INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ዜና ዓወት እንትዝንግዕ "መንግስቲ ይቀየር " ኢልካ ዘረባስ ናይ ጥዕና አይትመስልን!

አይግዚኡን ማለት ዝተፈለየ ሓሳብ አይለዓል ወይ ካብ ሕሉፍ ጌጋ አይንመሃር ፤ እናተጋገና ንፅናሕ ማለት አይኮነን::

አይግዚኡን ንምንታይ?

1. እቲ አብ ህዝብና ዝበፅሕ ዘሎ ዓፀባ ብሓባር ክንፈትሖ ንኹሉ ሓቑፍና ክንምርሽ፤ ናይ ምውንጅጃል/ምክሳስ ጊዜ ከይኮነስ ናይ ምክአአል ጊዜ ክንገብሮ አለና ካብ ዝብልዩ እዩ::

2. አይግዚኡን ዝብል ጊዚኡ እዩ ብዝብልሞ ንቐይሮ ፤ እታ አይግዚኡን አሉታዊ ትርጉም ትውሃባ ስለዘላ : ጊዚኡ ሕማቕ ይኹን ፅቡቕ ዝተማርፀሉ ጊዜ ተይኮነስ ዝተአዘዝካዮ ጥራሕ እትፍፅመሉ ዝተውሃበትካ ናይ መኸተ መደብ ብዘይ ቃልዓለም እትፍፅመሉ ጊዜ እዩ :፡ ብሓፂሩ እቲ ጊዜ ናይ ሞትን ሕየትን እዩ፤ ንጭቕጭቕን ንናይ ፖርቲ ፖለቲካን ካሊእ ጊዜ አለዎ ማለት እዩ::

ናብ ዝፈላልዩና አረአእያታት ቅድሚ ምስጋረይ ሓደ ዝገብሩና ነገራት ከዘኻኽር:

1. አብ ህዝቢ ትግራይ በፂሑን ይበፅሕን ዘሎ ፀገም ንህዝቢ ምፅናትን ትግራይ ምጥፍእን ምዃኑ አብዝሓ ዝስማምአሉ ምዃኑ: ናብታ እትድለ ንምብፃሕ አብዘሎ ባህጊ ግና ዝተፈላለዩ አንፈታት አለው: (ሓደ ብገርሁ እቲ ካሊእ ብጉርሑ) አብዝቐርብ ዘሎ አረአእያ አብ ሰለስተ ዝተመቐለ ይመስል:

1. ፀላእትና ንህወሓት አምሲሎም ህዝቢ ከፅንቱ ዝመፁ ስለዝኾኑ ምስ ዝመረፅናዮ ውድብን መንግስትን ኮይንና ኢና እቲ ሽግር ንፈትሖ፤ ካብ ህወሓት ወፃኢ ዘለው መማረፅታት ድኹማት እዮም፤ ህዝቢ ዝመረፆ ውድብ ሒዝና ክንሰግሮ ኢና እንተደኸመውን ሓጊዝና ምቕፃል እምበር አብ መንጎ ኩናት ፈረስ አይንቕይርን ዝብል እዩ::

2. እቲ ካልአይ ክፋል አረአእያ ነዚ በፂሑና ዘሎ ፀገም ዘምፀአልና ህወሓት ስለዝኾነ ፤ ሎሚ በፁሑና ንዘሎ ፀገብ ክፈትሕ አቕሚ ስለዘይብሉ ካሊእ ሓዱሽ አመራርሓ የድልየና እዩ ፡፤ ስለዝኾነድማ መሰጋገሪ መንግስቲ፤ ወይ ናይ ኹናት ጊዜ ኮሚሽን ይጣየሽ፤ በዚ ዘሎ አመራርሓ ክንዕወት አይንኽእልን ዝብል ሓይሊ አሎ።

