INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ባህልን መንነትን፡ ሸውዓተ ክብርታት ኣሸንዳ-ትግራይ

21 ነሓሰ 2022
ቆልዑ ኣሸንዳ

መሬት ብዝናብ ወርሓት ኽረምቲ ርሒሳ፡ ዘራእቲ ክሽውት ምስ ጀመረ፡ ሸዊት ንኣሽቱ ኣዋልድ ከኣ "ስየ. . . ይዓወይ ስየ" እናበላ ክደርፋን ክዘላን ዝህንጠዋሉ እዋን እዩ።

በዓል ኣሸንዳ፡ ልዕሊ ካልኦት በዓላት ድሙቕን ውቁብን'ዩ።

ወርሒ ነሓሰ እንትብሕት፡ ካብ ስነ ልቦናውን ቁሳውን ምድላው፡ ክሳብ ምሕዳስ መንፈስን ስጋን ዝበጽሕ ምድላው ንምግባር፡ እተን ደቂ ኣንስትዮ ትኽስ ዝብላ ኣይመስላን።

ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ካብ ርእሳ ክሳብ ጽፍሪ እግራ ዘደንቕ ቁንጅና፣ ኣዞን ወዝን ክትውንን፡ ካብ ንኡሽቶ ክሳብ ዓብዪ (ካብ ቁኖ ጸጒሪ ርእሲ፣ ኮንጎ ሳእኒ ክሳብ ጥልፊ ክዳን) ምድላዋት ተጻፍፍ።

ኣሸንዳ 2010 ከመይ ተብዓለ?

ምሉእ ናጽነት ዝጎናጸፋሉ በዓል ኣሸንዳ ንምኽባር፡ ዳርጋ ናይ ኣዋርሕ ምድላው ክገብራ ዝጸንሓ ደቂ ኣንስትዮ፡ ናብ ኣደባባይ ክወጻ እንከለዋ፡ ዓለም 'ኩሉ ንዓኽን' ዝበለተን እዩ ዝመስል። ነቲ ወትሩ እግረኛታትን ተሽከርከርትን ዝመልእዎ ኣደባባያት፡ ቆልዑ ኣሸንዳ ይብሕተኦ።

"ኣዋልደይ ቆልዑ ማይዱርየ

ስነን ጸባ መልክዐን ድርድርየ. . ." ዝብል ዜማ ናእዳ እናዜማ 'ይዓወይ ስየ' ዝደርፋ ሰብ ጥልፍን ቆጽሊ ኣሸንዳን፡ ንዓብዪን ንኡስን ሃነን እየን ዘብልኦ።

ቆልዑ ኣሸንዳ

ኣብ መንፈሳዊ ኮሌጅ ቅዱስ ፍሬምናጦስ ኣባ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን፡ መምህር ቅኔን መጽሓፍን ዝኾኑ ሊቀ ሊቃውንቲ ያሬድ ካሳ "እቲ በዓል ናይ ኩሉ ኣማኒ ክርስትያን'ኳ እንተኾነ፡ ብፍሉይ ግን ሓዳር ዘይገበራ ደናግል ደቂ ኣንስትዮ ዘኽብርኦ'ዩ" ይብሉ።

"ምሳሌ ድንግል ማርያም'ዩ። ቅድሚኡ ሰብኡት ንኣንስቲ 'ብሰንክኽን ኢና ካብ ገነት ወጺእና፤ ምስ እግዚሄር ተባኢስና' እናበሉ ይምክሑለን ነይሮም። እየሱስ ካብ ድንግል ማርያም ምስ ተወለደ ግን፡ ብህይወት እየሱስ ናብ ገነት ተመሊስኩም ኢለን፡ ብአአን ተመሲሉ" ይብሉ።

'ሆየ ሆየ...ሆየ ዘይበለ ካባና ይፈለ'
"ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ፡ ኣብ መቐለ እንታይ'ዩ ዝገብር ዘሎ?"
መስቀል ካብ ጫፍ ጮምዓ መቐለ

