INFORMATION AND DATA COLLECTION FOR FREE TIGRAY

Tigray is found in north Ethiopia and is the credile of civilization of the Horn of Africa.

You are on the page where you can read the articles posted during the all months of the year.

On the sidebar, at the right side of this page, select and click a month to read articles posted in the month.

To go directly to our recent articles and documentations about Tigray click on Articles on the header of this page or click Here

ልዕሊ ዝኾነ ዕጥቂ

ልዕሊ ኹሉ ዕጥቂ ሓሳብ እዩ፤ሞራል እዩ።ሞራል እንተሃልዩ ልዕሊኡ ዕጥቂ የለን።ሞራል እንተሃልዩ ኹሉ ኣሎ።ሞራል ድማ ካብ ሓሳብ ይብገስ።ሓሳብ ንሞራል ወይ ይቐትሎ ወይ ሰማይ ይሰቕሎ።ናይ ማተርያል ዕጥቂ ነዚ ስዒቡ እዩ ዋጋ ዝህልዎ። ሞራል እንድሕርዘየለ፣ንፅረተ ሓሳብ እንድሕር ዘየለ ዝድላዩ ማተርያል ይሃሉ ዋጋ የብሉን ጥራሕ ዘይኮነስ መጥፍኢኻ እውን እዩ።እዚ ጥረ ሓቂ እዩ።

እንታይ ክብል ደልየ ይመስለኩም፦ብርሱን ወነን ሞራልን መንእሰይ ትግራይ ፀላእቲ ከመይ ዓንዲሑቖኦም ተጎዚዞም ከም ዝነበሩ ዝፍለጥ እዩ።ይኹን እምበር ነዚ ንምዕቃብ ዝተኸተልናዮ መንገዲ ከምቲ ኹሉ ግዜ እንብሉ ትኽክል ኣይነበረን ኣይኮነህ እውን።መሬት ልሒስካ ምትሳእ ንዓና ጥራሕ ዝተወሃበ ቅዲ ወይ ዕድሎት ኣምሲልና እንወስዶ ነገር ስሕተት ምዃኑ እየ ዝኣምን፣ስሕተት እውን እዩ ብስሩ።እቲ ቃልሲ መሬት ልሒስና ተሲእና ሰማይ ክዓርግ ገይርናዮ ነይርና፤ ፀላኢ እውን ካብ 4ኪሎ እንተይተረፈ ነቕነቕ ኣቢልናዮ ነይርና። ሽትኡ ግን ኣይወቕዐን።እኳደኣስ ከምቲ ሓመድ ልሒስና ዝተሳእናዮ ፀላእቲ እውን ሓመድ ልሒሶም ተለዒሎም ናብዚ ዘለናሉ ደረጃ ኣብፂሖምና ኣለው።ከምዚ ከይኸውን ወይ ይኸውን እውን ከምዘሎ ድማ ብዝኸኣልናዮ እናመላኸትና መፂእና ኢና።

ነቲ ዕጥቅናን ስንቅናን ብደምና ካብ ፀላእቲና ኢልና ዋጋ ኸፊልና ካብ ኢድ ፀላኢ ብኽቡር መስዋእቲ ዝመንዛዕናዮ ዕጥቂ ብሓሳብ ክምንዝዑና ጫፍ በፂሖም ኣለው።ሓንቲ መሳርሒ ብሂወታ ንኽንምንዝዕ ሂወት መላምል ከፊልናሉ ምዃና ብተግባር ርኢናዮ ኢና።ነዚ ብደምን ዓፅምን መላምል ተኸፊልዎ ካብ ባዕሉ ካብ ፀላኢ መንጢልና ዝተዓጠቕናዮ ዕጥቂ ሕዚ ናይ ሓሳብ ዕጥቂ ስለዝፈታሕና መሊስና ብደምና ክነረክቦም ፈሪምናሎም ኣለና።እዚ ኣብ ህዝቢ ኾነ ኣብ ሰራዊት ከምኡ እውን ኣብ ደገፍቲ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝፈጥሮ ናይ ድንጋፀ ምሕሳቡ ዝኸብድ ኣይመስለኒን። ብሓሳብ ዕጥቂ ፈቲሕና ኣለና፤ንሞራል መሰረቱ ድማ ናይ ሓሳብ ዕጥቂ እዩ እንተድኣኢልና እዚ ምፍታሕ ናይ ሓሳብ ዕጥቂ ኣብ ልዕሊ ሞራል ህዝብናን ሰራዊትናን ከምኡ እውን ፈተውቲ ቃልሲናን ዝፈጥሮ ፅልዋ ቀሊል ኣይኮነን።

