INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ን2 ነገራት ኣሐንጪልካ ምርኣይ ኣይክኸፍእን

[ውልቃዊ ትዕዝብቲ]

ን2 ነገራት ኣሐንጪልካ ምርኣይ ኣይክኸፍእን

1▪ዘፅነቱና ፀላእቲ ተመጣጣኒን ንሓዋሩ መሃራይን ዝኾነ ቅፅዓት እንተዘይረኺቦም ከም ህዝቢ እናኸፈልናዮ ንነብር ክሳራ ቀፃላይ ይኸውን። ሎሚቕነ ካብ ዝተፈላለዩ ማዕኸናት ዜናን ናይፀላእትና ምንቅስቓሳትን ንዕዘቦ ከምዘለና ኣብሕገመንግስቲ ፌዴሪኢ ዝተቐመጠ ሉኣላዊ ግዝኣትና ብሓይሊ ጥሒሶም ኣብልዕሊ ህዝብናን ክብሪታትናን ገበን ምፅናት ዘርኢ ዝፈፀሙ ደመኛ ልፍንታውያን ፀላእትና እንተስ ተጀፊዖም እንተስ ብዲፕሎማሲያዊ ሽርሒ ካብዝሓዙዎም ኩሎም ግዝኣት ትግራይ ክወፁ እዮም። ከምናተይ እምነት እቶም ፀላእቲ ብፍላይ ከዓ ወራሪ ሰራዊት ኤርትራ ተጀፊዑ ዘይኮነስ ብዲፕሎማሲያዊ ፀቕጢ ካብ መሬት ትግራይ ከምዝወፀ ንከምስል ዝፃወቶም ካብዘሎ ናይሎሚቕነ ድራማዊ ሽርሒታት ንዕዘብ ኣለና። ምንቅስቓሳት ወራሪ ሰራዊት ኢትዮጵያ 'ውን ከምኡ። ዝተወሰነ ኣራዊት ሰራዊት ኤርትራ ካብ ሑሞራ ቀስብቐስ ይወፅእ ኣሎ። ተከዘ ኦምኒሓጀር ሰጊሩ ኣብ ቀረባ ርሕቐት ከዓ ደፊዑ ኣዒንቱ ኣብ ቃፍታ ሑሞራ ሸኺሉ ሕሉውሉው ኣብምባል ይርከብ። ፋኖ ዝተብሃለ እኽብካብ ዓቀይቶት ኣምሓራን ካልኦት ዕጡቓት ሓይልታት ድሕረታቶምን ከዓ ብቀጢን ትእዛዝ ደንቆሮ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ቃፍታ ሑሞራ ተተኪኦም ንሶም ናብ ማእኸል ዓዶም ክድፍዑ ንርኢ ኣለና። ሓፈሻዊ ውፅኢት እቲ ወታደራዊ ምትዕፅፃፍ ፀላእትና ዘርእየና ንስጥመትን ኢድን ጓንትነትን ፖለቲካውን ወታደራውን ጥምረት ኣብዪኣሕመድን ኢሳያስ ኣፈወርቅን እዩ። ፀላእትና ክኸውን ዝደልዩዎ ኣብ ሕገመንግስቲ ፌዴሪኢ ዘላ ጉዕፃፅ ካርታ ትግራይ ብዲፕሎማሲያዊ ፀቕጢ Statuesquely ናብሰብ ዋናታታ ምስተመለሰት እቲ ኣብልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ኩለመዳያዊ ገበናትን ግፍዒታትን ካብ ፈተውቲ ኣብዪን ኢሳያስን [ሓደ ዓይነትን ሃገራት ኣዕራብን ስለዝኾና] ብዝርከብ ገንዘብ ንትግራይ ካሕሳ ብምኽፋል ቀስ ብቐስ ናብ State of Normalization ኣእቲኻ ኣብከይዲ ህዝቢ ትግራይ ንዝተዋደቐሉ መሰል ዓርሰውሳንኡ ገዲፉ ብኢትዮጵያዊነቱ ክቕፅል ምግባር ይመስል። እዚ ኩነታት እንተሰሚሩሎም ግና ውዒሉ ሓዲሩ ብኣውራኡ ንኣብዪ ኣሕመድ ስዒቡ ከዓ ንኣምሓሩን ንህግደፋውያንን ከቢድ ዋጋ ዘኽፍሎም ስለዝኾነ ከመይ ከምዝኸውን ብከይዲ ክንሪኦ ኢና። ዝህልዎ ትርጉም ከዓ ልፍንታውያን ፀላእትና ካብ ሉኣላዊ ግዝኣት ትግራይ ክወፁ ዝኸኣሉ ብሰናይ ድሌቶምን ብዲፕሎማሲያዊ ፀቕጥን 'ምበር ብሰራዊት ትግራይ [TDF] ተጀፊዖም ከምዘይኮኑ ፀላእትና ብልበ ሙሉእነት ስለዝኣምኑ ንሕና ተጋሩ ንዘፅነቱና ፀላእቲ ተመጣጣኒን ንሓዋሩ መሃራይን ዝኾነ ቅፅዓት ስለዘይሃብናዮም ብታሪኽ ፥ ብፖለቲካን ብወታደራውን ስነልቦና ከም ህዝቢ እናኸፈልናዮ ንነብር ክሳራ ቀፃላይ ይኸውን።

