INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ውግእ ዓዲ ዓውሶ

...እቲ ክባ ዝያዳ እናፀበበ ይመፅእ ኣሎ። ስለዝኾነ ንህዝቢ ትግራይ መራሕቱ ክተድሕኑሉ እንተኾይንኩም ሐዚ ብፅሑልና። ድሕሪ ቁርብ መዓልቲ መራሕቲ ትግራይ እንተስ ብህይወት ክተርፉ እንተስ ክንስእኖም እቲ ውሳነ ናትኩም እዩ..." [ካብ ዝተኸበቡ ላዕለዎት ኣመራርሓ ናብ ግንባር ምዕራብ ዝተደወለ ናይ ብፅሑልና ድምፂ]

ውግእ ዓዲ ዓውሶ

ሻዕብያ ክትንፍሶ ዘይደሊ ብግሁድን ብሕልሙን እናባህረሮ ዝነብር ወታደራዊ ቅያ ሰራዊት ትግራይ [TDF]

"... ሐዚ መስተንክራዊ ታሪኽ ንክንፍፅም ዕድልን ኩነታትን ገጢሙና ኣሎ። ኣብዙ ከባቢ ታሪኽ ክንሰርሕ ኢና መፂእና። ንሕና እናሃለና ሻዕብያን ሰራዊት ፒፒን መሬትና ረጊፆም ንህዝብና ከበሳብሱዎ ኣይንፈቕደሎምን። ስለዝኾነ እዛ ቦታ መቓብር ፀላእትና ክንገብራ ኢና። ንዚ ንዳለው ..." [ተጋ/ወርቂ ዓይኑ ፥ ውግእ ክጅመር ቅድሚ ደቓይቕ ንሰራዊት ኣኪቡ ዝተዛረቦ]

ውግእ ዓዲዓውሶን ውግእ ደንጎላትን ንውግእ ወርቀዲኖ ፍታሕ ንምምፃእ ዝተገበራ ወሰንቲ ዓውደ ውግኣት እየን። 'ዘን ውግኣት እንተዘይግበራ ነይረን ውፅኢት ውግእ ወርቀዲኖ ካልእ እዩ ክኸውን ነይሩ። እቲ 100% ሓቂ እዚ እዩ። ውግኣት ዓዲዓውሶን ደንጎላትን ብተመሳሳሊ ዕለት 11 መጋቢት 2013 ዓ/ም ዝተኻየደን ውግእ ኣብ ወርቀዲኖ ዝገጠመ ዙሪያ ጥምጥም ክባ ኣንፃር መራሕትና ፈንፂሖም ክወፁ ንምግባር ካብ ክልተ ኣርሚታት ሰራዊት ትግራይ ማለት 'ውን ካብ ኣርሚ ሓደ ክ/ሰራዊት ቀይሕ ኮኾብ ኣብ ዓዲዓውሶ [ከባቢ ሳምረ] ንዘሎ መበል 29 ክ/ሰራዊት ሻዕብያ ንምጥቃዕ ናይ መወዳእታ ምድላዋታ ወጊና ኣላ። ኣብ ወርቀ ዲኖ ተኸቢቦም ንዘለዉ መራሕትና ብኢዶም ሒዙ ንክቕይዶም ብቐጥታ ብኢሳያስ ኣፈወርቂ ተኣዚዙ ካብ ኣስመራ መቐለ [ኲሓ] ብሄሊኮፕተራት ተራጊፉ ሽዑ ንሽዑ ካብ ኲሓ ➛ ዶንጎላት ኣቢሉ ናብ ወርቀዲኖ ክሓልፍ ዝተንቀሳቐሰ ሰራዊት ሻዕብያ ድማ ኣብ ደንጎላት ምስበፀሐ ምስ ክ/ሰራዊታት ሙሴን ማዕበልን [ኣርሚ 3] ጎፍ ንጎፍ ተራኪቦም ሽዑ ንሽዑ ውግእ ጀሚረን ኣለዋ።