3: አብ ውሽጢ ትግራይ ብዘጋጥም ዘሎ ዘስካሕክሕ ዕፅዋን ጥምየትን ዝተጨነቐ ፤ ሰራዊት ትግራይ ካብ ደገአፍ ዓወት ተመሊሱ ኢሉ ዝሓርቕ፤ እቲ ዕፅዋ ነዉሑ ኢሉ ዝጭነቕ ፤ እንተኾነ ግና አብ ውድብ፤ ሰራዊትን መንግስትን እምነትን ተስፋን ዘለዎ፤ እኹል መብርሂ እንተረኺቡ ናብ ተግባር ዝዋፈር ሓይሊውን አሎ:: - አብ ትግራይ በፂሖም ብዝበሃሉ ምምሕዳራዊ ጎዶለታት፤
- ካብ ዳያስፖራ ዝተልአኸ ናይ ውልቀ ሓገዝ ብግቡእን ብእዋኑን ዘይምብፅሑ ዝፈጠሮ ስምዒት
- ዝተገበረ ተፃብኦታት ደው ናይምባልን ሓገዝ ክአቱ ዝተብሃለውን ዝይምብፅሑን፤
- ፀላእቲ ጊዜ ረኺቦም መሊሶም ንኽወሩና ዕድል ተዋሂብዎም፤ ጊዜ ኣባኺና ዝብል፤
- ምዕራባዊያን ብዝደልይዎ ኢና ንኸይድ ዘለና፤ እቲ መንግስቲ ብሰብአዊ ሓገዝ ክደራደር አይነበሮን ወዘተ ዝብሉ አመኽንዮታት አለዎም::

እቶም አብ ቀዳማይን ሳልሰይትን ዝተሰርዑ አረአእያታት ነዚ አቲናዮ ዘለና መድረኽ ዝምጥኑ እዮም:: ናይ ፅሕፍቲ ሕምብርቲ አብታ ካልአይቲ መንግስቲ ናይ ምቕያር ወይ ህወሓት ናይ ምልጋስ መማረፂት ዘለዋ ሓደጋታት ንምርአይ እያ::

ናይ ህዝቢ ርእይቶ (public opinion) ንፖሊሲ እታዎታት ስለዝኸውን አፍኩም ዕፀው ዝበለ የለን፤ መራሕቲ ትግራይውን አብዝተሓተትዎ መድረኻት መልሲ ይህቡ አለው:: እዘን ድኽመት አሎ አብዝተብሃለ ጊዜ ቅልቅል ዝብላ ዘለዋ ሓሳባት ድማ ብዝሰልጠነ አገባብ መልሲ ምሃብ ምክታዕ እምበር ንመቕረብቲ ሓሳብ ብምድሃል አይፍታሕን: ነቶም ኮነ ተባሂሉ ጊዜ እናተፀበዩ ዝቕልቀሉ ዘለው ሓሳባት ናይ ህዝቢ ፀገማት ወይ ሕቶታት ጉልባብ ገይሮም ስለዝብገሱ መድሓኒቶም ህዝቢ ባዕሉ ክመምዮምን ክፈልጠምን ምግባር እዩ::

"ህወሓት". ሎሚ ጉድለታት ይአርመልና ተይኮነስ ሎሚ ይልገሰልና ዝብል ሓስብ ቐንዲ ሓደጋታቱ፤

1. ህወሓት ምስ አባላቱን ደገፍቱን አብ ግንባር ናይ ህይወት ዋጋ ዝኸፍልን ዝመርሕን ዘሎ ውድብ ስለዝኾነ አይሽንኳይ ዶ ህወሓት ሎሚ ዝተፈጠሩ ውድባትውን ካብዚ ናይ መኸተ መድረኽ ይልገሱ ምባል ዓርሰ-ቅትለት እዩ፤ እዚ ሃይማኖት አይኮነን : ጭቡጥ ዓቕሚ ህወሓት ዘይምፍላጥ እዩ:: ነዚ ዓቕሚዚ ዝትክእ ዝኾነይኹን ሓይሊ የለን: ስለዚ ንሓደጋ ምቅላዕ እዩ::

2. እቲ ውድብ ነዚ ኹናት ክመርሕ ብህዝቢ ዝተመርፀ ስለዝኾነ ምስ ዝመረፆ ህዝቢ ዘላትምውን እዩ:: ብኻሊእ አበሃህላ ናይ ብልፅግናን ሻዕብያን ድልየት ምፍፃም እዩ፤ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ አውራ ዕላምኦም ነዚ ውድብ አጥፊእካ ህዝቢ ብዘይ አመራርሓ ክተርፍን ሕድሕድ ክፈላለን ምግባር እዩ::ክቕየር እንተኾይኑውን መረፃ አብዝካየደሉ ኩነታት የለን፤ ብህይወት ምንባርን ዘይምንባርን ሕቶ ሎሚ ብመረፃ አይፍታሕን::ብዕልዋ - መንግስቲ እንተኾነውን (ዓቕሚ እንተልዩ) ነቲ ጆኖሳይድ ባዕልና ንወድአዮ ዳርጋ ክምባል እዩ::

4. ህዝብና ካብ ዕፅዋ ክወፅእ እንተኾይኑ ውሽጣዊ ሓድነትና ክሰጥም አለዎ!

