INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

በዓልቲ እንዳይ ከም ዕንፀይቲ ጠሚረ ኣምፂአያ ጠሚረ ድማ ይመልሳ ኣለኹ”

በዓልቲ እንዳይ ከም ዕንፀይቲ ጠሚረ ኣምፂአያ ጠሚረ ድማ ይመልሳ ኣለኹ” ብሕፅረት ኣምቡላንስን መድሓኒትን ዝተፀገሙ ሃለቃ ኣፅብሃ ብርሃነ

ኣብ ወረዳ ሓውዜን ጣብያ መጋብ ዝነበራ ኣምቡላንስ ብፋሽስታዉያንን ወረርትን ብምቅፃለን ሞት ኣዴታትን ህፃናትን ይዉስኽ ከም ዘሎ ጣብያ ጥዕና መጋብ ኣፍሊጡ፡፡

ሃለቃ ኣፅብሃ ብርሃነ ነባሪ ወረዳ ሓውዜን ጣብያ ደብረሰላም እዮም፡፡ ዝፈትውወን በዓልቲ እንደኦም ሓሚመንኦም ሕክምና ንምርካብ ብቓሬዛ ተሸኪሞም ልዕሊ 6 ሰዓታት ብእግሪ ተጓዒዞም ኣብ ጣብያ ጥዕና መጋብ ረኺብናዮም፡፡

ሃለቃ ኣፅብሃ ነቲ ኩነታት እንተረድኡ ኣብታ ወረዳ ቕድሚ ሐዚ ዝነበራ ኣምቡላንስ ብፋሽስታውያንን ወረርትን ብምቅፃለን እዩ ነዚ ኩሉ ፀገም ተቓሊዕና ይብሉ፡፡

ሃለቃ ኣፅብሃ በዓልቲ እንደኦም ካብ ዝሓማ ልዕሊ ክልተ ወርሒ ከም ዝገበራን ብሰንኪ ሕፅረት ኣምቡላንስ ብእዋኖም ናብ ጣብያ ጥዕና ከም ዘይመፁ ገሊፆም፡፡

ይኹን እምበር ዋላ እውን ደንጉዮም እንተመፁ እቲ ዕፅዋን ክባን ዘስዓቦ ሕፅረት መድሓኒት ድማ ፀገሞም ከቢድ ከም ዝገበሮን በዓልቲ እንደኦም እኹል ሕክምና እንተይረኸባ ከምታ ዘምፅዎን ከም ዕንፀይቲ ፀይሮም ንገዝአን ክመልስዎን ከምዝተገደዱ ተስፋ ብዝቖረፀ ልቦም ገሊፆሙልና፡፡

ተወካሊት ዳይሬክተር ጣብያ ጥዕና መጋብ ሲስተር ሙሉ ሃይሉ ብወገና እታ ጣብያ ጥዕና ቕድሚ ሐዚ ሞት ኣዴታትን ህፃናትን ከምኡ እዉን ኣብ ገዛ ወሊድ ዜሮ ዝገበረት መርኣያ ጣብያ ጥዕና ከም ዝነበረት ሓቢራ፡፡

ኣብዚ ሐዚ እዋን ግን ፋሽስታውያንን ወረርትን ዝነበረ ናዉቲ ሕክምና ብፍላይ ድማ ኣምቡላንስ ብምቅፃለን ኣብ ገዛ ወሊድ 76 ሚኢታዊ ከም ዝበፅሐን በዙይ እዉን ሞት ኣዴታትን ህፃናትን ይዉስኽ ከም ዘሎ ኣረዲኣ፡፡

ብጣብያ ጥዕና መጋብ ተማእኺለን ግልጋሎት ዝህባ ዝነበራ 6 ጥዕና ኬላ እዉን ምስ ናዉተን ሙሉእ ንሙሉእ ከም ዝዓነዋ ሲስተር ሙሉ ገሊፃ፡፡

ነዙይ ስዒቡ ኣብ መዳይ ጥዕና ኣጋጠሙና ዘሎ ከቢድ ሕፅረት ንምፍታሕ ድማ ማሕበረሰብ ዓለምን ኣብ መዳይ ጥዕና ዝነጥፉ ማሕበራትን ቕልጡፍ ምላሽ ኣብ ምሃብ ክረባረቡ ፀዊዓ፡፡

ብህይወት ብርሃነ