕብረተሰብ ኣትዮም ስንቂ ዝእክቡን ፀጥታ ሕብረተሰብ ዝሕልውን ኢልካ ብምፍላይ ምስዘለዎም ዓቕሚ ስንቂ ዝኸይድ ኣወዳድባ ገይሮም ፈቲሖምዎ እዮም፡፡ ሕብረተሰብ እውን ዝኸኣሎ እናዋፅአ ይህብ ነይሩ። “ስለዚ እኹል ስንቂ ኣብ ዝረኸብናሉ ኩሉ ሓይልና ኣብ ቅድሚት ኣሰሊፍና፣ ስንቂ እንትውሕደና ድማ ኣወዳድባና ኣመዓራሪና ሓሊፍናዮ” ይብል፡፡ ሕክምና ድማ ኣብ ሕድሕድ ገዛውትን በዓቲታትን እቶም ዝነበሩ ውሑዳት ሓካይም ናብ ኩሎም እናዘሩ ክሕክሙ ተገይሩ። እቲ ህዝቢ ባዕሉ እውን ዉጉኣት ይሕብሕብን ይሕክምን ነይሩ። ብተወሳኺ ድማ ዝነበረና ሕፅረት ጋንታዊ ብረት ካብቶም ዝካየዱ ዝነበሩ “ኦፕሬሽናት” ክፍታሕ ትልሚ ሒዙ ተንቀሳቒሱ፡፡ ካብዚ ብዙሕ ዕጥቂ ረኺቡ እዩ።

ደሓር እውን ናብ ዳሞ፣ ገርሁ ስርናይ፣ ኣፅቢ ኩነታት ኣፅኒዑ ዝመፅእ ኣሃዱ ሰዲድና እናተራኸብና ከይድና። እዚኦም እውን ኣዘባ፣ ጋንታ ኣፈሹም ማእኸሎም ገይሮም ክሳብ ጋሕጎት ክሳብ 27 ታሕሳስ 2013 ዓ/ም መዓልታዊ ውግኣት እናካየዱ ፀኒሖም። ብዘት፣ ሓውዜን፣ ሰውሓ ሳዕስዕ፣ ውቕሮ ክልተ ኣውላዕሎ፣ ፅጌ ረዳ ክሳብ ገርዓልታ፣ ኣፅቢ፣ ፅራእ ወምበርታ ተመሳሳሊ ውግኣት እናካየዱ ፀኒሖም። ከም ዞባ እቲ ምልሻ እናተዋግአ ፀኒሑ ደሓር እቲ ናይ ደባይ ውግእ እናጠናኸረ ናብ ናይ ክርቢት ምንቅስቓስ እዩ ኣትዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት 27 ታሕሳስ 2013 ዓ/ም ናይ መወዳእታ ውግእ ነይሩ። እቲ ውግእ ኣብ መሬት ኢሮብ ብሙሉኡ ሰበያ፣ ጉሎመኸዳ፣ ተንከተም ሒዝካ ክሳብ ዓደውሊዕ ውግእን ምክልኻልን ተጀሚሩ። ኣብዚ ብመንፅር ዕጡቕ እንትርአ ፀላኢ ዝተረፎ የብሉን። ብፍላይ እቲ ቀዲሙ ዝመፀ ሰራዊት ሻዕብያ ተዋሒጡን ተጨፍሊቑን እዩ ተሪፉ። ደሓር ግን ታንክታት ኣሰሊፉ ናብ ዝባን ኣሰፈ ወፂኡ ነቲ ቦታ ተቖፃፂሩዎ።

እቲ ሰራዊትና ግን ኣይተበተነን፡፡ ናይ ኢሮብ፣ ሰበያ፣ ጎሎ መኸዳ በብዘለዎ ተወዲቡ እናተናበበ ናይ ምክልኻል ቦትኡ እናዐረየ እዩ ከይዱ፡፡ በዚ ጥበብ እዚ እናተናበበ ብምኻዱ ኣብ ፀላኢ እምበር ኣብ ወገን ዝበፅሐ ክሳራ ብፍላይ ኣብ ዕጡቓት ዳርጋ ኣይነበረን ምባል ይከኣል። ፀላኢ ብሓንቲ ድሽካን ሞርታርን እዩ ዘሸግረና ነይሩ። ድሓር ግን “እዚአን ግድን ክንረኽበን ኣለና” ኢልና ወሲንና ብኦፕሬሽን ዓጢቕናየን። ምስ ሰበያ ይኹን ምስ ጉለመኸዳ እውን ብሬድዮ ርክብ እናተራኸብና ውግእ ነካይድን ሓበሬታ ንለዋወጥን ነይርና። ስለዚ ኣብ ሳዕሲዕ ይሃሉ፣ ኢሮብ፣ ሰበያ ይኹን ጉለ መኸዳ ብሬድዮ ርክብ ንገብር ነይርና። እዚ ከዓ ኣብ ሓደ ቦታ ከይንካ ንብዙሕ ከባቢ ንምምራሕ ዓቕሚ ክህልወና ገይሩ።

