INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

"ኣባይ ወልዱ" ኢኹም ትብልዎ

ኣነኳ "ማጉላ" እየ ዝብሎ

ኣብ ወልቃይት ህዝበ-ውሳነ ክካየድ ኣብ ዝገሃቦ ውሳነ ሓደ ዓቡዪ ታሪኻዊ ስሕተት ፈፂሙ እዩ። ብኡ ምኽንያት ደማ ትግራይ ሉኣላዊ መሬታ ኣሕሊፋ ሂባ ጥራሕ ዘይኮነትን ክብራን ድንግልናኣን እውንያ ኣሕሊፋ ሂባ። ካብዚ ብተወሳኺ ሞራል ፀላእትና ሰማይ ክዓርግን ሞራል ህዝብና ደማ መሬት ክዘብጥን ገይርዎ እዩ።

ኣብቲ ሽዑ እዋን ህዝበ-ውሳነ እንትግበር ብደረጃ ወረዳ ክካየድ እንተድኣዘየለ ግን ብደረጃ ጣብያን ቅኡሸትን ጎጥን ዝግበር ህዝበ-ውሳነ ግን ክኣብ ትርፉ ክሳራኡ ከምዘመዝን ይሕበር ነይሩ። ኣብቲ እዋን እዙይ ንኸይኸውን ብዙሓት ለበዋታት ቀሪቦን ሰማዒ እዝኒ ግን ኣይረኸቡን። ብምዃኑ እውን መሬት ትግራይ ናብ ትግራይ ብዝተሰደዱ ተወለድቲ ጎረባብቲ ሃገራትን ክልላትን ንኣኣቶም ብዝጥዕም ብዝተተርጎመ ሕገመንግስቲን ምኽንያት መሬት ትግራይ ብቑርምም ሽርምም ምቁርራሱ ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ከይድን ኣካይዳን ብዝፈጥርዎ ጎንፅታት ህይወቱን ሃፍቱን ክስእን ምኽንያት ኮይኑ እዩ።

ኣብ ሓደ ወሰናስን ዓዲ ብዝፍጠር ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ ወይውን መስተጋብር ብዙሕ ህዝቢ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክንቀሳቐስ ይኽእል እዩ። ብዙይ ምኽንያት ደማ ብቐሊሉ ናይ Demographic Change ከምፅእ ይኽእል እዩ። ምስዙይ ተተሓሒዙ ሓደ ሰብ 6 ወርሒን ካብኡ ንላዕሊን ኣብ ሓደ ቦታ እንተደኣ ተቐሚጡ መታወቅያ ኣውፂኡ ምስቲ ወዲ-ዓዲ ብማዕረ በዓል ምሉእ መብቲ ይኸው ነዙይ ስዒቡ ናይ ወሰን ጎንፂ እንትለዓል ትአበለፅቲ ፖለቲከኛታትን ማጉላታትን "ብሰላም ይፈታሕ። ህዝቢ ይምረፅ። ምስ-መን ይሕሸካ ወስን? ዴሞክራሳዊ መቢትኻ እይ! ምረፅ!!!" እናተባህለ ነቲ ስደተኛ ብዓል መሬት ነቲ በዓል መሬት ደማ ስደተኛ ዝገብሩ ኣካይዳታት ክፈጥር ፀኒሑ እዩ። እቲ ኣብ ወልቃይት ዝተፈፀመ እውን ምስዙይ ዝመሳሰል እዩ።

ሓዚውን እንተኾነ ትግራይ ህዝበ-ውሳነ እንትትብል ሓደ ህዝቢ ትግራይ ብደረጃ ክልል ውሳነ ዝበሉ እንተደኣ ዘየለ ደማ ብደረጃ ወረዳ ክፍፀም ይግባእ ይብል። ካብዚ ደረጃዙይ ወሪድና ብጣብያን ቁሸትን ጊጥን ህዝበ-ውሳነ ክነካይድ ኢና ምባል ግን ህዝበውሳነ ዘይኮነስ ዓርሰ-ቕትለት እዩ።

ኣብዙይ ፅቡቕ ኣብነት ዝኾነና ናይ ኦሮሞ ፖለቲከኛታት እዩ። ኣብ ኦሮምያ ከምዚ ኣብ ወልቃት ዝተገበረ ህዝበ-ውሳነ እንተዝግበር ነይሩ ኣዲስ-ኣበባ፥ ደብረዘይት፥ ናዝሬት፥ ድሬዳዋ፥ ሃረር. . . ናይ ኣምሓራ ምኾና ነይረን። ኣብ ኦሮሞ ግን ከምዚ ናይ ትግራይ ማጉላ የለን። እዙይ ከይኸዉን ወጡሮም ይሰርሑን የድምዑን ደማ ኣለዉ። ካሊእ ይትረፍ እቶም ፈተና ክኾንዎም ይኽእሉ እዮም ዝበሃሉ ህዝበ ኣምሓራ ኣብ ጎኖም ከሰልፉ ኺሎም እዮም።

ስለዝኾነ "ጎጉጅኽን ሓዛ ኣይምሰልክን ዋዛ" ከምዝበሃል ካብ ጉጅና ቁንጣር መሬት እውን እንተኸነት ብእንዝህላልነት ፖለቲከይናታትና ክንስእን የብልናን።