INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ኩነታት ዝርደአኩም ኣንብቡዎ

Read from source

ተቓወምቲ ውድባትን ውልቀ ሰባትን ንህዝብኹም ትሓስቡ እንተኾይንኩም ንህ.ወ.ሓ.ት ደግፉ። ዘይበሃል ከይመስለኩም - ኣብ ዝበሃለሉ ኩነታት ስለ ዘለና እየ ከምኡ ዝብል ዘለኹ!

ኣብይ ኣሕመድ ኣብዚ ዕፅዋ እዚ ካብ ዝተኸተሎ ሓደ ንዓና ዘዳኽም ስልቲ "ኣብ ትግራይ ብስም ዲሞክራሲ ዝለዓሉ 'ዓያሹ' ሕቶታት ክበዝሑ'ሞ ንሕና እማን መሲሉና ክንመናጨትን ሓይልና ክምንምን ምግባርን" እዩ። ነዚ ዝኸውን ዕዳጋ ድማ ብጭቡጥ ረኺቡ እዩ።

ኣነ ትግራይ መሊኣ ክሳብ እትስዕር ብስም ዲሞክራስን ናይ ስልጣን ቁርቁስን ዝለዓሉ ሕቶታት ናይ ሕንቃቐ ሕቶታት እዮም ኢለ ካብ ዝድምድም ፀኒሐ እየ። ፀላእትና ኣብ ዲሞክራሲ ዘይኮነስ ኣብ ሓይሊ እዮም ዝኣምኑ። ኣብ ትግራይ ሐዚ "ዲሞክራስያዊ ክበሃል ዝደክም" ዘይኮነስ ዋላ dictator ኮይኑ ጠንካራ (ጉልበት ዘለዎ) መንግስቲ እየ ዝደሊ። እዚ ናይ ኩናት ጉዳይ ክሳብ ዝዛም ከምኡ ዓይነት serious ዝኾነ ሓይሊ ክህሉ እየ ዝደሊ።

ትግራይ ብስም ዲሞክራሲ ስልጣን እናምቧሀቐ ዝውዕል ዘይኮነስ ኩሉ ትኹረቱ ነገር ናብ መኸተ ዝገበረ ናይ ፖለቲካ ሓይሊ እዩ ዘድልያ። እዚ ሓይሊ እዚ ብኡ ልክዕ ሌባን ገበነኛን ፀፋፊዑ ኣደብ ዘትሕዝ ክኸውን ኣለዎ። ነዚ እየ ህወሓት ኣብ ምምንጫት ካብ እንረባረብ ኣላታን የብላን ንመንግስቲ ደጊፍና እዚ ኩነታት ንውፀኣዮ ዝብል ዘለኹ። እዚ ክትብል ከለኻ ገለ ገለ ሰባት "ንህወሓት ክትድግፍ ኢኻ" ይብሉ። ብጣዕሚ እዮም ዝገርሙኒ። ኣይሰምዑን እምበር ህወሓት ዝድግፈሉ ምኽንያት ግልፂ ካብ ዝገብር ፀኒሐ እየ። እቲ ሓደ መሰል እዩ። እቲ ካልኣይን ዋናን ግን እቲ ሐዚ ትግራይ ገጢሙዋ ዘኒሆ ኩነታት "ዲሞክራሲ ክለማመደሉ" ኢልካ ሃለዋት ህዝቢ እተጥፈአሉ ኣይኮነን - እኳ ድኣስ ሓይልኻ ኣጠንኪርካ "በቲ ዝኽእል" ፀላኢኻ ምምካት እዩ። ኮነት ተረፈት እዚኣ ዝኽእል ፖለቲካዊ ሓይሊ ድማ ህወሓት እዩ። ካልኦት ኣብ ትሕቲ እቲ ብመረፃ ህዝቢ ህወሓት ዝመስረቶ መንግስቲ ኮይኖም ተሞክሮ እናወሰዱ ምቅላስ ይኽእሉ እዮም። ካብዚ ወፃኢ ዘሎ ብስም ዲሞክራሲ ዝግበር ስሓቦ ጉተቶ ረብሓ ትግራይ ዘሀግርን ሃለዋት ዘየውሕስን እዩ።

እቲ ጉዳይ ቡዙሕ እዩ። ብዝግባእ ዘይተረዳእናዮ ቡዙሕ ነገር ኣሎ (ኣብዚ ዘለና)። እታ ጠቓሚት ሓቂ ግን ክነግረኩም። ኩልና ኣብ ጎኒ መንግስቲ ትግራይ ንሰለፍ። ብግልፂ ቋንቋ ኣብ ጎኒ ህወሓት ንሰለፍ። ሻዕቢያ ምስ ተቓወምቱ እዚኣ ምግባር ክኢሉ (ስልጣን ስለ ዘካፈለ ግን ኣይኮነን) ፣ ኣብይ ምስ ተቓወምቱ እዚኣ ኣተግቢሩ (ስልጣን ስለ ዘካፈለ ግን ኣይኮነን)። ፀላእቲ ናይ ሓባር ፀላኢኦም identify ገይሮም ዝሓደሩ እዮም። ንዕኡ ክብሉ ድማ ኩሉ ኣፈላላዮም compromise ገይሮም ንዓና ኣብ ምጥፋእ ኣድሂቦም ይሰርሑ ኣለዉ። ኣባና ግን ኣይኮነን ዶ ናይ ሓባር ፀላኢና identity ብምግባር priority ሂብና ኣብኡ ክንረባረብስ "ህወሓት እዩ ፀላኢና" ዝብል መዓት ትሕቲ ዕድመ ፖለቲከኛ እዩ እኒሆ!

ሃለዋት ከየውሐስካ ብዛዕባ ስልጣን ምጭቕጫቕን ምኒን ምባልን "ፀጉርያ ዘይሓዛስ መትሐዚ ፀጉሪ" እዩ ነገሩ። ሐዚ እውን ኣይረፈደን። ዝጀመርናዮም ሩባ ዘየሳግሩ ዓንጨቕጨቓት ንግዚኡ ደው ኣቢልና ኣብቲ ናይ ሓባር ሃለዋትና ዝፈታተን ናይ ሓባር ፀላኢ ንረባረብ። ብስሩ ፖለቲከኛታት ትግራይ ኣይትሸወዱ - እቶም "በል በል" እናበሉ ዘራስንኹም ዘለዉ ኣካላት ናይ መወዳእታ ዕላምኦም ስረ ትግራይ ምፍታሕ እዩ። ኣብዚኣ ተጠንቀቑ። እናተነገረካ ኣንፃር ህዝብኻ እናሰራሕኻ ፀኒሕኻ ደሓር ንምንስሁ ኣይሙችን!