INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ኣባ ቢኒያም - ዘፋሲለደስ !

ብሰናይ ቀደሙ እዚ ሰብ'ዚ ኣካላቱ'ምበር ሕልናኡ ምስ ህዝቢ ትግራይ ኣይነበረን ምባል ይከኣል ። ኣብ ሸዋ ኣቐሚጡዎ ንዝመፀ ሓንጎሉ ምስ ትግራይ ከዋሃህዶ ከቢድዎ ። እግሩን ርእሱን ብዘይፍለጥ ብገዛ ናይ ባዕሉ ፍልስፍና ኣብ ቅልውላው ዝኣተወ ይመስል ። ትግራይ እንኳዕ ድኣ ኣዶ ብዙሓት ኾነት'ምበር በዚኦም ብዝኣምሰሉ ጠላማት ቀደም ጠፊኣ ምሃለወት ነይራ ።

ብመሰረቱ ቢኒያም ናይ ገዛ ርእሱ ናፃ ሓሳብ ክገልፅ መሰሉ'ኳ እንተኾነ ፦

1. ምስ ፀረ ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ ሚዲያ ቀሪቡ ጋዕ ገልጠም ሓሳባቱ ከቕርብ ኣይነበሮን ።

2. ብሰናይ ቀደሙ እውን ኣሚኑን ወሲኑን ንቓልሲ ትግራይ ኣይተፀምበረን ነይሩ ። መንፈስ ኣብይ ኣብ ዝባኑ ኮይኑ ይገንሖ ከምዝነበረ ካብ ኣንደበቱ ምርዳእ ይከኣል ።

3. ዘመድ ሃፀይ ፋሲለደስ እየ ምባሉ '' ኣምሓራይ '' እውን እየ ንምባል ደልዩ እንተኾይኑ ኣምሓራይነት ዘይኮነስ ፀረ ህዝቢ ኣተሓሳስባ ዝሓዘ ኹሉ ፀላኢና ምዃኑ ክርዳእ ነይርዎ ። ወይ ኣምሓራይ እየ ኢሉ ፅግዕ ፅግዕ ክብል ደልዩ እንተኾይኑ እውን ከም ዛዲግ ኣብርሃ ምስላም ምሐሾ ነይሩ ።

4. ብዛዕባ ጀኖሳይድ ትግራይ ዝገለፆ ኣገላልፃ ግና ብሓፂሩ ካብቶም ጀኖሳይድ ዝፈፀሙልና ኣዕርኽቱ ኦሮማራ ዝተፈለየ እዩ ኢለ ኣይኣምንን ።

ዝኾነ ኮይኑ ፦ ኣባ ቢኒያም ዘፋሲለደስ - ሸዋ እንተዓዲማቶ - ብጉያ ዝነፍር ፥ ኣራት ኪሎ ዘተስፍው - ፈላስፋ እዩሞ ኣይንሓዘሉ 😁😁