ላዕለዎት ወታደራውን ፖለቲካውን መራሕቲ ትግራይ ኣብ ዝገፈሐን ኣብዝፀበበን 2 ራድየሳት ክባታት ኮይኖም ንተኸታተልቲ 5 መዓልትታት ምስ ኣስታት 5 ክ/ሰራዊታት ሻዕብያን ተወሰኽቲ 2 ክ/ሰራዊታት ኢትዮጵያን ክዋግኡ ቀንዮም ኣለዉ። ኮይኑ ግና ምስቲ ዝነበረ ድርብ ክባን ዘይመጣጠን በዝሒ ሰራዊት ፥ በዝሕን ዓይነትን ኣፅዋራትን ውግእ ወርቀዲኖ እናተናወሐ ብዝኸደ ቁፅሪ ፀላእቲ ንቲክባ እናፅበቡዎን ንቲ ውግእ እናፅዓቑዎን ምስመፅኡ እኒ ተጋ/ወዲ ኣሸብርን ተጋ/መዲድን ድማ ብኣንፃሩ ኣብ ኢዶም ዘሎ ጠያይቲ እናተፀንቀቐ ይኸይድ ስለዝነበረ እዩ "...ንህዝቢ ትግራይ መራሕቱ ክተድሕኑሉ እንተኾይንኩም ሐዚ ብፅሑልና። ድሕሪ ቁርብ መዓልቲ መራሕቲ ትግራይ እንተስ ብህይወት ክተርፉ እንተስ ክንስእኖም እቲ ውሳነ ናትኩም እዩ..." ዝብል ናይ ብፅሑልና ድምፂ ካብኦም ናብ ላዕለዎት መራሕቲ ኣርሚ 1ን ኣርሚ3ን ዝመፀ። እዚ መልእኽቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2ይ ሰሙን 2013 ዓ/ም ኣርሚ ሓደን ኣርሚ 3 ብኣንፈት ሰሜናዊ ምብራቕ ብምንቅስቓስ ብፍላይ ድማ ንከተማታት ውቕሮ ፥ ዓጉላዕ ፥ ሃገረ ሰላም ፥ ተጎጋ ፥ ዴስኣ ፥ ሃይቂመስሓል ኣጠቓሊልካን ኣፅሪኻን ንከተማ መቐለ ንምቁፅፃር ፤ ብኣንፈት ደቡባዊ ምዕራብ ድማ ኣርሚ 2ን ኣርሚ 4ን ከምኡ ናብ መቐለ ንክደፍኣ ተሓሲቡ ዝነበረ ወታደራዊ ህቅን ከይሰመረ እቲ ውግእ ኣብ ወርቀ ዲኖ ንዝተኸበባ ኣርሚታት 2ን 4ን ንምድሓን ቀዳምነት ክወሃቦ ብምግባር ዓውደ ውግኣት ዓዲዓውሶን ደንጎላትን ብኣርሚታት 1ን 2ን ክካየድ ተገይሩ እዩ።

እቲ ላዕለዎት ወታደራውን ፖለቲካውን መራሕና ተኸቢቦሙሉ ዝነበረ ደጋዊ ክባ ካብ ከባቢታት ዓዴትን ፅምብላን ወፅዩ ናብ ዓዲቀይሕ ➟ ማይጨው ➟ ዴላ/ቦራ/ሰለዋ ➟ ኮረም ➟ ዋግኽምራ ➟ ኣበርገለ ➟ የጭላ ➟ ፀለምቲ ➟ ጉያ ➟ ዓብዪዓዲ➟ ሓውዜን ➟ ሃ ይቂመስሓል ➟ ዴስኣ ➟ ኣራጉረ ➟ ሽኸት ➟ ዓዲጉዶም ➟ ሕዋነ ነይሩ። እዚ ማለት ኣብ ወርሒ መወዳእታ ሕዳር ፥ ታሕሳስ ፥ ጥሪን ለካቲትን 2013 ዓ/ም ልፍንታውያን ፀላእቲ ንላዕለዎት ኣመራርሓታትና ንክሕዙ ፅዑቕ ደብዳብን ኣለሻን ዝገበሩለን ከባቢታት ወረዳ ደጉዓን ቆላን ተምቤን ፥ ናዕዴርን ዓዴትን ፥ ታሕታይ ማይጨው ፥ ኣስገደን ፅምብላን ነይሩ። ድሕሪ 'ዚ ግና ፀላእቲ እቲ ክባ ናብ ዓዲጉዶም ➟ ዴላ/ቦራ/ሰለዋ ➟ ኮረም ➟ ወርቂዲኖ ➟ ደንጎላት/ዓዲዓውሶ/ሳምረ ➟ የጭላ ኣፅቢቦሙዎ። ኩለን መሽሎኺታት ክዕፀዋን ውግእ ክፅዕቕን ጀሚሩ። ምኽንያቱ ከዓ ሽዑ ውሽጥና ኣይፀረየን ነይሪ ፤ ምስፀላእትና ዝሰርሑ ሓቢሮምና ይጓዓዙ ነይሮም። ኣብዙ ዳሕረዋይ ክባ [ዝፀበበ/ውሽጣዊ ክባ] ምድሪ ኣገው [ወርቂ ዲኖ] ኣብ ክልል ኣምሓራ ስለዝርከብ ሓደጋኡ ክንደየናይ ዝኸፈኧ ምዃኑ ንዓኹም ግልፂ እዩ። ደጀን ዝበሃል ነገር የለን ጥራሕ ዘይኮነስ ፀላኢ ከምድሌቱ ሓበሬታ ዝረኽበሉ ከባቢ እዩ። ንዚ ስጡምን ትብቱብን ክባ ፈንፂሕኻ ንምውፃእ ውግእ ውግእ ዓዲዓውሶን ውግእ ደንጎላትን ግድን ነይሩ።