ብድምር እቲ ህዝቢ ዝገበሮ ዓብይ ነገር ነዚ ግምባር እዚ “ውድብ ኣላ እያ” ዝብል እምነትን ተስፋን ክህሉ ኣኽኢሉ። “መንግስቲ ኣሎ እዩ። እዚ መኸተ እዚ ክንሰግሮ ኢና” ዝብል ዓብይ መልእኽቲ ኣሕሊፉ። ንፀላኢ እውን “እዚ ሓይሊ ኣሎ እዩ” ዝብል ስግኣት ክሓድሮ ገይሩ። ብዕጥቂ እንተርኢና እውን ኣብተን ሰለስተ ኣዋርሕ ሒዝዎ ዝፀነሐ ዕጥቂ ነቶም ሐዚ ሰራዊትና ሒዝዎም ዘሎ ዕጥቅታት መሰረት ዝኾኑ እዮም። እዚ ብሄረሰብ ብመሪሕነት ዝሃቦ ኣስተዋፅኦ እውን ኣሎ። ኣብዚ ዘዋግኡን ዝመርሑን ዝነበሩ ሐዚ ኣብ ሰራዊትና ኣሃዱታት ይመርሑ ኣለዉ። ስለዚ ኣስተዋፅኦ ናይዚ ብሄረሰብ ዓብዪ እዩ ነይሩ፡፡

ከምዞባ እንተወሲድና እውን ዕጡቕ ሓይልና ተወዲቡ እዩ ፀኒሑ፡፡ ምኽንያቱ ብእኒ ኢሳያስን ኣብይን ከምኡ እውን ብተስፋሕፋሕቲ ኣምሓራ ዝግበረሉ ዝነበረ ምድላዋት ብፍላይ “ፖለቲካዊ ሕፅቦ ክነካይድ ኢና” ይብሉ ስለዝነበሩ ነዚ ንምምካት ምልሻን ጠቕላላ ዕጡቕ ሓይልን ተወዲቡ እዩ። በብወረድኡ ደሓር ድማ ከምዞባ ተወዲቡ ኣሃዱታት ፈጢሩ። ካሊእ ከምዞባ ዝተወደበ ሓይሊ ኣይነበረን። ብፍላይ ኣብ ከባቢ ዝነበረ ምክልኻል ሃገር ዋላ ናይ ዝኾነ ብሄር ይኹን ንልዕሊ 20 ዓመት ኣብቲ ከባቢ ዝፀንሐ ስለዝኾነ ቋንቋ ትግርኛ ዝተላመደ፣ ኩለን ቁሸታት ዝፈለጠ፣ መቐመጢ መሪሕነት ዝፈለጠ ንኹሉ ዓይነት ጠንካራን ድኹምን ጎኒ ምሳና ኮይኑ ዝግምግም ዝነበረን ዝፈልጥን እዩ፤ እቲ ንዓና ከጥፍእ ዘዳለውዎ ሓይሊ። ደሓር እዚ ቅድሚ ንዓና ምጥፍኡ ኣብ ቁፅፅር ክውዕል ኣለዎ ተባሂሉ ክሕሰብ እንከሎ እዚ ኣብ ዞባና ዝወደብናዮ ሓይልና እዩ ኣብ ኩለን ኦፕሬሽን ተሳቲፉ። ካብ ዛላንበሳ ጀሚሩ ኢሮብ፣ ክልተ ኣውላዕሎ፣ ሰውሓ ሳዕሲዕ፣ ፃዕዳ እምባ ናይተን ርሕቕ ኢለን ዘለዋ ናይ እኒ ሓውዜን ሓዊሱ ብሙሉአን ናብዚ ግምባር እዚ እየን መፂአን ነይረን። ኣብዚ መፂኦም እውን ተኣምር ሰሪሖም ነተን ካምፕታት ፀላኢ ተቖፃፂሮም እተን ዝነበራ ዕጥቅታት ክንረክብ ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ገይሮም እዮም።

