INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ኣኽሱም ክትምለስ ኣለዋ። ኣኽሱም ማእኸል ኩሉ ነገር እያ። ታሪኽና ደሚቑ ክወፅእ ኣለዎ።

ፕረዚደንት ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ምስ መራሕቲ ቤተ-ክርስትያን ኦርቶዶክስ ትግራይ ኣብ ዝነበሮም ኣኬባ ዘልዐልዎም ዓበይቲ ነጥብታት፦

* ብልፍንታዉያን ወረርቲ ሓይልታት በፂሑና ዘሎ ቁሉዕ ወራርን መከራን ፣መከራ ህዝቢ ትግራይን ቤተ -ክርስቲያንን እዉን እዩ። ኣብ ትግራይ ቤተ እምነታት ግዳይ እቲ መከራ ኮይነን እየን።

* ቤተ-ክርስትያን ተበሳቢሳ እያ። ቤተ-ክርስትያን ዓንያ እያ። ቤተ-ክርስትያን ኣራኺሶምዋ እዮም። ቤተ-ክርስትያን ተደፊራ እያ።

* ታሪኽና ተወሲዱ እዩ። ተቓፂሉ እዩ። ፋብሪካታትና ተመንዚዖምን ዓንዮምን እዮም። ደቂ ኣንስትዮ ተደፊረን እየን። ኣቦታት ሃይማኖት ተቐቲሎም እዮም።

* ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ቤተ -ክርስትያንን ዝበፀሐ ጥቅዓት ኣየሰኮነናን። ከም ህዝቢ እዉን ክንምብርከኽ ኣይከኣልናን።

* ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ገና ኣይተዛዘመን። ቤተ -ክርስትያን እዉን ትቃለስ እያ ዘላ። ነቲ ዘይተወደአ ቃልሲ ሓቢርና ክንዛዝሞ ኣለና።

*ቤተ-ክርስትያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፀሐ ዓለም ዘሰንበደ ተግባር ምፅናት ህዝቢ ሪኣ ከምዘይረኣየት ተፀሚማ እያ ጥራሕ ዘይኮነስ መሳርሒት እዉን ኮይና እያ።

* ናይ ፀላእትና መገልገልቲ ብፍፁም ኣይንኸዉንን። መገልገሊኦም ዝኾነ ኩሉ መሓዉር ክፅረግ ኣለዎ።

* ቤተ -ክርስትያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ ዂናት ክጋደድ ገንዘባዊ ሓገዝ እዉን ገይራ እያ።

* ኣኽሱም ክትምለስ ኣለዋ። ኣኽሱም ማእኸል ኩሉ ነገር እያ። ታሪኽና ደሚቑ ክወፅእ ኣለዎ። ክሰርቅዎ፣ክዉንንዎ፣ክቐብርዎ እዮም ፈቲኖም።

* መራሕቲ ሃይማኖት ንባዕልኩም ስጥምጥም ኢልኩም ንኣመንትኹም እዉን ብኣግባቡ መሪሕኹም እታ ፈተና ክንሰግራ ኣለና።

Dimtsi Weyane
Digital Weyane ዲጂታል ወያነ

Read More