INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ኣፍ ኣሜሪካ ዶ በትሪ ወያነ?

እንካብ ዲፕሎማቲክ ፍልፍላት ዝረኸብናዮ መረዳእታ ከምዝሕብሮ ኣሜሪካ ንፋሺስት ጉጅለ ኣብይ ሰለስተ ነገራት ብህፁፅ ክፍፅም ወይ ድማ ህወሓት ጥንኩር ወትሃደራዊ ስጉምቲ ወሲዳ ናይዚ ፋሺስት ጉጅለ ዕድመ ከምተሕፅሮ ግልጽ ገይራትሉ ኣላ። በዚ መሰረት ኣብይ ነዘን ዝስዕባ ሰለስተ ስጉምቲታት ብህፁፅን ብእልይን ክትግብር ፅቢት ይግበር:-

1) ካብ ምዕራብ ትግራይ ኩሎም ወረርቲ ዋላ ናይ ፌደራል መንግስቲ ሓይሊታት ፀጥታ ከይተረፈ ሙሉእ ብሙሉእ ወፂኦም ብሰላም ናብ ኢድ መንግስቲ ትግራይ ክኣትው ምግባር፣

2 ኣብ ትግራይ ብኩለመዳዊ መልክዕ ዝትኣወጀን ካብዝትግበር ልእሊ ሓደ ዓመት ዘቑፀረን ዕፅዋን ክባን ጠጠው ክብል ብምግባር ኩሎም ግልጋሎታትን ዓይነታት ርክብን ክጅምሩን ንቡር ስራሕቶም ከሳልጡ ምግባር፣

3 ወራሪ መንግስት ኤርትራ ወትሃደራቱን ናይ ፀጥታ መሓውራቱን ካብ ኢትዮጵያ ብህፁፅ ከውፅእ ዝሕብር ስሩዕ ፃውዒት ብዕልይ ምቕራብ።

ብቐረባ መዓልቲታት እዚ ጉጅለ ዘውፅኦም መግለፂታት ናይዚ ሓበሬታ ሓቅነት ዘረጋግፁ ይመስሉ። ይኹን እምበር መንግስት ትግራይ ካብፈለማ ኣትሒዙ ግሁድ ዝገበረን ቅዋማት ኣብዚአን ጭብጢታት ዝተደረኻ እየን። ካብ ኩሉ ንላዕሊ ድማ እቲ ፋሺስት ጉጅለ ሰላም ክቕበልየ ዝበለ በትሪ ወያነ ምስዓረፎን ቲዲኤፍ ኣብ ደብረብርሃን በፂሑ ካብ ስልጣኑ ክፍንቅሎ ምስተቓረበ ነይሩ። ሕዚ ውን ኣሜሪካ "ምስ ህወሓት ብሕፁፅ ሰላም እንተዘይኣውሪድካ ቲዴኤፍ ምስ መሓዙትካ ከጥፍአኩም እዩ" ኢላ ናይ መወዳእታ መጠንቀቅታ ሂባቶ እዩ ይብሃል ዘሎ። ብዚ በለ በቲ እቲ ወሳናይ ነገር ጥንካረን ድልውነት ሰራዊት ትግራይ እዩ።

ብሓፂሩ እዚ ሰላም ዝውሰን ብመልሓስ (ኣፍ) ኣሜሪካ እንተይኮነ ብኢድ (በትሪ) ወያነ ምዃኑ ንማንም ግልጽ ኮይኑ ኣሎ።

ትግራይ ትስዕር!!