ምሁር ባህልን ስነ ቃልን ኣቶ ኣለማየሁ ሃፍቱ ብወገኑ፡ ኣብ እዋን ኣሸንዳ ዝድረፉ ስነ ቃላት ባዕሎም፡ እታ ጓል ኣንስተይቲ ንሓዳር ዘይበቕዐት ምዃና ስለ ዝገልጹ ናይ ደናግል በዓል'ዩ ክበሃል ይከኣል ይብል።

"ቅድሚ ኣሸንዳ፡ ኣብ ጾመ ፍልሰታ ስጋወደሙ ዝቕበላ፡ እተን ደናግል እንብለን ንሓዳር ዘይአኣኸላ ኣዋልድ ብምዃነን፡ ሓንቲ ጓል ኣሸንዳ 'ዓወይ ስየ ክጻወት'የ፡ ኣይጓልን እንድየ' ክትብል ከላ፡ ነቲ ጸወታ ዘይኮነ ገና ድንግል ጓል ምዃና ዝሕብር'ዩ" ይብል።

ኣሸንዳ፡ 'ሻደይ'፣ 'ኣሸንድዬ' ተባሂሉ'ውን ኣብ ገለ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ይበዓል'ዩ።

ንምዃኑ፡ ክብርታት እዚ በዓል እንታይ'ዮም? ደቂ ኣንስትዮኸ ብኸመይ የንጸባርቕኦ?

ማዕርነትን ናጽነትን

ቆልዑ ኣሸንዳ፡ ክሳደን፣ ጨጉሪ ርእሰን፣ ዓይነን፣ ኢደንን እግረንን ብዝተፈላለዩ ባህላዊ መጋየጺታት ኣመላኺዐን፤ ኣብ ሽምጠን ድማ ቆጽሊ 'ኣሸንዳ' ይዕጠቓ።

ንጽባቐ ሓንቲ ጓል ኣሸንዳ ዘድነቐ ወይ 'ነገር ዝደለየ' ወዲ ተባዕታይ፡ ነቲ ቖጽሊ ስሕብ እናበለ ክተቕልበሉን ቁሊሕ ኢላ ክትርእዮ ይፍትን። ቆልዓ ኣሸንዳ ግን ገጽ ኣይትህቦን። ጎራዙ ደቂ ኣሸንዳ ብባህላዊ ክዳንን መመላክዒታትን ጸቢቐን እየን እቲ በዓል ንምክባር ዝወጽኣ

ሊቃውንቲ ቤተክህነት፡ ነዚ ኩነታት ምስቲ ኣብ እዋን 'ዕርገት ስጋ ድንግል ማርያም' ዝነበረ ፈተናታት 'ኣጋንንቲ' እዮም ዘዛምድዎ።

ምሁራት ሳይንስን ማሕበራዊ ጉዳያትን ድማ፡ በዓል ኣሸንዳ ፍልስፍና ማዕርነት፣ ናጽነትን ማሕበራዊ ስነ ሞገትን ዝንጸባረቐሉ ፍሉይ በዓል እዩ ይብሉ።

ኣምባሳደር ኣሸንዳ ትግራይ፡ ስነ ጥበባዊት ፍርያት የማነ፡ በዓል ኣሸንዳ 'ባህልኻ እትሕልወሉ ውርሻ ' ኮይኑ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ባዕለይ ዝብልኦ መንነተን ዝገልጻሉ በዓል'ዩ ትብል።

"በብግዚኡ ዝኾነ ነገር ከይተወሰኾ ዝቐጸለ ባህላዊ ውርሻ'ዩ። ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ገጠር፡ ካብ ካልኦት ተደረብቲ ስራሕቲ ሽዓ እየን ነጻነተን ዝረኽባ። እዚ በዓል፡ ሓሳበን ብነጻነት ዝገልጻሉ፣ ድላየን ዝገብራሉ፣ ጸቢቐን ዝወጽኣሉን ምስ ሰባት ዝራኸባሉን'ዩ" ትብል።

መምህር ስነ ሰብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ሰናይት ኣብርሃ ብወገና፡ ነጻነትን መዓርነትን፡ ሓደ ካብቶም ክብርታት ኣሸንዳ'ዩ ብምባል ትገልጽ።