ክባ ኣብወርቂ ዲኖ ንምፍንፃሕ ብተጋ/ምግበይ ሃይለን ብተጋ/ወዲእምበይተይን ዝምርሓ ኣሃዱታት ብቕደም ሰዓብ ኣብ ዓዲዓውሶን [ከባቢ ሳምረ] ኣብ ደንጎላትን ሃንደበታውን በርቃውን መጥቃዕተን ብዕውት ኣገባብ ስለዝወገና። ኣብ ትሕቲ ግምባር ወዲእምበይተይ ዝምርሓ ክፍለ ሰራዊታት ሙሴን [ብዋናነት ኣጥቃዒት] ማዕበልን [ሓጋዚት] በዚ ዕለት ኣብ ደንጎላት ተዋጊኤን ካብ ኣስመራ ዝመፀ ሰራዊት ሻዕብያ ሓመድ ኣፍጭኡ ኣውፂኤን 11 መጋቢት 2013 ዓ/ም ደምሲሰንኡ ኣለዋ። ኣብ ትሕቲ ግምባር ምግበይ ሃይለ ዝምርሓ ናይ ተጋ/ወርቂ ዓይኑ ክፍለ ሰራዊት ቀይሕ ኮኾብን ናብቲ ውግእ ድሒራ ዝተሳተፈት ናይ ተጋ/ፀጋይ ማርክስ ክ/ሰራዊት ዓድዋ ብተጋ/ሓዱሽ ካፊል ትእዘዝ ሻለቃንን ከዓ ኣብ ዓዲ ዓውሶ በቲ ዕለት ንመበል 29 ክ/ሰራዊት ሻዕብያ ብዘይ መላሲ ወረ ቀቢረንኡ ኣለዋ። ውግእ ዓዲ ዓውሶ ብዋናነት ብክ/ሰራዊት ቀይሕ ኮኾብ ዝተገበረ ዕውትን መስተንክራውን ውግእ ኮይኑ ተጋ/ወርቂ ዓይኑ [ጀ/ል ፍሰሃ በነየነ] ኣብማእኸል 'ቲ ውግእ ኮይኑ ብዝለዓለ ጅግንነት መሪሑዎ እዩ።