ሕዚ ካልእ ብዙሕ ነገር ገዲፍና እቲ ክውንነት፣እቲ ኣብ መሬት ዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ክበርሃልና ንሕተት።ምኽንያቱ ህዝቢ ብኲናት ካብ ክትውደኦ ብስም ሰላም Systematically ክትውድኦ ኣዝዩ ዝቐለለ እዩ።እዚ ናይ ሕዚ ናይ ተፃብኦታት ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕነት ድማ ነዚ ኾለል ኣቢሉ ዕድል ዝፈጠረ ስምምዕነት እዩ።ፀላእቲ ንህዝቢ ትግራይ ናይ ምንባር ውሕስና ዝህቡ፣ብሕጊን ስርዓትን ዝግዝኡ እንተዝኾኑ እቲ ተፃብኦታት ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕነት ቅቡል ምግባር ምተኻእለ።ኾይኑ ግን ካብ መሰረታዊ ባህሪ ፀላእቲና ተበጊስና እንትንምዝን እዚ ስምምዕነት ንኽንጠፍእ፣ፀላእቲ ከም ህዝቢ ንኽውሕጡና፣ብስም ሰላም Systematically ንከብርሱና መረጋገፂ ማሕተም ምዃኑ ክንጠራጠር የብልናን።ብሰላም ክትነብር እንተደሊኻ ኹሉ ግዜ ንኲናት ተዳሎ ዝበሃል ነገር ኣሎ።ኲናት እንትበሃል ብቶኹሲ ጥራሕ ዝግለፅ ከምዘይኮነ ይሰመረሉ።

ሕዚ ፍፁም ናብ ዝተሓላለኸ ምዕራፍ ኣቲና ኣለና።ካብ ስምዒት ውፅእ ኢልና እቲ እንደልዮ ንምግባር ዓቕሚ ይህልወና ዶ ኣብ ዝብል ትኹረት ገይርና ኣብ ቅድሜና ኣንፀላልዩ ዘሎ ሓደገኛ ኹነታት ንምግላህ ዋላ ክንዲ መርፍእ ትኸውን ቀዳድ ክንእልሽ ኣለና።ፀላእቲ ንህዝቢ ትግራይ ብጥይት ተኲስም ከንበርክኽዎን ከብርስዎን ስለዘይከኣሉ ብጥምየትን ሕማምን ክውድእዎ እውን ፈቲኖም።እዚ ድማ more or less ንናታቶም ህልውና እውን ሓደጋ ኾይኑ ስለ ዝረኸብዎ ሕዚ ዘለዎም ላዕለዋይ ኢድን ናትና ኩለመዳያዊ ፖለቲካዊን ዲፕሎማስያዊ ውድቀትን ተጠቐሚሞ መንገዲ ክቕይሩ ተገዲዶም ኣለዉ።እዚ ድማ ንዓኣቶም ካብ ምችው ሃዲድ ክጎዓዙ ኣኽኢልዎም ኣሎ።ንዓና ግን ናብ ዝኸፍአን ናብ ዝተሓላሉኸን ምዕራፍ ወሲዱና ኣሎ።ድሕሪ ሕዚ ኣብ መድረኽ ዓለም እነካይዶ ወታሃደራዊ፣ፖለቲካዊ ኾነ ዲፕሎማሲያዊ ቃልሲ እውን ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ኾይኑ ኣሎ።በቲ ሕዚ ዘሎ ፖለቲካዊ መሪሕነትን ኣተሓሳስኡን ድማ ፊሕጥ ምባል ከም እንፅገም ሕቶ የብሉን።ምስቲ መሪር ኣብ መሬት ዘሎ ሓቂ ተጋፊጥና መፍትሒ ክነናዲ ይግባእ።ልዕሊ ኹሉ ግን ካብ Bravado ውፅእ ኢልና ሕዚ ብዘሎ ጭቡጥ ውሽጣዊ ዓቕምን ውሽጣዊን ዓለምለኻዊን ኣሰላልፋን ንኽእል ዶ ንዝብል ሕቶ መልሲ ሂብና ምንቅስቓስ ግድን ይብለና ኣሎ። ነዚ ሕቶ ብግዚኡ ስለ ዘይተመለሰና ኣብዚ ወዲቕና ከም ዘለና ክነስምረሉ እውን ይግባእ።

#kaza #Shalom ‼️