INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ዋላ ኣብ ውሽጢ ዕፅዋን ፀበባን ኮይንና፤ ናይ ሃለዋትን ደሕንነትን ኵናት እናካየድና እንተለና እውን

ዋላ ኣብ ውሽጢ ዕፅዋን ፀበባን ኮይንና፤ ናይ ሃለዋትን ደሕንነትን ኵናት እናካየድና እንተለና እውን፤ ንፅባሕ ዘይንብሎም ዕማማት ኣለዉና! ኣብዙ ኸይዲ ዕፅዋን ኵናትን ኮይንና እውን፤ ክሕንፀፁን ክትግበሩን ዘለዎም ስትራተጂካዊ ሕንፃፃት ትግራይ ዝብሎም፤

ቅድም ቀዳድም ብሰላም ይኹን ብቕልፅምና፤ ብቕልጡፍ ዕፅዋ ክስበርን ሉኣላዊ መሬት ትግራይ ክኽበርን ኣለዎ! ዲያስፖራ ትግራይ ድማ ብኹሉ ዝኸኣልናዮ ዓቕምና ኣብ መኸተ-3 ክንረማረም!

ኣብ ባይታ ካብ ዘሎ ጭብጢ ተበጊሰ፤ እዙ ምስ ኢትዮጵያ ኣቲናሉ ዘለና ኩነታት ብቕልፅምና እምበር ብድርድር ክፍታሕ ይኸውን እዩ ኢለ ኣይኣምንን ኣይፅበን! ንኣና ከም ትግራይ፤ ናይ ሓደ ተጋዳላይ መስዋእቲ እንተኾነ እውን ዓቂብና፤ ዘኽስበና ሰላማዊ ድርድር እዩ ኢለ ድማ ይኣምን!

ብርግፅ ናብ ድርድር ሰላም እንኣቱ ኣለና እንተኾይንና፤ መንግስቲ ትግራይ ንትግራይ ዝውክል ጉጅለ ተደራደርቲ Negotiating Team ካብ ምሕራይ ኣትሒዙ፤ ምስዙ ጉጅለ ዝሰርሑ ኮሚቴ ቴክኒክ፤ ከምኡ እውን ንዚኦም ብኹሉመዳይ ዝሕግዝ ካብ ማሕበረሰብ ዝተወከሉ ዓበይቲ ዓዲ፤ ሰብ ሙያ ህግን ታሪኽን፤ ተመራመርቲ ምሁራትን፤ ኣንፃር ብልፅግና ጠጠው ዝበሉን ኣብ ቃልሲ ሃለዋትን ደሕንነትን ምስ ህዝቢ ትግራይ ዝወገኑን ኣባላት ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ፤ ዝሓውስ ቤትምኽሪ ድርድር Negotiating Council ከጣይሽን ዕላዊ ንኽገብርን፤

ዝተማልአን ዝፀፈፈን ተሃድሶ ስርዓተ መንግስትን ሃገራዊ መንግስታዊ መሓውራትን ትግራይ ክተክል፤

እዙ ንህዝቢ ትግራይን ትግራይን ማእኸል ዝገበረ ምስ ዓለማዊ ኣሰላልፋ ንረብሓ ትግራይ ዘረጋግፅ ስርዓተ መንግስቲ ድማ ፤ ንፁርን ኣርሒቑ ኣማትን ፖሊሲ ማሕበረ ኢኮኖሚ ክተክል፤

ሓይሊ ምክልኻል ትግራይ ንሓይሊ ኣየር ትግራይ ሓዊሱ ኩሎም ሃገራዊ ወተሃደራዊ መሓውራቱ ናብ ዝለዓለ ፅፍሒ ከማዕብል፤

ማእኸል ምርምርን ዕብየትን ሳይንስን ቴክኖሎጂን ትግራይ ከም ብሓዱሽ ቆይሙ፤ ዝተፋላለዩ ናይ መፅናዕትን ምርምርን ቴክኖሎጅን ልምዓትን ትካላት Institutions ከጣይሽ፤ ዝተጣየሻ እውን ከስፋሕፍሕ ከማዕብል፤

እዙያት መንግስቲ ትግራይ ኣብ ውሽጥን ደገን ምስዘሎ ህዝቢ ትግራይ ተሰጣጢሙ ክትግብሮ ኣለዎ ዝብሎ፤ ናተይ እምነትን ተበግሶን ንህዝቢ ትግራይን ትግራይን እዩ:: ዝተፈለየ ዝቃወም ወይ ዝድግፍ ኢሉ እውን ክውሰኽ ኣለዎ እንብሎ፤ እናሓበርና ስልጡን ትግራዋይ ዘተ ክንገብር እላበዉ:: ዘተ ድማ ናይ ግድን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣይኮነን፤ ኣብ ብብዘለናዮ ኮይንና ብውሽጢ ነንሕድሕድናን ምስ መንግስትናን ህዝብናን ንዘቲ፤ ብዘለና ዓቕሚ ድማ ኣብ መኸተ-3 ኢድና ንሕወስ! ዕማም መኸተ-3 እዙያት እዩ ኢለ ስለዝኣምን!

እግረ መንገደይ ክጠቕሶ ዝደሊ፤ ህዝቢ ትግራይ ካብ መንግስቱ ዝፅበዮ ሓደ መሰሉ ግልፅነትን ተሓታትነትን accountability and transparency መንግስቲ ትግራይ እዩ:: ጌታቸው ረዳ ኣብ ተኸታታሊ ሰሙን ናብ ሚዲያ እናቐረበ ዝሃቦ እዋናዊ መግለፂ፤ ኣዐርዩ ዝምስገን ዝባራታዕን ቀፃሊ ክኸውን ዘለዎን፤ ኣንፈት ግልፅነትን ተሓታትነትን መንግስቲ ትግራይ ዝሕብር እዩ! ህዝቢ ትግራይ ብዛዕብኡ ዝግበር ኮነ ዝዝረብ ኩሉ ናይ ምፍላጥ ሙሉእ መሰል ስለዘለዎ! የቐንየልና ብፃይ!

ትግራይ ትስዕር ኣላ!