INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ኣብ ሕሊና ህዝቢ ህያው ኮይኑ ዝዝከር ተጋዳላይ...

መ.ሪር ተጋዳላይ ( ፀሃየ ጀብጀብ ኣረፋይኔ ካሕሳይ) ብርክት ዝበሉ ስርሓትታት ፈፂሙ ንውድብና መሰረት ኣንፂፋ ምእንተ ህዝቢ ዝሓለፍ ኣብ ሕሊና ህዝቢ ህያው ኮይኑ ዝዝከር ተጋዳላይ እዩ። ኣብ ምዕራብ ትግራይ መጋቢት 27/1971 ዓ/ም ኣብ 4ይ ወራር ከባቢ ሓሸንገ ጥቃ ዓዲ ዙብኣይን ዓዲ ተሻሉ ማይ ሰሳሑ ካብ ነፋሪት ብዝተሸንደው ቡንቧ ተሰዊኡ። ብምኽንያት ኸቢድ ሓደጋ ነፈርቲ ጫፍ እግሩ ኣፃባዕቱ ጥራሕ እያ ተረኺባ።

ሽዑ ብፃይ ፀሃየ ክስዋእ ከሎ ኣብ ቀረብኡ ካብ ዝነበሩ ተጋደልቲ ግርማይ ዳቦ፣ኣስገደ ምንባሮም ሓደ እዋን ግርማይ ኣብ ፍላፍለ ከለና ኣፂዊቱና ነይሩ። ብተወሳኺ ሽዑ በዓል ኣባይ ፀሃየን ኣረጋሽ ኣደነ ዝበሉ ተጋደልቲ ኣብ ከባቢ 500 ሜትር ርሕቀት ከምዝነበሩ እዩ።

እዛ ኣብዚ ስእሊ ትሪእዋ ፎቶ ፀሃየ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ መደባይ ታብር ጣብያ ጨረር ብደቡብ ሩባ ደደኳኣለ ፣ ብሰሜን ሩባ መረብ ፣ብምብራቅ ሩባ መሲሓ፣ ብምዕራብ ሩባ ዊዳኽ ተኸቢባ ኣብ ትርከብ እንዳ ሃለቃ ደመወዝ መርሻ ገዛ እናሃለወ ብ1970 ዓ/ም ወርሒ ሰነ ብኹሉ ኣንፈት ወራር ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንብረት ውድብ ስለዝነበረ ብኸመይ ምክልኻል ከመዝካኣል ኣብ ዘተ እንዳሃለው ናይ ቢቢሲ ጋዜጠኛ ናብ ሱዳን እናሓለፈ ከሎ ኣብኡ ዕረፍቲ ገይሩ ዝሳኣሎ ስእሊ ምኻኑ ኣብኡ ዝነበሩ ብፆት ይዛረቡ።

ስውእ ፀሃየ ቅድሚ ምግዳሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ 3ይ ዓመት ናይ ሕጊ ተምሃራይ ነይሩ። ካብቶም ፈለሞት ናብ በረኻ ደደቢት ለካቲት 11 ወሪዶም ሽግ ወያነና ዝወልዑ መስረቲ ውድብ ብፆት ሓደ እዩ። ሓላፊ ሎጆስቲክስ ህወሓት ኮይኑ ብፅንዓት ተቃሊሱን ኣቃሊሱን እዩ።