ካብ ኣርሚ 1 ብናይ ተጋ/ወርቂ ዓይኑ ክፍለ ሰራዊት ቀይሕ ኮኾብን ብናይ ተጋ/ፀጋይ ማርክስ ክ/ሰራዊት ዓድዋ ዝኾነት ተጋ/ሓዱሽ ካፊል ዝእዝዛ ሓንቲ ሻለቃን ኣብ ዓዲዓውሶ ዕለት 11 መጋቢት 2013 ዓ/ም ቀትሪ ከባቢ ሰዓት 6፡00 ጀሚሩ ምሒር ክዝበጥ ንዝጀመረ "በርቂ" ብዝተብሃለ ላዕለዋይ ኣዛዚ መበል 29 ክ/ሰራዊት ሻዕብያን ፤ ድሕሪ ሰዓታት 'ውን ተወሲኹ ንኡ ክሕግዝ ካብኣስመራ ንዝመፀ ፍሉይ ኮማንዶ ሰራዊት ሻዕብያን ዓጊተን ሓመድ ክገብርኡ ጀሚረን ኣለዋ። ኣብትሕቲ ተጋ/ወዲ እምበይተይ [ጀ/ል ሃ/ስላሰ ግርማይ] ብተጋ/ተኽላይ ወ/ጀወርግስ [ጀ/ል ሸሪፎ ዓብዪ] ትእዘዝ ክ/ሰራዊት ሙሴ 'ውን ካብ ኤርትራ ንዝመፀ ሰራዊት ሻዕብያ ብተወሳኺ ንቲ ብክ/ሰራዊታት ሙሴን ቀይሕ ኮኾብን ዝዝበጥ ዘሎ ሻዕብያ ንምሕጋዝ ካብ ማይጨውን ካብ መኾኒን ተበጊሱ ብሕዋነ ኣቋራፁ ናብ ደንጎላትን ዓዲ ዓውሶን ከርክብ ዝመፀ ሰራዊት ፒፒ ተቐቢላ ካብ ጥቕሚ ወፃእ ገይራቶ ኣላ። እዚ ውግእ ኣዝዩ ከቢድን ፍፁም ጀግንነት ዝተሰረሐሉን እዩ። ግንባርን ደጀንን 'ውን ዝተሓዋወሰሉ ነይሩ ምባል ይከኣል። ምኽንያቱ ወታደራት ሻዕብያ ንሔድሕድ መንበሪ ገዛታት ጣብያ ዓዲዓውሶ ከም ድፋዕ ይጥቀመሉ ስለዝነበረ እቲ ህዝቢ 'ውን ኣብ ጎኒ ሰራዊት ትግራይ ተሰሊፉ ንውጉኣትና ኣብምግላልን ኣብምሕብሓብን ኢሉ 'ውን እቲ ውግእ ኣብዝሓፀረ ሰዓታት ንክዛዘምን ልዑል እጃም ኣበርኪቱ እዩ።

ብሓፈሻ ዓውደ ውግኣት ዓዲዓውሶን ደንጎላትን ኣብ ወርቀዲኖ ተኸቢቦም ንተኸታተልቲ 5 መዓልትታት ክዋግኡ ዝቐነዩ መራሕትና ሙሉእ ንሙሉእ ዝፈንፀሐን ፤ ኢሉ 'ውን ንሓደገኛ ጥምረታዊ ውዲት መራሕቲ ኢትዮ-ኤርትራ ዘፍሸለን ኮይኑ ንሃለዋትን ምዕባለን ገድሊ ሰራዊት ትግራይ ከዓ ናይ ወታደራዊ መዋቕሩ ካብ ክ/ሰራዊት ናብ ኮር ንክብርኽ ወሳኒ ምኽንያት ዝኾነ ታሪኻዊ ዓወት እዩ። ብፍላይ ከዓ ንዚ መጥቃዕቲ ዝተረደአ ኣብ ወርቀዲኖ ዝነበረ ሻዕብያ ሓንቲ ጠያይቲ ዝተፅዓነት ምልእቲ ኦራል ጠንጢኑዋ ክሃድም ተገዲዱ 'ታ ኦራል ድማ ኣርሚ 4 ማሪኾማ እዮም። ኣብዙ ኩነታት ጠያይቲ ወዲኦም ኣብከቢድ ፀገም ዝነበሩ ኣርሚታት 2ን 4ን ንታ ጠያይቲ ዝፀዓነት ኦራል ምስረኸቡ ካብ ሰማይ ከም ዝወረደት መልኣኽ ገይሮም እዮም እናዓለሉ ታሕጓሶም ዝገልፁ ዝነበሩ። እቲ ሓይሊ ሚዛን ድማ ሽዑ ንሽዑ ኣብምቕያር ርኡይ ኣበርክቶ ነይሩዎ እዩ።