2▪ሽሾ ሰራዊት ፒፒ ናብ ዶብ ኢትዮ-ትግራይ ዘፀግዐሉ ቀንዲ ምኽንያት እንታይ ክኸውን ይኽእል? ዝብል ትዕዝብቲ ምስትብሃል 'ውን ከድሊ እዩ። #Tamirat_Negera ዝተብሃለ ተንታኒ ፖለቲካ ኣምሓሩ ሓደ እዋን ኣብዝኾነ ቃለማሕተት "ህወሓትን ካጠፋን ቀይባህርን መቆጣጠር ቀላል ነው። ይህ ካልሆነ ለኢትዮጵያ ስጋት እማትሆን ኤርትራን መፍጠር ይቻላል" ምባሉ ይዝከር። ኢሳያስ ኣፈወርቂ 'ውን እንተኾነ ንሉኣላውነት ኤርትራ ብዝግህስ መልክዑ "...ኣብዪ መራሒና እዩ ፥ ኣብዪ ኣሕመድ ናይ ኤርትራ ምንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ እዩ ፥ ካብመፈለምታኡ ወያነ እዩ ክንግንፀል ገይሩና 'ምበር ንሕና ኤርትራውያን ኢትዮጵያውያን ክንኮን ኢና ንደሊ ፥ ኣብ እዋን ቃልሲ ብሱሩ 'ውን ገዛእቲ ኣምሓራ ጨቆንቲ እዮም ዝበልና ወያነ ስለዘጋገየና እዩ..." ክብል ቀደሙን ሎሚቕነን ብተደጋጋሚ ክህትፍ ንሰምዕ ኣለና። ኣብዪ ኣሕመድ ሕልፍ ክብል መትሓዚ መርገፂ ዘየብሉን እንተደኣ ዓቕሚ ረኺቡ ዝሓሰቦ ካብምፍፃም ጋእ ከምዘይብልን ይፍለጥ እዩ። ኣብዪ ኣሕመድ እቲ ሐዚ ሽሾ ሰራዊት ፒፒ ናብ ዶብ ኢትዮ-ትግራይ ዘፀግዐሉ ቀንዲ ምኽንያት ኣብመንጎ ሰራዊት ትግራይን [TDF]ን ሻዕብያን ብዝግበር ውግእ ብዝተዳኸመ ሰዓራይን ብዝሞተ ተስዓራይን ከምዝዛዘም Miscalculate & Predict ስለዝገበረን ድሕሪኡ ከዓ ንቲ ዝተመናመነን ድኹምን ሰዓራይ ዝብሎ መሊእኻ ብምድምሳስ ንቀይሕ ባሕሪ ንምቁፅፃር ካብዝሃቀኖ ሽርሒ ክኸውን ይኽእል። ኣብዪ ኣሕመድ ቀልቢ ህዝቢ ትግራይ ንምዝባዕ ናይሎሚቕነ ኣጀንዳታት ሚዲያታቱ ኣብመንጎ ሰራዊት ፒፒን ተልፋስ ፋኖን ቅርሕንቲ ከምዘሎ ክመስል ዝገበረሉ ምኽንያት 'ውን ንምዝንጋዕ 'ምበር ካብልቢ ከምዘይኮነ ግሁድ እናኾነ ይመስል።

ፖለቲካውን ወታደራውን ኣሰላልፋታት ኢትዮጵያ ፦

[ኣብቅንያት ሎሚቕነ ካብ ትዕዝብቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ነጠፈቲ ኦሮሞን ኣምሓሩን ዝተዓዘብኩዎ]