"በዓል ኣሸንዳ፡ ደቂ ኣንስትዮ ናፊቐንኦ ጸኒሐን፡ ድላየን ዝዛረባሉ፣ ናብ ድላየን ዝኸዳሉ፣ መብጽዓ ኣትዮምለን ንዝጸንሑ ዘመስግናሉ ፌስቲቫል ኮይኑ፡ ቕድም ኢሉ ተጸቒጡ ዝነበረ ብነጻነት ናይ ምዝራብ መሰለን ተቐንጢጡ፡ ኣብቲ ግዘ ንሱ ክነቕፍኦ ንዝደልይኦ ሰብ ዝነቕፋሉ፣ ንዝሙገስ ድማ ዘመጉሳሉ በዓል'ዩ" ኢላ።

ነዚ ድማ ይመስል፡ ኣብዛ ዕለት ዓው ኢለን ድምጸን ንምስማዕ ኾነ ንምዝራብ ዘይሓንካ።

ፍርያት የማነ "ደቂ ኣንስትዮ ርእሰ ተኣማንነተን ብምዕባይ፣ ጥምረት ወይ ሕብረት ዝፈጥራሉ ናይ ነጻነት በዓል'ዩ። ሓሳብ፣ ጽባቐ ዝግለጸሉ ናይ መዘናግዒ መድረኽ'ውን እዩ" ትብል።

ጽባቐን ሓድነትን

ቆልዑ ኣሸንዳ፡ ኣብዚ በዓል ዝጥቀማሎም ኣልባሳት፣ ኩሕልን ኩትቻን ዝኣመሰሉ መመላኽዕታት፡ ቀሊል ዘይብሃል ምድላው ዝገብራሉ'ዩ።

እዚ በዓል፡ ሃይማኖታዊ ድርኺት ከም ዘለዎ፡ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ትኣምን።

ኣሸንዳ ሃይማኖታዊ መሰረት ዝለበሰ በዓል'ዩ እንተተብሃለ'ውን፡ ኣብ ከይዲ ክዋንኡ ግን ከከም ከባቢኡን ኣመጻጽእኡን ባህሊ'ውን ዝሓወሰ'ዩ፡ ይብል ምሁር መጽናዕቲ ባህልን ስነ ጽሑፍን ኣለማየሁ ሃፍተ። ኣሸንዳ ኩል ግዘ ወርሒ ነሓሰ ክሳብ ክልተ ሰሙን ዝበጽሕ፡ ብባህላዊ ደርፍታት፣ ሰዓዕስዒትን ጽባቐን ተሰንዩ ይብዓል

ጽባቐን ሓድነትን ድማ፡ ደቂ ኣንስትዮ ብፍሉይ ዘንጸባርቕኦም ክብርታት ኣሸንዳ ከም ዝኾኑ ብምጥቃስ፡ ርእሰ ምትእምማን ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ዚያዳ ጎሊሑ ዝወጽኣሉ ዕለት እዩ ክብል የብርህ።

"ኣዋልድ ዚያዳ እቲ ካልእ መዓልቲ ጸቢቐን ኣብቲ መዓልቲ ዘለወን ክብሪ፣ ውሽጣውን ደጋውን ርእሰ ምትእምማን ዘርእያሉ ዕድል'ዩ። ዝተፈላለየ ባህሪ፣ ብርኪ መነባብሮ፣ ድልየትን ዝንባለን ዘለወን ደቂ ኣንሰትዮ ናብ ሓደ መጺአን ባህሊ ወለደን ዝገልጻሉ መዓልቲ'ዩ" ይብል።

"ንጻወት እንዶ ንተሓዋወስ'የ ዘመን ክምለስየ" ዝብል ሓደ ተለላ ደርፊ ቖልዑ ኣሸንዳ ብምጥቃስ፡ እዚ ንሕና ሓደ እንተኾይንና'ዩ እቲ ሰናይ ዘመን ክመጽእ ዝኽእል፣ ባህልና እንዝክሮ ንሕና ተሓዋዊስና ሓደ እንተኾይንና'ዩ ዝብል መልእኽቲ ስለ ዘለዎ፡ ምስክር ሓድነተን'ዩ ይብል ኣለማየሁ።