እዚ ካብ ድሮ ክሳብ ድሕሮ ውግእ ወርቂዲኖ ዘሎ ታሪኽ ብዝግባእ እንተንቢብኩሙዎ ኩለን ግንባራት ሰራዊት ትግራይ ብዝተፈላለየ ኣንፈት ግና ኣብ 2 መዓልትታት ውሽጢ መራሕቲ ትግራይ ንከድሕና ኣብ ሓደ ከባቢ ዓሲለን እየን። ስርሒት ዓወት ወርቀዲኖ ናይ ሓደን ክልተን ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ኩለን ግንባራት ሰራዊት ትግራይ ዝፈፀሙኡ ዓብዪ ወታደራዊ ኦፕሬሽን እዩ። ንዚ ቅያ ኣስተውዒልኩም ዘንበብኩም ሰባት ናይቲ ክባ ኣፈነፃፅሓ ስርሒት ኣዝዩ ዝገርምን ንምሕሳቡ ዘፀግምን ወታደራዊ ሳይንስን ጥበብን ዝፈሰሶ እዩ። ናይ ውግእ ሳይንስን ጥበብን ኣብ ዓለም ዘየለ ፥ ኣብ ትግራይን ብተጋሩን ጥራሕ ክፍፀም ዝኽእል "ንቲ ኣብ መዓልቱ ክጭጫሕ ዘይከኣለ ጭጩት [ጭቓው] ንምድሓን ንቲ እንቋቑሖ ካብደገ ዘይኮነስ ካብ ውሽጢ ሰይርካ ንቲ ጭጩት [ጭቓው] ብጥዕናኡ ክጭጫሕ ምግባር" ወይ ከዓ "Breaking an egg shell in out" ከምማለት እዩ። ኣሃዱታት ምግበይ ሃይለን ወዲእምበይተይን ንተን ዝተኸበባ ናይ ተጋ/ወዲ ኣሸብርን ተጋ/መዲድን ኣሃዱታትን ላዕለዎት ኣመራርሓ ትግራይን ንምድሓን ንቲ ዝኸበበ ፀላኢ ብደገ ዘይኮነስ ባዕለን ናብቲ ክባ ኣትየን እየን ክውሽጢ ናብ ደገ ፈንፂሐን ወፂኧንን ኣውፂኧንን። ተኸባብን መውፅእን ብሓደ ካብውሽጢ ንደገ ፈንፂሖም እዮም ካብ መንጋጋ ከባቢ ወፅዮም። እዚ ዝገርም ወታደራዊ ጥበብ እዩ።

ኣብዙ ውግእ ዕድለኛታት ኮይኖም ካብ ሙሉእ ክ/ሰራዊት ካብ ሞት ዘምለጡ 5 ሙሩኻት ሻዕብያ [እኒ ዮሃንስ እዮብ ዝርከቡዎም] ጥራሕ እዮም። ዮሃንስ እዮብ ናይ መበል 29 ክ/ሰራዊት ኤርትራ ዋና ኣዛዚ ዝነበረ ብሳጓ ሽሙ "በርቂ" ናይዝበሃል ዋና ኦፕሬተር እንትኾን "በርቂ" ርእሱ ብስናይፐር ተወቒዑ ሓንጎሉ ተጎልጕሉ ስለዝፈሰሰ ከምዝሞተን ካልኦት ምስኡ ዝነበሩ ኮሎኔላት ሻዕብያ 'ውን ከምዝተረፍረፉን ዝሓበረና ናይሽዑ ሙሩኽ ሻዕብያ እዩ። ኣብ ዓዲዓውሶ ጥራሕ ሓንቲ መሃያ ንምኽፋል ናቕፋ ዝመለኧት ተሽከርካሪት Hard top ፓትሮል ሻዕብያ ፥ ነዳዲ ዝመለኧት ኦራል ዴፖ ሻዕብያ ፥ ከላሽናትን ቁምቡላታትን ዝተፅዓነት ኤነትረ ሻዕብያ ፥ ኣስቃጥላን ብሽኩትን ዝፀዓነት FSR ሻዕብያ ሓዊሱ ከባቢ 20 ዝኾነ ተሽከርከርቲ ፀላኢ ተቓፂለን እየን። ብርክት ዝበሉ መድሓኒታትን ሰነዳትን ሻዕብያ ከዓ ኣብ ኢድና ኣትዮም እዮም። ብሓፈሻ ኣብ ውግኣት ወርቂ ዲኖን ዓዲ ዓውሶን 6 ክ/ሰራዊታት ሻዕብያን [ሓደ ጀነራልን ካልኦት ኮሎኔላትን ሓዊሱ] 80 ፍሉይ ኮማንዶ ሻዕብያን ተደምሲሶም እዮም። ሰራዊት ሻዕብያ ካብ ፀሊም ኣስፋልት ትግራይ ናብ ኣንፈት ሰሜን ክሽምረር ዝጀመረ 'ውን ድሕሪ 'ዚ ነይሩ። ከም ሕቖኡ ዝተዘበጠ ተመን ማለት እዩ።

