INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ትግራይ ዓደይ፤ ከም ህዝቢ ኣብ ፈታኒንን ወሳንን መድረኽ

Read from source

ትግራይ ዓደይ፤ ከም ህዝቢ ኣብ ፈታኒንን ወሳንን መድረኽ ኢና ዘለና'ሞ፤ ሓድነትና ኣስጢምና ብብልሒ ብጥበብ ንሰድር! ካልእ መማረፂ ስለዘይብልና!

ተወላዲ ትግራይ ኮይኑስ፤ «እገለ ከም'ዙይ ይገብር ኣሎ» እንትብሃል ምስማዕ፤ ንገሊኡ ክትኣምኖ ክትቕበሎ ኣዐርዩ ይኸብደካ'ሞ፤ ምስ ባዕልኻ ትቃለስ፡፡ ካብኡ ብመረዳእታ ብድምፂ ተሰንዩ እንትመፀልካ፤ እዛ ትግራይስ ንኽንደይና ድያ ወሊዳ? ኢልካ ትሓትት ትድመም፡፡ ትግራይስ ብንእሽተያ ዓባይ ቀላይ፤ ከብዳ ድማ ጉራምራ!

ገሊኦም ደቃ ምእንተኣ እታ እንኮ ህይወቶም ኣሀጊሮም ንመስዋእቲ ብፀጋ ዝቕበሉ፡፡ ንሶም በይዛ ኮይኖም ዝሓልፉ፤ ምእንተ ወለዶታት ሰላም ቅሳነትን ራህዋን ክረኽቡ እንትብሉ፡፡ ገሊኦም ካብ ማህፀና ዝወፁ ድማ፤ ምስ ሓረድታ ተሰሊፎም፣ ኣብ ልዕሊ መበቆል ህዝቦምን ዓዶምን ዝወፍሩ፡፡ እቶም ምስ ብልፅግና ኮይኖም ዘሕረዱና፣ ኣደታትናን ኣሓትናን ዘድፈሩወን፣ ዘብረሱና፣ ዘሰደዱና፣ … ብርኡይ ተጠሊዖም ስለዝመፁ ዳርጋ ፍርቂ መንገዲ እዮም ነክዮምልና!

እቶም ዝኸፍኡና ፀላእትና ግና፤ እቶም «ንስለ ትግራይ» እናበሉ ምሳና እናጨርሑ፣ ኣምሰሉታት ውሽጣ-ውሽጡ ምስ ሻዕብያን ብልፅግናን ኮይኖም ንትግራይ ዝሓርዱ እዮም!

ኣብ'ዘን ዝሓለፋ ሰሙናትን ኣዋርሕን፤ ኣብ መርበባት ማሕበራዊ ሚዲያ ዝስማዕ ዘሎ፤ ናይ ሻዕብያን ብልፅግናን ሰባት ምስ ተወለድቲ ትግራይ፤ (ምስገሊኦም ብቐረባ እንፋለጥ) ዘካይዱዎ ዘለዉ ፓልቶካትን ኮንፍረንሳት ስልክን ፍልይ ዝበለ እዩ፡፡ ንኣና ንተጋሩ ዝቐረፁዎም ፕሮጀክትታትን ኣፈፃፅምኦምን ኣብ ምዝታይ ጥራሕ እንተይኮነስ፤ ክንደየናይ ከምዝተዓወቱልና እውን ኣብ ኣደባባይ ይግምግሙ፡፡

ትማሊ ምሸት ዝነበረ ገምጋሞምን ሎሚ ንጉሆ ዝነበረ «ተዓዊትናሎም» ዝብል ጭደርኦምን ፍልይ ዝበለ ነይሩ፡፡ ቀንዲ ወፍሮም ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ዲያስፖራ ትግራይ ካብ ቃልሲ ምልማስን ካብ መንግስቲ ትግራይ ምፍላይን እዩ፡፡ እዙይ ድማ ካብ ኣራት ኪሎ ክሳብ ዓዲ ሃሎ ከም ቀንዲ ዋኒን ዝሓዙዎ እዩ፤ ሕራነን ሓቦን ዲያስፖራ ትግራይ ቅድሚት ንቕድሚት ክገጥሙዎ ስለዘይከኣሉ! ንዙይ መተግበሪ ድማ በብግዚኡ ፕሮጀክትታት እናቐረፁ የፈፅሙ፡፡

ኣብዙ ሰሙን ተቐሪፁ ኣብ ተግባር ዝውዓለን፤ «ተዓዊትናሎም» ዝበሉዎን፤ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከርፋሕ ኩነታት ከምዘሎ፣ ንዙ ኩነታት ተሓላቒ ኮይንኻ ምቕራብ፣ ንዙ መተግበሪ ድማ ካብ ኣፍጋኒስታንን ኣፍሪካን ክሳብ ላቲን ኣሜሪካ ብጥምየት ፀገምን ሕማምን ዝማሰኑ፤ ንተጋሩ ዝመስሉ ምስልታት (ፎቶግራፋት) ብምእካብ፤ መርበብ ማሕበራዊ ሚዲያ ምጭንናቕ ዝብል ነይሩ፡፡ ንዙይ ድማ ቀንዲ ተሓታቲ ብልፅግና ሻዕብያን ኣምሓራን እንተይኮኑስ «ለማስ ኣመራርሓ መንግስቲ ትግራይ እዩ» ኢልካ ምግዋሕ ዝብል ነይሩ፡፡