ክሳዕ ሕዚ ታሪኽ ተሰሪሑ፤ ሎሚውን ታሪኽ ይስራሕ አሎ ፤ ንቕድሚትውን ወሳኒ ዓወት ክንረክብ ኢና ኢልና እንአምን ተጋሩ ናይቲ መቃለሲ መሪሕ ሓሳብና ህዝቢ ትግራይ ካብ ጥፍአት ክድሕን ዕፅዋ ክስበርን ዘይተሸራረፈ ሓድነት ህዝብና ዋሕስ ምዃኑ ምእማን እዩ ::
አብ ቅድሚ አለም ዝመረፅክዎ መንግስቲ ናብ ቦትኡ ይመለስ ዝበልናዮውን መሊሱ አለም ከየደናግር ምጥንቃቕ የድሊ::

አብ ምንጎ ዘግጥመና ዘሎ ሽግራት ፤ ፀበባን ደንገርገርን እናልዓልካ ምዝርራብ ፅቡቕ ይመስለኒ ውልቀ-ሰባት ይኹኑ ዝተወደቡ አካላት አብክሊ መኸተ ዘሎ ኹሉ ሓስባት ክልዓልን ክዝተየሉን ፀገም የብሉን: ሰብን ስንቅን ዘጉድል ግና ክኸውን የብሉን::

ስለዚ ህዝብና ገጢምዎ ዘሎ ዓፀባ ብዓይነቱን ብመጠኑን ገዚፍ ምስምዃኑ እቲ ቃልስናውን ሕልኽላኽ ዝበዝሖን ብዙሕ መስዋእቲ ዝሓትትን ምዃኑ ብዙሕ ተዘሪቡሉ እዩ::

ፀላእትና ብዙሓት ዘራያት ሒዞም ካብዝተንቀሳቐስሉ እቲ አውራ ዕላማ :

ንህዝቢ ትግራይ መሪሕ ሲኢኑ ዕንይንይ/ፋሕፋሕ ክብል እሞ ከምቶም ቐዳሞት ወለድና ታሪኽ ሰሪሖም ኹናት ስኢሮም አብ መወዳእታ ሕድሕድ ከፋፊሎም ንህዝብና ድከት ከእትውዎ እዩ ነይሩ፤

ሎሚውን እቲ ተጠጅዩን/ተፋሒሱን ምስ ናይ ፖለቲካ ሕፅቦ መሃንዲሳትን ተደሚሩ ዝተኸፈተ ህዝቢ ናይ ምፅናት (ጆኖሳይድ) ሎሚውን መሊኡ አይተፈትሐን ህዝብና አብ ከቢድ አፀቦ ይርከብ:: ነዚ ዝተረደአ ወለዶ ነባርን ሓዱሽን ሓይሉ አዋዲዱ ናብ ወሳናይ ዓወት ምምራሽ እምበር አብ ከተማታትን ሚዲያታትን እናወፃእኻ ናይ ተቓለስቲ ሞራል ምትንካፍን ስንቂ ምጉዳልን አየርብሕን::

ነዚ ቃልሲ ዚ ንኽመርሕ ታሪኽ ዝዓደሎ መንግስትን ውድብንውን ነዘን በቢእዋኑ ዝለዓላ ዘለዋ ህዝባዊ ሕቶታት ቅልጡፍ መፍትሕ አብምሃብ ናይ ምምራሕ ዓቕሙ ንህዝቡ ከርኢ አለዎ:: ናይ መንግስትን ውድባትን ሓለቓ ህዝቢ ስለዝኽነ ንርእቶ ህዝቢ ግቡእ ቖላሕታ ምሃብን ምምላስን ቐዳማይ ውራይ ይኹን::

አብ መወዳእታ ብዛዕባ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ዝግደስ ኹሉ ምሽጥር ሓድነትና ፈሊና ምፍላጥን ምክእኣል፤ ምርድዳእ፤ ምትሕልላይ፤ ምክብባር እዋና ሕዚ ምኻና ፈሊጥና ነቲ ዝቕየር ዘሎ መድረኽ ዝምጥን ንመንግስትን ሰራዊትን ትግራይ አለናልኩም ዝብል ናይ ሓድነትና መግለፂ ዝኾነ ሓበራዊ ድምፂ ክነቃላሕ ይግበአና፡፡

ዜና ዓወት ብማዕዶ እንፅበዮ ተይኮነስ ኢድና እንሓውሰሉ ክኸውን አለዎ!

ትግራይ ትስዕር!