INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ኣካይዳ ቆቓሕ፤ ከም ደቂ ዛግራ ፋሕ ከይንብል

«ኣካይዳ ቆቓሕ፤ ከም ደቂ ዛግራ ፋሕ ከይንብል» ዝብል ማዕዳ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ፅሑፋት ይጥቀስ ስለዝነበረ፤ ትርጉሙ እንታይ እዩ? ዝብል ሕቶ ካብዝተፋላለዩ ደቂዓድና ይመፅዕ ነይሩ:: ኣነ እውን ኣብ መተኣታተዊ 1980ታት እየ፤ ንሓደ ሽዑ ወዲ 80ታት ዕድመ ዝነበሩ ወላዲ ጠይቐ ቅልል ብዝበለ ምስላ ዘረድኡኒ እምበር፤ ስለዘይፈልጦ ሓታቲ እየ ነይረ::

እዞም ወላዲ ካብ ጥንቲ ካብ ቀዳሞት ወለድና ኣትሒዙ ከም ማዕዳ ይዝንተወሉ ከምዝነበረ ሓቢሮም፤ ከምዙይ ኢሎም ኣፃወቱኒ፤

«... ክልተ ኣሕዋት ቆቓሓት ምስካልኦት ቆቓሓት ከባቢኦም ከምወትሩ መውዐሊኦም ከተኣላልሹ ወፊሮም ይብሉ ወለድና:: ወላዲቶም ድማ “ሕድሪ እዞም ደቀይ ተሳኒኹም ውፈሩ፤ ከባቢኹምን ቅድሜኹምን እናስተውዐልኩም ኣካይዳ ቆቓሕ ኪዱ” ኢላ ምዒዳ ተፋንዎም:: ቆቃሕ ንዙሪያ ምላሹ ጠሚቱ ኣስተውዒሉ ኣመዛዚኑ ብሰላሕታ ንቕድሚቱ ኣሚቱ ዝጉዓዝ ስለዝኾነ እዩ...

«...ካብኡ ቀትሪ ሓሊፉ ኣጋግዘ ምስኮነ ኩሎም ናይቱ ከባቢ ቆቓሓት ናብ ሰፈሮም ተመሊሶም፤ እቶም ክልተ ኣሕዋት ቆቓሓት ግና ጨገረቶም የለን:: ወላዲት ተሻቒላ:: ንቶም ዝተመለሱ ወረ ደቃ እንተሓተተት መልሲ የለን:: "ብጉሓቱ እንትወፍሩ ኣትሒዙ ግና ኣይተቐዳደውን ነይሮም" ይብሉዋ:: "ከመይ?" እንተበለት፤ "ሓኽሊ ድሙ ቡኻርያ ሽላን ካልኦት ብዙሓት ሕንዚ ፀላእትን ከጥፍኡና ከቢቦምና እናሃለውስ፤ ደቅኺ ግና ብሃልኪ ብኣነነት ነንሕድሕዶም ይታኸኑ ኣነ ክቕድም ኣነ ክቕድም እናበሉ ይተሃላለኹ፣ ይናቖሩ ይፀራረፉ ነይሮም:: ካብኡ ምስማዕ ምስኣበዩና ገዲፍናዮም ከይድና" በሉዋ...

«... ሽዑ ነይሩ እዛ ወላዲት፤ "ከምንቡር ቆቓሓት ወሊደ ኣካይዳ ቆቓሕ ኪዱ ኢለ ምዒደስ፤ ደቀይ ግና ከም ደቂ ዛግራ ፋሕጭንግራሕ ኢሎም ኣደዳ በላዕቲ ፀላእቲ ኮይኖም" ዝበለት:: ንዙይ እውን እዩ ወለድና እንትምዕዱና፤ "ኣካይዳ ቆቓሕ ኪዱ፤ ከም ደቂ ዛግራ ፋሕጭንግራሕ ከይትብሉ እሞ፤ መፃወቲ ዙሪያ ምላሽ ንዘለዉ ፀላእትኹም ከይትኾኑ" ዝበሉና! ዛግራ ኣብ ማእኸለን እንተኣቲኻየን፤ ናብ ዝተፋላለየ ኣንፈት እየን ዝብተና፤ ቆቓሕ ግና ቀደሙ እውን ተጠንቂቐን ኣስተውዒለን ብብልሒ ኣንፈተን ሓልየን እየን ዝነፍራ...» ኢሎምኒ::

