INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ንመሰል ዓርሰ ውሳነኡ ፈፂሙ ከም ዘይደራደር

Source

ህዝቢ ትግራይ ንመሰል ዓርሰ ውሳነኡ ፈፂሙ ከም ዘይደራደር ኣብቲ እነካይዶ ዘለና ህዝባዊ መኸተ ቀንዲ ተዋሳኢ ኾይኑ ብተግባር ኣርእዩና እዩ ክብሉ ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደ/ፅዮን ገ/ሚካኤል ገሊፆም።

ህዝቢ ትግራይ ብፀላእቲ ዝተኣወጆ ህልቂት ንምክልኻል ብቓልሱን ብደሙን ኣብ ምምካት ዝርከብ ኮይኑ፡ ብዘላቕነት ድሕንነቱን ህልውንኡን ንምርግጋፅ መሰል ዓርሰውሳነ ከም ዝጠልብ ኣብቶም ዝሳለጡ ዘለዉ ህዝባዊ ዋዕላታት ኣረጋጊፁ ኣሎ።

ዋሺንግተን ዲሲ: 28 ጉንበት 2014 ዓ/ም (TMH)

ህዝቢ ትግራይ ብዝኾነ ይኹን ፀላኢ ከም ዘይስኮንን ንመሰል ዓርሰ ውሳነኡ ፈፂሙ ከም ዘይደራደርን ኣብቲ እነካይዶ ዘለና ህዝባዊ መኸተ ቀንዲ ተዋሳኢ ኾይኑ ብተግባር ኣርእዩና እዩ ኢሎም ፕረዚደንት ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል።

ዶክተር ደብረፅዮን ነዚ ዝበሉ ኣብ ስነ-ስርዓት ምረቓ ሓደሽቲ ኣባላት ፖሊስ ትግራይ ኣብ ዝተረኸብሉ መድረኽ እንትኸውን ፣ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ነዚ ኹሉ ብደሆታት ፈንፂሑ ናብቲ ሕዚ በፂሕዎ ዘሎ ብርኪ ክበፅሕ ዝኽኣለሉ ቀንዲ ምሽጥር ወናኒ ብዙሓት ክብርታት ምዃኑን ካብ መትከሉ ዘምበል ከይበለ ስለ ዝተቓለሰን ምዃኑ ሓቢሮም።

ህዝቢ ትግራይ መኸትኡ ንምዕዋት ብውሽጥን ብደገን ሓድነቱ ኣስጢሙ ይረባረብ ከም ዘሎ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ምግላፆም ዝሓበረ ድምፂ ወያነ ፣ሕዚ እውን ቓልስና ብዓወት ንምዛዘምን ውሕስቲ ትግራይ ንምፍጣርን መንግስቲ ትግራይ ብዕቱብ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣረዲኦም።

ኣብ ዋሳኒ ምዕራፍ በፂሑ ዝርከብ መኸተ መላእ ህዝቢ ትግራይ ዝሳተፈሎም ኮንፈረንሳት ብምስላጥ ኣብ ምርድዳእን ምትእምማንን ዝተመስረተ ማዕበላዊ ናህሪ ዝተላበሰ ኮይኑ፡ ህዝቢ ትግራይ ንመሰል ዓርሰ ውሳነኡ ፈፂሙ ከም ዘይደራደር ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ መኸተ ቀንዲ ተዋሳኢ ብምዃን ብተግባር ኣርእዩና እዩ ክብሉ ዶክተር ደ/ፅዮን ገ/ሚካኤል ገሊፆም።