INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ኣዲስ ኣበባ እንታይ ይዕየ ኣሎ?

ሰበር ሓበሬታ!

ኣዲስ ኣበባ እንታይ ይዕየ ኣሎ?

ሳልሳይ ወያነ ፣ ውናትን ባይቶናን ዝርከቡዎም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ "ተቃወምቲ ውድባት ትግራይ" ኢና ዝብሉ ኣካላት ብሕቡእ ምስ #ኦቦሳንጆ ተራኺቦም ኣለዉ። ዘራኸቦም ድማ #ደመቀ_መኮንን እዩ። ምስ #ኤምባሲ_ኣሜሪካ ንምዝርራብ ድማ ኣብ ውሽጢ እዚ ሰሙን ቆፀሮ ተታሒዙሎም ኣሎ።

ብወገን ኦቦሳንጆን ኣሜሪካን ዝቐረበሎም ነጥብታት ድማ ምሳኹም ክንሰርሕን ክንሕግዘኩምን እንተኾይንና
1. ናፅነት(referendum) ዝበሃል ሕደጉዎ
2. ናይ ሰላም ተቓለስቲ ኢና - ነቲ ኩናት ኣይንድግፎን ዝብል ኣጠንኪርኩም ድፍኡሉ

እተን ውድባት ንኣቦሳንጆ ዘረድአኦን ዝተማሕፀንኦን ድማ

"ህወሓት ንኹሉ ከባቢ ትግራይ ዘይውክል ናይ ሓንቲ ንእሽተይ ከባቢ ውድብ እዩ። ንትግራይ ኣይውክልን። ንትግራይ እንውክል ንሕና ኢና። ንዓና ደግፉ። " ዝብል እዩ።

እተን ውድባት ቅድም ክብል ንኣብይ ኣሕመድ "ሰላማውያን ተቓለስቲ ኢና" ኢለን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምቕማጠን ይዝከር እዩ። እታ "ሰላማውያን ተቓለስቲ ኢና" እትብል card ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ምንባር security card እያ ንብል ኔርና። ሐዚ ግን ትርጉማ ካብኡ ንላዕሊ እዩ።

ቀፀልቲ ምዕባለታት . .
. 1. እተን ውድባት ብድጋፍ ኣፍሪካ ሕብረትን ደገፍቲ ሃገራትን ተሓዚለን ስልጣን ክሕዛ ተስፋ ገይረን ክንቀሳቐሳ እየን

2. ናፅነት (referendum) ዝብል ቃል ቀስ ብቐስ እናሓደገኦ ክኸዳ እየን። ኣብ መወዳእታ ድማ ክገድፈኦ እየን።

3. ኣፍሪካ ሕብረት እቲ ጉዳይ መፍትሒ ንኸይረክብ ከምቲ ንገበነኛን ወራሪትን ኤርትራ ናብቲ ድርድር invite ዝገበረ - ፀገም ትግራይ ኣዐርዩ ንኽጠናነግ ነተን ውድባት ናብቲ "ድርድር" invite ክገብረን "ይኽእል" እዩ።

4. ኣብ ቁፅሪ ሰለስተ ዝተቐመጠ ሽርሒ ንምጥንኻር እቲ "ድርድር" ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግስቲ ፌዴራልን ዝበሃል ዝነበረ ኮነ ተባሂሉ እዩ። ብወገን ትግራይ "መንግስቲ ትግራይ" እምበር ህወሓት ኣይኮነን ናብቲ "ድርድር" ክኣቱ ዝተብሃለ። ነገር ግን ኮነ ኢሎም ንመንግስቲ ትግራይ ኣፍልጦ ንዘይምሃብ እዮም እቲ ድርድር ናብ ብርኪ ውድብ ኣውሪዶም ስም ህወሓት ዘልዕሉ። ድሕሪኡ ውድብ እንድሕር ኮይኑ ድማ "ኩለን ይእተዋ" ዝብል ክርክር ንኸልዕሉ። ተገልቢጦም ግን ህወሓት ባዕሉ ብብርኪ ውድብ ከም ዝደለየ ክውረ ይገብሩ። እቲ ምስጢር ግን "መንግስቲ ትግራይ ሕጋዊ ኣይኮነን - ከይትቕበሉዎ" ዝብል ድፍኢትን ስዒቡ ብዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ሰኸፈት እዩ እቶም መሸማገልቲ ፈሊጦም ከም ዘይፈለጡ ስም ህወሓት ዝፅውዑ ዘለዉ።

እዚ ስዒቡ ኣብ ትግራይ ብፀላእቲ ዝተሓሰቡ ውዲታት

1. ብስም ፖለታካን ዘተ ሰላምን ኣብ ሞንጎ ተቓወምትን መንግስትን ትግራይ ምትፍናን ክፍጠር

2. ሓድነት ተጋሩ ዝፈታተኑ ፖለቲካውን ከባብያውን ኣፈላላያት ምፍጣር

3. ዕፅዋን ክባን ክናዋሕ እሞ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህወሓት መረረት ከልዕል

4. ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ምክፍፋል ክፍጠር ብምግባር ቃልሲ ምዝሕሓል

5. እዞም ልዕል ክብል ዝተጠቐሱ ነጥብታት ኣብ ትግራይ ዝፈጥሩዎ ኩለመዳያዊ ምድኻም ስዒቡ "ደኺሞም እዮም" ኣብ ዝተብሃለሉ እዋን መንግስቲ ኢትዮጵያን ሻዕብያን ሓንሳብን ንሓዋሩን ብጉልበት ንትግራይ ምውራር። ድሕሪኡ ከምቲ ልሙድ ካብዘን ውድባት እዚአን ዝተውፃእፀአ ሓዱሽ መንግስቲ ብሸዋን ኣስመራን ተሓንጊሩ ኣብ መቐለ ክምስረት።

ብድምሩ "ሰላማውያን ተቓለስቲ ኢና" ኢለን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኾደማ ውድባት ምስ ህወሓት ብዘለወን ተኽኒ ብዕሊ ኣንፃር ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ይሰርሓ ምህላወን ክፍለጥ ይግባእ። ኣብ ደገ እውን "መንግስቲ ትግራይ ሕጋዊ ኣይኮነን ፣ ከይትቕበሉዎ ፣ ከይትሰምዑዎ" አሰናበሉ ብደብዳበታት ዲፕሎማሲ ከዐንቅፉ ተራእዮም እዮም። ኣብ ዲያስፖራ እውን "ገንዘብ ንመኸተ ኣይተዋፅኡ ፣ ሰላማዊ ሰልፊ ኣይትውፅኡ" እናበሉ ቃልሲ ዲያስፖራ ክዘሓሓል ፅዒሮም እዮም።

መተሓሳሰቢ . .
ውድብ ዓረና ኣብተን ብደመቀ መኮንን ኣቢለን ምስ ኣቦሳንጆ ዝተራኸባ ውድባት ውሽጢ የለን። ቀፃሊ ዝሕወሱ እንተኾይኖም እቲ ሓበሬታ ናባኹም ክነብሎ ኢና።
ደገን ውሽጥን ዘለኻ ህዝቢ ትግራይ ዓድኻን ቃልስኻን ሃየ