INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ኣብ መዕረፊ ነፈርቲ ቦሌ

Read from source

ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ኣብ መዕረፊ ነፈርቲ ቦሌ ምግፋዕ በፂሑዎም እዩ:: ንሎሳንጀለስ ኣብያተክርስታናት ቅዱስ ሚካኤልን ኣቡነ ኣረጋውን ፍቓድ ወፂኡሎም ሒዞምዎ ዝነበሩ ክልተ ፅላታት፤ ከምኡ እውን ከምቱ ኩልግዘ ክንቀሳቐሱ ንሃይማኖታዊ ደቆም መገልገሊ ዝሕዙዎ ብግእዝ ዝተፅሓፉ ሓሙሽተ ቅዱሳን መፃሕፍቲ፤ ሰልስተ ናይ ኢዶም መሳቕልን ሓደ ቅብኣ ሜሮንን ሒዝኩም ኣይትወፁን ኢሎም መንጢሎምዎም::

እዙ ንዋየ ቅዱሳት ኩሉ ሓደሽትን፤ እቱ ቅዱሳት መፃህፍቲ ድማ ብማህበር መፅሓፍ ቅዱስ ብነፃ ዝውሃብ እንትኾን ኣድላዪ ሕጋዊ ደብዳበታት እውን ዘለዎ እዩ:: እቱ ደብዳበታት ቀትሪ ሰዓት 7:00 ንዝምልከቶ ኣካል ኣብ ቦሌ ተዋሂቡ ተቐቢሉዎ እናሃለወ እዩ ምሸት ሰዓት 4:00 እዙ ኩሉ ንብረትን ናይ ኢድ መሳቕሎምን መንጢሎም ካብ በረራ ከትርፉዎም ዘጋፍዑዎም::

ብፁእ ወቅዱስ ኣቦና እውን ጥራሕ ኢደይ ኣይኸይድን ኢሎም ነይሮም:: ይኹን እምበር፤ "ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ተዘራሪብና ክንሰደልኩም ኢና ብዝብል" ኣብ ስምምዕ ምስተበፅሐ እዩ ምሸት ተላዒሎም።

እቱ ክሳብ ሎሚ ዘሎ ኣሰራርሓ እውን ኣይኮነን ፓትርያርክ፤ ካህናት እውን ፅላታትን ንዋየ ቅዱሳትን ሒዞም ዝወፁሉ እዙይ ኣሰራርሓ እዩ ነይሩ:: ካብ ሰነዳት ቤተክህነት ንምርዳእ ከምዝተኽኣለ ኣብዚ ዓመት ጥራሕ ብፊርማ ቀሲስ በላይ መኮንን 16 ፅላታት ብካህናት ካብ ኢትዮጵያ ወፂኡ ኣሎ::

ዝርዝር እቱ ካብ ኣቦና ዝመንጠሉዎም ንዋየ ቅዱሳትን እቱ ንዝምልከቶ ኣካል ኣቐዲሙ ክፈልጥ ዝተገበረሉ ደብዳበታት ፍቓድ ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ:: ማሕበረ ቅዱስ ያሬድ ዘኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ ንዙ ኩነታት ኣመልኪቱ ዘውፅኦ መግለፂ እውን ተተሓሒዙ ኣሎ::

ኢትዮጵያ እትብሃል ሃገር፤ ትግራዋይ ስለዝኾኑ ጥራሕ ንመራሒ ሃይማኖታ እውን ዘይተኽብር ምድረ ኣረማውያን እያ! ብፆም ብፀሎት ዝሕልውዋ ቅዱስ ኣቡኣ እንተይተረፈ ትግራዋይ ስለዝኾኑ እተጋፍዕን እተሕዝንን ሃገር! በረኸቶም ይሕደረና!

ቴሌግራም: https://t.me/+HdnQzJcDXXJlMzBh