ወለድናስ ብሰንኪ ንኣማኢት ዓመታት እንተየብደየ ብዝወረዶም ፅንተትን ብርሰትን ክንደይ ምዒዶምና! ግና መን ሰማዒ! ፀላእትና ካብ ውልድ ወለዶ ንመናብርቶም ንኣማኢት ዓመታት ኣብ ልዕሌና ዘለዎም ጥብንን ፅልኢትን ሱር እናሰደደ እናገደደ ይኸይድ፤ ንሕና እውን ወትሩ ከም ደቂ ዛግራ ፋሕጭንግራሕ እናበልና መእተዊ ነዃላት ንኸፍተሎም! እዙ ወለዶ እዙይ ምስ ኣያታቱ ሓቢሩ ካብ'ዙ ዕንክሊል ናብ ብራኸ ትግራይ ከሳግረና እዩ እንተበልና፤ ቴክኖሎጂ መውዐሊ ተኽኒ፣ ሃልኪ፣ ኣነነት፣ ዕቡይነት ምትፍናን፣ በለካ ለኽአካ፣ ኣጀንዳ ፀላእቲ እናተቐበለ ነንሕድሕዱ ዝናቖረሉን ብድሕረት ዝፀራረፈሉን ደምበ ደብረኽረኽ ገይሩዎ!

ድሕሪ ቀዳማይ ወያነ እቱ ሃዳሚ ንጉስ ሽዋ ሃይለስላሰ፤ «ኣንፃር ዘውዳዊ ስርዓተይ ስለዝወየንኩም መቕፃዕቲ» ኢሉ ኣብ 1940ታት ፍርቂ ራያ ዓደይ ገሚዑ ንወሎ የመሓድር ንዝነበረ ወዱ ኣስፋውወሰን እንትህብ ካብ ዝተዛረቦን ወለድና ዘይርስዑዎን፤ ግና ዘይተምሃርናሉ ዘረባ፤ «ትግሬ ንፋስ ከገባበት እንደ ጅግራ ነው የምትበታትነው፤ ከዚያ በሁዋላ ሃይል ኣይኖረውም፤ ተመልሶ አንድ ለመሆን ብዙ ጊዜ ይወስድበታል» ኢሉ ነይሩ ይብሉ ወለድና!

«መለበሚ ኣይኽላእኻ» እናበልና ንምስል፤ ንመናብርትና ግና መለበሚ ካልኦት እምበር ንባዓልናስ እንድዒ! ካብ ዓለምለኸ ስምምዕ ፕሪቶርያ ንደሓር ዘሎ ውዕሎ ተጋሩ መርበብ ማሕበራዊ መራኸቢ ሓፋሽ ይመስክር:: ኣብ ውሽጢ ገዛናን ኣብ ደገን እንዛረቦ እኳ ምፍላይ ኣይከኣልናን! ገዛና ትግራይ እያ፤ ጉዳይ ትግራይ ድማ ኣብ ገዛና ይፍታሕ ኣብ ገዛና ይልቆም!

ስምምዕ ፕሪቶሪያ ስዒቡ ንዘሎ ወድዓዊ ኩነታት ዝድሕስስ፤ ብፍላይ ድማ ቀፃሊ ስትራተጂ ኣብይ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዝምልከት ንውሕ ዝበለ ፅሑፍ ፅባሕ ከቕርብ እየ! እሂን ምሂን ዝብልን ዘንብብን ወለዶ እዩ ንትግራይ ናብ ብራኸ ዘሰጋግራ፤ ኣብ ፅልዒት ፀርፊ ምትፍናንን ምጥፍፋእን ዝተሸኸሉ'ማ፤ ካብ'ቶም ከፅንቱናን ከብርሱናን ዝወፈሩ መፍለዪ ስኢነሎም!

ክብርን ሞገስን ህይወቶምን ኣካሎምን ከፊሎም ከም ህዝቢ ንኽንነብር ንዘብቅዑና ኩሎም ጀጋኑና!