ብዙይ እውን እቱ መደብ ኣውሪዶም፤ ምስልታት ናይ ቅድሚ ዓመታት፤ እሞ ድማ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝትፈፀመ ኣኻኺቦም፤ «ህፃውንቲ ትግራይ ኣብ'ዙ ኩነታት ኣለዉ» ኢሎም ወንዙኡዎ፡፡ እዞም ፈሓስቲ እዙ ፕሮጀክት ኣብ መርበብ ማሕበራዊ ሚዲያ ምውንዝኦም ጥራሕ እንተይኾነ፤ ብገፊሑ ከምመደብ ወሪዱ እዘን ምስልታት ኣብ ዝተጠቅዓሉ ኩሉ እናኣተዉ ምፀትን መርገምን ኣብ ልዕሊ ኣመራርሓ መንግስቲ ትግራይ ብሪኢቶ ኣጨናኒቖምዎ፡፡ ብዙሓት ተጋሩ እውን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ትግራይ ክፈርዱ ግዘ ኣይወሰደሎምን፤ ከምገለ ተቐባበሉዎ!

እዙ ተግባር ፀላእትና ክልተ ልእኽቶ ኣለዎ፤

* ሓደ ንኣና ንተጋሩ ሓድነትና ክዘርጉን ቅሳነት ክኸልኡናን፤ ከምኡ ድማ ምስ መንግስቲ ትግራይ ተጓኒፅና ቃልሲ ዲያስፖራ ክለምስ ንምግባርን ዓቕሚ ወያነ ትግራይ ንምድኻምን እዩ፤ ቀንዲ ሕልሞም እዙይ ስለዝኾነ፡፡

* እቱ ካልኣይ ሓደግኡ ድማ፤ ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ዲያስፖራ ትግራይ ኣጥሪናዮ ዘለና ተሰማዕነትን ተኣማንነት ንምፅላም፤ እቱ ብኢምባሲታቶም እንተይተረፈ ብገፊሑ ዝቕስቕሱዎ ዘለዉ፤ «ተጋሩ ሓስዮም እዮም እምበር፤ ጀኖሳይድ ዝብሃል የለን» ንዝብሉዎ፤ ንኣና ከም ሓሰውቲ ገይሮም ከም መረዳእታ ከቕርቡ ዝፍሓሱዎ ውዲት እዩ፡፡

ሎሚ ንጉሆ ኣብ ዝነበረ ናይ «እንኳዕ ኣሐጎሰና» ኮንፍረንስ ስልኪ እዞም ፀላእትና፤ እዚ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝተዓወቱዎ ዜና እዩ መዘራረብን መግለፂ ሓጎስን ኮይኑ! ብቐፃሊ እውን ብዝበለፀ ኣዋዲድካ ንምስራሕ ዘትዮም! ብኸም'ዙይ እውን፤ «ንዲያስፖራ ትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ካብ መንግስቲ ትግራይ ንምፍላይን፣ ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ዝነበሮ ተሰማዕነትን ተኣማንነትን ክንቕንጥጦ ቀሪብና ኣለና» ክብሉ ጨዲሮም!

መን ድዩ ነይሩ «እንታይ'ሞ እንታይ'ሞ፣ እዛ ዓለም እዚኣ'ሞ» ኢሉ ዝደረፈ፡፡ ብዙሕ ግዘ ፅሒፍና ሓቢርና! ወሃብቲ እምበር ተቐበልቲ ኣጀንዳ ፀላእትና ኣይንኹን ኢልና ምዒድና! ኩሉ ዳኛን ንቕድሚት በሃልን ኣብ ዝኾነሉ መርበብ ማሕበራዊ ሚዲያ፤ መን እሞ ሰማዒ!

ኣብ ክንዲ ሓይልናን ዓቕምናን ዓቂብና ንዝሓዝናዮ ክንዲ ነገውዶ፤ ዓሺና መፃወቲ እዞም ድብራያት ኮይንና፤ ነንሕድሕድና ድማ ንናቖት ኣለና!

እዛ መንገድና ኣዐርያ ቀጣን ኣብ ልዕሊ ምዃናስ፤ የማነ ፀጋማ ሃለው ዝበለ ፀድፊ እያ እሞ፤ ንለብም! ሓድነትና ኣስጢምና ብብልሒ ብጥበብ ንሰድር! ኣይኮነን ኣሓት ኣሕዋትካ ጓና እውን ኣጋር ቃልስና ንክኸውን ግድን ይብለና! ፀላእትና እናነከና እንተተኻኢሉ ኣብ ጎንና እናሰለፍና ፈተውትና እነሰስነሉ ጥበብ ዝመልኦ ኣካይዳን ኣመራርሓን እዩ ዘዐውተናን ዘርብሐናን!

ብዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ኣብ'ዙ ደንበርበር የለን፤ ኣብ ትግራይ ኣብ መሪር ተጋድሎ እዩ ዘሎ፤ ዕፅዋን ክባን ክምክትን ብኹሉ መዳይ ሰይሩ ክሰግርን፤ እሂን ምሂን እናበለ ኹሉ ዓቕሙ ፀንቂቑ ብፅንዓት ፀዓርዓር እዩ ዝብል ዘሎ! ብዘተኣማምን ድማ፤ ንናይ ፅባሕ ወጋሕታ እናማዓደወ!

ትግራይ ትስዕር ኣላ! ካሳ ሃይለማርያም
ቴሌግራም : https://t.me/+HdnQzJcDXXJlMzBh Sent from my phone