ጾታዊ ስነ ሞጎትን ንጽህናን

ኣሸንዳ፡ ካብ ካልኦት በዓላት ፍሉይ ዝገብሮ፡ ናይ ንሕንሕ ዓውዲ ኮይኑ ምቕራቡ'ዩ።

ደቂ ኣንሰትዮ እንተውሓደ ብኣከዳድና፣ ብመጋየጺታት፣ ብክእለት ምንጓሕ ደርፊ፣ ፈጠራዊ ዜማታትን ካልኦትን፡ "ዲደይ'ዶ ዲደኺ ትዕምርየ፤ ዲደይ ድኣ ጓለይ. . ." እናበላ፡ በብኣናኣሽቱ ጉጅለታት ተወዚዐን ይጻወታ።

ኣቶ ኣለማየሁ ሃፍተ ከም ዝብሎ ድማ፡ ኣሸንዳ ፍልስፍና ጾታ'ውን ዝርኣየሉ'ዩ።

"ደቂ ኣንስትዮ እንታይ ይደልያ፣ እንታይ ይጸልኣ፣ ከመይ ነይረን፣ ከመይ ኣለዋ፡ በቶም ዘዝይምኦም ስነ-ቃላት ናይ ምግላጽ ተኽእሎ ስለ ዘለወን ፍልስፍንአን የርእያ እየን" ዝብል ኣቶ ኣለማየሁ፡ "ኣዋልደይ ሎሚ ዕበዳ፤ ላዕላይ ሰማይ'ዶ ኣለዎ ማይዳ" ክብላ ከለዋ፡ ዓብዪ ፍልስፍና ህይወት'ዩ ይብል።

"ደቂ ሰባት ነቲ ክመጽእ እዩ ኢልና ብዛዕባ እንጽበዮ ካልኣይ ዓለም ኢና ንሓስብ። ንሰን ግን እታ ዝተውሃበትና እታ ንፈልጣ ዓለም ክንጥቀመላ ንኽእል ኣለና፡ ሎሚ እንተዘይተጻዊትክን ኣብ ላዕላይ ሰማይስ ሜዳ ዝህሉ'ዶ ይመስለክን ዝብል ዓብዪ ናይ ስነ ተፈጥሮ ፍልስፍና'ውን ዘርእያሉ መገዲ'ዩ"።

ምሁራት መጽናዕቲ ባህልን ስነ ጽሑፍን፡ ባህሊ፡ ብሓደ ወገን ከም ዘዳሊ፤ በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ ዝተፈላለዩ ሰብኣዊ ክብርታት ሓሊኻ ንክትኸይድ ዝገብር'ዩ ይብሉ።

ኣሸንዳ ከም ሓደ ትውፊታዊ በዓል፡ ማሕበራውን ስነ ልቦናውን ትርጉም ከም ዘለዎ ዘልዕል ኣቶ ኣለማየሁ፡ ደቂ ኣንስትዮ ዚያዳ እቲ ኻልእ መዓልቲ ብዛዕባ ሓድነተንን ስነ ጾታን ዝሓስባሉ፣ ዘለወን ጽባቐ ብምግላጽ፡ ንዝተፈላለዩ ባህላዊ እምነታት እቲ ሕብረተሰብ ዝምጉታሉ ባይታ'ዩ ክብል ይገልጾ።

ጓል ኣንስተይቲ ደገ እንተወጺኣ ብዙሕ ጸገም ክበጽሓ'ዩ፣ ደቂ ተባዕትዮ ብዘይፍቓዳ ወሲዶም ዘይትደልዮ ነገር ክትፍጽም ትኽእል'ያ ዝብል ስግኣትን ባህላዊ እምነትን እቲ ሕብረተሰብ፡ ኣብዚ ዕለት ብገሃድ ከም ዝምጎት እውን ይዛረብ።

