INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ኣብ ኢድኩም ዘሎ ሓይሊ ዛንታ፡ ትጥቀሙሉ ዶ ወይስ ተርክሱዎ?

"ዛንታ ሓይሊ እዩ" ይብሉ እንግሊዛውያን።

ክልተ ዓመታት ኣብ ትግራይ ዝተገብረ፥ ዝዀነ፥ ዝተብሃለ፥ ዝተፈፀመ ብ ኣዕይንትኹም ዝርአኹም፥ ብኡ ዝሓለፍኩም፥ ዝተፈተንኩም፥ ዝተኻፈልኩም፥ ዝተፀገምኩም፥ ዓፀቦን ተስፋን፥ ስቓይን ሓቦን፥ ርህራሄን ጭካነን፥ ወዘተ ህዝቢ ዝተዓዘብኩም ሰባት፡ ኣብ ኢድኩም ሓያል ሓይሊ ኣሎ። እንተ ተረዲኡኩም! እንድሕር ብ ስርዓት፥ ብ ጥበብ፥ ብ ጥንቃቐ፥ ብ ሓላፍነት ፅሒፍኩም ናብ ዓለም ክተቕርቡዎ ክኢልኩም ክዓ መዳፍዕ እዩ! ዘለኣለማዊ እዩ ክዓ! ንሱ ግን ል ዝተረድኦ እዩ። ል ዘኢተረድኦ፡ ዋላ ኣልማዝ እውን እምኒ እዩ።

እዚኣ ክእብለኩም። ኣፅንቶት ትግራይ ብዙሕ እዩ ኣምሂሩና፥ ለዊጡና። ብ ዛዕባ ዓለምን ኣሰራርሓኣን ኣብ ሓፂር ጊዜ ብዙሕ እይና ተምሂርና። ሓደ ካብኣቶም፡ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ዝተፅሓፈ ነገር ጥር ትብል ዋጋ ከም ዘየብሉ እዩ። እኳ ድኣስ መርከሲ ክቡር ዛንታ ምዃኑ እዩ። ዓበይቲ መዳፍዕ ክይዀኑ ዝይኽእሉ ዝነበሩ ዛንታታት፡ ቀዲሞም ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ስለ ዝተሰጥሑ፡ ዓበይቲ ትካላት ሜድያ፡ ከም ዝይፍንፍንዎ ተረዲእና። ከም መረዳእታ ክትጥቀመሉ እውን ከም ዘኢይክኣል ርእይና።

ዛንታትኩምን ትዕዝብትኹምን ኣኽቢርኩም ሓዙ። ብ ስርዓትን ብ ኽብርን ክተሕትምሎም ዝትኽእሉ መድረኻት ኣለልዩ። ክቡር ነገር ኣብ እንዳ ጕሓፍ ኣይትደርብዩ።

ብ ሓደ ጊዜ መፅሓፍ ናይ ምፅሓድ ክእለትን ዓቕምን ዘኢክህልወኩም ይኽእል እዩ። መንገድታት ግን ኣለዉ። ሓደ መንገዲ፡ ብ ስርዓት እናፅሓፍኩም እናእረምኩምን ኣብ ዌብሳዪታት ኣሐትሙ። እዙይ ብዙሕ ፅልዋ ከም ዘለዎ፥ ብ ካልኦት ከም መመሳኸሪ፥ ከም እሙን መረዳእታ ኰይኑ ከም ዝየገልግል ኣብ ትግሃት ዝሰራሕናዮ ስራሕ ምስክር እዩ። እዞም ፅሑፋት ምዕራፋት መፅሓፍ ይዀኑልኩም። ንሳቶም ኣኻኺብካን ወሳሲኻን መፅሓፍ ምግባር ቀሊል እዩ። እግረ መንገድኹም፡ ትፀልዉ፥ ትምህሩ፥ ከም ፅሓፍቲ ትዓብዩ፥ መፅሓፍ እውን ትፅሕፉ። ኣብ ፈይስቡክ ትድኽድኽ እምበር ኣይትዓብይን፤ ትምንምን እምበር፥ ኣይትጕልዕን!

ሓቂ ል ምዝራብ፡ ምስ ምኽፋት ስልኪ/ኢንተኤርኔት፡ ብዙሓት ኣብ ዌብሳዪታት ዝይሕተሙ ፅሑፋት ካብ ትግራይ ክእርእይ ተፀቢየ ነይረ። ናብ ትግሃት እውን ብዙሓት ፅሑፋት ከኢየዕለቕሉቑና ፈሪሐ ነይረ። እቱ ግርህነተይ! ኣብ ደገ ዝኒሀና፡ ኣብ ዓድዲ እውን ከም እዙ ኣባና ዝተፈጠረ ለውጢ ግንዛበ ዝተፈጠረ መሲሉና ነይሩ። ጌጋ ምዃኑ ተረዲአ ኣለኹ። በቃ ማዕረ ከም እታ ቅድሚ ምጅማር ኲናት ዝነበረት ግፅፅብ ጭቃ ፈይስቡክ እያ ዘላ!