ድሕሪ 'ዝ ስርሒት ኩለን ኣርሚታት [እተን ተኸቢበን ክዋጋኣ ዝቐነያ ኣርሚ 2ን 4ን ሓዊሱ] ንናብ ዞባታተን ተመሊሰን እየን። ላዕለዎት ፖለቲካዊ መሪሕነት ትግራይ ካብ ወርቂዲኖ ናብ ቁሸታት ጀባን በባን ተጓዒዞም። ድሕሪኡ ናብ መሬት ትግራይ ሓረቖ ፥ ናብ ዓንጓ ሙጃ ፥ ካውኡ ድማ ናብ ቆላ ተምቤን ጉያ ፥ ድሕሪኡ ከዓ ናብ ጉሮሮ [ቆላ ተምቤን] ሰጊሮም። ብሓፈሻ ብቲ ዕውት ወታደራዊ ስርሒት ኣርሚታት 1ን 3ን መራሕትና ካብ ምድሪ ኣገው ናብ መሬት ትግራይ ሰጊሮም። "...ንህዝቢ ትግራይ መራሕቱ ክተድሕኑሉ እንተኾይንኩም ሐዚ ብፅሑልና። ድሕሪ ቁርብ መዓልቲ መራሕቲ ትግራይ እንተስ ብህይወት ክተርፉ እንተስ ክንስእኖም እቲ ውሳነ ናትኩም እዩ..." ዝብል ሕቶ መራሕትና ብዝግባእ ተመሊሱ። ኣርሚ 1ን ኣርሚ 3ን ንዚ ቃል ግቡእ ግብራዊ መልሲ ሂበን። ድሕሪ ናይ 64፡00 ሰዓታት መሰልቸዊ ጉዕዞ እዩ ሰራዊትና ካብ ከተማ ኣፅቢ ናብ ጣብያ ዓዲዓውሶ በፂሑ። ውግእ ክጅመር ቁርብ ደቓይቕ ምስተረፎ ሽዑ ኣዛዚ ክ/ሰራዊት ቀይሕ ኮኾብ ዝነበረ ተጋ/ወርቂ ዓይኑ ንዝመርሖም ተጋደልቲ ኣኪቡ ክዓርፉ ብምግባር ወነ ዘስንቕን ዘሐርንን ዝስዕብ መልእኽቱ ዓው ኢሉ ኣሕለፉ። እቲ ዘሐርንን ሓቦ ዘስንቕን መልእኽቲ "... ሐዚ መስተንክራዊ ታሪኽ ንክንፍፅም ዕድልን ኩነታትን ገጢሙና ኣሎ። ኣብዙ ከባቢ ታሪኽ ክንሰርሕ ኢና መፂእና። ንሕና እናሃለና ሻዕብያን ሰራዊት ፒፒን መሬትና ረጊፆም ንህዝብናን መራሕትናን ከበሳብሱዎ ኣይንፈቕደሎምን። ስለዝኾነ እዛ ቦታ መቓብር ፀላእትና ክንገብራ ኢና። ሐዚ ንዚ ንዳለው ..." ዝብል ኮይኑ ብልክዑን ኣብ ሰዓቱን ተፈፂሙ። ቃል ብተግባር።

እወ።
"...ትኣምር እዩ 'ምበር ተፈጢሩ ፥
ክባ ወርቀ ዲኖ ዶ ይፍንፃሕ ነይሩ ...?

ዝበሎ ከያኑ ተጋዳላይ #Nguse_Abadi ከምዚ ስለ ዝኾነ እዩ።

ክብሪን ሞገስን ንስውኣትና

[ወዓካፃ ፥ 09 መጋቢት 2014 ዓ/ም ፥ ተኻፋሊ 'ዚ ታሪኽ ፥ ተጋዳላይ]