ደሓር እውን ፀላኢ ብሓይሊ ምስደፍአ ዝነበረ ዕጡቕ ነናብ ከባቢኡ እንትምለስ “በብዘለኻዮ ንፀላኢ ረመፅ ኩን” ብዝተብሃሎ መሰረት በቢኸባቢኡ ናይ ባዕሉ ሓራ መሬታት እናፈጠረ ንፀላእን ባንዳታትን ረመፅ ኮይኑ። እዚኦም ኣብ ዝፈጠርዎ ሓራ መሬት ካብ ከተማ ይኹን ካብ ገጠር መንእሰይ ክመፅእን ኣብዚኣተን ተወዲቡ ክዕለምን እውን ሓለውቲ እዮም ነይሮም። ካብ ቦታ ናብ ቦታ ኣብ ምስጋር እውን ዓጀባ የካይዱ ነይሮም። ካሊእ ኣብ ውሽጢ ፀላኢ ዝተረፉ ኣፅዋራት ተወዲብካ ከይድካ ኣብ ምምፃእ እውን ዓብዪ ዕማም ነይሩ። ነቲ ሕብረተሰብ እውን ዘተሓባብርዎ ብቀንዱ ንሶም እዮም። ናይ ደባይ ውግእ ክካየድ ምስተወሰነ ድማ ናብ ከራቢት እዮም ተወዲቦም፡፡ ከምዞባ ኣብ 11 ቦታታት ከራቢት ተወዲቦም ይንቀሳቐሱ ነይሮም፡፡ እዘን ከራቢት እዚኣተን ምስተጣየሻ ፀላኢ ዝንቀሳቐሰሎምን ኮሎኛ ዝሓልፈሎምን ቦታታት ናብ ምፅናዕ እዮም ኣትዮም። ፀላኢ ብተደጋጋሚ ዕጥቅን ስንቅን ዘሕልፈሎም፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ በደል ዘብፀሐሎም ከባቢታት ከምኡ እውን ዝተነፀለ ኣሃዱ ፀላኢ እንተሃልዩ፣ ኣብ ከተማታት ዝህውኽን ዝርብሽን የፅንዑ ነይሮም። ኣብዚኦም ሰፋሕቲ ስራሕቲ ተሰሪሖም እዮም። በዚ መዳይ ብድብያ ብዙሕ ንፀላኢ ዘሰንብድን ዘተዓናቕፍን ስራሕ ሰሪሖም እዮም።

ስለዚ ከምዞባ ዝነበረ ዕጡቕ ሓይሊ ምስ ፀላኢ ፊት ንፊት እናገጠመ ብርክት ዝበሉ ስርሒታት እናፈፀመ ዝመፀን ነቲ ሐዚ ዘሎ ኩነታት መሰረት ዘንፀፈን ምዃኑ ምርዳእ የድሊ። ሐዚ እውን እንተኾነ ኣብ ደጀንን ግምባርን ኮይኑ ነቲ ቃልሲ እናደገፈ እዩ ዝርከብ፡፡ ፀላእትና ነዚ ብሓደ ገፅ ይፈርሕዎ እዮም። ሻዕብያ ኣዐርዩ ስለዝሰግኦ ብረቱ ከርግፍ እዩ ዝንቀሳቐስ ነይሩ። “ብረትካ እንተዘይኣርገፍካ ተባሂሉ ገዝኡ ዝተቓፀሎ መዓት ጅግና እዩ ዘሎ፡፡ እዚ ሓይሊ እዚ ድማ ገዛ ዋላ ይቃፀል ኢሉ ጅግንነት ዝፍፅም ዘሎ እዩ፡፡ ስድራ ካልኦትስ ይጠፍኡ እንዶ ዘለዉ እንናበለ ሰበይቱ እናተኣሰረቶ ደቁ እናተቐተልዎ ብረቱ ከይሃበ ክሳብ መወዳእታ ዝተቓለሰ ዕጡቕ እዩ። ስለዚ ግደ ናይዚ ዕጡቕ ሓይልና ልዑል እዩ” ይብል ተጋዳላይ ገብረ።

ኣጠቓሊልካ እንትርአ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ዕጡቕ ሓይሊ ህዝቢ ምራሕ እንተኢልካዮ ዝመርሕ፤ መሪሑ ንነፃነት ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቡን ዓዱን ቀዳምነት ሂቡ ፈንጂ እናረገፀ መስዋእቲ ዝኸፍልን ሰላም ድሕንነትን ከባቢኡ ዝሕሉን እዩ። ሐዚ እውን ፀላእቲ መሊኦም ክሳብ ዝጠፍኡ ህዝብን ዕጡቕን ወረዳ ኢሮብ ብሓፈሻ ድማ ህዝቢ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣብ ጎኒ መንግስቶምን ውድቦምን ተሰሊፎም ይቃለሱ ከምዘለው ኣብቲ ቦታ ተረኺብና ኣረጋጊፅና ኢና፡፡ ስለዚ ደመኛታት ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ መሊኦም ክሳብ ዝቕበሩ እቲ ዝተፈፀመ ጀግንነት ዝያዳ ተጠናኺሩ ክቕፅል፣ ህዝቢ ደጀንነቱ ከጠናኽር፣ መስርዕ ሰራዊት ትግራይ ከይዛሪ መናእሰይ ክኸቱ ይግባእ፡፡

Read More