"ኣብታ መዓልቲ፡ ኣብ ውሽጠን ብዝፍጠር ስብእና እምበር፡ ደገ ስለ ዝወጽኣ፣ ሰብ ስለ ዝርኣያ፣ ዓርሰን ብነጻነት ስለ ዝገለጻ ኣይኮነን ሕማቕ ነገር ዝሓስባ ዝብል ስነ ልቦናዊ ሞጎት ኣብ ኣሸንዳ ይርአ'ዩ።

ብኻልእ ወገን ድማ፡ ኩል ጊዜ ተዓቢጠን፣ ካብቲ ማሕበራዊ ህይወት ተገሊለን ክነብራ የብለንን፡ ስለዚ ነጻነተን ዝእውጃሉ መዓልቲ ክህልወን ኣለዎ ዝብል ኣተሓሳስባ ዝተፈጠረሉ ስለ ዝኾነ፡ ኣሸንዳ ኣተሓሳስባ ናይቲ ማሕበረሰብ ዝግለጸሉ፣ ስነ ጾታዊ ሞጎት ዝካየደሉ፣ ብርኪ ጾታን ጓል ኣንስተይቲ ዝርኣየሉን በዓል'ዩ" ኢሉ።

ልግሲ

ደቂ ኣንስትዮ ኣሸንዳ፡ ናብ ሩባ ከይደን ማይ ብምሕጻብ፣ ቤተክርስቲያን ከይደን ዓመት ንዝዓቖረን ፈጣሪአን ኣመስጊነን እየን ጓይላ ወይ ጸወታ ኣሸንዳ ዝጅምራ።

"ሓዛለይ ሓዛለይ . . . ጎይታይ ኣጋፋሪ ኽፈተለይ በሪ . . ." ኢለን ዝረኸብኦ ውህብቶ፡ ምስቲ ማሕበረሰበን እየን ዝካፈልኦ እትብል መምህር ስነ ሰብ ሰናይት፡ "ኣብ ገጠራት ንቤተክርስቲያን ከበርክታ፡ ኣብ ከተማ ድማ ንመሐገዚ ኣረጋውያን ወይ መንግስታዊ ልምዓት ከወፍይኦ ኢና ንዕዘብ" ኢላ።

ስነጥበባዊት ፍርያት የማነ ብወገና፡ እቲ ኣሸንዳ ኢልካ ዝርከብ እቶት ኣብ ገጠራት ብልክዕ እቲ ዝነበረሉ ተሓልዩ ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ ኣብ ከተማታት ሓሓሊፉ ዝፍለይ ባህሪያት ከም ዝርኣዮ ትዛረብ።

"እቲ ባህሊ ዝሃስስ ኣይኮነን፤ ግን ምስ ግዜ እናተቐየረ ዝመጽእ ነገራት ከም ዘሎ ትዕዘብ ኢኻ። ኣብ ገጠር ከም ቀደሙ ኣሸንዳ ተባሂሉ ዝርከብ እቶት ንቤተክርስቲያን ብምሃብ፣ ዝጠመየ ብምዕንጋል በረከት ዝርከቦ ነገር ይስርሐሉ። እቲ ባህሊ ብዝግባእ ክፍለጥ እንተገይርናዮ ግን፡ ስርዓቱ ሓልዩ ክሓልፍ ይኽእል'ዩ ኢለ ይሓስብ" ትብል። ኣሸንዳ ኩል ግዘ ወርሒ ነሓሰ ክሳብ ክልተ ሰሙን ዝበጽሕ፡ ብባህላዊ ደርፍታት፣ ሰዓዕስዒትን ጽባቐን ተሰንዩ ይብዓል

ግደ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ጸወታ ኣሸንዳ

ደቂ ተባዕትዮ፡ ዋላ'ውን ከበሮ ሒዞም እንተዘይተልሃዩ፡ ሓጺር ገምባለ ምስ ሽራኽ ስኣኒ ወይ ኮንጎ ረጊጾም፣ ሚዶ ኣብ ጎተና ርእሶም ሰዅዖም፣ በትሪ ጨቢጦም ደድሕሪ እተን ቆልዑ ኣሸንዳ ክዞሩ ይውዕሉ።