ለውጢ የድልይ! ብሱል ሰብ መድረኽ ክይፈልይ ኣለዎ። ክይዓብይ ኣለዎ።

ጀጋኑ ፅሕፈት፥ ፍልጠት፥ ሓሳብ የድልዩና። በላሕቲ ፅሓፍቲ የድልዩና። ብ ርዖም ፀግማትና፥ ህላወና፥ ኵነታትናን፥ ኣተሓሳስባና፥ ባህልና፥ ልማዳትና ዝይበጥሑ፥ ኣጕሊሆም ዝየርእዩ፥ ዝይሕክሙ፥ ዝይነቕፉ፥ ዝይፈትሑ። ካብ ከም እዙይ ዝበለ ማሕበራዊ ተዋፍሮን ኣዋህልሎት ፍልጠትን ስነዳትን እዩ ዘለኣለማውን ዘላቕን ለውጢ ዝይውለድ። ብዘይ ፍልጠት ዝይግበር ምትዃስ ክየብቅዕ ይግባእ። ልኣና ዝይጠቅምን ዝይምጥንን ቃልሲ፡ ቃልሲ ግምባር ፍልጠት እዩ።

ብ ዛዕባ ኣድላዪነት ምሕታም ኣብ ዌብሳዪታት ቅድሚ ሀዚ ዝበልኩዎም፦

1) ል ምንታይ ኣብ ጥሉላት ዌብሳዪታት ክተሕትሙ ከም ዘለኩም ዝተርእይ ምሳሌ፡ https://www.facebook.com/gabremeskel/posts/pfbid0RiaTqCxXrvygK4L1ZfS4Ks2qYJ6kFXdWRWACPX17mcuYLSSmv9pVtGFZ233A3zC7l

2) መረዳእታታት ይጠፍኡ ኣለዉ፥ ንሰንዶም፥ ንሓዞም https://www.facebook.com/gabremeskel/posts/pfbid02k6o4gdY46t4Q5CRmz4eBskXR4hufpqE9xN6kuKZzQ175a7vvX1HPUmq8kXkkYYtpl

3) ማዕዳ፦ ትንተና ዶ ስነዳ?

https://www.facebook.com/gabremeskel/posts/pfbid0kij56Xk4y4f2zTEYnW97htAz1pPZND1CUnycXELyUxK4UMx7Ac276AbeJUE7qPjxl

4) ኣምሓሩ፡ ትግሃት ካብ ዊኪፔዲያ ክትክልከል ይሰርሑ

https://www.facebook.com/gabremeskel/posts/pfbid02BeT2fSvaipxWv4PnSQZxUH8QQb6Qy5wURKFjZjpvUda8QZFT7m5KHjspDC9yBSAel

5) ናብ ዌብሳይታት ንፅሓፍ

https://www.facebook.com/gabremeskel/posts/pfbid034g3UfkEyYD8C1ypXNEwMqucKVEqLsp2iNEWffCWiuxmxtjR4TU3HgZdro24ufcxpl

6) https://www.facebook.com/gabremeskel/posts/pfbid0255rN9v2uWxeyvLYq2J2ctTbLTTkX1snvw4BDmt1KqSbvRr1LGziqLv13NS7f82oVl

7) Tghat (ትግሃት) has become an indispensable part of the Tigrayan story. https://www.facebook.com/gabremeskel/posts/pfbid02rcfMBrvGFybXTVFdT7KSYm4569qeWpiY7NH8FPxMNGndN2VELY2rywK31jrvhRHol

8)) A measure of Tghat's impact

https://www.facebook.com/gabremeskel/posts/pfbid02qq1djuoNMygAuRGpgtLnLZvH1YHpaasXxbroJH5GygaFpYgn5XjdX5pWq6BVXLVql

9) ghat's article on the Bora Selewa massacre used as evidence in Dutch foreign ministry and Dutch parliament Question & Answer session. https://www.facebook.com/gabremeskel/posts/pfbid02K8tQ2RcwwHonS5UtR88PvmagBV4YbR5V4SLr9wFeXAoYbMfksYmdU264abEuB5Qwl

10) መልእኽቲ ል ኵለኹም ካብ ትግራይ ናብ ፈይስቡክ ትቕልቀሉ ዘለኹም ተጋሩ https://www.facebook.com/gabremeskel/posts/pfbid0hBdUBvMKVE3NVz2dVqPKJ23cuLFxSywdirtJfSPk6cYT14t8go1JCiPDg7tE6ie6l

11 Some prominent websites that cite Tghat.

https://www.facebook.com/gabremeskel/posts/pfbid0262M8B3eSmrDtr6eu5z1wEhbEJ2Hh6ha5JdRTJzPchQ7vd1xdMGofBdtq2jQCJQYpl

12) Tghat Impact https://www.facebook.com/gabremeskel/posts/pfbid02R1x5xbJD5KF7FVq1W3ZHfPtV6pNnA4Xwkd2CAKpu3vVvxmfxBX1pn1rvJDhZAZ3pl