ኦሮሚያ ፒፒን ABOን ኣብልዕሌና ተመሳሳሊ ፖለቲካውን ወታደራውን ድልየት ኣለዎም። ንሱ 'ውን ብተናፀሌ ሓይሊ ሻዕብያ ኮነ ሓይሊ "ትምክሕቲ" ወይ ከዓ ክልቲኦም ተጣሚሮም ኣብልዕሊ TDF ዘብፅሑዎ ጥቕዓት ዘሎ ኩነታት ኣዝዩ የተሓሳስቦምን ኣብመንጎ TDF ወይ ከዓ ሓይልታት "ትምክሕት"ን ሻዕብያን ጫፍ ዝበፀሐ ናይ ሓይሊ ምዝናፍ ከይፈጥርን ይሰግኡ። ማእኸል መቃለሲኦም ምፅብላል ፖለቲካ ኩሽ እዩ።

ኣብ ወታደራውን ፖለቲካውን ጉዳያት ትግራይ ቅዋም OLAን ኦፌኮን ተመሳሳልን ብኣወንታውን ዝርእዩዎን ኮይኖም ኣብመንጎ OLA ፥ ABOን ፍሉይ ሓይሊ ኦሮሚያን ኣብልዕሊ ሓይሊ "ትምክሕቲ" ተመሳሳሊ ኣሉታዊ ቅዋም ኣለዎም። ማእኸል መቃለሲኦም ምግሃድ ሪፓብሊክ ኦሮሚያ እዩ።

ልሂቃንን ፖለቲከኛታትን "ትምክሕቲ" ነገራት ናብርእሶም ይጥምጠሙ ከምዘለዉ ተረዲኦም ኣብልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈፀሙዎ ታሪኽ ይቕረዘይብሎ ገበን ዘንጊዖም ንተጋሩ ናይበጃኹም ዶ ንተዓረቕ ምሕፅንታቶም ይደጋግሙ ኣለዉ። ዘረባታት ደመቀ መኮነን ፥ ኣገኘሁ ተሻገር ፥ ተመስገን ጥላሁንን መግለፂታት ኣብያተ ዕዮታት ክልል ኣምሓራን ናይ 'ዚ መረጋገፂታት እዮም።

ንታ ናይሞትን ጥፍኣትን ዕፀበለስ ዝበለዐን ዘብልዐን ሻዕብያ ብምሒር ፍርሒ ሕግብግብ ይብል ኣሎ። ንታ ሓወልቲ ባርነትን ባዕዳዊ መግዛእትን ዝኾነት ከተማ ኣስመራ ሓዊሱ ኣብ ከተማታት ኤርትራ ዝረኣዩ መንእሰያት ዳርጋ የለዉን ምባል ይከኣል።

ምፍንፃሕ ዕፅዋን ክባን እውን ክኸውን እዩ ካብዝብል ስግኣት ንኢትዮመረጃ ሓዊሱ ንነጠፍቲ ሚዲያ ኣምሓሩ ሕማም ኩርምቲ ኮይኑዎም ኣሎ። ንዓፋረቶት 'ውን ከምኡ። ሞትን ሕየትን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዕፅዋን ክባን እዩ ኢሎም ዝኣመኑ ኩሎም ፀላእትና ስምዒት ተስዓራይነቶም ኣብሚዲያ ከንፀባርቑ ይረኣዩ።

ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ማእኸል ናይ ወርቀኛ ሚዛን ይርከብ። ኣብ መወዳእታ ውግእ TDFን ሻዕብያን "ንዝተዳኸመ ሰዓራይ" ንምውጋእ ይመስል ሽሾ ሰራዊቱ ናብ ዶብ ኢትዮ-ትግራይ ዘፀግዕ ዘሎ። ኩለመዳያዊ ወታደራዊ ምድላዋት TDF ግና ከም ተኣምር ተዓፃፃፋይን ን360° ዝተቛመተን ምዃኑ ጥራሕ ዘይኮነስ እቶም ፀላእቲ ንሶም እቶም ተስዓርቲ 'ውን ንሶም ምዃኖም ኣፀቢቑ ዘስተብሃለ ከምዝኾነ ርግፀኛ እየ። ምኽንያቱ ንዚ ሎሚ ቕነ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ፥ ኣይተ ጌታቸው ረዳን ኣይተ ኣለም ገ/ዋህድን ብተመሳሳሊ ሓሳብ ኣረጋጊፆም እዮም። Read More -->