INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ቀዳም 27 August ኣብ ዋና ከተማ ኣሜሪ

ቀዳም 27 August ኣብ ዋና ከተማ ኣሜሪካ ቅድሚት ንቕድሚት ዋይትሓውስ፤ ኣብ ጎልጎል ሞኑመት ኣብ ዝብዓል ኣሸንዳ ትግራይ፤ ካብ ቀረባ ዋሽንግተን ዲሲን ርሑቕን ካብ ዘለዋ ግዝኣታት ኣሜሪካ፤ ኩልና ዝኸኣልና ተጋሩ ተረኺብና፤

1. ብቐዳምነት ንሕና መን ምዃና፤ መንነት ባህልና ንማሕበረሰብ ዓለም ክነላልይ፤

2. ኵናት ምፅናት ዘርኢ ተኣዊጁዎ፤ ንልዕሊ 21 ኣዋርሕ ይፀንት ንዘሎ ህዝብና፤ ድምፅና ዓው ኣቢልና ክነስምዕ፤

3. ንልዕሊ 120 ሽሕ ዝተዓመፃ ደቂኣንስትዮ ኣሓትና ደቅናን ወለድናን፤ ንልዕሊ ፍርቂ ሚልየን ዝተጨፍጨፉ ሰማእታትን ትግራይ ክንዝክር፤

4. ኣብ ሓድነትና ተሰጣጢምና ንመኸተ ሰልስተ ኣደልዲልና፤ ንህዝብናን መንግስትናን ደጀን ምዃና ንኽነረጋግፅ፤

5. ብኣውርኡ ድማ፤ ምስ ደቂ ዓድና ክንተሓዋወስ ክንህደስ፤ ወራር ምፅናት ዘርእን ግፍዕን ወሪዱና ንዝተሓሰየ ኣእምሮና ክንፅግን እዩ::

እዙ በዓል ተወከልቲ ሰበስልጣናት ኣሜሪካን፤ ካብ ሙሉእ ዓለም ዝመፁ ቱሪስትታት ዝርከቡሉ ከምዝኾነ ተፈሊጡ ኣሎ::

ስለዙይ ደቂኣንስትዮ ትግራይ፤ ወቂብክን ማዕሪግክን ደሚቕክን ከምእትርከባ ንኣምን! ኣነ'ኳ እጀ ጠባበይ ስኢነያ ድኣ ኣለኹምበይ እዳሎ ኣለኹ!

ትግራይ ትስዕር ኣላ! ካሳ ሃይለማርያም

ቴሌግራም: https://t.me/+HdnQzJcDXXJlMzBh