INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ዓዲ ኣዉዓላ

ዓንዶም ባህታ

ዓዲ ኣዉዓላ ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ እትርከብ። ካብተን ጥንታዉያን ሓዉሲ ከተማታት ትግራይ ሓንቲ እያ።እምባኣር እስከ ኣብ እዋን ፅንተት ትግራይ ዓዲ ኣዉዓላ ዝረኸበቶን ዝኮነቶን ከካፍለኩም።ዉግኣት ዓዲ ኣዉዓላ : ዓዲ ጎዞሞ: ዓዲ ሃገራይን ዛግርን ብዓይነቱ ዝተፈለየ እዩ ነይሩ።ፒፒ :ሻዕብያ(ጀረካን) ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ፋኖን ዝሓዘ ጥምረት ኮይኑ ብዉሕዱ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ከም ዝበፅሕ ይግመት።ኣብዚ ኹናት ዘይተተኮስ ዓይነት መሳርሒ ተተዃሲ ኣይነበረን።እቶም ወትሩ ንጥቀመሎም ተተኮስቲ ማለት ዉን መድፍዕ :ሞርታር : ታንኪ : ዙ -23 : ድሮን ከምኡ እዉን ዲሽቃ ንኣስታት 24 ሰዓት ኣብ ግልጋሎት ዉዒለን እየን። ነፈርቲ እዉን ብበዝሒ ተጠቂሞም እዮም። ብፍላይ መዳፍዕ ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 3000 ግዜ ይትኩሱ ነይሮም። እዚ ቁፅሪ ብናይ ዉግእ ኪኢላታት ዳርጋ ንናይ ኣዋርሕ ዘገልግል እዩ። ኣብ ዉግእ ኣድያቦ ክላሽ ዳርጋ ካብ ጥቅሚ ወፃእ ዝኮነሉ እዋን እዩ ነይሩ።ዝናኣሰ ተተኳሲ ብሬንን ስናይፐርን እዩ ነይሩ።ከምኡ እዉን ዲሽቃ ነይራ።ኣብ ዉግእ ኣድያቦ ዘይተተቐምሉ ቴክኖሎጂ ኣይነበረን ክሳብ ናይ ለይቲ ዉግን ብባዉዛ እዬም ተጠቂሞም። ኣብ ዉግእ ኣድያቦ ኩሎም ልፍንታዉያን ሓይልታት ከም ቆፅሊ ረጊፎም እዮም። እምባኣር እስከ ብዛዕባ ውግእ ኣድያቦ እዚ ካብ በልና። ዉግእ ሓዉሲ ከተማ ዓዲ ኣዉዓላ ከመይ ነበረ ምባልኩም ኣይተርፍን ስዓቡኒ በሉ........

ዉግእ ዓዲ ኣዉዓላ መስከረም 10/2015 እዩ ተጀሚሩ። ድፍዕ ሰራዊትና ካብ ከተማ ዓዲ ኣዉዓላ ንሰሜን ኣንፈት 10 ኪ/ሜ ኣብዘይመልእ ሕረት ኣብ ዝባሃል ቦታ እዩ ነይሩ።እቲ ዉግእ ምስተጀመረ ህዝቢ ከተማ ዓዲ ኣዉዓላ ኣብ ጎኒ ጅግና ሰራዊቱ ብምኳን ፅኑዕ ደጀንነቱ ኣመስኪሩ እዩ። በዚ ዝሓረቁ ፀላእቲ ኣብ ሓንቲ ረፋድ ጥራሕ ልዕሊ 450 ቁምቡላታት ደርብዮሙላ።እዚ ቁፅሪ እዚ ንተኻታታሊ 10 መዓልቲ ኣብ ልዕሊ ከተማ ዓዲ ኣዉዓላ ከም ማይ ናሃሰ ዘኒቡ። በዝሒ ገዛዉቲ ከተማ ዓዲ ኣዉዓላ ተዝቁፀራ 450 ኣይኮናን። እቲ ዝተደርበየ ቁምቡላታት ንሓቲ ገዛ ከክንደይ ይበፅሓ ብዓልኩም ኣስልሕዎ።ብዓዲ ኣዉዓላ ዝመፁ ፀላእቲ ንቁምቡላታት መዳፍዕን ሞርታርን ከም ናይ ክላሽን ጥይት እዮም ሸጠጠጥ ኣቢሎሞ።ኣዴታት ዓዲ ኣዉዓላ ብበዝሒ ተተኾስቲ ፀላእቲ ድምብርፅ እንከይበላ ንጅግና ሰራዊት ገዲፍና ናበይ ክንከይድ ኢለን። ብኩርዓትን ብሓጎስን ቅጫ ክስንክታን ማይ ከቅርባን ክትርኢ እንከለኻ ፍናን ይስማዓካ ይብሉ ኣብ ዉግእ ዓዲ ኣዉዓላ ካብ ዝዋዓሉ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ። ሕነ ቀራናት ንጓዓማማት ከም ዝባሃል ። ብሰራዊት ትግራይ ዝተቐጥቀጡ ዑሱባት ሰራዊት ሻዕብያ ንከተማ ዓዲ ኣዉዓላ ከምጨዘይነበረት ገይሮም ኣዕንዮማ። ሰባ ቐቲሎም ጥሪታን ንብረታ ዘሪፎም ነተን በዓላቶም ዘዕነዉወን ዑናታት ከተማታቶም ኣምሲሎማ ኣለዉ ።ህዝቢ ዓዲ ኣዉዓላን ከባቢኣ እቲ ዝቐተል ተቐቲሉ እቲ ዝተረፈ ድማ ንሓያል ጥሜት ተቃሊዑ ኣብ ዑና ገዛ ብጥሜት ይሳቐ ኣሎ። ኣብ ዓዲ ኣዉዓላን ኣብ ትሕቲኣ ዝጥርነፋ ቁሸታትን ጥራሕ ልዕሊ 300 ሲቪላን ከም ዝተረሸኑ ዝረኸብኩዎ ሓበሬታ የማላክት።

ተወለድቲ ዓዲ ኣዉዓላን ከባቢኣን አበይ ኣለኩም ህዝብኩም ኣለናልካ በልዎ።ብፍላይ ድያስፖራ ዘለኩም ደቂ ዓዲኣዉዓላ ዓድኩምን ህብኩም ታሪኽ ኮይኖም ከይተርፉ ተራባረቡ። ደቂ ማይ ጨዓረ ካብ ሕክያን ቀልድን ወፂኩም ሎሚ ቁምነገር ስርሑ። ዓዲ ፀባን ጠስምን ተቐባሊት ጋሻን ዓዲ ኣዉዓላ ዓደይ ከምዚ ኮይንኪ ክሪኤኪ ማራ ሓዚነ። ብ #ጋዘጠኛ #ሓየሎም ዳኘው