ተመልከትቲ ወይ ዕዱማት ኮይኖም፡ መብጽዐአን ክበጽሐለን ውህብቶ ንዝልምንኦም ስልማት ብምሃብ፡ ጸወትአን የድምቑ።

"ከም ባህሊ፡ እቶም ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ሓንቲ ጉጅለ ሓፍቶም ክትህሉ ስለ እትኽእል፡ ጥቕዓት ከይበጽሓ ንምሕላው ደድሕሪአን ብምኻድ ዝግለጽ ተራ ኣለዎም" ትብል ሰናይት።

ርኢይቶኣ ዝካፈል ኣቶ ኣለማየሁ ብወገኑ፡ ወዲ ተባዕታይ፡ ነቲ ነጻነተን ተቐቢሉ ስርሐን ጽባቕአን ብምንኣድ፡ ኣካል እቲ በዓል ከም ዝኸውን ብምግላጽ፡ ብፍላይ እቶም ኣናኣሽቱ ዝበሃሉ ካብ ከልብን ካልኦት ሓደጋታትን ኣብ ምሕላው ዓብዪ እጃም ከበርክቱ ኢኻ ትዕዘብ ኢሉ።

"ኣብዚ ግዘ፡ እቲ ዝደለይኦ ውህብቶ እንተዘይተዋሂበን ንዕኦም ክግስጹ ዝኽእሉ ደርፍታት ይደርፋ እየን፤ እቶም ደቂ ተባዕትዮ እንተተጸረፉ'ውን ኣይምልሱለንን። እዚ ግዘ ፍሉይ ነጻነት ሂቡወን እቲ ማሕበረሰብ'ውን ከም ዝደገፈን የመላኽት" ትብል መምህር ሰናይት።

ካብዚ ብምብጋስ፡ ኩል ግዘ ደቂ ተባዕትዮ ፍቓድን ነጻነትን ዝቕበልሉ ባይታ እንተመጺኡ፡ እቲ ዘሎ ጾታዊ ኣፈላላይ ክጸብብ ይገብር'ዩ ዝብል እምነት ኣለዋ።
ደቂ ተባዕትዮ፡ ኣብ እዋን ኣሸንዳ ደቂ ኣንስትዮ ጥቕዓት ከይበጽሐን ይሕልውወን

ፌስቲቫል ኣሸንዳ፡ ሃይማኖታዊ መሰረት ከም ዘለዎ ዝእመን በዓል ኮይኑ፡ ደቂ ተባዕትዮ'ውን ኣካል ምድማቕ እቲ ዓል ኮይኖም ይሳተፉ

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ በዓል ኣሸንዳ ኣብ ትካል ባህሊ፣ ትምህርትን ሳይንስን [ዩኔስኮ] ንምምዝጋብ ዝስርሑ ስራሕቲ ኣለው።

"ኣብዚ በዓል ደቂ ኣንስትዮ ሙሉእ ንሙሉእ ባህላዊ መጋየጽታት ስለ ዝጥቀማ ባዕሉ ሓድጊ'ዩ" እትብል ኣርቲስት ፍርያት የማነ፡ "ዝተፈላለየ ሳዕስዒት፣ ደርፍን ባህልን ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ምልላይ ምኽኣል ዓብዪ ነገር'ዩ" ኢላ።

እንተኾነ፡ ካብ ባህሪ ኣከባብራ እቲ በዓል ብምብጋስ፤ ብፍሉይ ኣብዚ ቀረባ ግዘ መለመኒ ቅርሺ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ ዝብል ስክፍታ ዝፈጥረሎም ሰባት ኣለው።

ኣሸንዳ፡ ናብ ዘላቒ ማሕበራዊ-ቑጠባዊ ረብሓ ንምሽራፍ፡ ካብቲ ትውፊታቱ ከይወጽአ ባህላውን ሃይማኖታውን ክብርታቱ ብኣግባቡ ዝንጸባረቐሉ ክኸውን ከም ዘለዎ ድማ ይላበዩ።

እዚ ጽሑፍ፡ ፈለማ ብ 21 ነሓሰ 2019 ዝተሓተመ ዛንታ እ